INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ይበል!! ፅቡቕ ዲፕሎማሲ ምስ USA ወሳኒ እዩ:

Great job SWT!!

“ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዝርከቡ ኣምባሰደራትን ተወከልቲ ሃገራትን ተኸታታሊን ሰፊሕን ዝኾነ ረኽቢን ምይይጥን ነይሩና እዩ። ምስ ገሊኦም ኣፍቲ ብዙሓት ንኣ/ኣበባ ገዲፎም ክኸዱ ከለዉን ግዘ ህፁፅ ኣዋጅ ተኣዊጁ እናሃለወን እውን ቀፂሉ እዩ።

ሎሚ ናይዚ መቐፀልታ ኣብ ኢትዮጵያ ወኪል ኣሜሪካ (Charge d'affaires) ዝኾና ኣምባሳደር ትሬሲ ኣን ጃኮብሰን (Tracey ann Jacobson ) ተራኺብና ተመያይጥና።

ዝነበረና ፃንሒት ዋላ ሕፅር ዝበለ እንተኾነ ሓሳባትና ጠሚርና ፣ ቅደም ሰዓብ ዛዕባታትና ሰሪዕና ፣ ፀገም ህዝቢና ዝቃለለሉ መፍትሒታት ሓቢርና ኢና።

ቀንዲ ዛዕባታት ምይይጥና ፣

1. ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ንትግራይ ክኣቱ ኣሜሪካ ግቡኣ ከምዘይተዋፅአትን፣ እኳ ደኣስ ኣካል እቲ ፀገም ትኾን ከም ዘላን። እዚ ኣብ ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ ቅድመ ኩነትን፣ ንትግራይ ዘእቱ ልዕሊ 15 መስመር መገዲ እናሃለወ "ኣብዓላ መስመር" ጥራሕ ዝብል ኣፍ መወፅኢን ግቡእ ከም ዘይኮነን ሓቢርናለን ኢና።

2. እተን ኣምባሳደር ትግራይ ከይደን ኩነታት ብዓይነን ክሪኣን ፍታሕ ኣብ ምምፃእ ክሕግዛ ፃውዒት ገይርና ኢና።

3. ኣብ ካልኦት ከባቢታት ኢ/ያ ዘለዉ ተጋሩ ማእሰርቲ፣ ካብ ስራሕን ናብራን ምምዝባል ጠጠው ክብል ኣሜሪካ ግቡኣ ክትዋፃእ።

4. ኣብ ልዕሊ ትግራይ ንዝተፈፀመ ገበን ዘርኢ ምፅናት ተሓታትነት ክሰፍንን ናብ ናይ ቅድመ ኲናት (Pre war status or status quo ante) ኩነታት ተመሊስና ዘላቒ ፍታሕ ክመፅእ።

5. እሱራት ተጋሩ ክፍትሑ፣ ንኣባላት ሓይሊታት ምክልኻል፣ ፖሊስን ፀጥታን ዝነበሩ ሓዊሱ።

6. ኣብ ምዕራብ ትግራይ ንዝተፈፀመ ፀግዒ ክፋእ ፀላእቲና ዘርኢ ፀብፃብ ኣምነስቲ ኢንተርናሾናልን ሂዩማን ራይትስ ዎችን ኣሜሪካ ክትድግፎን ንተግባራት እቶም ግፍዓዊያን ብምኹናን ተሓተትቲ ክኾኑ ምሕጋዝን ብወፃኢ ጉዳይ ኣቢሉ ዝውሰን ዘርኢ ምፅናት (Genocide determination) ክፋጠን ዝብሉን ነዚ ኩሉ ግፍዒ ኣሜሪካ እትዕገሰሉ ዘላ ምኽንያት ድማ ህዝቢ ትግራይ ንህወሓት ንምጥፋእ ኣብ ዝግበር ከይዲ ከም ተመለላኢ ጥፍኣት (Collateral damage) ስለዝተርኣየን እዩ ክንብል ነቐፌታን ክሲን ኣሕሊፍና ኢና።

ናተን መልሲ ሽፉንን ዲፕሎማሲያዊን ስለዝኾነ ኣብዚ ከውፅኦ ኣይኽእሊን። ምስ ካልኦት ዛዕባታት ላዕቒጠ (ሓዋዊሰ) ንዓና ዝህቦ ትርጉም ክፅሕፎ እየ።

ኣብ ቀፃሊ ሰሙናት መቐለ ክኸዳን ፀገም ህዝቢና ብዓይነን ክሪኣን የተስፉ።
ብዙሕ ዘሐጉስን ተስፋ ዘለዎን ነገር ግን የለን።
ኣብ መወዳእታ ምይይጥና ቀፃሊ ክኾን እውን ተዘራሪብና ፣ ተሰማሚዕና ኢና።”
Hailu Kebede