INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

የመና ሓዚነ ጉህየ!

የመና ሓዚነ ጉህየ!

2 ጳጉሜን እንትንዝክር ምኽባር መሰልን ፍትሓውነትን ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ኢና ክንዝክር ዝግብአና፤ ንመፃኢ ወለዶን ትግራይን ኢና ኣርሒቕና ክንእምት ነይሩና!

ቅድሚ 80 ዓመታት 2 ጳጉሜን 1935 ወለድና ኣብ ዋዕላ ማይደርሁ ተኣኪቦም፤ ኣብ ሰውሒ ኮፍ ኢሎም ቃለመሓላ ገረብ ዓረና ወያነ ትግራይ ውዕል ኣሲሮም ምስ ወፈሩ፤ ኣብ ተኸታታሊ ውግእ ኵሓ፣ እንዳየሱስ መቐለ፣ ዕዳጋሓሙስ፣ ኣብ መወዳእታ ኣብ ኣላጀ፣ ማይቀያሕን ዕዳጋ ሶኒ መቐለን ኣሽሓት እዮም ክቡር መስዋእቲ ከፊሎም! ምእንተ ሃለዋትን ፍትሕን!

ኣብ'ዙ ፎቶ ከምዝርአ ዘሎ፤ ድሕሪ 77 ዓመታት ከምዚኣ 2 ጳጉሜን 2012ን ድማ፤ ደቂደቆም ኣቦመንበራት ሓሙሽተ ውድባት ፖለቲካ ትግራይ፤ ህወሓት፣ ሳወት፣ ባይቶና፣ ውናትን ዓሲምባን ኣብ ዘበናዊ ሆቴል መቐለ ብሓባር ተራኺቦም፤ ምእንተ ስልጡን ፖለቲካ ትግራይ ሓቢሮም ንኽሰርሑ መኸምበቲ ቃሎም ኣስሚዖምና ተስፋ ኣስኒቖምና ነይሮም!

ኣብ ካልኣይ ወርሑ እዙ ስምምዕ ብእውጅ ዝተኻየደን ይካየድ ዘሎን ጀኖሳይዳዊ ኵናት ንኽምክቱ ምስ ህዝቦም ሓቢሮም ተሰሊፎም ሓቢሮም ድማ ተሰዊኦም:: ኣብ ታሪኽ ትግራይ ኮነ ኣብ ካልእ ተራእዩ ዘይፈልጥ ፅንተት ተፈፂሙ ይፍፀም ኣሎ:: ምእንተ ሃለዋትን ደሕንነትን ህዝቢ ትግራይ መሪርን ከቢድን መስዋእትን መጉዳእቲ ኣካልን ተኸፊሉ! ሎሚ እውን ህዝብና ኣብ ቐፃልን ሰላሕታውን ፅንተት እዩ ዘሎ! ፖለቲከኛታት ትግራይኸ ኣበይ ኣለዉ?

ኣብ ጉዳይ እዛ ሓንቲ ክብርትን ንእድትን ትግራይን ህዝባን፤ ብሓባር ኮፍ ኢሎም ንህዝቢ ትግራይ ማእኸል ሽኻሎም ገይሮም ተኸኣኢሎም ክዝትዩን እሂን ምሂን ክብሃሃሉን፤ ህልዉ ኩነታት መርሚሮም መፃኢ ክእምቱን፣ ስልታውን ስትራተጂካውን ትልሚ ሓንፂፆም ንቕድሚት ክተዓፃፀፉን ኣይርኣዩን ጥራሕ እንተይኮነስ፤ ናብ'ዙ ሐዚ እንዕዘቦ ዘለና ብርኪ ፀዲፎም ኣለዉ!

እሞ ድማ ህዝቢ ትግራይ ሐዚ እውን ይፅንት ኣሎ፤ ከምህዝቢ ፅንተትና ንኸሳልጡ ዙሪያ ምላሽ ፀላእቲ ይተዓፃፀፉ ኣለዉ!

ፖለቲካዊ መሪሕነት ዘይተዓደለት ትግራይ ግና፤ ኣብ ህወሓት ዘለዉ ኮነ ኣብ ካልኦት ውድባት ዘለዉ ፖለቲከኛታት ደቃ ክደማመፁ ተሳኢኑዎም፤ ኣብ ኣነነትን ናይ ምጥፍፋእን ድሑር ፖለቲካ ስድሳታት ተሸኺሎም፤ ነንሕድሕዶም ይናቖሩ ንርኢ ኣለና! ድሕሪ እዙ ኹሉ ኹነታት ፖለቲካ ትግራይ ክስልጥን ክተዓፃፀፍ እዩ እንተበልና፤ ተስፋና ተሓንሺሹ ከም ሽንቲ ግመል ንድሕሪት ይፀድፍ ኣሎ፤ የመና የሕዝን የጉህይ!

ዝተሓላለኸን ዝተለቋቖመን ጉዳይ ትግራይ ደቃ ብሓባር ኮፍ ኢሎም ኣብ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ሸኺሎም ብዘካይዱዎ ዘተን ምድምማፅን እምበር፤ ብበትሪ ብማእሰርቲ ብምጥፍፋእ ኣይፍታሕን!

Telegram: https://t.me/+HdnQzJcDXXJlMzBh