INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ሰራዊት ምክልኻል ትግራይ ክልላት ምውፅኦም መራኸብቲ ሓፋሽ ዓለም ፀብፂበን

ሰራዊት ምክልኻል ትግራይ እቲ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝቐፀለ ኲናት ብሰላማዊ ፍታሕ ንምኽምባት፡ ተቖፃፂሮምወን ካብ ዝነበሩ ክልላት ምውፅኦም መራኸብቲ ሓፋሽ ዓለም ፀብፂበን።

ዋሺንግተን ዲሲ 11 ሕዳር 2014 ዓ/ም (TMH) ፕረዚደንት መንግስቲ ትግራይ ዶር. ደ/ፅዮን ገ/ሚካኤል ናብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝፀሓፍዎ ደብዳበ ብምጥቓስ ‘’ሰራዊት ትግራይ ሒዞምዎም ካብ ዝነበሩ ቦታታት ናይ ምውፃእ ውሳነ፡ ሰላማዊ ፍታሕ ንምንዳይ ዝተኸፈተ ሰፊሕ በሪ ምዃንኑ’’ ዝፀብፀቡ ኮይኖም፡ ብወገን እቲ ፋሽሽታዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ‘’እቲ ዝወለዖ ኲናት ሕድሕድ ጠጠው ንምባል፡ ሪፈረንደም ሓዊሱ ኩሎም ፖለቲካዊ ጠለባት፡ ንኹሎም ፖለቲካዊ ውዳበታት ብዝሓቖፈ መንገዲ ንምስላጥ ከም ዝተስማዕምዐ፡ ሚኒስተር ሬድዋን ሑሴን ምዝራቡ ሚድያታት ፀብፂበን ኣለዋ።

ሰራዊት ትግራይ እቶም ብፀላእቲ ዝተሓፀሩ ክባታትን ክሻብ ዝበጣጠሱን፡ ውሕስና ህላወ ህዝቢ ትግራይ ክሻብ ዝረጋገፅን ብሙሉእ ዓቕሙ ብምቅላስ፣ ንፀላእቱ ሕርሕራይ እናቐጥቀጠ ናብ ዝተፈላለዩ ክልላት ብምዝላቕ ወንበር ኣራት እንተነቓንቕ፡ ኣብ ከቢድ ስግኣት ዝወደቑ መንግስታት ዓለም ነዚ ንምፍታሕ ኣብ ምርብራብ ፀኒሖ እዮም።

ውሊያም ዴቪሶን ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ተንተንቲ ‘’መንግስቲ ትግራይ ዝወሰዶ ‘’ሰራዊቱ ናይ ምስሓብ ስጉምቲ’’ ሰላማዊ ዘተ ኣብ ምምፃእን ሰብኣዊ ሓገዛት ብዘይገደብ ንምብፃሕን ወሳኒ ምዃኑ ብኣድናቖት ዝረኣይዎ ኮይኖም፡ ‘’ኢትዮጵያ ናይ ምምራሕ ይኹን ቦታታት ናይ ምቁፅጻር ድሌት ዘይብሉ ሰራዊት ትግራይ፡ ባህግታቱ ብሰላማዊ ዘተ ንምፍታሕ ዘኽእሎ መማረጺ ብምውሳድ ነቶም ከባቢታት ለቒቑ ምውፅኡ ፀብፂቡ ኣሎ።

ብሉምበርግ ብወገኑ ንዓሰርተ ሰለስተ ኣዋርሕ ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ገጢሞም ዓበይቲ ዓወታት እናሓፈሱ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ብምዝላቕ፡ ኣብ ጫፍ ኣዲስ ኣበባ በፂሖም ዝነበሩ ሰራዊት ትግራይ፣ ኲናት ሕድሕድ ጠጠው ንምባልን ፖለቲካዊ ዘተ ንምስላጥን ዝሕግዝ ስትራተጂካዊ ምንስሓብ ኣሳሊጦም ክብል ዝፀብፀበ ኮይኑ፣ ሚድያታት ኢ/ያ ሰራዊት ትግራይ ብዓርሰፍቓዱ ኣብ ዝለቐቖም ከተማታት እናተረኸቡ ናይ ሓሰት ዜናታት ዓወት እንተቃልሑ፣ እቲ ፋሽሽታዊ መንግስቲ እውን፡ ብድሮናትን ነፈርትን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ መጥቃዕትታት ዝፍፅም ዘሎ ኮይኑ፡ ‘’ዶር. ደ/ፅዮን ገብረሚካኤል ናብ ባይቶ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ዝፀሓፍዎ ደብዳበ፡ እቶም መጥቃዕትታት ነፈርቲ ጠጠው ብምባል ውሕስና ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋፅ፡ ትግራይ ካብ በረራ ኣየር ነጻ ዝገብር ውሳነ ክውሰን ‘’ኣብ ቶም መንግስታት ድማ ወታደራዊ እግድ ክንበር ከም ዘለዎ ዝሕብር ምዃኑ ወሲኹ ሓቢሩ ኣሎ።

CGTNንን ሮይተርስን ብወገኖም፡ ምውፃእ ሰራዊት ትግራይ ካብ ኩሎም ክልላት ኢትዮያ ዕላዊ ከም ዝኾነ ‘’ንኣባል ሴንትራል ኮማንድ ጌታቸው ረዳ ብምውካስ ዝፀብፀቡ ኮይኖም፡ እዚ ውሳነ ካብ ፈለምኡ እውን መንግስትን ህዝብን ትግራይ ቀዳማይ ምርጭኦም ገይሮም ዘቐምጥዎ ዝነበሩ ሰላማዊ ዘተ ንምስላጥ ዝሕግዝ ብምዃኑ፣ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋፅ ብመንግስትን ሰራዊትን ትግራይ ተኣሚኑሉ ኣብ ሙሉእ ድሌትን ዘተኣማምን ቁመናን ብምዃን ዝፍፅም ዘሎ እዩ ተባሂሉ።

Read More