INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ንለካቲት ምኽባር ካብ ለካቲት ምምሃር!

እንኳዕ ንመበል 47 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ለካቲት 11 አፀሓና!

ምስ ምዝካር ለካቲት 11 ፤ ን 47 ዓመታት ዝዘለቐን ንሓዋሩ ዝነብርን ዘርዚርካ ዘይውዳእ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ እዩ::

ጉዕዞ 47 አመታት ንምዝኽኻር ዝአክል ፤

ቅድሚ ለካቲት ካብ 1962 ብማሕበር ተጋሩ ዩኒቨርስቲ /ማተዩ/ አዲስ አበባ ብዝነበሩ ተምሃሮ ዩንቨርስቲ እዩ ዝጅምር : ብ1964/1965 መልክዕ ሒዙ፤

"አቲ ትግራይ ኩሕሎ:
ሽዋ ኮይንኻ ዶ ትግራይ ትሕሎ:
ሎሚ ዘበን ሓዲኡ አሎ::"
ዝብል ድምፂ ዓመፅ ካብ ህዝቢ ትግራይ እናተስምዐ ምስከደ፤

ብ1967 ዓ/ም ማሕበር ገስገስቲ ብሄረ ትግራይ /ማገብት/ ፖለቲካዊ ውድብ ተፈጠረ::

መስከረም አብ አዲስ አበባ ህፁፅ አኼባ ፤ ሕዳር 1967 አብ ከተማ አኽሱም ካልአይ አኼብኡ አካይዱ አብ መዓልቲ ሕዳር ፅዮን " ማንፌስቶ" ዘርግሐ::

ድሕሪ 3ይ አኼባ ማገብት አብ 5 ወርሑ ፤ ብወርሒ ለካቲት 1967 ናብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ጉዕዞ ኾነ::

11 ተቓለስቲ ( ስዩም፤ ስሑል፤ አግአዚ፤ ቐለበት፤ ፅሃየ፤ በሪሁ፤ ግደይ፤ አስፍሃ፤ ኮኾብ፤ ካሕሳይ፤ ሚኪኤለ) ናብ በረኻ ደደቢት ወሪዶም ክርቢት ቃልሲ እንትውልዑ፤

እቲ 2ይ ክፋል ናይ ከተማታት ስርዒት ንምዝርጋሕ ውዳበታት ንምግፋሕ (ስብሓት፤ ፋኑስ፤ ቴድሮስ፤ ረዘነ፤ አይናለምን ዶ/ር አታኽልቲ) አብ ከተማታት አዲስ አበባ፤ መቐለን አስመራን ክተርፉ ተገበረ::

3ይ ክፋል ናብ ኤርትራ ከይዱ ርክባት ከጠናኽርን ታዕሊም ክውስድን (አባይ፤ መለስ፤ ስየ፤ ዋልታ፤ አፅብሃ፤ ዓወት፤ አውአሎም ፤ ሃይሉ ምንገሻን) ተመዲቦም : ነዚ እንዝክሮ ዘለና ለካቲት 11 መሰረት ዘንበሩ ሓውልታት ታሪኽ ትግራይ እዮም::

ናብ በርኻ ደደቢት ዘምርሑ ተቓለስቲ መናእሰይ ዕለት 10 ለካቲት አብ ከተማ ሽረ እንዳ ገሰሰ አየለ/ስሑል/ ተአኻኺቦም
1 ቶምሶን ብረት ምስ 50 ጥይት
1 ጓንዴ ምስ 4 ጥይት
1 ካርቫይን ምስ 93 ጥይት
1 ሳንጃ አልቤን ምስ 8 ጥይት
1 ካሊቨር ሽጉጥ ምስ 50 ጥይት
10 ኻራ/ሰንጢ
10 ኺሎ ዳቦ ቖሎ
15 ኺሎ ሕሩጭ
5 ኩባያ መስተይ
1 ሞቕሎ/መሰንከቲ
1 በራድ
1 መትሓዚ ማይ
1 ታኒካ መዓር
ቁሩብ ጨውን እንጣጢእን
ብዝሕ ዝበለ መፃሕፍቲ
ቁሩብ መድሓኒት

ብሓፈሻ ሕድሕድ 20 ኺሎ ዝግመት ዕጥቅን ስንቅን ፀይሮም ድሕሪ ነዊሕ ጉዕዞ አብ አስገደ/ ክሳድ ግባ ከምዝአተው ሰነዳት ይሕብሩ::

ካብ ጉዕዞ 17 አመት ዕጥቃዊ ቃልሲ ድሙቓት ዓወታትን

ኦፕሬሽን ሽረ (ፈላሚ ውፍሪ ህወሓት)
ኦፕሬሽን አኽሱም
ቃልሲ አንፃር ጥራናፊት፤ ኢድዩ፤ ኢህኣ፤ ጀብሃ፤ 8 ወራራት ደርጊ፤ ምስ ወሰንቲ ውግአት/ወፍርታት
-ምጉላት-ስንቃጣ-ውቕሮ-ገለበዳ-አንዶ
-ወፍርታት አኽሱም-ዓድዋ-ሽረ
-ወፍሪ ስሙር ቅልፅም(አላጀ-ግራ ካሕሱ)
-ወፍሪ ሓውዜን 1ይን 2ይን
-ምድምሳስ 604 ኮር ኩናት ዓዲ ገዘሞ
-ወፍሪ ሰላም ብቓልሲ (ማይጨው-ጎብየ)
-ወፍሪ ፋና ኢህወዴግ (ወልድያ-ወረታ)
- ውግእ ጉና 1ይን 2ይን ደብረታቦር)
-ውግእ መራኛ( ምድምሳስ 3ይ ክ/ር ደርግ}
-ወፍርታት ቴድሮስ-ቢሉሱማ-ዋለልኝ)
-ወሰንቲ ውግአት 20 ግንቦት ስዕረት ደርግ

እንትኾኑ ከም አግአዚ ኦፕሬሽን ዝአምሰሉ ብዙሓት መስተንክራዊ ስርሒታትውን አለው::

ብወታደራዊ መዳይ ጥራሕ ተይኮነስ ብፖለቲካ ፤ ውዳበ ፤ መዋፈርታት፤ ታዕሊም፤ ህዝባዊ ድምፂ፤ ነቲ ኹናት ዝፀውር ኢኮኖሚ፤ ነቲ ደጀን ህዝቢ ብትምህርቲ፤ ብሕርሻ ፤ ብጥዕና ፤ ብዲፕሎማሲን ናይ ወፃኢ (ዳያስፖራ ) ውዳበታት ሒዙ ዝተዓወተ ቃልሲ እዩ::

አብ እዋን ድርቂ 1977 ህዝቢ ትግራይ ንምፅናት አብ ዝተገበረ ምስ ናይ ሎሚ ዝመሳሰል አጥሚኻ ናይ ምምብርካኽ ወፍሪ" ዓሳ ንምሓዝ ባሕሪ ምንፃፍ" ዝብልውን ህዝቢ ናብ ሱዳን ብምስጋር ህይወት ናይምድሓን ስራሕቲ ዝተሰርሐሉ ፈታኒ እዋን እዩ ነይሩ።

ድሕሪ ውድቀት ደርጊውን ካብ ምስረታ መሰጋገሪ መንግስቲ፤ ክሳዕ ሓዱሽ ፌዴራላዊ ሕገ-መንግስቲ፤ ካብ 'አሓት ውድባት" ክሳዕ ጥንኩር መከላኸሊ ሓይሊ፤ ካብ ቅልጡፍ ምዕባለ ኢኮኖሚ፤ ክሳዕ ዓለም-ለኸ ዕውት ዲፕሎማሲ ፡ እታ ሃገር ናብ ሓዱሽ ብራኸ ዘብፅሐ ሰላማዊ ቃልሲ ተኻይዱ፡፡

እዚ ኹሉ ናይ ቃልሲ ጉዕዞ ክትፅሕፎን ክትዛረበሉን እምበር ክትሓልፎ ከቢድ ዝነበረን ህዝቢ ትግራይ ኸቢድ ዋጋ ዝኸፈለሉን እዩ። አብ ውሽጢ እቲ ውድብውን በቢመድረኹ ሰፍ ዘይብል ዋጋ ዘኽፍል ፈተነታት ሓሊፉ፤ ካብ ናይ ውሽጢ ሰለልቲ ክሳዕ ናይ ኸባቢያዊን (አውራጃዊ) ሕመቃት፤ ካብ ፖለቲካዊ አፈላልይ ክሳዕ ደውታን ምብስባስን ብዙሓት ፈተናታት ዝሓለፈ መሪሕ ውድብ እዩ።

አብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ውድብ ህወሓት ከም ውድብ፤ ህዝቢ ትግራይ ድማ ከም ህዝቢ ዝገጠሞን ዘሕልፎን ዘሎ ዓፃባት ንምግላፁን ንምዝራቡን ዝኸብድ እዩ። እዚ ህዝብና ገጢምዎ ዘሎ ህዝቢ ናይ ምፅናት ኹናትን ነዚ ንምስጋር ዝግበር ዘሎ መሪር ቃልስን ፤ ዝኽፈል ዘሎ መስዋእትን ምስቲ ዝሓለፈ ቃልሲን መስዋእትን ብመጠኑ እምበር ብዓይነቱ ብዙሕ ዝፍለ አይኮነን።

ካብዚ ዝተሓላለኸ ናይ 47 ዓመታት ቃልስን መስዋእትን እንታይ ክንምሃር ንኽእል? ዝብል ሕቶ ንመብዛሕትና ዝኸብድ እካ እንተኾነ ብውሑድ ሓድነትና መድሓኒት ከምዝኾነ፤ አብ ትግራይ ማእኸል ዝገበረ ቃልሲና ክነሕይል ከምዘለና፤ ድሕሪ ሕዚ ብዝኾነን ዘይኮነን ምኽንያታት ተሳትፎና ክልሕልሕ ከምዘይብሉ፤ ህዝቢ ትግራይ ብኹሉ መዳይ ዓርሱ ዝኽእለሉ ዘተአማምን ወታደራዊ ሓይሊ፤ ኢኮኖሚያዊ ዓቅሚን፤ ፈተውቲ ዘብዝሕ ንፁር ፖለቲካዊን ዲፕሎማሲያዊን አንፈት ዝውንነሉ ፤ ዓርሰ-ምሕደረኡ ዘረጋግፀሉ ኹለመዳይ ቃልሲ ከምዘድልየና ዝተምሃርናሉን ነዚ ዝፃወር ተቃላሳይ ህዝብን ሓይሊ ምሁርን ብፍላይ ድማ ታሪኻዊ ሓልፊነቱ ተቀቢሉ ብግብሪ ዝዓምም መንእሰይ ወለዶ ዝወነናሉ ናይ ቃልሲ መድረኽ እዩ።

ስለዚ ለካቲት 11 እንትነኽብር ካብ ጉዕዞ ቃልስና ተመኩሮ እንወስደሉ፤ ካብ ሕሉፍ ጌጋታትና እንመሃረሉ፤ ካብታ እንነብረላ ኸባቢ ጀሚርና ተወዲብና ህዝብና ካብ ዕፅዋ ዝወፀሉን ናብቶም እንምነዮም ብራኸ ዝሰጋገረሉን ዝለዓለ ቃልሲና አጠናኺርና ክንቅፅል ቃል-ኪዳና እነሕድሰሉን በዓል ክኸውን ይግባእ።

ዘለአለማዊ ዝኽሪ ንስዋትና!
ትግራይ ትሰዕር አላ! Abay Gedey 18 feb 2022

Read More