INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ዘንፀላሉ ዘሎ ሓደጋ

እዚ ዕፅዋ እስካብ ሀዚ ዘብጽሖ መጠን ጉድኣት ብቓላት ክግለፅ የጸግም። ድምር ሳዕቤኑ ናሓሰብኩ ድማ ኣዚዩ ስለዘጨንቐኒ ኣብ ቀረባ ኣዋን ክፍታሕ ተስፋ ይገብር። እንተተጀሚሩ ሓ•ም•ት እንታይ ይሰኣኖ! እንተዘይተከፊታ ግና ናፃ ሃገርስ ይትረፍዋ ከም ህዝቢ ናይ ምንባር ዕድልና ኣብ ሕቶ ክወድቕ እዩ። ብስሩውን ሕቶ ናፅነት ናብ ሕቶ ቐለብን ሃለዋትን ክትወርድ እያ። እዚኣ ድማ ከም ቀደምና ናብ ተመሳሳሊ ዕንክሊል (vicious cycle) ምእታው እዩ ዝኸውን። እዚታት ንብል ብግምት ኣይኮነን። Ghent University ዘውጽኦ መፅናዕቲ፡

'With the assistance of citizen scientist Tim Vanden Bempt, we made the assessment that so far there are between 150,000 and 200,000 starvation deaths, 50,000 to 100,000 victims of direct killings, and more than 100,000 additional deaths due to lack of health care...//.. During the conflict months of November 2020 to June 2021, we estimated that there were 20 deaths per 1000 people and starting with the total blockade 32 per 1000. Twenty out of 1000 was the rate of health-related deaths in 1984-85' ይብል።

መንግስቲውን ፍርቂ ህዝቢ ትግራይ ናይ ሞት ሓደጋ ኣንፀላሊዎ ኣሎ ምባሉ ይዝከር። እስካብ ሀዚ ዝሞተ ህዝቢ እውን ክንድዚ ከምዝኸውን ይግመት። ኣብ ጨፍጫፍ ምዕራብ ትግራይ ዘጋጠመ ቁፅሪ ሞት እውን ገና ኣይተፈለጠን።

ህዝቢ ትግራይ ንወለዶታት መስዋእቲ ዝኸፈለላ ሃገር ብጥሜት፡ ብድሮን፡ ብሓዊ፡ ፣ ብጎዞሞ፣ ብጥይትን ሕማምን ንክተጥፍኦ ኩሉ ዝከኣላ ትገብር ኣላ። ንዚ ምፅናት ዘሳልጡ ናይ ዓዲ ውሽጢን ጎረባብቲን ፀላእቲ ምብዝሖም ጥራይ ዘይኮነስ ንዚ ዝመስል ከቢድ ወንጀል ክፍጸም ናራኣዩ ካብ ሰብኣዊነት ጂኦፖለቲካዊ ረብሖኦም ዝመረጹ ምዕራባዊያን ካብ ጥቕሞም ጉድኣቶም ዘመዝን ኮይኑ ኣሎ። ህዝቢናን ሰራዊትናን ብጥሜት ተዳኺሞም እስካብ ዝምብርከኹ "የተሓሳስበና ኣሎ" ናበሉ ብዘይጭበጥ ተስፋ ጉዕዞና ክኾልፉ ተራእዮም እዮም። ፖለቲካና እውን ግና ንዚ ዘይቅኑዕ ኣካይዳ ሓያላት መንግስታት ብዓይኑ ናራኣየ ንዓለም ለኸ ሕግታት፡ ኖርምን ርክብን ብገርሂ ልቢ ብምጥማት ፍታሕ ዘመጽአልና እዩ ዝመስሎ ዘሎ።

እዙይ ሓደ ሽግር ኮይኑ ህዝቢና ኣብ ርእሲ ጥሜቱ ኣደዳ ሱሱዓት ነጋዶን ስእነት ሰናይ ምምሕዳርን ይኸውን ከምዘሎ ንሰምዕ ኣለና። መቸም ምምሕዳር ቐደሙ እውን ተሳኺዑልና ኣይፈልጥን። ሰላም ስለዝነበረ ግን ኩሉ ተፃዊርካ ይሕለፍ ነይሩ። ህዝቢ ብጥሜት፡ ብሕማም፡ ብወሊድ፡ ብድሮን፡ ብጨፍጫፍን ውግእን ናሞተ ኣብዘለሉ ኩነታት ግን ስእነት ምምሕዳር እንተተደሪቡዎ ክመጽእ ዝኽእል ሽግር ምግማት ኣይኸብድን። መንግስቲ ኣያም በል..! በቢመሓውሩ ዘለዉ ነባርን ሓደሽትን ተበለፅቲ ሹመኛታት ኣደብ ምትሓዝ፡ ተሓታትነት ምህላው ቐዳሚ ስራሕኻ እዩ። ኣቲናዮ ዘለና ናይ ሞትን ሕወየትን ጉዳይ ስለዝኾነ ከምቲ ሕሉፍ ግዕዝይና፣ ክራይ ኣካቢነትን ናይ ተበለፅቲ ኔትወርክን ተፃዊርካ ዝኸየድሉ እንግድዓ ሎሚ የለን። ክህሉውን ኣይግባእን።

ብሓፂሩ ህዝብና ኣብ ከቢድ ኩነታት ከምዘሎ ግልፂ እዩ። ዝተረፈና መማረፂንውን ኣዚዩ ውሑድ እዩ። ባድመ ኣመኽኒዮም ዝተዋግኡና ኤርትራዊያን ካብ ጥይት መንግስቶም ኣምሊጦም ኣብቲ ደመኛ ፀሊኢየይ ዝብሉዎ ህዝቢ ትግራይ መፂኦም ዝተዓቖቡ ትግራዋይ ሓንቲ ጉድኣት ከም ዘየብፅሐሎም ስለ ዝኣመኑ እዮም። ኣይኮነን ተሰዲዶምስ ምስ ዕጥቆም ኣብ ውግእ ተማሪኾም'ውን ብፅቡቕ ከምተትሓዙ ይፈልጡ እዮም። ትግራዋይ እስካብዛ ሎማዓንቲ ብሓዊ ኣቃፂሉ ናብ ዝቐትሎ ዘሎ ኣረመኔ ሰራዊት ዝርከቦ ክልል ጠሚዩ ይስደድ ኣሎ ዝብል ወረ ምስማዕ ህዝቢና ኣብ ከመይ ዝበለ ጭንቂ ኣቲዩ ከምዘሎ ምርዳእ ይከኣል እዩ። እሞ ድማ ሰለልቲ እዮም ከይትኣምኑዎም፡ ኣትማን እዮም ቐጥቕጡዎም፡ ወታደራት እዮም ስጉምቲ ውሰዱሎም ናተብሃሉ ኣብ ዕፅው ካምፕ ናእተዉዎም ይርከቡ ዝብል ሓበሬታት ይስማዕ ኣሎ። እዚ እፅዋ ቀልጢፍካ ተዘይይተከፊቱ ህዝቢ ትግራይ ካብ ክልሉ ኣውፂእኻ ምብታን ዝብል ናይ ኢሳያስን ኣምሓራን መደብ ክሰልጦም እዩ።

ከምዚ ዝበለ ጅግና፡ ፅኑዕን ፀዋርን ህዝቢ ምምራሕ ምዕዳል ከምዝኾነ ተረዲእኹም መከርኡ ክተሕፅሩሉ ተስፋ ይገብር።

Read More