INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ዝኽሪ መራሒና ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ

ብምኽንያት 10ይ ዓመት፣ ዝኽሪ መራሒና ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ፣ መልእኽቲ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ እቲ ኩነታት ምስ ተፈጠረ!- ሓዱሽ ወሎዶ ትግራይ ገሪሩ፣ ደመኛ ፀላእትና ከም ፅምብላሊዕ ኣሕረረ!!

ሎሚ ዓመት 10ይ ዓመት ዕለተ መስዋእቲ፣ መራሒና ተጋደላይ መለስ ዜናዊ እንዝክሮ፣ ‘’ክብርታት ኩሎም ስዋኣትናን ለጋሲ መራሒና መለስ ዜናዊን -ንኩለ መደያዊ መኸተን ዓወትን’’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እዩ።

ካብ ዕሸል ዕድሚኡ ጀሚሩ፣ ህዝባዊ መስመር ዓትዒቱ ሒዙ፣ ን37 ዓመታት ተጋዲሉ፣ ዘጋደለ፣ ከም ወርቂ ብሓዊ ተፈቲኑ፣ ብጣዕሚ ከበድቲ ዝበሃሉ መድረኻት መሪሑ ዘዐወተ፣ መራሒና ተጋደላይ መለስ ዜናዊ፣ ነሓሰ 14/2004 ዓ/ም ምሸት ሰዓት ሓሙሽተን ዓሰርተ ደቂቓን (5፡10) እዩ ብኣካል ተፈልዩና። ኣብቲ እዋን ብዘይካ ዋርድያ፣ ድኽነት፣ ድሕረት፣ ድንቁርናን ልኡኻት ጥፍኣትን ዝኾነ ገባተይ-ተስፋሕፋሓይ ሓይሊ ትምኽሕቲ፣ መሻርኽቱ ኩሎም ወረርቲ ሓይልታትን፣ ሓሻኽሮም ከደምቲ፣ ጠላማትን ባንዳታትን፣ መስዋእትነት መራሒና ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ፣ ነሓሰ 15/2004 ዓ/ም ንጉሆ ብዕሊ ብሚድያ ኣብ ዝተገለፀሉ ሰዓት፣ ዘይደንገፁን፣ ዘይሓዘኑን ደቂ ኣዳምን ደቂ ሂዋንን ኣይነበሩን። ኣብቲ እዋን ኣብ ኣርባዕቲኡ ኩርናዕ ዓለምና ዝነብር ውፁዕ ህዝቢ፣ መራሕቲ ዝተፈላለዩ ሃገራትን ዓለምለኸ ትካላትን፣ ሊቀ-ሊቃውንት ዓለምና፣ ዓበይቲ ፖለቲከኛታትን ሙሁራንን፣ ማሕበረ-ኢኮኖሚያዊ ሳይንስ፣ ወዘተ. ዝተሰመዖም መሪር ሓዘን ከይወዓሉ ከይሓደሩ፣ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ብዕሊ ምግላፆም ታሪኽ ዝሰነዶ ሓቂ እዩ፣ ጥራሕ እንተይኮነስ፣ ሎሚ እዉን ህያው ኮይኑ እቲ ምስክርነት ይወሃብ ኣሎ።

ቅድሚ 10 ዓመት፣ ኣብ ፅባሕ መስዋእትን ዕለት ምስናይ ኣስከሬን፣ መራሒና ተጋደላይ መለስ ዜናዊ፣ ኣብ ኣርባዕቲኡ ኩርናዕ ዓለምና ዝነብሩ፣ ብዙሓት መራሕቲ ዝተፈላለዩ ሃገራትን ዓለምለኸ ትካላትን፣ መሪር ሓዘኖም ገሊፆም እዮም። ካብ መንጎኦም ኣብ መዓልቲ ምስናይ አስከሬን መራሒና ተጋደላይ መለስ ዜናዊ፣ ተረኺበን መደረ ዘስመዓ ተወካሊት ዩኤስ ኣመሪካ ኣምባሳደር ሱዛን.ኢ.ራይስ "ዎርልድ ክላስ ማይንድ" ዝብል ኣባህላን ተጠቂመን ተመሓላለፈኦ ዓሚቅን ረዚንን መልእኽቲ ተጠቃሲ እዩ።

እዞም መራሕቲ ዝተፈላለዩ ሃገራትን ዓለምለኸ ትካላትን ንመራሒና ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ዝገለፅዎ ካብ ባዶ ሃዋሁው ተበጊሶም ኣይኮኑን። ምኽንያትን ዝጭበጥ ተግባርን ስለዝርኣዩ እዮም ምስክርነቶም ዝሃቡን ሎሚ እውን ከምመወከሲ ዝጠቕስዎን። ማለት እውን መራሒና ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ፣ ድሕሪ ምድምሳስ ቀዳማይ ደርጊ፣ ን21 ዓመታት መራሒ ሃገር ኰይኑ፣ ብዝሓንፀፆም ፖሊስታትን ዝሃቦ ውሕሉል ኣመራርሓን፣ ብደረጃ ሃገር፣ ስሉጥ፣ ተኸታታልን ኩሉ በብደረጅኡ ተጠቃማይ ዝኾነሉን ኩለመዳያዊ ማሕበረ-ኢኮኖሚ ምዕባለ ኣብ ምምዝጋብ መዘና ኣልቦ ኣመራርሓ ሂቡ እዩ። ነዙይ እዩ ዝተፈላለዩ ሃገራትን ዓለምለኸ ትካላትን ንመራሒና ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ዝገልፅዎ። ማለት እዉን ነበር ኢህወድግ ስልጣን ኣብ ዝሓዘሉ ፅባሕ፣ ትሕቲ ፀፍሒ ድኽነት ኢትዮጵያ 48 ሚኢታዊ እዩ ነይሩ። እዚ መጠን ድኽነት ኣብ 2010 ዓ/ም ናብ 23.7 ሚኢታዊ ወሪዱ። ሰብኣዊ ልምዓት እውን ኣብ እዋን ቀዳማይ ደርጊ፣ 45 ዓመት ዝበነረ፣ ብህይወት ናይ ምንባር ማእኸላይ ዕድመ፣ ናብ 64 ዓመት በፂሑ። ኣብ ዘፈር ትምህርቲ እውን መሰረታዊ፣ መጠናዉን ዓይነታውን ለውጢ ተመዝጊቡ እዩ። ብ1984 ዓ,ም ኣብ ትግራይ ዝነበረ ልዕሊ 60 ሚኢታዊ ትሕቲ ፀፍሒ ድኽነት፣ ናብ 27 ሚኢታዊ ወሪዱ። ብሓፂሩ ኣብ እዋን ቀዳማይ ደርጊ፣ ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ብድኽነት፣ ዝፍለጣ ካብ ዝነበራ 10 ሃገራት ጭራ ነይራ። ኣብ 2010 ዓ/ም ድማ ኣብ ዓለም ስሉጥ ምዕባለ የመዝግባ ካብ ዝነበራ 10 ሃገራት ተምሳሌት ልምዓት ኮይና ቀዳመይቲ ተጠቃሲት ኮይና። እዙይ ታሪኻዊ ሓቂ፣ ጉዕዞ ህዳሰ 27 ዓመታት ክንደየናይ ብሩህ ምንባሩ ዘርእን ዘሕብን እዩ።

ካብዚ ሓሊፉ መራሒና ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ፣ ኣፍሪካ ወኪሉ ኣብ ዋዕላ ጂ7፣ ጂ20ን,cop17 ወዘተ. ዝብሉ መድረኻት እናተራኸበ፣ መራሕቲ ዓለም እናእመነ፣ ጭቡጥ ውፅኢት ክምዝገብ መሪሕ ተራ ስለዝተፃወተ እዩ ዓለም ብዓለሙ ዝንእዶን ምስክርነት ዝሃበሉን። ብፍላይ ኣብ ዴንማርክ- ኮፖንሃገን ዝተኻየደ፣ ኩነታት ከባቢ ኣየር፣ ዋዒን ኣላቕቓ ካርቦን ማለት cop17 ኣብ ዝብል ኣጀንዳ ለውጢ ኣየር ዓለምና ዝምልከት፣ ሓያላት ሃገራት ዝበሃላ፣ መራሕቲ ቻይናን ኣሜሪካን ሓዊስካ ንኹሎም መራሕቲ፣ ሳይንሳዊ ሓሳብ ብምቕራብ፣ ኣብ ምምዕባል ዝነበራ ሃገራት ካብ ሽያጥ ካርቦን፣ በብዓመቱ፣ ብቢሊዮናት ዝቑፀር ዶላር ንምርካብ ዘኽእል ለበዋ ኣቕሪቡን መድሕን ዓለምና ዝኰነ ስምምዕነት ክብፃሕን ገይሩ እዩ። በዚ ምኽንያት እውን መራሒና ተጋደላይ መለስ፣ እንኮ ቻምፕዮን ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ምዃኑ ዘመስከረ፣ ታሪኽ ንዘለኣለም ዘዘንትዎ ቅዱስ ተግባር ፈፂሙ እዩ። መራሒና ዝሓንፀፆ ፖሊሲ፣ ሓምለዋይ ኢኮኖሚ፣ ትግራይና እውን ብማይን ሓመድን ዕቀባ ብዓለም ተሸላሚት ኮይና እያ።

ኣብ 57 ዕድሚኡ ብኣካል ዝተፈለየና መራሒና ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ፣ መንነቱን ህያው ተግባሩን ብዝተፈላለዩ ኣገባብ ምግላፅ ይከኣል እዩ። እንተዀነ ክብርታትን ለጋስን መራሒና ተጋደላይ መለስ ዜናዊ፣ ብሓፂሩ ብ13 ዓበይቲ ኣባህላታት ምግላፅ ይከኣል እዩ። ማለት እውን፣ መራሒና ተጋደላይ መለስ ዜናዊ፣ በዓል ዓብይ ራእይ፣ ዓበይቲ ሓሳባትን ኣምራትን ናብ ዝብላዕን ዝስተን ነገራዊ ሓይሊ ዝቐየረ፣ ሳይንሳዊ ፍልጠት ተመርኪሱ ናይ ምትንታን ብቅዓት ዘለዎ፣ ሳይንሳውን ገስጋሳይን ኣተሓሳባ ብግቡእ ተረዲኡ ዝቕበልን ዝትግብርን፣ ሕገ-መንግስትን ልዕልና ሕግን ኣኽቢሩ ንኽኽበር ብፅንዓት ዝተቃለሰ፣ ናይ ውልቀን ጉጅለን መሰላት፣ ብቀንዱ ንምኽባር መሰል ዓርስ ውሳነ ብፅንዓት ዝተቃለሰ፣ ካብ ህዝባዊ መትከሉ ፈተኽ ዘይብል- ተምሳሌት ፅንዓት፣ ተመራማርን ፀሓፊን፣ ስትራተጂስት፣ ንፉዕ ዲፕሎማት፣ መንበቢ፣ ዓሚቕ ፍልጠት ዘለዎ መምህርን ተምሃርን፣ ዋርድያ ሰላም፣ ሓርበኛ ልምዓትን ቻምፒዮን ሓምለዋይ ኢኮኖሚ፣ ኣብ ረሃብ ማዕርነትን ህዝቢ ዘይዋገን ዝለዓለ ውግንና ዘለዎን፣ ስብኣዊ፣ ፍትሓውን ርህሩህን እዩ ።

መራሒና ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ፣ ንኹሎም ውፁዕ ህዝብታት፣ ብሓፈሻ ንኩሉ ህዝቢ፣ ብዋናነት ንሓረስታይን ንብፆቱን ዝነብሮ ኣኽብሮት ልዑል እዩ። ብቐንዱ ንደቂ ኣንስትዮ ዝነበሮ ሓልዮትን ጠመተን ፉሉይ እዩ። ደቂ ኣንስትዮ ካብ ዘለዎን ድርብ ወፀዓ ከመይ ሓራ ከምዝወፃ ማለት "ኣደ ሕይወት እንሃበት፣ ሕይወት ክትስእን የብላን፣ እቲ ማጀት እውን እቲ ኣደባባይ እውን ናትክን እዩ " ዝብል መሪሕ ሓሳብ ሒዙ ደቂ ኣንስትዮ ሓራ ዝወፃ፣ ጥሪት እንተቛፂረን ጥራሕ ምዃኑ ኣሚኑ፣ ኣድላይ ፃዕሪ ገይሩ። ብጭፍረን ንዘመዝገብኦ ጭቡጥ ውፅኢት እውን መሪሕ ግደ ተፃዊቱ እዩ። ብፍልጠቱን ዝጭበጡ ተግባራቱን፣ ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራትን ዓለምለኸ ትካላትን ካብ ዝረኸቦም ብዙሓት ሽልማታት ድማ መራሒና መለስ ዜናዊ፣ ንደቂ ኣንስትዮ ኣወፊዩ እዩ። ብምዃኑ ሆላንድ ካብ ዝርከብ ያራ ዝብሃል መፍረያይ ዘመናዉ ድኹዒ፣ ዝተሸለሞ ብሚኢቲ ሽሕ ዝቑፀር ብር፣ ማለት ንውልቁኡ ተዓሪፋ ከየትረፈ፣ ደቂ ኣንስትዮ ንክመሃራሉ ኣዎፍዩ እዩ ።

ኣብዚ ክብርታትን ለጋስታትን መራሒና መለስ ዜናዊ ክብሃል እንከሎ፣ ብዘይዕረፍቲ 46 ዓመታት ሙሉእ ንምኽባር መሰል ዓርሰ-ውሳነ ህዝቢ ትግራይ ክብሉ፣ ኣብ ኩሎም፣ ምዕራፋትን ፈተንቲ መድረኻትን፣ ብፅንዓት ተዋዲቖም፣ ኣብ 2013 ዓ/ም ዝተሰዉኡ፣ መራሕትና ጀጋኑ ተጋደልቲ ስዩም መስፍን፣ ኣባይ ፀሃየ፣ ኣባይ ነብሶ፣ ከምኡ እውን ኣብቲ መሪር ኩነታት ብመስዋእትነት ዝተፈለዩና ካልኦት ፖለቲካዊን ወታደራዊን መራሕትናን ኣብ ህዝባዊ ዕላማ ዓሲሎም ንረብሓ ህዝቢ ዝተዋደቁ ኩሎም ተጋደልትን ሃርበኛታትን ክብርታት እዮም። ብሓፂሩ እዞም ክብርታትን ለጋሲታትን፣ ትማሊን ሎሚን ማለት እዉን ኣብቶም ዝሓለፉ 47 ናይ ቃልስን ዓወትን ዓመታት ዝተሰውኡ፣ ኩሎም ስዉኣት፣ ደቂ ትግራይ መግለፂታት ምዃኖም ክስመረሉ ይግባእ። ነዙይ እዉን እዩ፣ ዕለተ መስዋእቲ መራሒና መለስ ዜናዊ፣ መርኣያ፣ ተምሳሌትን ፅንዓትን ገይርና፣ በብዓመቱ እንዝክሮ ።

ብሓፂሩ፣ እንትርፊ ሓይልታት ጥፍኣት ኩሎም ወረርቲ፣ ዓለም ብዓለሙ ዝሃርፎምን ምስክርነት ዝሃበሎምን፣ ክብርታትን ለጋስን መራሒና መለስ ዜናዊ፣ ወሪስካ ምሕባን ዓትዒትካ ሒዝካ ንቅድሚት ብምምራሽ፣ ደመኛ ፀላእትና ንምምካት ዘኽእል ዕጥቅን ስንቅን ምውናን እዩ። ብድማር ሕድሪ መራሒና ተጋደላይ መለስ ዜናዊን ብፆቱን ከይዕበርካ፣ ኣብዚ ዘለናሉ ንኡስ መድረኽ፣ ኣጋጢሙና ዘሎ ኩሉ ዓይነት ፀገማት፣ ፈንፂሕኻ ብምውፃእ፣ ዝማዕበለትን ፀላእትና ብርሑቕ ዝፈርሕዋ ትግራይናን ንምህናፅ፣ ጥጡሕ ባይታ ምፍጣር ማለት ከምዝዀነ ኣብ ውሽጥን ደገን ንዘሎ ህዝቢ ትግራይ ዘማትእ ኣይኮነን።

ነዚ እዩ እውን ክብርታት ኩሎም ስዉኣት ደቂ ትግራይ፣ ለጋሲን ሕድሪን መራሒና መለስ ዜናዊ፣ ኣፅኒዑ ዝሓዘ፣ ሓዱሽ ወሎዶ ትግራይና፣ እቲ ኩነታት ምስ ተፈጠረ! ከም ንህቢ ዓሲሉን ገሪሩን፣ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ብሓፈሻ፣ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ 21 ኣዋርሕ፣ ኣንፃር ደመኛ ፀላእትና ዘካየዶ፣ ፖለቲካዊ፣ ወታደራዊን ዲፕሎማስያውን ህልኽ ዘወድእ ዘይተሓለለ ቃልሲ፣ ፀረ-ሰላም፣ ፀረ-ዲሞክራስን ፀረ-ልምዓትን ዝኾኑ፣ ሓይልታት ጥፍኣት ደመኛ ፀላእትናን መሻርኽቶምን ከም ፅምብላሊዕ ኣሕሪሩ ልክዖም ክፈልጡ ገይሩ እዩ። እንተዀነ፣ ሕዚ እዉን ዓበይቲ ዕማማት ህዝባዊ ኲናት ኣይተዛዘሙን። ስለዙይ፣ ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ናይ ምህላውናን ዘይምህላውናን ዝውስን ብጣዕሚ ዝተሓላለኸ ንኡስ መድረኽ፣ ብዓወት መሰስ ንምባል እንኮ መማረፂ ሎሚ እዉን ከምወትሩ ክብርታት ኩሎም ስውኣትን ለጋሲ መራሒና መለስ ዜናዊን ጨቢጥና፣ ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ክረምታዊ ስራሕትና እናደንፋዕና፣ እንተተኻኢሉ ብሰላም፣ እንተዘይኮይኑ፣ ሓድነቱ ከም ዓረ ብዘጠንከረ ቅልፅም ህዝብና፣ እነካይዶ ዘለና ህዝባዊ ኲናት፣ ኣብ ዳርችኡ ከምእነብፅሖ መንግስቲ ትግራይ ይተኣማመን እዮ።

ዘለኣለማዊ ክብርን ሞገስን ንኩሎም ስውኣትና!
ክብርታት ኩሎም ስዉኣት ደቂ ትግራይን ለጋሲ መራሒና መለስ ዜናዊን ዓትዒትና ሒዝና ፀላእትና ክንምክት ኢና !!
ሃልዋትናን ድሕንነትናን ብቕልፅምና!!
ትግራይ ትስዕር !!

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ
ነሓሰ 11/2014 ዓ/ም
መቐለ