INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ተሃሳዩ ዘሎ ዓውዲ ሕርሻ ናብ ዝሓሸ ብርኪ ንምብፃሕ ነቲ ዓውደ ዝሕግዙ ፈጠራታት ይመሃዝ ኣሎ።

ተሃሳዩ ዘሎ ዓውዲ ሕርሻ ናብ ዝሓሸ ብርኪ ንምብፃሕ ነቲ ዓውደ ዝሕግዙ ፈጠራታት ይመሃዝ ኣሎ።

እዚ ዝተገለፀ ፋብሪካ መምረቲ ኢንጅን መቐለ ምስ ዝተፈላለዩ ትካላት ምህዞ ብምትሕብባር ትራክተር ብምምሃዝ ንምርኢት ኣብ ዘቕረብሉ እዋን እዩ።

ምክትል ኮሙሽነር ኮሙሽን ኢንቨስትመንትን ሰደድን ትግራይ ኣይተ ዳንኤል መኮነን ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ ፀላእትና ሃፍትና እምበር ፍልጠትና ከዕንይዎ ኣይኸኣሉን ድሕሪ ምባል ንዘመናት ዘኸዕባትናዮ ልምዲ ምህዞ ብቴክኖሎጂ ብምጉልባት ፀገም ህዝብና ንምፍታሕ ትኹረት ሂብና ክንሰርሐሉ ይግባእ ክብሉ ገሊፆም።

ግዝያዊ ስራሕ መካየዲ ሜቴክ ኢንዱስትሪን ፋብሪካ መምረቲ ኢንጅን መቐለ ኣይተ መረሳ ሓጎስ ብግደኦም ሓረስታይ ትግራይ ዝነበሮ ሃፍትን ጥሪትን በቶም ፀላእቲ ምውራሩ ስዒቡ ኣብዚ ሕዚ እዋን መሕረሲ ዝሰኣነሉ ኩነታት ተፈጢሩ እዩ ድሕሪ ምባል እቲ ሕዚ ተማሂዛ ዘላ ትራክተር ንግዝያዊ መፍትሒ ንምንዳይ ጥራሕ ዘይኮነስ ንቐፃሊ እውን መነባብሮ ሓረስታይ ዝሓሸ ንምግባር ዝዓለመ ምዃኑ ሓቢሮም።

ቅድሚ ሕዚ ንዓውደ ሕርሻ ዝሕግዙ ዝተፈላለዩ ናውቲ ዝመሃዘን ሕዚ እውን ነዛ ትራክተር ዝመሃዘን መንእሰይ ጣዓመ ገብረሚካኤል ከምዝበሎ ድማ ብሰንኪ ፋሽስታውያን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ሓረስታይ ትግራይ ዝበፅሐ ኩለመዳያዊ ፀገም ክምህዝ ከምዝገበሮን ካልኦት ወገናት እውን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ፀገም ህዝቢ ትግራይ ዘቃልሉ ምህዞታት ብምምሃዝ ብፅሒቶም ክፍፅሙ ፀዊዑ። ክትብል መሳርሕትና ልዋም ገብረ ፀብፂባ።