INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ኣብ ትግራይ ተራእዩ ዘይፈልጥ ጥዕናዊ ቁልውላው ኣጋጢሙ ምህላው ውዱብ ጥዕና ዓለምኣፍሊጡ፡፡

ዓለም ኣብ ጉዳይ ደማዊ ኲናት ሩስያን ዩክሬንን ኣድሂባ ኣብ ዘተየሉ እዋን ኣብ ትግራይ ብሚልዮናት ዝግመቱ ኩነታት ጥዕናዊ ወገናት ኣብ ኣዝዩ ዘስግእ ኩነታት ወዲቁ ምህላው ዋና ዳይርክተር ውዱብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ኣገንዚቦም፡፡

ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ትግራይ ብሰንኪ እቲ ንዝሓለፉ 500 መዓልታት ቀፂሉ ዘሎ ከቢድ ዓንኬል ዕፅዋን ክባን ብሚልዮናት ንዝግመቱ ዜጋታት ቀዛፊ ኮይኑ ቀፂሉ ከምዘሎ ብምግላፅ እዚ ሕሱመ መከራ ድማ ማሕበረሰብ #ዓለም ግቡእ ኣቃልቦ ኣይሃቦን ኢሎም፡፡

ካብ መፋርቕ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ ናብ ትግራይ ዋላ ሓደ ምግቢ ከምዘይኣተወ ዘብረሁ እቶም ዋና ዳይርክተር ትካሎም ብዝገበሮ ዳህሳሳዊ መፅናዕቲ ድማ 75% ትካላት ጥዕና ትግራይ ከምዝዓነውን ብፍላይ ድማ ኣስታት 40,000 ተጠቐምቲ መድሓኒት ኤች.ኣይ.ቪ ኤድስ ብሰንኪ ሕፅረት መድሓኒት ኣብ ከቢድ ስቃይ ይርከቡ ኢሎም፡፡

ልክዕ ኣነ ትግራዋይ እየ እዚ ቅልውላው ድማ ንዓይ ንስድራይን ኣዕሩኽተይን ይፀልወና እዩ ዝበሉ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም እንተኾነ ከም ዳይርክተር ውዱብ ጥዕና ዓለም መጠን ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ስግኣት ዝሓደሮ ኩነታት ንመዳይ ጥዕና ክኸላኸልን ግንዛበ ክፈጥርን ድማ ሰብኣውን ትካላውን ሓላፍነተይ እዩ ክብሉ ኣነፂሮም፡፡

Watch video message of dr. Tedros here