INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ዝተዋደደ ቕልፅም ንወሳናይ ግጥም!

ዝተዋደደ ቕልፅም ንወሳናይ ግጥም!

ዓሚ አብ ወፍሪ አሉላ ዝጀመረ መስተንክራዊ ወታደራዊ ጉዕዞ፤ ሰራዊት ትግራይ ንወረርቲ ሠራዊት ብልፅግና፤ ሰራዊት ህግደፍን/ኤርትራን ዝተፈለለዩ ሓይልታት ኢትዮጵያን ካልኦት መሻርኽቶም ናይ ወፃኢ ሓይልታትን የሻል አቢሉ አብ አፍደገ አዲስ አበባ ምስበፅሐ፤

ፖለቲካዊን ዲፕሎማሲያዊን ስራሕትና ምስ ወታደራዊን ስራሕትና አይተመዓራረየን ዝብል ገምጋም ከምዝነበረ ዝዝከር እዩ።

እቲ ናይ ሓይልታት ትግራይ ወታደራዊ፤ ፖለቲካዊን ዲፕሎማሲያዊን ጉዕዞ ዝተዋደደ ምኻን ዘይምኻኑን ትማሊን ሎሚን እንታይ የመሳስሎ?

   ሓይልታት መኸተ ትግራይ

ብውሑድ ሓይልታት ትግራይ /ሓመድ ልሒሱ ዝተሰአ ዕጥቅን ስንቅን ካብፀላኢ ዝተአጠቐሉ እዋንዩ ነይሩ:

አብሙሉእ ዕፅዋ ዝነበረ ውሱን ሓይልታትን ደጀን ህዝብን ጥራሕ ዝሓዘ ሓይሊ እዩ ነይሩ:

አብ ውሽጢ ትግራይ ዘሎ ህዝብን ዳያስፖራ ትግራይን መራኸቢ ዝተበተኸሉ  ብስነልቡና ግና ሓደ ኾይኑ ዝቃለሰሉ እዋን እዪ ነይሩ:

መብዛሕቱ  ክፋላት ትግራይ ሓራ አውፂኡ ዝተመለሰ ንሰላም ዕድል ሂቡ ካብ አምሓራን ዓፋርን ዝተመለሰ ሓይሊ እዩ::

አብ ዝሓለፉ አዋርሕ ክልቲኡ መማረፅታት ሒዙ ዝተዳለወ ካብ ዕፅዋ ንምውፃእ ምቁራፅ ተፃብኦታት ተግባርዊ ዝገበረ ፤ አብ ክሊ ዕፅዋ ኮይኑውን ንሰላም ዝተማሕፀነ መንግስቲ እዩ መንግስቲ ትግራይ።

በአንፃሩ፤ ብዙሕ ናይ መሬትን ሰማይን ዕጥቅን ስንቅን ምስ ናይ 2 ሃገራት ሙሉእ ደጀን፤ መንግስታት  ዓለም ምስትካላተን ምስ ዝሕግዝኦ መንግስቲ ዝተገበረ ኹናት ብሓይልታት ትግራይ ፀብላልነት ተኸንቢቱ ግን ድማ ብዙሓት ቦታት አብ ኢድ ፀላእቲ ወዲቁ ህዝቢ አበዕፅዋ ዝፀንሐሉ ኩነታት እዩ ዘሎ፤

ካብ መብዛሕቱ ትግራይ ተሳዒሮም ዝወፁ ወረርቲ ህዝቢ ትግራይ በዕፅዋ ክሃልቅ ወሲኖም፤ ብሽም ሰላም ንናይ መወዳእታ ጆኖሳይድ ክዳለው ፀኒሖም፤

ብሽም ሰላም ሰብአዊ ሓገዝን ግልጋሎትን ዝዓፀወ ብዕባራ ምኽንያታት ሓገዝን ግልጋሎትን አይከፍትን ዝበለ ብከባቢ ደደቢት ወራር ንምጅማር ደብዳብ ፈፂሙ አሎ።

እዚ ሕዚ ጀሚሩ ዘሎ ኹናት ካብቲ ናይ ቀዳማይ ወራር ጆኖሳይድ ብምንታይ ይፍለ?

ህዝቢ፤ መንግስትን ሰራዊትን ትግራይ በቲ  ዕፅዋ ተዳኺሙ ኢሉ ዝሓሰበ ፋሽስታዊ ጉጅለ አብይን መሻርኽቱን ሎሚ ከምብሓዱሽ አብ ትግራይ ብኹሉ ግንባራት ኹናት ካብዝጅምሩ መዓልታት አቁፂሩ አሎ፡

ብደቡባዊ ግንባር ተሃንዲዱ ዝመፀ ወራሪ ሰራዊት ብሓይልታት ትግራይ ተወቂዑ ምውት፤ ቁሱልን ምሩኽን ኮይኑ አሎ።

ካብ ሰራዊት ትግራይ ዘጋጠሞ ዘሎ ስዕረት ንምሽፋን ሰላማዊያን ሰባትን ህፃናትን አብ መቀለን ካልኦት ከባቢታት ትግራይን በነፋሪት ደብዲቡ ህይወት ንፁሃት ተጋሩ የጥፍእ አሎ::

"ጭጉራፍያ ወቂዓ ተእዊ” ኾይኑ ጉጅለ አብይ ብሓሙሽተ ግንባር ተወሪርና ኢሉ ዝተለመደ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ጀሚሩ አሎ።

እቲ ወራር በመሬት፤ ብሰማይን ብስነ-ልቡናዊ/ብፕሮፖጋንዳ ተዋዲዱ ህዝቢታት ኢትዮጵያን ሕብረተሰብ ዓለምን ከዳናግር ይፍትን አሎ።

እሞኸ? መንግስቲን ሰራዊት ትግራይ ምስ ህዝቢ ትግራይ አብ ምንታይ ኩንተታ አለው?

• ህዝቢ፤ መንግስትን ሰራዊትን ትግራይ አብ ዝለዓለ ናይ መኸተ ቁመና አለው

o በወታደራዊ ቁመና ናብ ዝሓሸ ብርኪ በፂሑ፤ብስለጠናን ካብፀላኢ ብዝተመንዘዐ ዕጥቂን

o ካብ መዓልታዊ ኹናት ውፅእ ኢሉ አብክሊ ምክልኻል ኮይኑ ብብቅዓት ዝሰልጠነሉ ዕድል ተረኺቡ. አሎ

o ደጀንን ሰራዊትን ከምብሓዱሽ ተናቢበቦም ዝሰርሕሉ መድረኽ ምፍጣሩ/ምስላፍ ወዘተ/

o አብ ናይ ዓለም መድረኻት መንግስቲ ትግራይ ናይ ተደራዳሪነት ቦታ ምሕዝን ተቀባልነትን ረኺቡ አሎ

o መራሕቲ ፖለቲካ ሃገራት ዓለም ናብ መቐለ  ዝገበርዎ  ጐዕዞ ዝፈጠሮ አወንታዊ ፅልዋ አሎ

o መንግስቲ ትግራይ ብቢሮ ዝምድናታት ወፃኢ አቢሉ ዝወፅኦም  ተደጋጋሚ መግለፅታትን ዘሕደሮ አወንታዊ ፅልዋ አሎ፤

o አብ ዳያስፖራ ትግራይ ዝተፈጠሩ ብዝሒ ውዳበታትን ዝተገበረ ዲፕሎማሲያዊ ፃዕርታትን

o በሚዲያን ሶሻል ሚዲያን ውሽጥን ወፃእን ምስ አለም-ለኸ ሚዲያታት ዝተሰርሐ ሰፊሕ ስራሕቲ

o ሕዝቢ ትግራይ ብዕፅዋ ከይተሰኮነ ብናይ ውሽጣዊ ዓቅሚ ምትሕግጋዝን ንቃልሲ ምውሳንን እንትኸው፤ ወረርቲ ሓይልታት ሎሚ ከመይ አለው?

o ብተደጋገመ ሓሶት አብ ሕብረተስብ ዓለምን ህዝብታትን ኢትዮጵያ እምነት ስኢኑ አሎ

o አብይን መሻርኽቱን አብ ትግራይ ዝፈፀሞ ጆኖሳይድ አብ ዓለም ተቃሊሑ/ ኤርትራ ሓዊሱ/

o ብደመኛ ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ዘጋጠመ ዕፅዋ አብ ህዝቢ ዝያዳ ሕራነ ፈጢሩ ምህላው

o ብፖለቲካን፡ ኹሎም አረአያታት ትግራይ አብ ክሊ መኸተ ሓድነቶም ተረጋጊፁ አሎ

o ብዲፕሎማሲ፡ ብዳያስፖራ ተጋሩ አምባሳደርነት ሕብረተሰብ ዓለም ኹነታት ትግራይ ፈሊጡ

o ጉጅለ አብይ አብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ተቀባልነቱ ቅሂሙ ህዝቢ ከፊእዎ ዘማርረሉ እዋን፤

o ምስ ኹሎም ዕጡቃት ሓይልታት ኦሮሞን ካልኦትን ኹናት አብ ዝለዓለ ብርኪ በፂሑ ምህላው፤

o ከምቲ ዓሚ ካብ ወፃኢን ዝመፁ ደርጋዊያንን ህዝቢ አዲስ አበባን ክንወፍር ዝብል ደጋፊ የለን፤

o ብአንፃሩ ብኸባቢ ህዝቢ አምሓራን ካለኦት ብሄር-ብሄረሰባት ናይ ሰላምዊ ፍታሕ ፃውዒት

o አብ አመራርሓ መንግስት፤ሰራዊት ኢትይጵያን ሓይልታት ፋኖን ዘሎ ገፊሕ አፈላላያት፤

o አብ ዳያስፖራ ኢትዮጵያዊያን ምስ ስርዓት አብይ፤ ኤርትራዊያን ምስ ኢሳያስ ዘሎ  ረፅምን ተፃብኦታትን

o ብመዕራባዊያን አብ ልዕሊ አብይን ኢሳያስን ዘሎ ፅዕንቶን ማዕቀባትን ረቂቅ ሕግታትን

o ኢትዮጵያ ምስ ጎሮባብታን ዓለምን ዘጋጥማ ዘሎ ርክባት ምሕርፋፍ(ለውጢ ፎርማጆ ወዘተ)

o አብ እዋን ምቁራፅ ተፃብኦታት መሰረታዊ ግልጋሎት ዘይምኽፋቱ አብ  ዓለም ተቃለዐ፤

o ኹናት ጀሚሩ አብ ንፁሃትን ህፃናትን ናይ አየር ደብዳብ ምክያዱ ውግዘት ከምዘጋጠሞ፤

o አብ ናይ 3 መዓልቲ ኹናት ብደቡባዊ ግንባር ዘጋጠሞ ሰዕረት ንውድቀት ምልክት ምኻኑ፤

o ኑዛዜ ምሩኻት ሰራዊት ብልፅግና ንሞራል ሰራዊት ኢትዮጵያን ፋኖን ካሊእ ውድቀት ምኻኑ፤

o ናይዚ መቀፀልታ በኻሊእ ግንባራት ምስ ሰራዊት ኢሳያስ ዝኸፈቶ ኹናት ተመሳሳሊ ዕጫ. ይገጥሞ ምህላው፤ • አብ ትግራይ ዕፅዋ ንምስባር አብዝግበር ዘሎ ወሳኒ ግጥም ካብ ዳያስፖራ ትግራይ እንታይ ትፅቢት ይግበር?

o ሎሚ ወታደራዊ፤ ፖለቲካዊን ዲፕሎማሲያዊ ኩነታትና ተዋዲደን አለዋ፤ መሊሰን ከይዛበዓ፤

o ከምቲ ናይ ውሽጢ ትግራይ ህዝቢ ኸቲቱ ዘሎ አብዚውን ምኽታት፤

o አብ ዲፕሎማሲ ዝግበር ዝነበረ ፃዕሪ ብዝለዓለ ናህሪ ድምፂ ህዝቢ ምኻን፤

o በሰላማዊ ሰልፊ፤ ትዊት፤ ሚዲያን ሶሻል ሚዲያን አቢልካ ግዳያት ኹናትን ደብዳብን ምቅላሕ፤

o በኹሉ መዳይ ካብ መንግስቲን ህዝቢን ትግራይ ዝቀርቡ ፃውዒታት ምትግባር፤

o በገንዘብ፤ ብማተሪያል፤ ብሙያን ሞራልን ንህዝብን መንግስትን ትግራይ ምሕጋዝ፤

o ካብ ዝምልከቶ አካል ብስሩዕ ዘይተልአኹ/ዘይተፃረዩ ሓበሬታት ዘይምዝርጋሕ/ምዕቃብ/

o በፀላኢ ዝለአኹ መፈራርሒ መጠንቀቅታታት ዝመስሉ ናብ ዝምልከቶ ብውሽጢ ጥራሕ ምልአኽ፤

o ዝተዛበዑ ሓበሬታታት ናይቲ ስነልቡና ኹናት አካል ምኽኑ ፈልጥካ ብፅንዓት ምክልኻል፤

o እዛ ናይ ህልውና ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋፅ እትግበር ዘላ ናይ ሞትን ሕየትን ቃልሲ ብውነ ምሕዝ፤

ስለዚ መኸተ እንትበሃል ብውዕሎ ሰራዊት ትግራይ ዝርከቡ ዜና ዓወታት ምፅባይ ጥራሕ ተይኮነስ፤ ነታ ዓወት ዝተኸፈለትን እትኽፈል ዘላን ህይወት ሰራዊት ትግራይ፤ አብቲ ኹናት ግዳይ ዝኸውን ዘሎ ህዝቢ ትግራይ፤ በቲ ኹናት ዝበርስ ዘሎ ሃፍትን ንብረት ህዝቢ ትግራይ እናሓሰብና ብዘለና ዓቅሚ ናይ ደጀን ስራሕትና ብዘየዕረፍቲ ምዕማም እዩ።

እዚ ማለት አብዘዘለናሉ ወዳበታትን ኮሚኒታትን አብዝግበሩ ንጥፈታት ከይተፀዋዕናን ከይተፀባፀብናን  ንምሕጋዝ ድልው ምኻን፤ ምስ ገለ ውልቀሰባትን ውዳበታትን ዝነበረና ዘይምርድዳእ ንጎኒ አፅኒሕና ምእንተ ሃላዋት ህዝቢ ትግራይ አብታ እንኮ ናይ መኸተ መደብ ምስራሕ፤ ምውፋይ፤ ምምራሕ፤ ምትሕግጋዝ፤ ምትሕልላይ ማለትና እዩ።

ቃልሲ ካብ ዓርሳኻ ስለዝጅምር ቅድም ቀዳድም ነቲ መኸተ ብውነ ሒዝካ ውፉይ ምኻን እዩ።

ውፉይነት ድማ እተን አብላዕሊ ዝተጠቀሳ ውልቃውነትን አነነትን ስዒርካ ምስ አብከባቢኻ ዘሎ ትግራዋይን ፈታዊ ህዝቢ ትግራይን ተቀራሪብካ ምስራሕን ምምራሕን ማለት እዩ።

እተን አብ ጥቓ ደብረብርሃን ምስተበፅሐ ዘይተዋደዳ ዝነበራ ፖለቲካን ዲፕሎማሲን በዞም ዝተጠቀሱ ምኽንያታት ተዋዲደን ይመስላ፤

ብዝተዋደደ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ፤ መንግስቲን ሰራዊትን ትግራይ ምስ ዳያስፖራ ትግራይ ድሙቅ ዓወት ክንረክብ ርግፀኛታት ኢና፤

ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ክስዓሩ እዮም፤ በሰላ ኹናት ምሕዋይን ህንፀት ሃገርን ቀፀልቲ ዕማማትና እዮም፤

ናይ ሎሚ ተወፋይነትና አብ መፃኢ ዕድል ህዝቢ ትግራይ ወሳኒ ስለዝኾነውን እዩ ከይተዛናጋዕና ንመኸተ ንሰለፍ እንብል ዘለና፤

ናይዚ ወርቃዊ ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ አካል ምኻን ዓብይ ዕድል እዩ፤ ንመበል ኻልአይ ጊዜ ዝጋደል ዘለው/ዘልዋ ተጋሩ እንትንኽብር፤ ተጋሩ ብምኻኖም ዝተአሰሩን፤ አብ ስደት ከይተረፈ ዝሳቀ ዘለው ተጋሩን እንትንሓስብ፤ ትማሊ ብርሃፆም ዝሃፍተሙ እንትልምኑን ህይወቶም እንትሕልፉን እንትንሰመዕን እንትንርእን ናይ ምንባር ትግርጉም ዝያዳ ንርዳእ፤

ንዘይተርፍ ዓለም ታሪኽ ሰሪሕካ ምሕላፍ ይምረፅ፤ ታሪኽ ንምስራሕ ድማ ናይግድን ናይ ህይወት መስዋእቲ አይኽፍልንሞ ዳያስፖራ ነዚ ቀትርን ለይትን “ ሳላ ዳያስፖራ” እናበለ ተስፋ ዝሃበና ህዝቢ ቀትርን ለይቲን ድምፂ ንኹኖ።

ትግራይ ትዕወት አላ!
አባይ ግደይ ( USA 9/3/2022)