INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ሰራዊት ሻዕብያ ሐዚ እውን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ግፍዓዊ ጨፍጫፍ የካይድ ኣሎ

ኣብ ከባቢታት ማይቅነጣልን ነበለት ብቅርበት ካብ ዝተዓዘብክዎ ...

1) ዝረኸበን ኣድግን፣ በቕሊን ግመልን ኩለን ይወስደን...
ኩለን ኣኪቡ ድማ ኣብ ዘይተዓፀደ ጣፍ ፣ዳጉሻን ምሸላን የእትወን የስዕሮ... እቲ ብጣዕሚ ዝገደደ ድማ ህዝብና ብኽንደይ መከራ ዝዓፀዶን ዝኣከቦን #ኮላስስ ሓደ ዓውዲ ብልዕሊ 400 ዝኾና ኣእዱግ የብልዖ... ኣሎ።

2) ሰብ ዘይብሉ ገዛ ኩሉ ንብረት ይወስዶ። ዋላ ንቤተ ክርስትያን ወይ ንዝኾነ ስራሕ ሰብ ካብ ገዝኡ ውፅእ እንተይሉ ተኸታቲሉ ኩሉ ንብረት ይወስዶ... ሙሉእ ንሙልእ ናይ ሌባ ስራሕ ይሰርሕ

3) ቆፎ ንህቢ እንተረኺቡ መዓር ይሃሉ ኣይሃሉ ነቶም ኣናህብ ብሓዊ የቃፅሎ ኣሎ

4)ሰራዊት ኤርትራ እዚ ኹሉ ግፍዒ እንትፍፅም እቲ ውርደተኛ ሰራዊት ኢ/ያ ሱቕ ኢሉ ይሪኦ ኣሎ።ዋላ ንባዕሎም "ኣንቱም ኣእዱግ "እናበሉ እንትፀርፍዎም ርእሶም ኣድኒኖም እዮም ዝኸዱ። ከምዙይ ዓይነት ውርደት *በዘራቹ ኣይድረስ*...

5) ናይ ምውፃእ ዋላ ሓንቲ ድልየት የብሉን ታንክታቱ ኩለን መዳፍዕ ዝጎትታ ፣ዝገፈፍዎ ሰብን ንብረትን ናብ ኤርትራ ዘጓዓዕዛ ፣ሰራዊት ዘንቀሳቅሳ መኻይን ኩለን ካብ ዋና ፅርግያ ኣርሒቑ ኣብ ኩለን ገጠራት ኣብ ልዕሊ ዘይተዓፀደ እኽልን ፈቖዶ ሽንጥሮን ሓቢእወን ንባዕሉ እውን ካብ ፅርግያ ርሒቁ ናይ ገጠር ህዝብና የፅንቶ ኣሎ።

6) ነቲ ዋና ፅርግያ ***ዓብዪ-ዓዲ ማይቅኔጣል ዓድዋን ***ሓውዜን ዕዳጋ-ዓርቢ ዓድዋን ብ3 ነዋሕቲ ኳና ኳንዩ ከልኪልዎ ኣሎ። ዝኾነ ሰብ ኮነ ተሽከርካሪ ዋላ ረዲአት ዝፀዓና ክሓልፋ ኣይኽእላን ::ቀይሕ መስቀል እውን ከይኣተው እዮም ተመሊሶም።ግን ስለዝኽልከላ ዋላ ሓንቲ ብሒም ኣይበሉን።

7)ሻዕብያ ሓደሽቲ ገፊፉ ዘምፀኦም ሰራዊት የሰልጥን ኣሎ።

ሻዕብያ "ካብዙይ ቦታ ወፂኡ ፣ናብዙይ ከይዱ "ዝብል ወረ ሓሶት እዩ።ክሳብ ሐዚ ዝወፀ ሰራዊት ሻዕብያ የለን።ድፋዕ የጠናኽር ኣሎ።

...ንሕና 1ይ... 2ይ....3ይ.... ናይ መወዳእታን ሰላም ንሓሪ ንሰላም ረዚን ዋጋ ንኸፍል ኣለና። ንሶም እምብልና ይብሉ መን ይሕዘኒ እናበሉ ይፍክሩ ኣለው። ተነፈሐ ፍሕኛ መዓዝ ይነፍስ ንግዜ ንገደፎ።

ሰላም ንህዝቢ ትግራይ!!