INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዘሎ ኮነ ኣብ መላእ ዓለም ዝነብር ኣብዝሓ ህዝቢ ትግራይ

ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዘሎ ኮነ ኣብ መላእ ዓለም ዝነብር ኣብዝሓ ህዝቢ ትግራይ፤ ኣሚኑሉ እዩ ዝጋደል ዘሎ! ንሃለዋቱን ደሕንነቱን ካሊእ መማረፂ ስለዘይብሉ! ድሌቱ ድማ ሙሉእ ሓርነትና ምርግጋፅ እምበር፤ ተኾርሚኻ እናበኸኻ ክልተ ሞት ምሟት ስለዘይኮነ! ብምዃኑ ድማ ክቡር መሪርን ከቢድን መስዋእቲ ይኸፍል ኣሎ!

ስለዙይ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኮነ ኣብ ደገ ዘለና ኩልና፤ ብዝኸኣልናዮ ኩሉ ኣሚናሉ፤ ክንጋደል ምርጫና እንተይኮነስ፤ ምእንተ ቀፃሊ ህልውናናን ደሕንነትናን ግድነትና እዩ!

መንግስቲ ትግራይ ድማ ኣካይዳኻ ኣዐሪ፤ ዲፕሎማሲ ዓለም ሓይልኻ ተተርኢስካ ብእንካ ሃባን ሓርፋፍ ኣካይዳን እምበር፤ ጠባራይ ለማፅ ዝኾነ ኣካይዳ ኣይመኻይዱን! ምስቱ ሐዚ ተበፂሑ ዘሎ ወተሃደራዊ ዓቕሚ፤ ናይ ባዕላ ዓለምለኸ ዶብ ዘለዋ ትግራይ ዶባ ክተኽብርን ዓለምለኸ ርክባ ክተደልድል እናተገብአ፤ «ኮሪደር መሬት ዓፋርን ኣምሓራን ይከፈተለይ» እናበልካ ኝኝኝ ኣሰኪፉና!

ውሽጥኻ እውን ኣፅሪ፤ ኣብዛ እነተስፍዋ ትግራይ ጉጅልኣዊ ኣካይዳ ኾነ ጉሒላነት ዳግም ክጥጥዕ ኣይኮነን ብፍፅም ወሪኡ እውን ክንሰምዕ ኣይንደልን! ገድሊ ትግራይ ካብ ቀዳማይ ወያነ ኣትሒዙ ተፈጥርኡ፤ ብረታዊ ቃልሲ ምክያድን ምምራሕን ጥራሕ እንተይኮነ ፤ ምዕሩይ ኣምሓዳድራን ፀጥታን ምኽባር እውን እዩ!

ኣቱም ኢድኩም ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዘይሓወስኩም ሞቃ ፀግዒ ዝሓዝኩም ኣብ ርኢቶ ጨለ ዝኾንኩም፤ ኣብ በለካ ለኽዐካ ኣብ መፍረሳይን በታኒን ሓንኳል ዘረባ ምውዛዕ ዝተፀመድኩም፤ ምእንተ እትኣምኑዎ ፈጣሪን እትፈትውዎምን ናብ ውነኹም ናብ ህዝቢ ትግራይ ተመለሱ!

ትግራይ ትስዕር ኣላ! ካሳ ሃይለማርያም
ቴሌግራም: https://t.me/+HdnQzJcDXXJlMzBh