INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ዝተፈጠረ ዓቕሚ ከይነባኽን

ንፅኑዕ ተቓላሳይ ህዝብና ዝግባእ/ዝምጥን ክንሰርሕ.....

ኣብዚ መሪር ኩነታት ዝኸፈልናዮ ክቡር ዋጋን ሕሱም በደልን ከምዘሎ፡ ዘጥረናዮ ገዚፍ ዓቕሚ ከምዘሎ ነስተብህል ዶ?

እስቲ ንርኣዮ

1) ንዘበናት ተሸኪምናዮም ዝነበርና ደጋል ኣርኣያታትን እምነታትን ክንፍትሽ እኮ ገይሩና እዩ። ከም ተጋሩ።

- መናብርትና ክንፈልጥ/ክነለሊ፣ ንዘበናት ንመን ኢልና መስዋእቲ ንኸፍል ነይርና? ውፅኢቱ ኸ ? ክንርኢ፣ ዘላቒ ረብሓና ናበይ ኣንፈት ክኾን ከምዘለዎ ክንርዳእ፣ ምስ መንን ብኸመይን ክነብር ከምዘለ ወዘተ ክንፍትሽ እኮ ገይሩና 'ዩ። -

2) ናይ ተጋሩ ዓቕምታትን ናይ ምትሕብባርን ምድግጋፍን ተኽእሎን ካብትን ካብዝን ተጎርጊሩ ወፂኡ ሓይሊ ኾይኑ እንታይ ክገብር ከምዘለዎን ከምዝኽእልን ኣብ ኣደባባይ ዓለም ክርአ እኮ ገይሩና እዩ።
- እዙይ እኮ በቃ ሓይሊ ኮይኑ እዩ ክቕፅል። ትግራይ ናብ ካሊእ ልዕል ዝብለ ብርኪ ክትሰጋገር እኮ እዩ ክሰርሕ።
- ንባዕሉ ዓቕሙ ኣባዚሑን ኣዕብዩን እኮ እዩ እግረ መንገዱ ኣብቲ ቓልሲ።
- ሰብ ክፋለጥን ክተሓጋገዝን ክመሃሃርን እኮ ዕዱል ሂቡ እዩ። ኣብ መላእ ዓለም ዘለኹም ኣብቲ ከይዲ ቃልስኹም ታይ ተማሂርኩም እንዶ ዘክሩ፡ ዓቕሚ እኮ 'ዩ።
- ካብ ትግራይ ወፃእ ዘሎ ሱቕ ኢሉ ውልቃዊ ህይወቱ ዝመርሕ ዝነበረ ትግራዋይ ናብ መንነቱ ክርኢ፥ ብዛዕባ ዓዱን ህዝቡን ክግደስን ክቃለስን፡ ብዙይ ድማ ተቓላሳይነት ስሚዒት ክሓድሮን ልዕል ዝበለ ስብእና ክሕዝን ናብ ኣደባባይ ክወፅእ፣
- ብዙሕ ወፃእን ድኻምን ስለዘለዎ ተወሳኺ ስራሕን ፃዕርን ስለዝሓትት ገዝፍ ትምህርቲን ክእለትን እኮ ወሲኹ 'ዩ

3) ማሕበረሰብ ዓለም መን ምዃና ከለልየና መሓዛ ክኾነናን ዘኽእል ዕድል እኮ ተፈጢሩ እዩ
- ሐዚ እኮ ትግራይን ተጋሩን ኣብ ቅድሚ ዓለም ከምቲ ቅድሚ እዚ ኩነታት ኣይኮነን
- እዙይ ኣብ ናይ ትግራይ ቀፃሊ ለውጥን ምዕባለን ኣዝዩ ገዚፍ ዓቕሚ እዩ

4 ) ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ኩነታትና ብመሰረቱ ክልወጥ ከምዘለዎ ጥራይ ዘይኮነስ ድላዩ ክገብር ዝኽእል፥ ከምቲ ቅድሚኡ ዝነበረ 'ዝበልኩኻ ስማዕ፡ ኣነ ይፈልጠልካ' ክብሃል ዘይኽእል ዓቕሚ/ሓይሊ እኮ ተፈጢሩ እዩ።
- ኣብ ጫፍ ብልሒ እቲ ቓልሲ ኮይኑ ዝኳሻሕ ዝነበረ ሓየት ተጋዳላይና እኮ እቲ ኩነታት ቅሩብ መልክዕ እንሓዘ ምስከደ ኣብቲ ናይ ሰላምን ምዕባለን መድረኽ ዘይልወ ናይ ለውጥን ፍትሕን ሞተር እዩ ክኾን
- ማንም ዘየደንግፆ ዓቕሚ እኮ ኣብ ኢድ እዩ ዝኒሀ።
- እቲ ውሽጣዊ ኩነታት ብመሰረቱ ዝተለወጠ እዩ፡ ንቲ ዝንበረ ኣካይዳ ክሽከም ኣይኽእልን።
ወዘተ

~ እዚአን ዓቕምታት ክዋደዳ ክዋፈራ ኣለወን። ጀሚረን ኣለዋ። እቲ ዋና ኣብ ውሽጥና እንድዩ፡ እቲ ናይ ውሽጥና ግርም ተስፋ ዝህብ ኣብዘን ዝሓለፋ 15 መዓቲታት ይርኢ ኣለኹ። ኣካይድኡን ዝሓዝዎ ሰባትን ሪኢኻ ወፅኢቱ ንተቓላሳይ ህዝብና ዝግባእ/ዝምጥን ስራሕ ክኾን ይተኣማመም።

ብዝኾነ ኩላትና ንዚ ፅኑዕ ተቓላሳይ ህዝብና ዝግባእ ምንቅስቓስ ንግበር፡ ንስራሕ፡ ንትጋህ።