INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ውግእ ዓዲ ዓውሶ

መቐፀልታን ምኽንያትን ውግእ ወርቂ ዲኖ ዝኾነን 11 መጋቢት 2013 ዓ/ም ዝተኻየደን ውግእ ዓዲ ዓውሶ ውግእ ደንጎላት እናተብሃለ 'ውን ይፅዋዕ። ኣብ ትሕቲ ግምባር ወዲእምበይተይ ዝምርሓ ክፍለ ሰራዊታት ሙሴን ማዕበልን በዚ ዕለት ኣብ ደንጎላት ተዋጊኤን። ኣብ ትሕቲ ግምባር ምግበይ ሃይለ ዝምርሓ ክፍለ ሰራዊታት ቀይሕ ኮኾብን ዓድዋን ከዓ ካብ ደንጎላት ንኣንፈት ደቡብ ምዕራብ ኣብትርከብ ጣብያ ዓዲ ዓውሶ በቲ ዕለት ተዋጊኤን። እቲ ውግእ መቐፀልታን ኣካልን 10 መጋቢት 2013 ዓ/ም ብኒ ወዲኣሸብር ዝተኻየደ ውግእ ወርቂ ዲኖ ዝኾነሉ ምኽንያት ከዓ ምስ እኒ ጀነራል ዮሃንስ [መዲድ] ዘለዉ ብፀላእቲ ዝህደኑ ዘለዉ ፖለቲካውን ወታደራውን ላዕለዎት ኣመራርሓ ትግራይ ብገፊሑ ብፀላኢ ኣብ ክባ ኣትዮም እቲ ክባ ፀላኢ በቢመዓልቱ እናፅበቦ ይኸይድ ስለዝነበረ እዩ።

ፈለማ እቲ ክባ ካብ ከባቢታት ዓዴትን ፅምብላን ወፅዩ ናብ ዓዲቀይሕ ➟ ማይጨው ➟ ዴላ/ቦራ/ሰለዋ ➟ ኮረም ➟ ዋግኽምራ ➟ ኣበርገለ ➟ የጭላ ➟ ፀለምቲ ➟ ጉያ ➟ ዓብዪዓዲ➟ ሓውዜን ➟ ሃ ይቂመስሓል ➟ ዴስኣ ➟ ኣራጉረ ➟ ሽኸት ➟ ዓዲጉዶም ➟ ሕዋነ ነይሩ።
እዚ ማለት ኣብ ወርሒ መወዳእታ ሕዳር ፥ ታሕሳስ ፥ ጥሪን ለካቲትን ፀላእቲ ንላዕለዎት ኣመራርሓታትና ንክሕዙ ፅዑቕ ደብዳብን ኣለሻን ዝገበሩለን ከባቢታት ወረዳ ደጉዓን ቆላን ተምቤን ፥ ዓዴት ፥ ታሕታይ ማይጨው ፥ ኣስገደን ፅምብላን ነይሩ።
ድሕሪ 'ዚ ግና ፀላእቲ እቲ ክባ ናብ ዓዲጉዶም ➟ ዴላ/ቦራ/ሰለዋ ➟ ኮረም ➟ ወርቂዲኖ ➟ ደንጎላት/ዓዲዓውሶ/ሳምረ ➟ የጭላ ኣፅቢቦሙዎ።

ኩለን መሽሎኺታት ክዕፀዋ ጀሚረን። ምኽንያቱ ከዓ ሽዑ ውሽጥና ኣይፀረናን ነይርና ፤ ምስፀላእትና ዝሰርሑ ሓቢሮምና ይጓዓዙ ነይሮም። ኣብዙ ዳሕረዋይ [ዝፀበበ] ክባ ድሕሪ ምድሪ ኣገው [ወርቂ ዲኖ] ክልል ኣምሓራ ስለዝርከብ ሓደጋኡ ክንደየናይ ዝኸፈኧ ምዃኑ ንዓኹም ግልፂ እዩ። እዚ መጠን ስፍሓት ዘለዎ ክባ ፈንፂሕኻ ንምውፃእ ውግእ ወርቂ ዲኖን ውግእ ዓዲዓውሶ [ውግእ ደንጎላት] ምግባር ግድን ስለዝነበረ እዩ። ስለዝኾነ ኣብ ትሕቲ ተጋ/ወዲምበይተይ [ጀነራል ግርማይ ሃይለስላሰ] ዝመርሖ ግምባር ዝእዘዛ ክ/ሰራዊታት ሙሴን ማዕበልን ንከተማ ደንጎላት ካብ ቀጠና ውግእ ሓራ ንምግባር ብሰላሕታ ናብቲ ገፊሕ ክባ ብምእታው ብቖረፃ ንድሕሪት ከትርፋኣ ንፀጋም [ንኣንፈት ደቡብ] ተዓፂፈን ብቦተኧን ሒዘን ኣለዋ።

11 መጋቢት 2013 ዓ/ም ድሕሪ ቀትሪ ከባቢ ሰዓት 8፡00 ክ/ሰራዊታት ሙሴን ማዕበልን ኣብ ከባቢ ደንጎላት ዓሪዱ ንዝነበረ ፀላእን [ዝበዝሕ ሰራዊት ፒፒ]ን ከምኡ 'ውን ክኣንፈት ዓዲጉዶምን ማይጨውን ብክፍለ ሰራዊታት ቀይሕ ኮኾብን ዓድዋን ክዝበጥ ንዝጀመረ ናይ ጀነራል በርቂ ሙሉእ ክ/ሰራዊት ሻዕብያን ንኡ ክሕግዝ ክኣስመራ ንዝመፀ ፍሉይ ኮማንዶን ንከድሕን ዝህንደድ ዝነበረ ሰራዊት ሻዕብያን ፒፒን ዓጊተን ሓመድ ክገብርኡ ጀሚረን ኣለዋ። ኣብዙ ውግእ ህዝቢ ደንጎላት ታሪኽ ሰሪሑ እዩ። ዳርጋ መዓረ ሰራዊትና ተዃሺሑ። ውጉኣትና ኣብምግላልን ኣብምሕብሓብን ከምኡ 'ውን ካብ X-ዝኾኑን [ዝሞቱ] ሙሩኻት ፀላእቲ ኣፅዋራትን ንብረታቱን ብምእካብ ልዑል እጃም ተፃዊቱ እዩ። ከም ኣጋጣሚ ኮይኑ ብዙሓት ሰራዊት ፒፒ ክማረኹ ከለዉ ወታደራት ሻዕብያ ግና ዝተማረኹ ዳርጋ የለዉን።

ብተመሳሳሊ ሰዓት ኣብ ትሕቲ ተጋ/ምግበይ ሃይለ ዝመርሖ ግምባር ዝእዘዛ ናይ ወርቂ ዓይኑ ክ/ሰራዊት ቀይሕ ኮኾብን ናይ ፀጋይ ማርክስ ክ/ሰራዊት ዓድዋን ከዓ ንከተማ ሳምረ ካብ ቀጠና ውግእ ሓራ ንምግባር ብሰላሕታ ናብቲ ናይፀላኢገፊሕ ክባ ብምእታው ካብ ከተማ ሳምረ ንደንጎላት [ንኣንፈት ዓዲ ዓውሶ] ዝወስድ ፅርጊያ ክፉት ገይረንኡ ኣለዋ። እቲ ምኽንያት ኣብ ከተማ ሳምረ ዘሎ ሰራዊት ፒፒን ውሑድ ሻዕብያን ንቲ ንሕና ንስጉዶ ዘለና ናይ ጀነራል በርቅን ኮማንዶ ሻዕብያን ንክሕግዙ ብቲ ፅርግያ ንክመፁ 'ሞ ከተማ ሳምረ ካብቶም ፀላእቲ ሓራ ብምግባር ፀላእቲ ናብ ሓደ ምስተጠቓለሉ ሽዑ ንሽዑ ክ/ሰራዊት ዓድዋ ንቲ ፅርጊያ ንክትዓፅዎ ንምግባር ነይሩ ፤ ከምኡ ከዓ ገበረት። ክ/ሰራዊት ቀይሕ ኮኾብ ኣብ ዓዲ ዓውሶ [እንዳ ጀወርግስ] ንዘሎ ሰራዊት ሻዕብያ ምስ ናይ እኒ ክ/ሰራዊት ሙሴ ብተመሳሳሊ ሰዓት ማለት 'ውን 11 መጋቢት 2013 ዓ/ም ድሕሪ ቀትሪ ከባቢ ሰዓት 8፡00 ክትዘብጦ ጀመረት። እታ ቅልጥፍትን ብርትዕቲ ክ/ሰራዊት ዓድዋ ብየማን መብረቓዊ ውቅዒታ ኣብልዕሊ ሻዕብያ ጀሚራ ኣላ። "በርቂ" ብዝተብሃለ ጀነራል ሻዕብያ ዝምራሕ መበል 29 ሙሉእ ክ/ሰራዊት ሻዕብያን ክኣስመራ ንዝኸተተ ሓጋዚኡ ፍሉይ ኮማንዶ ሻዕብያን ምሒር ይጅፋዕ ኣሎ። ክ/ሰራዊት ዓድዋ ብዘይምሕረት ዝጅፋዕ ዘሎ ሻዕብ ንሳምረን ንምድሪ ኣገውን ከይሃድም ልኩት ኣቢላ ፅርጊያ ብምዕፃው እያ ትዘብጦ ዘላ።
ሐዚ ሻዕብያን ኮማንዶታቱን ብክ/ሰራዊታት ቀይሕ ኮኾብን ዓድዋን ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ከምቆፅሊ ይረግፍ ኣሎ። ሻዕብያ ሓፈት መበሊ ስኢኑ ናብዚ ናብቲ ክብል ኣይከኣለን ፤ ዕድሉ ግድን ኣብዘለዎ ኮይኑ ደኣ ክረግፍ ኮነ። ዋላ 'ኳ ናብ እንዳ ገባራት ፥ ኩልሳሳትን ቤተክርስቲያን ኪዳነምህረት ዓዲዓውሶን ተሓቢኡ ብሬናትን ሞርታራትን ክትኩሰልና እንተፈተነ ምስናትና ቅልጣፈ ክሰምረሉን ውቅዒትና ክፃወሮን ስለዘይከኣለ ካብ ምድምሳስ ዘምልጠሉ ኣማራፂ ኣይነበረን። ምሸት ከባቢ ሰዓት 1፡00 ከዓ እቲ ውግእ ብዓወት ዛዘምናዮ። ጀነራል በርቂ ፥ ንሱ ዝመርሓ መበል 29 ክ/ሰራዊት ሻዕብያን ንኒ ዶ/ር ደብረፅዮን ብኢዶም ንክሕዝ ክኣስመራ ንዓዲ ዓውሶ ዝኸተተ 4 ሄሊኮፍተር ፍሉይ ኮማንዶ ሻዕብያን ሙሉእ ብሙሉእ ተደምሲሱ።

ኣብዙ ውግእ ዕድለኛታት ኮይኖም ካብ ሙሉእ ክ/ሰራዊት ካብ ሞት ዘምለጡ 4 ሙሩኻት ሻዕብያ [እኒ ዮሃንስ እዮብ] ጥራሕ እዮም። ዮሃንስ እዮብ ናይ ጀነራል በርቂ ዋና ኦፕሬተር እንትኾን ጀነራል በርቂ ርእሱ ብስናይፐር ተወቒዑ ሓንጎሉ ተጎልጕሉ ስለዝፈሰሰ ከምዝሞተን ካልኦት ኮሎኔላት ሻዕብያ 'ውን ከምዝተረፍረፉን ዝሓበረና ናይሽዑ ሙሩኽ ሻዕብያ እዩ። ኣብ ዓዲዓውሶ ጥራሕ ሓንቲ መሃያ ንምኽፋል ናቕፋ ዝመለኧት ተሽከርካሪት ፓትሮል ሻዕብያ ፥ ነዳዲ ዝመለኧት ኦራል ዴፖ ሻዕብያ ፥ ከላሽናትን ቁምቡላታትን ዝተፅዓነት ኤነትረ ሻዕብያ ፥ ኣስቃጥላን ብሽኩትን ዝፀዓነት FSR ሻዕብያ ተቓፂለን እየን። ብርክት ዝበሉ መድሓኒታትን ሰነዳትን ሻዕብያ ከዓ ኣብ ኢድና ኣትዮም እዮም። ብሓፈሻ ኣብ ውግኣት ወርቂ ዲኖን ዓዲ ዓውሶን 6 ክ/ሰራዊታት ሻዕብያን [ሓደ ጀነራልን ካልኦት ኮሎኔላትን ሓዊሱ] 80 ፍሉይ ኮማንዶ ሻዕብያን ተደምሲሶም እዮም።

እዚ ዓወት ንክባ መራሕትና ሙሉእ ንሙሉእ ዝፈንፀሐን ንሓደገይና ውዲት ፀላእትና ዘፍሸለን ኮይኑ ንሃለዋትን ምዕባለን ገድሊ ሰራዊት ትግራይ ከዓ ዘበረኸ ታሪኻዊ ዓወት ኮይኑ ታሪኽ መዝጊቡዎ እዩ። እዚ ካብ ድሮ ክሳብ ድሕሮ ውግእ ወርቂዲኖ ዘሎ ታሪኽ ብዝግባእ እንተንቢብኩሙዎ ኩለን ግንባራት ሰራዊት ትግራይ ብዝተፈላለየ ኣንፈት ግና ኣብ 2 መዓልትታት ውሽጢ መራሕቲ ትግራይ ንከድሕና ኣብ ሓደ ከባቢ ዓሲለን እየን። እዚ ስርሒት ናይ ሓደን ክልተን ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ዘይኮነስ ናይ ኩለን ግንባራት ሰራዊት ትግራይ ዝፈፀሙኡ ዓብዪ ወታደራዊ ኦፕሬሽን እዩ። ንዚ ቅያ ኣስተውዒልኩም ዘንበብኩም ሰባት ናይቲ ክባ ኣፈነፃፅሓ ስርሒት ኣዝዩ ዝገርምን ንምሕሳቡ ዘፀግምን ወታደራዊ ሳይንስን ጥበብን ዝፈሰሶ እዩ። እዚ ናይ ውግእ ሳይንስን ጥበብን ኣብ ዓለም ዘየለ ፥ ኣብ ትግራይን ብተጋሩን ጥራሕ ክፍፀም ዝኽእል "ንቲ ኣብ መዓልቱ ክጭጫሕ ዘይከኣለ ጭጩት [ጭቓው] ንምድሓን ንቲ እንቋቑሖ ካብደገ ዘይኮነስ ካብ ውሽጢ ሰይርካ ንቲ ጭጩት[ጭቓው] ብጥዕናኡ ክጭጫሕ ምግባር" ወይ ከዓ "Breaking an egg shell not out in but in out" ከምማለት እዩ። ኣሃዱታት ምግበይ ሃይለን ወዲእምበይተይን ንተን ዝተኸበባ ናይ ወዲኣሸብርን መዲድን ኣሃዱታትን ላዕለዎት ኣመራርሓ ትግራይን ንምድሓን ንቲ ዝኸበበ ፀላኢ ብደገ ዘይኮነስ ናብቲ ክባ ኣትየን እየን ክውሽጢ ናብ ደገ ፈንፂሐን ወፂኧንን ኣውፂኧንን። ተኸባብን መውፅእን ብሓደ ካብ ውሽጢ ንደገ ፈንፂሖም እዮም ተዓዊቶም።

ድሕሪ 'ዝ ስርሒት ኩለን ግንባራት ንናብ ዞባታተን ተመሊሰን እየን። መራሕትና ከዓ ክወር ቂዲኖ ክፋል ወርቂ ዲኖ ናብዝኾና ቁሸታት ጀባን በባን ተጓዒዞም። ድሕሪኡ ናብ መሬት ትግራይ ሓረቖ ፥ ካውኡ ናብ ዓንጓ ሙጃ ፥ ካውኡ ናብ ቆላ ተምቤን ጉያ ፥ ድሕሪኡ ከዓ ናብ ጉሮሮ [ቆላ ተምቤን] ሰጊሮም። መራሕትና ካብ ምድሪ ኣገው ናብ መሬት ትግራይ ሰጊሮም። "ንህዝቢ ትግራይ መራሕቱ ክተድሕኑሉ እንተኾይንኩም ሐዚ ብፅሑልና" ዝብል ሕቶ መራሕትና ብዝግባእ ተመሊሱ። ንሕና ኣብ ትሕቲ ግንባር ምዕራብ ንምራሕ ክ/ሰራዊታት ቀይሕ ኮኾብን ዓድዋን ድሕሪ 'ዚ ዓወት ብዝመፃእናሉ ኣንፈት ንውጉኣትና ሒዝና ናብ ፅጌረዳ [ከባቢ ሓውዜን] ዕለት 13 መጋቢት 2013 ዓ/ም ተመሊስና ኣለና።

[ወዓካፃ ፥ 09 መጋቢት 2014 ዓ/ም ፥ ካብ ሰነድ ዝተተንተነን ዝተተረኸን ፥ ተኻፋሊ 'ዚ ታሪኽ ፥ ተጋዳላይ]

.....ቅንያት ፅጌረዳ ይቕፅል.....

Read More