INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ዘይስማዕ ጉድ የለን!

ድሕሪ ነዊሕ ክርክርን ጭቕጭቕን ጌታቸው ረዳ ምስተመረፀ ንፅባሒቱ ጉጅለ ኣለም ተኣኪቦም እቲ ቃልሲ ስለዝተጨወየ እዙይ መረፃ ፍፁም ክንቅበሎ ከም ዘይግብአና ካድረታት ንፀውዕ ቅቡልነት ከይረክብ ፖለቲካዊ ስራሕ ንስራሕ ከም ዝበሉ ምንጭታትና ሓቢሮም።

ቐፂሎም ገለ ንዝኣምንዎም ነባራት መሪሕነትን ገለገለ ናይ ፀጥታ ኣካላትን ምሰማኸሩ ከምዘይተቐበልዎምን እቲ ባይታ ንጌታቸው ካብ ዝተገመተ ንላዕሊ ህዝቢ ስለዝተቐበሎ ኣየዋፅአኩምን ዝብል ሓሳብ ስለዘቕረብሎም ንግዚኡ ኣፅቂጦም ይርከቡ።

ሐዚ ድማ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ተረጋጊዑ ናይ ህዝቢ ሕቶታትን ፀገማትን ናብ ምፍታሕ ከይኣትው መወዳእታ ብዘይብሉ ብኣኼባታት ፀሚድካ ህዝቢ ተስፋ ክቖርፅ ንምግባር ከይወዓሉ ከይሓደሩ ጉባኤ ከካይዱን ህዝብና ናብ ዕንክሊል ኣኼባ ክኣትውን ብውሽጣ ውሽጢ ኣብ ምጉጃል ተፀሚዶም ይርከቡ።

እዙይ ፍፁም ክንፈቅድ የብልናን። ህዝብና ሐዚ ዘድልዮ ኣኼባ ኣይኮነን። ካብ ናይ ኣኼባን ተወሳኺ ዕንክሊልን ወፂኡ ኣመና ዝተሃሰየ ህዝብና ብልምዓት ናብ ምድባስ እቲ ግዝያዊ መንግስቲ ናብ ስራሕቲ ዳግመ ህንፀት ክኣቱ ኣለዎ።

ብሰንኪ መሪሕነት ጉጅለ ኣለምን መንጀሪኖን ተመቓቒሉ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ብሓዱሽ በዓል ብሉፅ ኣእምሮ ጌታቸው ረዳ ህዝብና ሓድነቱ ክምለስን ዝፀንሐ ምክፍፋል ክዕርን ከም ዝኽእል ካብ ዝምረፅ ጀሚሩ ዝተርኣዩ ምልክታት ኣለው። ስለዚ መላእ ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ካድረታት ህወሓት ኣብ ጎኒ እዚ ሓዱሽ መሪሕነት ተሰሊፍኩም ህዝብኹም ክትኽሕሱ ኣለኩም። ብናይ ጉጅለ ኣለም "ጉልሓይ" ዝተጀመረ ሽርሕን ተንኮልን ኣይጠቐመናን ነታ ንቃለሰላ ሓንቲ ትግራይ ዘይጠቅምን ሓድነትና በታቲኑ ካብቲ ዘለናሉ ሓደገኛ ኩነታት ዘየውፅእን ፀገም ህዝብና ዘናውሕን ስለዝኾነ ምስ ህዝብኹም ወግኑ።

እዙይ እንተዘይገይርኩም እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ለውጢ ማዕበል ምስቲ በካዕ ጉጅለ ክጉሕፈኩም እዩ። ስለዚ ከም ተጋሩ ንሕሰብ፣ ጉልሓያት ንፅረግ፣ ኣንፃር ከባብያውነትን ድንቁርናን ጠጠው ንበል፣ ኣብ ካሕሳ ህዝብና ንስመር፣ ብግዜ የለን መንፈስ ናብ ለውጢ ንዕሰል ንበገስ!!

ራብዓይ ወያነ