INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ውሳነ ውናት!

ውናት ሓዱሽ መግለፂ ኣውፂኡ ኣሎ።

ኣምነስት ኢንተርናሽናልን ሂዩማን ራይትስዎችን ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝተፈፀመ ጨፍጫፍ ኣመልኪቶም ዘውፅእዎ ሰነድ ዝነኣድ እኳ እንተኾነ : ኣብቲ ዘውፅእዎ መፅናዕቲ ክእርምዎ ዝግባእ ሓደገኛ ነጥብታት ከምዘሎ ውናት ገሊፁ ኣሎ።

ኣብቲ በዓል 207 ገፅ ናይ ክልቲኦም ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰል ፀብፃብ ፣ ሰለስተ ዝተጋገየ መረዳእታን ኣገላልፃን ከምዝተቐመጠ ውናት ገሊፁ።

1) ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝተፈፀመ ጨፍጫፍ ክንዲ ዝክኣል ተገሊፁ እናሃለወ ፣ ‘ጄኖሳይድ’ ኢሉ ብሽሙ ክፅውዖ ዘይምክኣሉ እቲ ፀብፃብ ሙሉእ ኣይገብሮን።እቲ መፅናዕቲ ነቲ ፍፃመ ክሳብ ሐዚ ጄኖሳይድ ኢሉ ንምፅዋዕ ኣይወሰነን።

2) እቲ ፀብፃብ ንምዕራብ ትግራይ ‘ብኢህወዴግ ዝተኻለለ መከራኸሪ ቦታ’ ክብል እዩ ገሊፅዎ። እዚ ድማ ዝተጋገየን ብኣግኡ ክእረም ዝግብኦን ነጥቢ እዩ።

3) ኣምነስቲ ይኩን ሂዩማን ራይትስዎች ነቶም ግፍዒ ዝፈፀሙ ኣካላት ካብቲ ከባቢ ይውፅኡ ኣብ ክንዲ ኢሉ ዝነቅፍን ርኢቶ ዘዕርፍን ፣ ‘ዓቃቢ ሰላም ክኣቱ ይግባእ’ ኢሉ ዘቅረቦ ሓሳብ ኣግባብነት የብሉን። ክብል ውናት ቅዋሙ ገሊፁ ኣሎ።

መንግስቲ ትግራይ ይኹን ካልኦት ንጉዳይ ትግራይ ይምልከተና ዝብሉ ኣካላት ድማ ነዚ ብልዑል ትኹረት ክርእይዎን ፣ ኣብቲ ፀብፃብ ዝተቐመጡ ዝተጋገዩ መረዳእታታት ክእረሙን ውናት ፀዊዑ ኣሎ።

ብጣዕሚ ፅቡቃት ምልከታታት! | ነመስግን ውናት።
kibrom_mulugeta
Digital Weyane ዲጂታል ወያነ