INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ብምኽንያት፣ ዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት፣ ሓራ ምውፃእ መቐለና፣ መግለፂ መንግስቲ ትግራይ

ሓራ ምውፃእ መቐለና፣ ንወረርቲ መሕብኢ አስኢኑ-ዓለም፣ ዓይና ክተንቑሕ፣ ዝገበረ ዓብዪ ታሪካዊ ፍፃመ እዩ!!

ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን፣ አብ ውሽጢ ዓድን ዝተፈላለዩ ወፃኢ ሃገራትን፣ እትነብር ህዝቢ ትግራይ ፣ ከምኡ እዉን ንፈተውትን ደገፍትን ህዝባዊ ቃልስና፣ ዋና ከተማ ትግራይና ፣ ሰሜናዊት፣ ኮኸብ መቐለና፣ ድሕሪ ደልሃመት፣ ሽሞንተ አዋርሕ፣ ማለት ሰነ 21/2013 ዓ/ም፣ ካብ ምንጋጋ ኩሎም ታሪካዊ ደመኛ ፀላእትና ወረርቲ ሓይልታት፣ ብቅልፅም ህዝብን ሰራዊትን ትግራይና፣ ሓራ ንዝወፀትሉ፣ ዝክሪ ቀዳማይ ዓመት፣ እንዃዕ ብሰላም አብፀሐኩም! አብፀሐና! ዝብል መልእክቲ ሓጎስን ሰናይ ትምኒትን፣ መንግስቲ ትግራይ እንተመሓላልፍ፣ ሕዚ እዉን አብ ትሐቲ ወረርቲ ሓይልታት ዘሎ፣ ኩሉ ላአላዊ ግዝአት ትግራይና፣ እንተተካኢሉ ብሰላም፣ እንተዘይኮይኑ፣ ግና ብቅልፅምና፣ ብተነፃፃሪ፣ አብ ዝሓፀረ ጊዜ፣ ህዝብና አየር ሓርነት ንከተንፍስ፣ ዋላ ሓንቲ ኢንች መሬትና ከይተረፈት፣ ሓራ ንምውፃእ ከምወትሩ፣ ሓድነትና ከም ሓፂን አጠናኪርና ከም እንረባረብ ብምትእምማን እዩ፡፡

ወርሒ ሰነ 2013 ዓ/ም፣ ካልአይ ደርጊ፣ ፋሽሽቲ ጉጅለ አብይ አሕመድ፣ አብ ቶጎጋን ካልኦት ከባብታትን ትግራይና ብአየርን ብምድርን ንፁሃን ደቂ ትግራይ ዝጨፍጨፈላ ወርሒ እያ፡፡ በአንፃሩ ግና ህዝቢ፣ መንግስትን ሰራዊትን ትግራይ፣ ተፈጥራውን ስራሕ ሰብ ፀገማትን ተፃዊሮም፣ ብቀንዱ ብወፍሪ አቦ ሓጎና አፍሪካዊ ጀነራል አሉላ አባነጋ፣ ብዙሕ ተአምርን መስተንክር ታሪክን ፂሒፎም፣ ናይ ዝበዝሕ ህዝብና ንብዓት ሓቢሶም ስውአትና ዝተደበሱላ፣ ታሪካዊትን ተደራረብቲ ዓወታትን ዘመዝገብናላ፣ ወርሒ እያ፣ ወርሒ ሰነ ፡፡

ብምዃኑ ዓሚ ከምዝ ሎሚ፣ ሰነ 21/2013 ዓ∙ም፣ አብ ውሽጢ ዓድን ወፃኢን ዝነብር ህዝቢ ትግራይ፣ አብ ዙርያ መንግስቲ ትግራይ ዓሲሉን፣ ብሕራነ ገቢሉን፣ አብ 2013 ዓ/ም ዝነበሩ ሸሞንተ (8) አዋርሕ፣ ማለት አብ ታሪኩ ገጢምዎ ዘይፈልጥ፣ ዘይስገር ዝመስል ዝነበረ፣ ገሃንም፣ ሓሳረ- መከራ፣ ሞትን ህልቂትን ዘሸነፉ መዘና አልቦ፣ መላምል ሓየታትን ዋዕሮታትን ጀጋኑ ደቁ ፣ አብ ግንባር አሰሊፉ፣ ናይ ቀረባን ርሑቅን፣ ዘራያትን መሻርክትን፣ ሃገራት ኩሉ መዳያዊ ሓገዝ ዘይተፈለዮምን፣ ማእለያ ዘይብሉ ዘመናዊ መሳርሒ ኩናትን፣ ምስ ዝተዓጠቀ በአማኢት አሻሓት ዝቁፀር ሽሾ ዕሱብ ዕጡቅ ሓይሊ፣ ፊት ንፊት ገጢሙ፣ ንኩሎም ፀገማት ብቅልፅሙ ፈንፂሑ፣ መቐለና ሓዊስካ ዝበዝሕ ላእላዊ ግዝአት ትግራይና ሓራ አውፂኡ፣ እቶም፣ ኣብ 2013 ዓ∕ም ዝነበሩ፣ ሸሞንተ አዋርሕ፣ መሬት ትግራይ ፀቢብዎም፣ መን ከማና ዝብሉ ዝነበሩን፣ ዕድመ፣ ፆታ፣ ሃይማኖት፣ ኩነታት ሰራሕን ወዘተ፣ ከይፈለዩ፣ አብ ገፀርን ከተማን ከም ኡዉን፣ ካብ ትግራይና ወፃኢ ዝነብር ህዝብና፣ ብአልማሚት ጨፍጪፎም፣ ደም ንፁሃን፣ ብከንቱ አፍሲሶም ዘይረወዩ፣ ሃንደስቲ፣ መራሕቲ፣ አዋፈርትን ፈፀምትን፣ ጆኖሳየድ ግፍዐኛ ኩሎም ወረርቲ ሓይልታት፣ ርዕዖም ጠቅሊሎም፣ ብዓይኒ ዕሙተይ፣ ገሊኦም ንአንፈት ደቡብ፣ ገሊኦም ድማ ንሰሜን ጭርኦም ደጊሎም፣ ከሃድሙ ብምግባር፣ ትግራይና ትማሊ፣ ሎሚ ይኩን ወትሮ፣ ወረርትን ባንዳታትን ዝዕንዱሩላ ከይኮነትስ፣ መቅበሪቶም ከምዝኮነት ደጊማ ደጋጊማ ብተግባር አመስኪራ እያ፡፡ ብድማር ህዝቢ ትግራይ፣ ንማንም ናይ ወፃኢ ይኩን ውሽጢ ወራሪ ሓይሊ፣ ዘይቁርጦም ቆሎን፣ ዘይጠዓም ሓሞት ሓርማዝን ምዃኑ፣ ብተግባር ብምርኣይ፣ ዓለምለኸ ማሕበረ ሰብ፣ ዓይኑ አንቒሑ ክርእይን፣ ህዝቢ ትግራይ ብዝኮነ ምድራዊ ሓይሊ ዘይሰዓር ምካኑን አሚኑ፣ ጉዳይ ትግራይ ቀዳማይ አጀንደኡ ገይሩ ክዝተየሉን ትኩረት ክግበረሉን ዝገበረ፣ተመራመርቲ እዉን ህዝቢ ትግራይ መን እዩ? ነዚ ኩሉ ሽሾ ዕጡቅ ዕሱብ ሓይሊ፣ ብዘይ ምንም ናይ ወፃኢ ሓገዝ ፣ በይኑ ከመይ ገይሩ ሲዒሩ? ዝብል ሕቶ አልዒሎም ክሳብ ሕዚ ከመራመሩ ዝገበረ ዓብይ ፍፃመ እዩ፡፡

ብሓፂሩ ብወፍሪ አቦሓጎና፣ ጅግና ጀነራል አሉላ አባነጋ፣ መቐለና፣ ካብ ወረርቲ ሓራ ዝወፀትላ፣ ሰነ 21/2013 ዓ/ም፣ ነቲ ህዝባዊ ኩናት ዝመርሕ ዘሎ መንግስቲ ትግራይ፣ ናብ ንቡር ቦትኡ ዝተመለሰሉ ዓብይ ፍፃመ ጥራሕ አይኮነን ፡፡ ትርጉሙ ካብኡ ንላዕሊ እዩ፡፡ ምሽጥር ዓወት ህዝባዊ ኩናት፣ በዝሒ ሓይሊ ሰብን፣ ኹምራ መሳርሒ ኩናትን ከይኮነስ ዓይነትን ጽርየትን ሓይሊ ሰብን ንፁር ዕላማን፣ ዝሓዘ ህዝቢ ትግራይ ብውሕዱ፣ ኣብ ነቕ ዘይብል መትከሉ ሸኺሉ፣ ንኩሎም ወረርቲ ሓማሺሹ፣ ንዓለም ብተግባር አርእዩ እዩ፡፡ ማለት እዉን ሕጋዊ፣ ፍትሓዊን ተቀባልነትን ዘለዎ፣ ህዝባዊ ኩናት፣ ዘካይድ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ፣ ናይ ጊዜ ጉዳይ እንተዘይ፣ ኮይኑ ሎሚ እዉን ከም ዓሚ ሰነ 21፣ ዘመዝገብናዮ ፖለቲካዊ፣ ወታደራዊን ዲፕሎማስያዊ ዓወታት፣ ብተደራራቢ ዓወታት አፀንቢሉ ንኩሎም ሽርሒታት ወረርቲ፣ ብድሆታትን ፀገማትን መኪቱ፣ ብዓወት መሰስ ከም ዝብል ንኩሉ ጋህዲ ዝገበረ እዩ፡፡

በዚ አጋጣሚ፣ አብ ዓለምና ተራእዩ ዘይፈልጥ ማእለያ ዘይብሉ ዘስካሕክሕ ጀኖሳይድ፣ ኩሎም ወረርቲ ሓይልታት፣ ድምብርፅ ከየበሎን ከየሰኮኖን፣ ብኩሉ ዓቅሙ ዝተካሸሐ፣ አብ ገጠርን ከተማታትን ትግራይና ዝነብር ህዝቢ ትግራይ ብሓፈሻ፣ ብፍላይ አብ ከተማ መቐለ "ረመፅ" ብዝብል ስም ተወዲቡ መስተንክር ዝሰርሐ ውዳበ ሓዊስካ፣ አብ ኩለን ከተማታትና ብዝተፈላለየ ስም ተወዲቡ ደጀንን ግንባርን ከሰጣጥም ዘይተሓለለ ቃልሲ ብምግባር፣ ኩለ መደያዊ መስዋእቲ ከፊሉ፣ አብ ጉዕዞ ቃልስና ናይ ባዕሉ ቦታ ዝሓዘ ታሪክ ዝፀሓፎ መናእሰይ ትግራይና፣ ከምኡ ዉን፣ ክሳብ ሕዚ ሰልችዩና ከይበሉ፣ ኣምባሳደራት ትግራይና ኮይኖም፣ ዝተረባረቡን ይረባረቡን ዘለዉ ዲያስፖራ ትግራይና፣ ብቀንዱ ቆፂርካ ዘይውዳእ ፀገማት ተፃዊሩ፣ ወያናይ ህልክ፣ ኒሕ፣ ሓቦ፣ ምስ ወታደራዊ ሳይንስን ጥበብን አዋዲዱ፣ ህዝባዊ ዕላማን ሕድሪ ስውአትና አፅኒዑ ሒዙ፣ ምስ ምኩር ክእለትን ብቅዓትን፣ ወታደራዊን ፖለቲካውን መራሕቲ፣ ህዝባዊ ኩናት፣ ተናቢቡ ዘይስበሩ ዝመስሉ ዝነበሩ፣ ድፍዓት ወረርቲ፣ ብመስተንክር ፅንዓት፣ ብናይ መዓልትታት ውግእ ሰባቢሩ፣ ዝለዓለ እጃም ብምውፋይ፣ ሰነ 21 መቐለና ንፋስ ሓርነት ክተትንፍስ ተአምር ዘርአየ ሰራዊት ትግራይና፣ ብሓፂሩ ኩሉኩም ደቂ ትግራይ፣ ተዋዲድኩም፣ ብደምኩም፣ አዕፅምትኩም፣ ፍልጠትኩም፣ ክእለትኩም፣ ገንዘብኩምን ጉልበትኩምን ዝፀሓፍክምዎ፣ ንዘልአለም ብወለዶታት እናተዘንተወን እናተዘከረን ዝነብር ህያው ታሪክና፣ መንግስቲ ትግራይ፣ ዘለዎ ናእዳ፣ ብክብሪ እንትገልፅ፣ ሕዚ ኣጋጢሙና ዘሎ ዝተሓላለከ፣ ቀሊልን ውሕዱን ዘይበሃል፣ ገዛ ዕዮ፣ ከምወትሩ፣ ብዓወት ንምክንባት ብውልቀን ብውዳበን ከም እትረባረቡ ብምትእምማን እዩ፡፡

ስለዝኾነ ውሕሉል ጥበብን ብልሓትን፣ ዝሓትት ናይዚ ዘለናዮ ተኣናፊ፣ ንኡስ መድረኽ ዕማማት፣ ብዓወት ብምኽንባት- ሓዱሽ ናይ ቃልሲ ምዕራፍ ንምጅማር፣ ኩሉ ህዝቢ ትግራይ ብሓፈሻ፣ ብፍላይ ሓረስታይ ትግራይና፣ ሰብ ሙያን ተመራመርትን ሕርሻ፣ ኣብ ክረምቲ ወቕቲ ኣዝመራ 2014/2015 ዝተዓፃፀፈ ምህርቲ ንምሕፋስ፣ ብኹሉ ዓቕሞም ክረባረቡ ይግባእ። ናይ ከተማ ህዝብና 'ውን፣ ጀሚርዎ ዘሎ ስራሕቲ ኣትኽልቲ ገደና፣ ኣደንፊዑ ብምቕፃልን፣ ክብርታት ምትሕግጋዝ ብምሕያልን፣ ተወዲቡ ሓረስታይ ትግራይና ንምድጋፍ፣ ወለንታዊ ግዴትኡ ብምውፋይ ሰናይ ክረምቲ ክኾነልና ኣድላይ ፃዕሪ ክገብር ኣለዎ። ኣምባሳደር ትግራይና ዝኾነ፣ ዳያስፖራ ትግራይና ድማ ኣብቶም ዝሓለፉ ዓመታት ዝሰርሖም፣ መስተንክር ቅያ ዓቂቡ፣ ወፍሪ መኸተ ሰለስተ ብምዕዋት፣ ስራሕቲ ዲፕሎማሲ ትግራይና ናብ ዝላዓለ ብራኸ ብምብፃሕ፣ ፀላእትና ርእሶም ከድንኑ ከምዝገብር ህዝብን መንግስትን ትግራይ ተስፋ ይገብሩ 'ዮም። ኣብ ውሽጥን ደገን ዘሎ ኩሉ በዓል ሙያን ስቪል ሰርባንትን፣ ብፍላይ ሰብ ሙያ ስነ ጥበብ፣ ኮሙኒኬተራትን ጋዜጠኛታትን ዘፈር ኮሙኒኬሽንን ሚድያ ትግራይና፣ ተዋዲዶም፣ እናተናበቡን እናተመጋገቡን፣ ፀላእትና መልሓሶም ክሓይኩ ከምዝገብርዎም፣ እንትርፊ ፀላእቲ፣ ፈተውትን ደገፍትን ቃልስና ኣይጠራጠሩን።

ከምኡውን አብ ዝሓለፉ 20 አዋርሕ፣ ብኦፕሬሽን ስዩም፣ ወፍሪ አሉላ፣ ወፍሪ አዴታት፣ ወፍሪ ፀሓይ ብራቅ፣ ካልኦት ኦፕሬሽናትን ውግኣትን፣ ኩሉ ዓይነት ፀገማት ተፃዊርካን፣ ዓቅሚ ህዝብና ተአማሚንካን፣ ብዙሓት መስገንድላት ሓሊፍካ፣ ዋልታን ድፋዕን፣ ህዝቢ ትግራይ ዝኮንካ፣ ዘንቲካን ፅሒፍካን ዘይውዳእ መስተንክር ቅያ ብደምካን አዕፅምትካን ዘመዝገብካ፣ መዘና አልቦ ጅግና ሰራዊት ትግራይና፣ ዓሚ ከምዚ ሎሚ ደመኛ ፀላእትና ደዃዕዃዕ አቢልካ መቐለና ጥራሕ እንተይ ከነትስ መብዛሕትኡ ላእላዊ ግዝኣት ትግራይና፣ ሰነ 21/2013 ዓ∕ም፣ ባና ሓርነት ከተተንፍሰ ገይርካ ኢካ፡፡ ሕዚ ውን እንተተካኢሉ ብሰላም፣ እንተዘይኮይኑ፣ ፀላእትና መአዲ ሰላም ተሓሲሞም ውግእን ኩናትን እንተመሪፆም፣ እቲ ዝፈልጥዎ ብርቱዕ ቅልፅምካ፣ አብ ዝባኖም አዕሪፍካ፣ ትግራይና፣ መሊአ አየር ሓርነት ክተትንፍስ፣ ዘለካ ውፍይነት፣ ብቅዓትካን ዓቅምካን፣ ብዘይምንም ጥርጥር ልዕሊ ዓወት ሰነ 21/2013 ዓ∕ም ዘበስር ምካኑ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ፡፡

አብ መወዳእታ ዓሚ ከምዚ ሎሚ፣ ሓራ ምውፃእ መቐለና፣ ንወረርቲ መሕብኢ አስኢኑ፣ ዓለም ዓይና ክተንቁሕ ዝገበረ፣ ዓብይ ታሪካዊ ፍፃመ ምካኑ፣ ብድሕሪኡ ዝተረከበን ይርከብ ዘሎን መልሲ ግብሪ፣ ህያው መርአያ እዩ፡፡ ብምካኑ ሎሚ እውን ከም ትማሊ፣ ህዝብና ሒዝና ዘይንሰግሮ ፀገምን ዘይንስዕሮ ገዚፍ ወታደራዊ ሓይልን ፈፂሙ አይህሉን፡፡ ሰለዙይ አብ 2013 ዓ∕ም ዝነበሩ ሸሞንተ አዋርሕን፣ ድሕሪ ሰነ 21፣ ሓራ ምውፃእ መቐለናን፣ ካብ ዝነበሩ ተሞኩሮታት፣ ተማሂርና ፣ ዝተረፉና ዕማማት ህዝባዊ ኩናት፣ ቀትርን ለይትን ተረባሪብና ብምዝዛም፣ አብ ታሪክ ትግራይና ናይ ባዕላ ፍሉይ ቦታ ሒዛ፣ ንዘለአለም ተኾሊዓ፣ ብወሎዶታት እናተዘከረት፣ እትነብር ድምቀቲ መዓልቲ፣ ሰነ 21፣ ብዝበለፀ ዓወት ክትፅንበል እያ፡፡ ሰለዙይ ንዘይተርፍ ዓወት ከም አርቃይ ረቢብናን ፖለቲካዊ ሓድነትና አጠናኪርናን በጊዜ የለን መንፈስ፣ ተረባሪብና፣ ሰስራሕና፣ ከም እንውግን እውን መንግስቲ ትግራይ አይጠራጠርን፡፡

ሰነ 21 እናተኮለዐት ንዘልአለም ትነብር እያ!!
ሃለዋትናን ድሕንነትናን ብቅልፅምና!!
ትግራይ ትስዕር!!
መንግስቲ ትግራይ
ሰነ 20∕2014 ዓ/ም
መቐለ