INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ዜና ዓወት (29 oct 2022

ልፍንታውያን ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ሙሉእ ብሙሉእ ንምፅናት ዓሊሞም ብኩሎም ግንባራት ዝጀመርዎ መጠነ ሰፊሕ ወራር ብልዑል ፅንዓትን መስተንክራዊ ጅግንነትን ሓየት ሰራዊትና ይምከት ኣሎ።

ልፍንታውያን ፀላእቲ ንፃውዒት ሰላም ተሓሲሞም ካብ 18 ነሓሰ 2014ዓ.ም ጀሚሮም እናካየድዎ ዝርከቡ ወፍሪ ምፅናት ህዝቢ ትግራይ ብመስተንክራዊ ጅግንነትን ሓፂናዊ ፅንዓትን ሓየት ሰራዊትና እናተመከት እዩ። ኣብዚ ንልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ በዘይምቁራፅ ዝቕፅል ዘሎን ብዓይነቱ ፍሉይ ዝኾነን መጠነ ሰፊሕ ወራር ናይ ኢትዮጵያን ናይ ሻዕብያን ሙሉእ ሓይልን ኩሎም ተኽእሎታትን፤ ናይ ኣምሓራ ፍሉይ ሓይሊ፣ ፋኖን ሚልሻን ኣብ ኩሎም ግንባራት ብሙሉእ ዓቕሞም እናተሳትፉ እዮም።

ኣብዚ እዋን ብግንባር ዓድዋ 49 ናይ ኢትዮጵያን ናይ ሻዕብያን ክፍላተ ሰራዊት ዝተሰለፉ እንትኾን ብሓደ ኣንፈት ካብ ዓድዋ ናብ ዕዳጋ ዓርብን ማይቅነጣልን በቲ ካልእ መዳይ ድማ ካብ ዓድዋ ናብ ማርያም ሸዊቶ-ገንደብታ-ፈረስ ማይ-ሓውዜን ንምእታው ዓሊሞም ዝተንቀሳቐሱ እንትኾኑ ኣብዚ ግንባር ቅድሚ 127 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ባዕዳዊ ወራሪ ሰራዊት ጣልያን ዝተመዝገበ ዓወት ዝመሳሰል ታሪክ ይደግም ኣሎ። ኣብዚ ከባቢ ካብ ዓድዋ ናብ ኣንፈት ዕዳጋ ዓርቢ ኣብ ልዕሊ ዝተንቅሳቐሰ ሰራዊት ፅላእቲ ሓየት ሰራዊት ትግራይ ኣብ ፈላፍል ብዝገበሮ ዘሎ ዕውት ምክልኻልን ፀረ መጥቃዕትን ሰፍ ዘይብል ክሳራ እናሸከሞም እንትኾን ማእለያ ዘይብሉ ሓይሊ ፀላኢ ከም ቆፅሊ የርግፎም ኣሎ።

ብተመሳሳሊ ካብ ዓድዋ ናብ ኣንፈት ማርያም ሸዊቶ ኣብ ልዕሊ ዝተንቀሳቐሰ ወራሪ ሓይሊ ፀላእቲ ሓየት ሰራዊትና ብዝገብሮ ዘሎ ዕውት ውግእ ሓሙሽተ (5) ናይ ሻዕብያ ኣጋር ክፍላተ ሰራዊት፣ ክልተ (2) ናይ ኢትዮጵያ ኣጋር ክፍላተ ሰራዊትን ሓደ ናይ ሻዕብያ መካናይዝድ ክፍለ ሰራዊትን ዝዓበየ ሓይሎም ተድምሲሶም ኣለዉ። ኣብዚ ውግእ ሓደ ዙን ሽዱሽተ (6) መዳፍዕን ዝርከብኦም 46 ተሽከርከርቲ ተቓፂሎም እዮም። ኣብዚ ውግእ ሽዱሽተ (6) 122 ሚ.ሜ መዳፍዕ እንትቃፀሉ ክልተ (2) 122 ሚ.ሜ መዳፍዕ ድማ ብሓየት ሰራዊት ትግራይ ተመንዚዖም ኣለዉ። በዚ ኣንፈት ዝተንቀሳቐሰ ሓይሊ ፀላእቲ ዝዓበየ ሓይሉ ምዉት፣ ቁሱልን ምሩኽን ኮይኑ ኣሎ። ኣብዚ ግንባር ዝግበር ናይ ህልውና መኸተ ሕዚ እውን ተጠናኺሩ ይቕፅል ኣሎ።

ብግንባር እገላ ወረርቲ ሓይልታት ዕርዲ ሰራዊት ትግራይ ንምስባር ተደጋጋሚ ፈተነታት እናገበሩ እንትኾን ብሓፂናዊ ፅንዓት ሰራዊት ትግራይ ይምከት ኣሎ።

ብግንባር ዛላንበሳ 11 ናይ ሻዕብያ ኣጋር ክፍላተ ሰራዊት፣ ትሽዓተ (9) ናይ ኢትዮጵያ ኣጋር ክፍላተ ሰራዊትን ሓደ ናይ ሳዕብያ መካናይዝድ ክፍለ ሰራዊትን ብድምር 21 ክፍላተ ሰራዊት ዝሳተፍሉ ዘሎ ግንባር እዩ። ልፍንታውያን ወረርቲ ሓይልታት ዕርዲ ሰራዊት ትግራይ ንምስባር ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ቀትርን ለይትን ሰፊሕ ርብርብ ዋላ እንተገበሩ ሓየት ሰራዊትና ነዞም ሓይልታት ጀኖሳይድ ብዝግባእ እናመከተ ፅኑዕ ዕርዱ ኣይተደፈረን።

ብግንባር ደቡብ 29 ናይ ኢትዮጵያ ኣጋር ክፍላተ ሰራዊት፣ ሓሙሽተ (5) ክፍላተ ሰራዊት ናይ ኣምሓራ ፍሉይ ሓይልን ብኣሽሓት ዝግመት ናይ ኣምሓራ ፋኖን ሚልሻን እናተሳተፉ እንትኾን እዞም ሓይልታት ብኣንፈት ጨርጨር፣ በሪተኽላይን ኮረምን ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ እናካየዱ እዮም። ሓየት ሰራዊት ትግራይ ኣብዚ ግንባር እውን ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ወረርቲ እናርገፈ ብፅንዓት ይምክት ኣሎ።

ብካልእ ኣንፈት ሓየት ሰራዊት ትግራይ ኣብ ከባቢታት እንዳባጉናን ፀለምትን ማለት እውን ዲማ፣ ኣብ መንጎ እንዳባጉናን ዓዲ ጎብሩን፣ ኣዝማች ረድኢ፣ ቤትማራ፣ ጭላ፣ ውቕሮማራይን ሰለኽለኻን ዕውት መኸተን ምጥቃዕትን እናካየደ እዩ።

ብከባቢ ደስኣ እውን ኣብ ዝሓለፈ ዝተወቕዐ ናይ ሻዕብያ ሓይሊ ዕርዲ ሓየት ሰራዊት ትግራይ ንምስባር ሕዚ እውን ተደጋጋሚ ፈተነ እናገበረ እንትኾን እዚ ወራሪ ሓይሊ ብተደጋጋሚ እናተፀፍዐ እዩ።

ልፍንታውያን ሓይልታት ህዝቢ ትግራይ ሙሉእ ብሙሉእ ንምፅናት ዓሊሞም እናካየድዎ ዘሎ ወራር ሕዚ እውን ኣጠናኺሮም እናቐፀሉ እንትኾኑ መስተንክራዊ ጅግንነት መለለይኡ ዝኾነ ሓየት ሰራዊትና ብዝገርም ፅንዓት እናመከቶም ይርከብ። እዚ ጎዲሉዎ ዘይብሃል ህዝቢ ትግራይ እውን ምስ ሓየታትን ዋዕሮታትን ደቁ ኮይኑ ታሪካዊ ተጋድሎ የካይድ ኣሎ። ብቐፃሊ እውን መሬት ትግራይ መቓብር ፀላእትና ብምግባር ህልውና ሕዝብና ብዘላቒነት ውሑስ ንምግባርን ሰራዊት ትግራይ ብዝለዓል ፅንዓትን ጅግንነትን ከምዝዋደቕ እናረጋግፀ ሓየት ሰራዊትና ብዝገብሮ ዘሎ ታሪካዊ ተጋድሎን መስተንክራዊ ቅያን ልዑል ሓበንን ክብርን ከምዝስምዖ ድማ ወታደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ክገልፅ ይፈቱ።

ወታደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ
19 ጥቅምቲ 2015ዓ.ም
መቐለ