INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ውድቀትና ብዘይንሕስያ እንተተማሂርናሉ ትንሳኤ ትግራይ ሐዚ እዩ።

ውድቀትና ብዘይንሕስያ እንተተማሂርናሉ ትንሳኤ ትግራይ ሐዚ እዩ። ውድቀትና ብዘይንሕስያ እንተተባኢስናሉ ግን በሪ ስደት ዝኽፈት ሐዚ እዩ። ሕድ ሕድ ስድራ ዘፍረሰ ጌጋና ክንሓብእ እንኸዶ ተወሳኺ ርሕቐትን ሕሉፍ ጌጋና ልቕድሚት ብዘንጥረና መንገዲ ከይተምሃርናሉ ብሃል ሃልታ ሕርቃን እንውስኖ ውሳነን ሓደጉኡ ብዙሕ እዩ። ብሕታዊ ፍታሕ ኣነ እየን፣ ብሕታዊ ፀገም ንሱ እዩን ካብ ውድቀትካ ሕድማ እዩ። ፖለቲካ ትግራይ ዓርዩ ህዝቢ ኣትይዎ ካብ ዘሎ መከራ ብሓቂ ክወፅእ እንተኾይኑ ውድቀት መሪሕነት? ውድቀት ስነ ሓሳብ? ውድቀት ሊሂቕ? ውድቀት ስርዓተ ትምህርቲ? ውድቀት ሃይማኖትን ባህልናን? ቀላሊዕና እንፍትሸሉ ጊዜ ሐዚ እዩ።

ፖለቲካና ዐዐሪና ሕመቕና ክንሃድም መፃወቲ ዝገበረና ድኽነት ድማ ስደት ካልእ ሓደጋ ብርሰት ቅድሚ ምዃኑ ብቕልጡፍ ይኣኽለካ ክበሃል ይግባእ። ድኽነት፣ ከም ድሌትካ ዘይኮነስ ከም ድሌት ተኾብትኻ ዘንብር ኣርዑት ባርነት እዩ። ተተኳባይ ህዝብን ባርነትን እምበር ተተኳባይ ህዝብን ሓርነት ይኹን ናፅነት ኣይፋለጡን። ድኽነት ብዘይ ዓድን ክብርን ዘትርፍ ናይ ፀያፍ ፀያፍ ስለዝኾነ ፖለቲካና ብዝግባእ ዐዐሪና እንተነኣሰ ፅንተት ክንምክት ብዝሰመርናዮ ልክዕ Never Again ብዝብል ሕራነ ብውነ ሰሚርና ኣብ ዝቕፅል ሓሙሽተ ዓመት ትግራይ እንተነኣሰ ዓርሳ ክትምግብ ክነኽእላ ይግባእ።

ቅድሚ ኩሉ ግን ሙሉእ ብሙሉእ ናብርኡ ዝፈረሰ ከባቢ ሓደ ሚልዮን ዝኾን ስድራ ዕለታዊ ናይ መግቢ ሓገዝን፣ ካሕሳ ህንፀት ዝዓነዉ ትካላትን መሰረተ ልምዓትን ከይሓወሰ፣ ህዝቢ ብቐፃልነት እግሩ ክተክል ዘኽእሎ እንተነኣሰ ብስድራ እስካብ 10,000 ዶላር ዝበፅሕ ሓገዝ ተዘይረኺቡ እንምነያ ትግራይ ምርኣይ ስለዘፀግም ብዝገጠመና ፅንተት ልክዕ ዓለም ክትሕግዘና ብዘኽእለና ልክዕ ምድላው ክንገብር ይግባእ። ዝህልወና ናይ ስግግር ጊዜ ዓለም ለኸ ሓገዝ ብዝለዓለ ብርኪ እንጠልበሉ ናይ ሕውየት ጊዜ ምስ ምዃኑ፣ ገዛ ዕዮ ፖለቲካና እስካብ ንውግን፣ ክህልወና ዝኽእል ስግግር መንግስቲ ዶር ቴድሮስ ኣድሓኖም ዝመሰሉ የማን ይኹን ፀጋም ዘላ ዓለም እትሰምዖም መራሕቲ ክመርሑና ዝህንጠወሉ ምሽጥርውን እዙይ እዩ።

ልዕሊ ኹሉ ግን ተጋሩ ሰብ ዋና ኢና። ተስፋ ትግራይ መሊኡ ክምለስ እንተኾይኑ ግደ ተጋሩ መተካእታ የብሉን ጥራይ ዘይኮነስ ውሕስና መግቢ ትግራይ ብዘረጋግፅን ስራሕ ስእነት መናእሰይ ብዘቃልልን መንገዲ ሕድ ሕድ ትግራዋይ ስድራ ተጠቃሚ ዝገብር ህፁፅ ናይ ሓፂር ጊዜ ትልሚ ቁጠባ ክንቐርፅ ግድን እዩ። ተዘየለ ርኢናዮ ዘይንፈልጥ ፍልሰት መንእሰይ ቀፃሊ ሓደጋና ምዃኑ ምስትብሃል የድሊ። ኣብ ሓፂር ጊዜ ብሚልዮን ዝቑፀር ህዝቢ ኣሳቲፎም ተስፋ ትግራይ ከለምልሙ ተኽእሎ ዘለዎም ዓውደ ስራሕቲ ኣለውናዶ? ከመይ ንወደብ? ምንጪ ፋይናንስ? ቀፀልቲ ኣንፈት ልምዓት? ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ዝረአዩኒ ዘይፀረዩ ጉዑሽ ሓሳባት ከምዝስዕብ ተመሓይሾም ቀሪቦም ኣለዉ። ከይስልችወና ሓንቲ ሓንቲ እናገበርና ነንብበን።

1 - ሜካናይዝድ ሕርሻ ዞባ ምዕራብ

ብሰብ ልክዕ ብመዓልቲ ከባቢ 2 ኪሎ ተሓሳቢ ዝገበረ ትግራይ ዓመታዊ እንተነኣሰ ከባቢ 40 ሚልዮን ኩንታል እኽሊ ከምእትደሊ ይፍለጥ፡፡ ዞባ ምዕራብን ሰሜን ምዕራብን ጥራሕ ዝርከብ ልዕሊ 750,000 ሄክታር ልሙዕ ተሓራሲ መሬት ህዝብን ሰብ ሃፍትን ብዘሳተፈ መልክዑ ሜካናይዝድ ሕርሻ ተዝቕረፅ ብዘይ ምንም ፀገም ውሕስና መግቢ ትግራይ ምርግጋፅ ከምዝከኣል ጥርጥር የብሉን ጥራይ ዘይኮነስ 2 ሰብ ብሄክታር ተሓሳቢ ዝገበረ ከባቢ 1.5 ሚልዮን ስራሕ ዕድል ክፈጥር ይኽእል እዩ።

ሜካናይዝድ ሕርሻ ዞባ ምዕራብ፣ ስራሕቲ ሕርሻ ትግራይ ካብ ምዝማን ሓሊፉ ገዚፍ ቀረብ መግቢ እንሰሳ ስለዝፈጥር መላእ ትግራይ ዝርከብ መፍረዪ ዘራእትን እንሰሳን ተሓሳቢ ዝገበረ እንተነኣሰ ሕሩጭ፣ ፓሰታ፣ ማኮሮኒ፣ ብስኩት፤ ዘይቲ፣ መግቢ ዕሸላት፣ ስጋ፣ ተዋፅኦ ፀባ፣ መዓር፣ ዓሳ፣ ቆርበት፣ መግቢ እንስሳ፣ ተረፈ ምህርቲ እንስሳን ዘራእትን ዘፍሪ ገዚፍ ኣግሮ ፕሮሰሲንግ ኢንዳስትሪ ክጠልብ እዩ። ሰገር ድሌት ትግራይ ምምላእ እንተነኣሰ ከባቢና ዘሎ ዕዳጋን ትካል መግቢ ዓለም ዝመሰሉ ረድኤት ትካላት ዝደልይዎ ቀረብ ማእኸል ዝገበረ ትልሚ ክህልዎ ድማ ይግባእ፡፡

2 - ዘመናዊ ሕርሻ መስኖ ዞባ ደቡብ

ዞባ ደቡብ፣ ማይ ዝተተርኣሰ ልዕሊ 140,000 ሄክታር ዘራእቲ ሓዊሱ ኣሕምልቲ፣ ፍራምረ፣ ቅመማ ቕመምን ቀዋሚ ተኽልን ብሰፍሓት ከፍሪ ዝኽእል ልሙዕ መሬት ከምዘለዎ ይፍለጥ፡፡ ፍርያት ኣሕምልቲ፣ ፍራምረ፣ ቅመማ ቕመምን ቀዋሚ ተኽልን ብባህሪኦም ልዑል ጥንቃቐ ስለዝሓቱ እንተነኣሰ ኣርባዕተ ሰብ ብሄክታር ስለዝጠልቡ ህዝብን ሰብ ሃፍትን ብዘሳተፈ መልክዑ ፕሮጀክት ኢንተግሬትድ ዘመናዊ ሕርሻ መስኖ ዞባ ደቡብ ተዝቕረፅ፣ ሰገር ውሕስና መግቢ ምርግጋፅ፣ ተወሳኺ ከባቢ 0.5 ሚልዮን ስራሕ ዕድል ክፈጥር ይኽእል እዩ።

ብሕልፊ ብሉፅ ተሞክሮ እስራኤል ዝኾነ ሜላ መንጠብጠብ ዝጥቀም ዘመናዊ ሕርሻ መስኖ ኣብ ምትእትታው መተካእታ ዘየብሉ ፕሮጀክት ዘመናዊ ሕርሻ መስኖ ዞባ ደቡብ እግረ መንገዱ ገዚፍ ቀረብ መግቢ እንሰሳ ስለዝፈጥር መላእ ትግራይ ዝርከብ መፍረዪ ዘራእተን እንሰሳን ተሓሳቢ ዝገበረ ዕሹግ ፅሟቕ፣ ፍራምረ፣ ቅመማ ቅመም፣ ኣሕምልቲ፣ ስጋ፣ ተዋፅኦ ፀባ፣ መዓር፣ ዓሳ፣ ቆርበት፣ መግቢ እንስሳ፣ ተረፈ ምህርቲ እንስሳን ዘራእትን ዘፍሪ ተወሳኺ ገዚፍ ኣግሮ ፕሮሰሲንግ ኢንዳስትሪ ከም ዝጠልብ ግልፂ እዩ። ድሌት ትግራይ ካብ ምምላእ ሓሊፉ ከባቢና ዘሎ ዕዳጋን ትካል መግቢ ዓለም ዝመሰሉ ረድኤት ትካላት ዝደልይዎ ቀረብ ማእኸል ዝገበረ ትልሚ ክህልዎ ድማ ይግባእ፡፡

3 - ውዳበታት ሕብረት ስራሕ ማሕበር

ልምዓት ሃፍቲ እንስሳ። ቀረብ መግቢ እንሰሳ፣ ማይን መልዐሊ ፋይናንስን እንተረኺቡ መላእ ትግራይ ልዘመናዊ ልምዓት ሃፍቲ እንሰሳ ኣዝዩ ምቹው ምዃኑ ይፍለጥ ጥራሕ ዘይኮነስ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ስድራ ገባር እንተነኣሰ በብገዝኡ ብስድራ 2 ሰብ ኣብ መፍረ ስጋ ብዕራይ፣ ጠለ በጊዕ፣ ፀባ ላሕሚ፣ ደርሆ፣ እንቋቑሖ፣ መዓር፣ ኣብ ገንኢ ዝፈሪ ዓሳ፣ ኣሕምልትን ቀዋሚ ተኽልን ብምስታፍ ሰገር ውሕስና መግቢ ምርግጋፅ ልዕሊ 2 ሚልዮን ስራሕ ዕድል ክፈጥር ይኽእል።

ጎቦታት ትግራይ። ከባቢ 4 ሚልዮን ሄክታር መሬት ትግራይ ኣብዝሓ ጎቦታት ዝሓዘ ዘይሕረስ መሬት ምዃኑ ይፍለጥ።

እንተነኣሰ 1 ሚልዮን ሄክታር ዝሽፍኑ ዝተመረፁ ጎቦታት ከልምዕ ዝዓለመ ከባቢ 2 ሚልዮን ዝተወደቡ መናእሰይ ሰብ ዋና መሬት ብዘግብር ኣገባብ እንተሰሪሕናሉ ይትረፍ ብዙሕ ፃዕሪ ዘይሓቱ ፍርያት ካሳቫ፣ ያም፣ በለስ፣ ሞሪንጋ፣ ኦሊቭን መዓርን ብኸይዲ ዝተራቐቐ ፍርያት ፍራምረን ኣሕምልትን ዓለቕለቕ ከም ዘብል ጥርጥር የብሉን። Ownership Matters, the Rest is History.

ብብዕራይ ዘይትሓርስ ትግራይ። ኣብ ዓመት ትሕቲ ወርሒ ልንጥቀመሎም ዓውዑር ክትጓሲ ትግራይ ተኣሲራ እያ። ሰብ ሃፍቲ ኣብ ክራይ ትራክተርን መሰል ቀረብ ተዛመድቲ ሕርሻ መሳርሕን ዝነጥፍሉ ኣገባብ ብምፍጣር ገባር ትግራይ ካብ ጥቕሚ ዘየብሉ መጓሰ ዓውዑር ክነውፅኦ ይግባእ። መብዛሕቲኡ ገባር ትግራይ ዘላቶ ፍርቂ ሄክታር ካብ 90 እስካብ 120 ፈረስ ጉልበት ብዘለወን ትራክተር ተኻሪኻ ክልተ ጊዜ ልምሕራስ ከባቢ 4,000 ቅርሺ ጥራይ ከም እትውድእ ክንደይ ሰብ ይፈልጥ? ሐዚ ብዘሎ ዕዳጋ ብሰዓት ሓደ ሄክታር እትሓርስ ትራክተር ሙሉእ ወፃኢኣ ሸፊና ብሰዓት 4,000 ቅርሺ ትካረ። ክልተ ብዕራይ ክንጓሲ እነጥፍኦ ዘለና ስራሕ ዕድል ዓመታዊ እንተነኣሰ 10 ዕፅፊ እቶት ዘስእነና ምዃኑ ክንደይ ሰብ ይርዳእ? ኣብ ዓለምና ድሑር ዝበሃል ሜላ ሕርሻ ትግራይ በቃ ክንብሎ ይግባእ።

ውዳበ። ብስድራ መነቓቕሒ ካፒታል ከባቢ 100,000 ቅርሺኳ እንተወሲድና እዚ ፕሮጀክት እንተነኣሰ ከባቢ 100 ቢልዮን ቅርሺ ዝኣክል ገዚፍ ካፒታል ስለዝጠልብ ብኽነት ሃፍቲ ከይገጥም ብቑዕ ስልጠናን ፅፉፍ ኣወዳድባ ህዝብን ይጠልብ፡፡ ልዕሊ ኹሉ ድማ ቀረብ ማይ፣ ኢነርጂ፣ ሕርሻ ቴክኖሊጂ፣ ምሩፅ ዘርኢ፣ ድጋፍ ቴክኒክን ማሕበር ሓላፍነት ዝወስደሉ ቀረብ ፋይናንስ ብዘይ ትሕጃ ብስፍሓት ክቐርቡ እንተኾይኖም እስራኤላውያን ብሓባር ድኽነት ዝደርዐሙለን ኣወዳድባ Kibbutz ዝመስላ እንተነኣሰ 10 ስድራ ብመልክዕ ስራሕ ማሕበር ክውደብ ይግባእ።

4 - ፍሉይ ስልጠና ስነ ልቦናን ቴክኒክን መናእሰይ

ድሕሪ ኸቢድ ዐዕናዊ ዂናት መናእሰይ ልዕሊ ቴክኒካል ስልጠና ብሉፅ ተሞክሮ ወታደራዊ ስሪሒቱ ኣብ ስሉጥ ምዕባለ ትግራይ ከመይ ክንጥቀመሉ እንኽእል ኣብ ዝብል ፍሉይ ስልጠና ስነ ልቦና የድሊ፡፡ ዘይከኣል ዝኸኣለ ሰዓራይ ስነ ልቦና፡፡ ብዝገጠመና ዕንወት ልክዕ፣ ጎና ጎኒ ስራሕቲ ሕርሻ፣ ትግራይ ናብ ኮንስትራክሽን ሳይት ከም እትቕየር ርዱእ ስለዝኾነ መንእሰይ ድሕሪ ዂናት ሓዘን ዘይኮነ ክንቕመጥስ ዘይከኣል ዝኸኣለ ጅግና ስለዝኾነ ኣድላዪ ቴክኒካል ዕጥቂ ዓጢቑ ሞተር ቁጠባ ትግራይ ዘወንጭፈሉ ጊዜ ምዃኑ ክነርእዮ ይግባእ።

ስለዝኾነውን መናእሰይ ብናይ ውዳበኦም ውሕስና ብዘይ ትሕጃ ፋይናንሻል ልቓሕን ቴክኒካል ሓገዝን ዝረኽቡለን እንተነኣሰ ሕድ ሕደን 10 መናእሰይ ዝሓዛ ብኣሻሓት ዝቑፀራ ትካላት ደቀቕትን ኣናእሽተንን ክጣየሻ ይግባእ። ይኹን እምበር መናእሰይ ቅድሚ ምውዳቦም ስልጠና ስነልቦናን መሰረታዊ ቢዝነስ ምሕደራን ሓዊሱ በብወረድኡ ኣብ ዝተመርፃ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ እንተነኣሰ 6 ወርሒ ዝፀንሕ ሓፂር ቴክኒካል ስልጠና ስራሕቲ ሕርሻ፣ ሓፂን መፂንን ኮንስትራክሽንን ብሕልፊ ኣብ ስራሕቲ ሃፍቲ እንሰሳ፣ ብየዳ፣ ሃናፂ፣ ነዳቒ፣ ለሳኒ፣ ፌራዮ፣ ቀለም፣ ኤልክትሪክ፣ ስራሕቲ ቡምባ፣ ምህርቲ ብሎኬትን ጡብን፣ ፅርበት እምኒን ስራሕቲ ፊኒሺንግን ዘተኮረ ሰፊሕ ስራሕ ዕድል ክፈጥር ዝኽእል ስልጠና ክወሃብ ይግባእ።

5 - ትካላት ኣግሮ ፕሮሰሲንግን ሰደድን

ገዚፍ ትልሚ ስራሕቲ ሕርሻ ክሳኻዕ እንተኾይኑ ገባር ትግራይ ዓቕሙ ፀንቂቑ ብዘይሓሳብ ምእንታን ከፍሪ ሰፊሕ ተቐባሊ ዕዳጋ ክህልዎ ይግባእ፡፡ ስለዝኾነ'ውን ፍርያት ገባር ተጠቒሞም ብሕልፊ ኣብ ስጋ፣ ፀባ፣ መዓር፣ ዓሳ፣ ቆርበት፣ ዘራእቲ፣ መግቢ እንሰሳ፣ ኣሕምልቲ፣ ፍራምረ፣ ቅመማ ቅመምን ተረፈ ምህርቲ እንሰሳን ዘራእትን ኣተኲሮም ዝሰርሑ ብዙሓት ዓበይቲ ትካላት ኣግሮ ፕሮሰሲንግን ሰደደን የድልዩ፡፡

ስለዝኾነ’ውን ኣብ ስራሕቲ ኣግሮ ፕሮሰሲንግ ኣተኲሮም ንዝሰርሑ ኢንቨስተራት ልዕሊ ዝኾነ ጊዜ ሰሓባይ ዝኾነ መተባብዒ ፓኬጅ ኢንቨስትመንት ክዳለው ይግባእ። ኢንቨስትመንት ኣግሮ ፕሮሰሲንግ፣ ገባር ቀንዲ ወናኒ ቀረብ ብዕራይ፣ ፀባ፣ ጠለ በጊዕ፣ ደርሁ፣ መዓር፣ ዓሳ፣ ዘራእቲ፣ መግቢ እንሰሳ፣ ኣሕምልቲ፣ ፍራምረን ቅመማ ቅመምን ስለዝገብሮ መሪሕ ተጠቃማይ ቁጠባ ትግራይ ክኸውን የኽእሎ።

ካብ ፍርያት ኣግሮ ፕሮሰሲንግ እሰካብ ጥረ ሰደድ ዝሰርሑ ኢንቨስተራት’ውን ቁልፊ ምሽጥር ዕዳጋ ዓለም ስለዝኾኑ ብተመሳሳሊ መንገዲ ፍሉይ ደገፍ ክግበረሎም ይግባእ፡፡ ትካላት ኣግሮ ፕሮሰሲንግን ሰደድን ብሕልፊ ገንዘብ ተነፂፉ ዝርከብ ዕዳጋ ማእኸላይ ምብራቕ ሰንጢቑ ዘእቱ ቁመና ክሕንገጣ ይግባእ ጥራይ ዘይኮነስ ዕዳጋና ዓለም፣ መለለይና ድማ ልዑል ፅርየትን ብተነፃፃሪ ትሑት ዋጋን ክኾን ይግባእ፡፡

6 - ትካላት ባዮ ቴክኖሎጂ፣ ሕርሻ ቴክኖሎጂ፣ ዱኽዕን መድሓኒትን

ገዚፍ ትልሚ ዘመናዊ ሕርሻ ትግራይ ክዕወት እንተኾይኑ ስፍሕ ዝበለ ጠለብ ባዮ ቴክኖሎጂ፣ ዘመናዊ ሕርሻ ቴክኖሎጂ፣ ቀረብ ድኹዕን መድሓኒትን፣ መጓዓዝያ፣ ወዘተርፈ ከምዝጠልብ ፍሉጥ እዩ፡፡ ስለዝኾነ'ውን ትልሚ ዘመናዊ ሕርሻ ትግራይ መሕረሲ፣ መዕፀዲ፣ መአከቢ ፍርያትን መጓዓዝያን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ዓይነት ጠለብ ቀረብ ዘመናዊ ሕርሻ ቴክኖሎጂ ስለዝህሉ ምልላይ፣ ምምሕያሽን ምፍራይን ምሩፃት ሕርሻ ቴክኖሎጂ ማእኸል ገይረን ዝሰርሓ ትካላት ክዕምብባ ዕድል ክፈጥር እዩ፡፡

ብተመሳሳሊ መንገዲ ኣብ ሕድ ሕድ ስራሕቲ ሕርሻ ሰፊሕ ጠለብ ቀረብ ድኹዕን ምሩፅ ዘርእን ማለት ብዕራይ፣ ላሕሚ፣ ጠለ በጊዕ፣ ደርሁ፣ ንህቢ፣ ዓሳ፣ ዘራእቲ፣ ኣሕምልቲ፣ ቀዋሚ ተኽሊን መግቢ እንሰሳን ስለዝህሉ ኣብ ቀረብ ድኹዕን ምልላይ፣ ምምሕያሽ፣ ምርባሕን ምክፍፋልን ምሩፅ ዘርኢ እንሰሳት፣ ዘራእቲ፣ ኣሕምልቲ፣ ፍራምረን መግቢ እንሰሳን ዝሰርሓ ነጥቢ መቐይሮ ትካላት መፍረይቲ ዱኽዕን ባዮ ቴክኖሎጅን ክዕምብባ’ውን ሰፊሕ ዕድል ክፈጥር እዩ፡፡

በቲ ካልእ ገፅ ድማ ብዝሕ ዝበለ ህዝቢ ተመሳሳሊ ስራሕቲ ስለዝሰርሕ፣ ሰብ፣ እንስሳ፣ ዘራእቲ፣ ኣሕምልቲ ይኹኑ ቀዋሚ ኣትክልትን ፃህያይን ለበዳ ሕማም ሓዊሱ ብዝተፈላለዩ ሕማማት ናይ ምጥቃዕ ዕድል ሰፊሕ እዩ፡፡ ስለዝኾነ’ውን ትልሚ ዘመናዊ ሕርሻ ትግራይ ክዕወት እተኾይኑ ቀረብ መድሓኒት ሰብ፣ እንሰሳ፣ ዘራእቲ፣ ኣሕምልትን ቀዋሚ ኣትክልትን ወሳኒ ስለዝኾነ ዓብዪ ዕድል ልትካላት መድሓኒት ክፈጥር እዩ፡፡

7 - ትካላት ሎጂስቲክስ ትግራይ

ገባር ትግራይ ቀትርን ለይትን ክሰርሕ እንተኾይኑ ቀረብ እታወትን ፍርያቱን ብስፍሓት ዝሸጠሉ ዕዳጋ ስለዘድልዮ ትግራይ ሓዊሱ ብሕልፊ ብቐሊሉ ክብፃሕ ናብ ዝኽእል ከባቢታት ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ኤርትራ፣ ኬንያ፣ ዩጋንዳ፣ ታንዛንያ፣ ሩዋንዳ፣ ሶማልን ጅቡትን ዝመሳሰላ ሃገራት ፍርያት ገባር ትግራይ ኣንፃራዊ ዝሐሸ ፅርየት፣ ትሕት ብዝበለ ዋጋን ብበዝሕን ዘቕርብ ገዚፍ ዓለም ለኸ ትካል ሰንሰለት Hypermarket/Supermarket ክጣየሽ ዕድል ይፈጥር፡፡ ብሕልፊ ዕዳጋ ማእኸላይ ምብራቕ ክንስንጥቕ እንተኺኢልና ድማ ምህርቲ ትግራይ ዓለም ለኸ ተጠላቢ ብራንድ ክህልዎ ኣዝዩ ይሕግዝ።

ሰፊሕ ምንቅስቓስ ቁጠባ ትግራይ ካብ ብሽክሌታ፣ ሞቶር ሳይክል፣ ባጃጅ፣ ትራክተር፣ ፒክ ኣፕ፣ ማእኸለወትን ከበድትን ናይ ፅዕነት ማካይን ጀሚሩ መጓዓዝያ ኣየር፣ ባቡርን መርከብን ክጥቀም ዝኽእል ጠለብ ሎጂስቲክስ ስለዝህልዎ ዝተፈላለያ ገዘፍቲ ትካላት ዓለም ለኸ ሰንሰለት Hypermarket/Supermarket፣ መጓዓዝያ መኪና፣ ባቡር፣ Amazon መሰል IT Solutions፣ ኣየርን ባሕርን ዝሓዘ ገዚፍ ትካል ሎጂስቲክስ ክፍጠር ዘኽእል ዓቕሚ ኣለዎ፡፡

8 - ፀገም ቀረብ ማይ ከመይ ይፈታሕ?

ስራሕቲ ሜካናይዝድ ሕርሻ ዞባ ምዕራብ፣ ዘመናዊ ሕርሻ መስኖ ዞባ ደቡብ፣ ዘመናዊ ልምዓት ሃፍቲ እንሰሳን ልምዓት ኣሕምልትን ቀዋሚ ተኽልን ክንሓስብ ከለና ቀረብ ማይ ቁልፊ ነጥቢ መቐይሮ ፀገም ስራሕቲ ሕርሻ ትግራይ ከምዝኾነ ግልፂ እዩ፡፡ በቲ ካልእ ገፅ ድማ ትግራይ ብሃፍቲ ማይ ከርሰ ምድሪ ሃፍታም ምዃናን ብሕልፊ ሚልዮናት ዘሳትፍ ልምዓት ሃፍቲ እንስሳ፣ ኣሕምልትን ቀዋሚ ተኽልን ብዙሕ ማይ ዘይደሊ ምዃኑ ግልፂ እዩ፡፡

ስለዝኾነ’ውን ዓቕምና ፀንቂቕና ብዘላቕነት ፀገም ቀረብ ማይ ልምፍታሕ ቅድሚ ሐዚ ሳርት ጀሚርዎ ዝነበረ ዓይነት ሱር ቦቆስ ገዚፍ ፕሮጀክት ኣቢልካ ብበዝሒ ዝተፈላለየ ትሕዝቶ ዘለዎም ግድባት ምህናፅ ግድን ኾይኑ ምስ ዘለና ሕፅረት ሃፍትን ጊዜን ብትሑት ካፒታል ኣብ ዝሓፀረ ጊዜ ክህነፁ ዝክእሉ ዝተፈላለየ ዑምቆት ዘለዎም ስራሕቲ ጎዳጉዲ ማይ ፍሉይ ጠመተ ክግበር ይግባእ፡፡ ብዝተረፈ ኣዝዩ ክባር ዝኾነ ሃፍቲ ማይ ኣጠቓቕማና ኣዝዩ ቆጣባይ ክኾን ስለዝግብኦ ትግራይ ቴክኖሎጂ መስኖ መንጠብጠብ ክተኣታቱ ግድን ምዃኑ ብሉፅ ተሞክሮ እስራኤላውያን የርኤና፡፡

ቁልፊ ፀገም ቀረብ ማይ ኣብ ዝሓፀረ ጊዜ ክፍታሕ እንተኾይኑ ህዝቢ፣ ሰብ ሃፍት፣ ረድኤት ትካላትን መንግስትን ብሓባር ክሰርሑ ግድን እዩ፡፡ ቀረብ ማይ ነጥቢ መቐይሮ ስራሕቲ ሕርሻ እዩ እንተይልና፣ ምእንተ ሙሉእ ሓርነት ቁጠባ፣ ህዝቢ ብኡ ልክዕ ክሰርሕ ኣለዎ፡፡ ብተመሳሳሊ መንገዲ መንግስቲ፣ ዓለም ለኸ ረድኤት ትካላት፣ ሰብ ሃፍትን ህዝብን ብምትሕብባር ቀረብ ማይ ናይ ቅድሚያ ቅድሚያ ገይሩ ክሰርሕ ኣለዎ። ብርኪ ሕርሻ ትግራይ ዝምዘን ብቐረብ ማይ እዩ።

ብዝተረፈ ትግራይ ብዓሰርተ ኣሻሓት ዝቑፀራ ማይ ጎዳጉዲ ክህልወኣ እንተኾይነን ብኣማኢቲ ዝቑፀራ ዘመናዊ ድሪሊንግ ማሽን ከምዘድልያ ግልፂ እዩ፡፡ እዙይ ድማ ብተርኡ ብብርኪ ትግራይ ብሼር ክጣይሽ ዝኽእል ገዚፍ ኢንቨስተመንት ትካል ማይ ዃዕቲ ክፈጥር ይኽእል። ዝጣየሽ ትካል ኮንስትራክሽን ብቐፃልነት ዓበይቲ ግድባትን ቀረብ ማይ ከተማታትን ዝህልዉ ዕድላት ተሓሳቢ ዝገበረ ክኾን ይግባእ፡፡

9 - ፀገም ቀረብ ኢነርጂ ከመይ ይፈታሕ?

ቅድሚ ዓመት ዝነበረ መረዳእታ 7,874,758,042 ህዝቢ ዓለም ብድምር ኣብ ዓመት 26,823,200 GWh ኢነርጂ እንተጥቀም 117,876,227 ዝነበረ ህዝቢ ኢትዮጵያ ድማ ብዓመት 15,192 GWh ከምዝተጠቐመ የመላኽት፡፡ ዓለም ብማእኸላይ ብነፍሲ ወከፍ ብዓመት 3,406 KWh ኢነርጂ እንትጥቀም ትግራይ ድማ ብነፍሲ ወከፍ 129 KWh ተጠቒማ ማለት እዩ፡፡ ስለዝኾነ'ውን ብዘላቕነት ልዑል ባህጊ ምዕባለ ትግራይ እንትንሓስብ፣ ዘለና ኣፈላላይ መሬትን ሰማይን ክፀብብ እንተኾይኑ፣ ዘላቒ መፍትሒ ኢነርጂ ትግራይ ኑክሌር ምዃኑ ግልፂ እዩ፡፡ ይኹን'ምበር እንተነኣሰ ናይ ቀረባ ድሌታትና ከማልኡ ዝኽእሉ ብዝሕ ዝበሉ ማእኸላይ ፀጋታት ሃይድሮ፣ ፀሓይ፣ ነፋስን ኦይል ሼልን ከምዘለውና ይፍለጥ፡፡

ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሐዚ ዘለዋ ቀረብ ኢነርጂ ኣብ ዝሓፀረ ጊዜ ክበፅሐላ ዝኽእል ሓይሊ ፀሓይ እንተነኣሰ 10 KW ዓቕሚ ዘለዎ ልሕድ ሕድ ስራሕ ማሕበር መንግስቲ፣ ዓለም ለኸ ረድኤት ትካላት፣ ሰብ ሃፍትን ህዝብን ብምትሕብባር እስካብ 1000 MW ዝበፅሕ ምህርቲ ሶላር ኢነርጂ ክሕሰብ ኣለዎ፡፡ እዙይ ድማ ብተርኡ ብብርኪ ትግራይ ብሼር ክጣይሽ ዝኽእል ካልእ ሜጋ ዕድል ኢንቨስትመንት ትካል ኢነርጂ ክፍጠር ክገብር እዩ፡፡ ዝጣየሽ ትካል መፍረዪ ኢነርጂ ፀሓይ፣ ንፋስ፣ ሃይድሮ፣ ኦይል ሼል እናበለ እስካብ ኑክሌር ዘማዓዱ ትካል ክኾን ይግባእ፡፡

10 - ኢንዳስትሪ ፓርክ ቁልፊ ኣንፈት ማኑፋክቸሪንግ

ትግራይ ዘለዉዋ ፀጋታት ሕርሻ፣ መዓድን፣ ቱሪዝምን ኢነርጅን ብዝለዓለ ብርኪ ክትጥቀመሎም እንተኾይና ብሕልፊ ቀለልቲ ዝበሃሉ መሳርሕታት ብበዝሕን ብተነፃፃሪ ዝተሓተ ዋጋን ክተፍሪ እንተኺኢላ እዩ፡፡ ህንፀት ማእኸል ማኑፋክቸሪንግ ሰፊሕ መሬት፣ ብዙሕ ካፒታል፣ ቀረብ ማይን መብራህትን፣ ስራሕቲ ድሕንነት፣ ዝሰልጠነ ሰብ ሓይሊ፣ መከላኸሊ ሓደጋ ባርዕ፣ ባንኪ፣ ኢንሹራንስ፣ ግልጋሎት ጉምሩክ፣ መዕረፊ ኣጋይሽ፣ ማእኸላት መዘናግዒ፣ ድሕንነቱ ዝተረጋገፀ ሓፁርን ደረጅኡ ዝሓለወ ናይ ውሽጣ ውሽጢ መንገድን ዝመሳሰሉ ስራሕቲ፣ ግልጋሎት ትራንስፖርት፣ ቀረብ ጥረ ዓቕሓ፣ ከምኡ ድማ ልዑል ክእለት ማናጅመንት ምሕደራ ሃፍቲ ዝመሳሳሉ ከበድቲ ነገራት ይሓትት፡፡

ስራሕቲ ማኑፋክቸሪንግ ብኹሉ መዳይ ገዚፍ ዓቕሚ ኢንቨስትመንት ስለዝሓትት ስብ ሃፍቲ ብዙሕ ኣይደፍርዎን፡፡ ልዕሊ ኹሉ ድማ ትሑት ካፒታል ዘለዎም ሰብ ፍሉይ ፍልጠትን ክእለትን ፈፂሙ ኣየቕርብን፡፡ ስለዝኾነ'ውን መስርሒ ቦታ፣ ልቓሕን ግብርን ዝመሳሰሉ ብጣዕሚ ሰሓባይ መተባብዒ ፓኬጃት ብምድላው ዓበይቲ ናይ ደገ ሰብ ሃፍቲ ሓዊሱ መሳለጢ ማእኸላት ማኑፋክቸሪነግ ዝኾኑ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ህንፀት ኢንዳስትሪ ፓርክ ክነጥፉ ምግባር ቁልፊ ኣንፈት ማኑፋክቸሪንግ ትግራይ ክኾን ይግባእ፡፡ ሰብ ሃፍትን ሰብ ፍሉይ ፍልጠትን ክእለትን ብዝተሓተ ክራይን መልዐሊ ካፒታልን ኩሉ ነገር ዝተማለአሉ መስርሒ ቦታ ክረኽቡ ስለዝሕግዝ ማነፋክቸሪንግ ትግራይ ኣዚዩ ክስጉም ልዑል ተራ ክህልዎ እዩ፡፡

ህንፀት ኢንዳስትሪ ፓርክ መፍረይቲ ትካላት ኣግሮ ፕሮሰሲንግ፣ ሕርሻ ቴክኖሎጂ፣ መስኖ ቴክኖሎጂ፣ ፍርያት መዓድን፣ ግራናይት፣ ማርብል፣ ፅርበት እምኒ፣ መድሓኒት ሰብ፣ እንሰሳ፣ ዘራእትን ኣትክልትን፣ ስራሕቲ ቆርበትን ዓለባን፣ ባዮ ቴክኖሎጂ፣ እደ ጥበባት፣ ቀለልቲ ካርጎ መጓዓዝያ ማለት ትራክተር፣ ብስክሌት፣ ሞቶር ሳይክልን ባጃጅን፣ ወተር ፓምፕ፣ ኬሚካል፣ ኮንስትራክሽን ማሽነሪ፣ ባዮጋዝ፣ ባዮ ማስ፣ ሶላርን ነፋስን ሓይሊ ኢነርጂ፣ ላፕቶፕ፣ ታብሌት፣ ሞባይል ስልኪ፣ ፍሪጅ፣ ቲቪ ዝመሳሰሉ ስማርት ኤሌክትሮኒክስ፣ ተንቀሳቓሲ ቱሪስት ፋሲሊቲ፣ ወዘተረፈ ብበዝሕን ብተነፃፃሪ ትሑት ዋጋን ከፍሪ ዝኽእል ካልእ ተጋሩ ብሓባር ክሰርሕሉ ዝኽእሉ ገዚፍ ዕድል ኢንቨስትመንት ክፈጥር እዩ፡፡ በዚ ኣጋጣሚ ልዑል ክእለትን ስግግር ቴክኖሎጅን ዘይፈጥሩ፣ በብገዛኻ ብትርፊ ጊዜ ዝስርሑ ተዘይኮይኖም፣ ስፌት ጨርቅን ቆርበትን ዝመሳሰሉ ወፃእተኛታት ርካሽ ጉልበት፣ ልቓሕ ገንዘብ፣ ከለላ ግብርን ፍሉይ ድጋፍ ዓለም ለኸ ዕዳጋን ደለያ ዝረባረቡሎም ስራሕቲ መናእሰይ ካብ ምድንዛዝ ወፃኢ ብዙሕ ረብሓ ከምዘይብሎም ምርዳእ የድሊ፡፡

11 - ህንፀት መንበሪ ኣባይቲ ከተማታት ትግራይ

ቅድሚ ኹሉ ከተማታትና ግድን ፅፉፍ ማስተር ፕላን ክህልወን ኣለዎ፡፡ ናብራና ዘይኮነስ ናይ ቀረባን ነዊሕን ሕልምና ዘተኣናግድ ማስተር ፕላን ክህልወና ኣለዎ፡፡ ብዙሕ ሰብ ኣብ ውሱን ቦታ ውቁብ መንበርን መስርሕን ቦታ ከመይ ይፍጠር? እንተነኣሰ ሕድ ሕድ ስድራ መኪና እንትውንን መንገድታትን ፓርኪንግን ታይ ይምሰሉ? ባቡር ዝመሳሰሉ ናይ ህዝቢ መጓዓዝያኸ? ህዝቢ ኣበይ ይናፈስ? ምችው መንገዲ እግረኛ? ደረቕን ፈሳስን ጓሓፍ ከመይ ይእለ? ወዘተረፈ ብዝምልስ መልክዑ ብሉፅ ተሞክሮ ሲንጋፖር ዝመሳሰላ ከተማታትን ፍሉጣት ዓለም ለኸ ሰብ ሙያን ተጠቒምና ከተማታትና ግድን ፅፉፍ ማስተር ፕላን ክህልወን ኣለዎ ጥረሕ ዘይኮነስ መንግስት'ውን ሓደሽቲ ዝለምዑ ቦታታት ቅድሚያ እናሃበ ዝፀደቐ ማስተር ፕላን ብዝለዓለ ዲሲፕሊን ከፈፅም ይግባእ፡፡ እግረ መንገድና ክንመሃረሎም ዝግበአና ዓለም ሙሉእ ዘጣቐዐሎም ደቂ ሲንጋፖር ልጎኒ እንትሪኡ መሬት ምስ ፀቦቦም መወዳእታ ናብ ዘየብሉ ሰማይ ከምዝጠመቱ ክነስተውዕል ይግባእ። ነባራይ ገጠር ህዝብናውን መሰረታዊ ናይ ናብራ ግልጋሎት ዘማልኡ ዝተፈላለዩ ስታንዳርድ መማረፂ ዲዛይን ስራሕ ኣባይቲ ሓገዝ ክግበረሉ ከምዝግባእ ምሕባር የድሊ፡፡

ትግራይ ምስ ዝገጠማ መስካሕክሒ ባርባራዊ መጥቃዕትን ክሕደትን ዓለም ሙሉእ ዘሎ ትግራዋይ ልዕሊ ዝኾነ ጊዜ ሃፍቱ ጠሪፉ ዓዱ ክኣቱ ስለዝደሊ ሕቶ መንበሪ ኣባይቲ ክባራዕ እዩ፡፡ ብሉፅ ተሞክሮ ሲንጋፖር ዝመሳሰላ ሓደሽቲ ምዕቡላት ከተማታት ዓለም ዘሪአና ሰባት ፓርኪንግ፣ መሐበሲ፣ ጅም፣ ስቲም፣ ሳውና፣ ስፓ፣ ሱፐርማርኬት፣ መዘናግዒ፣ ፅርየት፣ ሓለዋ፣ ወዘተረፈ ዘለዎ ኣብ ናይ ሓባር ኣፓርትመንት ውቁብ ናብራ ይነብሩ፡፡ ስለዝኾነ'ውን ተወዲቦም መንበሪ ገዛ ክሰርሑ ዝደልዮ ዜጋታትን ይኹን ኣብ ልምዓት መንበሪ ኣባይቲ ክነጥፉ ዝደልዩ ሰብ ሃፍትን ኩሉ ፋሲሊቲ ዝተማለአሎም ናይ ሓባር ኣፓርትመንት ክሃንፁ ኣንፈትን ፍሉይ መተባብዕን ክዳሎ ይግባእ፡፡ ብተወሳኺ ፅፈትን ቅልጣፈን ስራሕቲ ኮንስትክሽን ቀልጢፍና ምንታን ክንመልኽ ኩሉ ነገር ሰሪሖም ዘረክቡና ዓበይቲ ትካላት ዘይኮኑስ ውሱናት ብሕልፊ ብትሑት ዋጋ ዝርከቡ ኤስያውያን ዝመሰሉ ኪኢላታት ክንጥቀም ይግባእ፡፡ ህንፀት መንበሪ ኣባይቲ ዓሰርተ ኣሻሓት ስራሕ ዕድል ልዕሊ ምፍጣሩ ካልኦት ፕሮጀክት ሓድነት ዝኾና ገዘፍቲ ትካላት ኮንስትራክሽን፣ መፍረይቲ ሲሚንቶ፣ ፀፀር፣ ቀለም፣ ኣሉሙንየም፣ ሓፂን መፂን፣ ስራሕቲ ፅንፀይቲ፣ ማቶኔላ፣ ፅርቢ እምኒ፣ ማርብል፣ ግራናይት፣ ጅፕሰም፣ መስትያት፣ ወዘተርፈ ክፍጠራ ዘኽእል ፍሉይ ትኹረት ክውሃቦ ይግባእ፡፡

12 - ኣንፈት መዓድን ትግራይ

ብርክት ዝበሉ መረዳእታታት ከምዝሕብርዎ ሳፋየር፣ ወርቂ፣ ብሪ፣ ኮፐር፣ ብረት፣ ኦይል ሼል፣ ማርብል፣ ግራናይት፣ ፅርቢ እምኒ፣ ኖራ ብዝመሳሰሉ መዓድናት ትግራይ ሃፍታም ምዃና ይፍለጥ፡፡ ይኹን'ምበር ልዕሊ ኹሉ ሰብ ሃፍቲ ኢንቨስት ክገብሩ ብዘኽእል ብርኪ ኣዝዩ ፅፁይ መፅናዕቲ የድሊ፡፡ ብተወሳኺ ልምዓት መዓድን ብሓፈሻ ዓብዪ ዓለም ለኸ ምጭብርባር ዝፍፀመሉ ስራሕ ምስ ምዃኑ ክንድዝከኣል ህዝብን ኣሻሓት ሰብ ሃፍትን ዐዕሲልካ ዓበይቲ ፕሮጀክት ሓድነት ዝኾና ገዘፍቲ ተጋሩ ትካላት መዓድን ምጥያሽ ኣገዳሲ እዩ፡፡

ብዝተረፈ ለዋጣይ ብዝኾነ መንገዲ ትግራይ ካብ ዘለዋ ሃፍቲ መዓድን ክትርባሕ እንተኾይና ብረት፣ ኦይል ሼል፣ ዱኽዒ፣ ሲሚንቶን ካልኦት ፀፀር፣ ቀለም፣ ማቶኔላ፣ ፅርቢ እምኒ፣ ማርብል፣ ግራናይት፣ ጅፕሰም ዝመሳሰሉ እታወታት ኮንስትራክሽን ኬሚካልን ብሕልፊ ምስ ስራሕቲ መስኖ ተኣሳሲሩ ልዑል ጠመተ የድልዮም፡፡ ብዝተረፈ ብሕልፊ ምስ ኮንስትራክሽን ተኣሳሲሩ ዘለዉ ፀጋታት መዓድን ቀልጢፎም ናብ ስራሕ ክኣትዉ ዝኽእሉን ሰፊሕ ናይ ስራሕ ዕድል ናይ ምፍጣር ዓቕሚ ዘለዎም ምዃኖም ምርዳእን ልዕሊ ኩሉ ድማ ፀጋታት ሃፍቲ መዓድን ብዝለዓለ ደረጃ ትግራይ ክትርብሐሎም እንተኾይና ብደረጃ ኣብ ዓለም ኣዚዮም ብሉፃት ዝበሃሉ ኪኢላታት ብምምፃእ እናተምሃርና ኣብ Finished Products ሰደድ ክነተኩር ይግባእ፡፡

13 - ኣንፈት ቱሪዝም ትግራይ

ኢትዮጵያ እትኾርዐሉ ታሪክ፣ ባህሊ፣ ሃይማኖት፣ ስነ ፅሑፍ፣ ስነ ህንፃን ሰሓባይ ኣቀማምጣ መሬትን ኩሉ ትግራይዋይ ምዃኑ እንትንርኢ ትግራይ ገነት ቱሪዝም ምዃና ግልፂ እዩ። ናይ ደገ በፃሕቲ፣ ታሪክ፣ ስነ ህንፃን ኣቀማምጣ መሬትን ትግራይ ኣዝዩ ይስሕቦም፡፡ ይኹን’ምበር ኣንፃራዊ ብዝተሓተ ዋጋ ጎና ጎኒ ፅቡቕ ዝበሃል ናይ ዕረፍቲ ጊዜ ከሕልፉ ስለዝደልዩ ምስ ካልኦት ሃገራት እንትነፃፀር ሰፊሕ ስራሕ ይፅበየና፡፡ ስለዝኾነ'ውን ቁፅሪ በፃሕቲ ደገ ምስ ምዕባለ ትግራይ ተኸቲሉ ከም ዝዓብን ብቐፃሊ ቀንዲ ተሓላቢ ሃፍቲ ትግራይ ከምዝኾነን ተረዲእና ክንሰርሕ ይግባእ፡፡ በቲ ካለእ ገፅ ግን ትግራይ ማእኸል እምነት ክርስትናን እስልምናን ምስ ምዃና በብዓመቱ ብሚሊዮናት ዝቑፀሩ ካብ ከባቢ ሃገራት ሓዊስካ ናይ ዓዲ ውሽጢ በፃሕቲ ዝሳተፉሎም ሃይማኖታዊ፣ ባህላውን ህዝባዊ ባዓላትናን ናይ ሓፂር ጊዜ ንፁር ትልሚ ኣውፂእና ክስርሐሉ ዝግባእ ኣብ ኢድና ዘሎ ሽሻይ ቱሪዝም በፃሕቲ ውሽጢ ዓዲ እዩ። ፅላትን ነጋሽን ጥራይ ይኣኽላ።

ስለዝኾነ'ውን መሰረተ ልምዓትን ጊዚያዊ መዕረፊ ኣጋይሽን ሓዊሱ ፅቡቕ ግልጋሎት ብተመጣጣኒ ክፍሊት ዝህቡ ምችው መዕረፊ ኣጋይሽ፣ ትራንስፖርትን ቱር ጋይድን ብበዝሒ ዝቐርብሉ ስራሕቲ ብምስራሕ ከም ኣንፈት ክንድዝከኣል ኩሎም ዓይነት በፃሕቲ እንተነኣሰ ከባቢ ሸውዓተ መዓልቲ ኣብ ትግራይ ክፀንሑ ዝኽእልሉ ዕድላት ምርኣይ የድሊ፡፡ ስለዝኾነ'ውን ቱሪዝም ትግራይ ብፅፈት ብትልሚ እንተተመሪሑ ብቐሊሉ ዓሰርተ ኣሻሓት ስራሕ ዕድል ክፈጥር ዝኽእልን በብዓመቱ ቢሊዮናት ዶላር ክሕለብ ዝኽእል ሴክተር ምዃኑ ግልፂ እዩ፡፡ በዚ ኣጋጣሚ ትግራይ በብዓመቱ ሚልዮናት በፃሕቲ ቱሪዝም ክስሕብ ዝኽእል ዓቕሚ ኣለዋ ማለት ቱሪዝም ሕክምና ካልእ ብቐፃልነት ክሕሰበሉ ዝግባእ ተወሳኺ ዓቢዪ ፀጋ ቱሪዝም እዩ፡፡ ዓለም ሙሉእ ዝርከቡ ላዕለዎት ክኢላ ሰብ ሙያ ሕክምና፣ ሰብ ሃፍትን ህዝብን ዐዕሲልና እንተነኣሰ ታይላንድ፣ ቱርክን ህንድን ዝወሃብ ግልጋሎት ሕክምና ብተነፃፃሪ ትሑት ዋጋ ዘቕርብ ካልእ ገዚፍ ፕሮጀክት ቱሪዝም ሕክምና ክንሓስብ ይግባእ፡፡

14 - ትካላት ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ትግራይ

ስራሕቲ ሕርሻ፣ መዓድን፣ ኢነርጂ፣ ቱሪዝም፣ ማኑፋክቸሪንግን ግልጋሎትን ትግራይ ቴክኖሎጂ ክመርሖ ግድን ስለዝኾነ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ፍሉይ ጠመተ ክወሃቦ ይግባእ፡፡ እንተነኣሰ ናይ ዓዲ ውሽጥን ዓለም ለኸ ፍሰት ዕዳጋ ዘሳልጥ ስርዓት ኮሙኒኬሽን፣ ግልጋሎት ስልክን ኢንተርኔትን፣ መንግስታዊ ኣሰራርሓን ግልጋሎትን ዘሳላጥ ዲጅታል ግልጋሎት፣ ሓበሬታን ተሞክሮን ዝለዋወጥሉ ብፍሉይ ተጋሩ ዘተኣሳስር ማሕበራዊ ሚዲያ፣ ተጋሩ መፍረይቲ ምስ ዓለም ለኸ ዓማዊሎም ብትግርኛ ዝረዳድእሉ ኣሰራርሓ፣ ወዘተርፈ ዝመሳሳሉ ስራሕቲ ስርዓት ኮሙኒኬሽንን ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጅን ኣዝዩ የድሊ፡፡

ትካላት ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ክዕምብባ እንተኾይነን ልዕሊ ኹሉ ተበፃሕነት Digital Education ክሰፍሕ ስለዝግባእ ሕድ ሕድ ተምሃራይ ዘድልይዎ ዓይነት ትምህርቲ ብፅሑፍ፣ ኦድዮን ቪድዮን ዝተፅዓነለን ታብሌት ክረክብ ኣለዎ፡፡ ብተወሳኺ ገባር ትግራይ ብዝተሓተ ዋጋ ቀረብ ስማርት ሞባይል ስልክን ኢንተርኔትን ዝረኽበሉ ዕድል እንተተፈጢሩ ዲጂታል ዕዳጋ ትግራይ ተኣምር ክሰርሕ ይኽእል ጥራሕ ዘይኮነስ ላፕቶፕ፣ ታብሌት፣ ስማርት ሞባይል፣ ፍሪጅ፣ ቴሌቪዥን፣ ወዘተርፈ ውሽጢ ዓዲ ዘፍርዩ ትካላት ተወሳኺ ነጥቢ መቐይሮ ሽሻይ ኢንቨስትመንት ናይ ምፍጣር ዓቕሚ ኣለዎ፡፡

ብዝተረፈ ልዕሊ ኹሉ ትግራይ ብዙሓት ትካላት ዝዓስላሉን ኣብ ዓለምና ፍሉጣት ዝበሃሉ ናይ ኣይቲ ትካላት Apple, Samsung, Microsoft, Huawei, Amazon, Alibaba, Google, Facebook, Twitter, different Financial Institutions ወዘተርፈ ስራሕቲ ብልፍንቲ ክሰርሕ ዝዓለመን ሓደሽቲ ምህዞ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ዝፈርየሉን ዓለም ለኸ ስታንዳርድ ዘማለአ ፍሉይ ኣይቲ ፓረክ ክትሃንፅ ግድን እዩ፡፡ ስለዝኾነ'ውን ፍሉይ ክእለትን ድሌትን ዘለዎም ሰብ ሙያ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ መናእሰይ ብበዝሕን ብተነፃፃሪ ትሑት ዋጋን ክፈርዩ ግድን ስለዝኾነ ምጥያሽ IT Incubation Centers, Special Talent Schools and Special IT University ፍሉይ ጠመተ ክወሃቦ ይግባእ፡፡

15 - ዲያስፖራ ትግራይ

ዲያስፖራ ትግራይ ኣብ ዝተኻየደ ተጋድሎ ሓርነት ኣብ መዳይ ስራሕቲ ዲፕሎማሲ ታሪኽ ብዝሰርሖ ልክዕ ምስሊ ትግራይ ኣብ ምሕዳስን ዘለዎዋ ፀጋታት እናፋለጠ ናይ ደገ ፍሰት ቱሪዝምን ኢንቨስትመነትን ኣብ ምምፃእ ካልእ ታሪክ ኢኮኖሚክ ዲፕሎማሲ ክሰርሕ ኣለዎ፡፡ ትግራይ ብመከራ ዘይኮነስ ገነት ኢንቨስትመነትን ቱሪዝምን ምዃና ክትፋለጥ ኣለዋ፡፡ ልዕሊ ኹሉ ድማ ፀገም ትግራይ ብዝተበጣጠሰ ሓገዝ ፈፂሙ ስለዘይፍታሕ ዲያስፖራ ትግራይ ልዕሊ ሓገዝ ኣብ ዓዱ መሪሕ ኢንቨስተር ክኾን ይግባእ፡፡

16 - ቀረብ ገንዘብ ከመይ ይፈታሕ?

ትግራይ ክትቐንዕ እንተነኣሰ ቢልዮን ዶላራት የድልያ፡፡ ስለዝኾነ'ውን ፋይናንስ ዓለም ክውሕዝ እንተኾይኑ ትግራይ ገነት ኢንቨስትመንት ብዘብላ ልክዕ ሰሓባይ ኣሰራርሓታትን መተባብዒ ኢንቨስትመንት ፓኬጅ ብምትእትታው ፍፁም ክትተዓራረ ኣለዎ፡፡ ልዕሊ ኹሉ ግን ተጋሩ ሰፍ ዘይብል ፀገም ትግራይ ብዘይረብሕ ሓገዝ ጥራሕ ፈፂሙ ስለዘይፍታሕ ቅድሚ ኹሉ ዓቕምና ፀንቒቕና ኢንቨስት ክንገብር ይግባእ፡፡

ትግራይ እትሓስቦም ደቐቕትን ገዘፍትን ስራሕቲ ኢንቨስትመንት ክትሰርሕ እንተኾይና ሰፊሕ ቀረብ ገንዘብ ነጥቢ መቐይሮ ስለዝኾነ ዓለም ሙሉእ ዝርከብ ትግራዋይ ሰሚሩ እንተነኣሰ ልዕሊ ንግዲ ባንኪ ኢትዮጵያ ክስራዕ ዝኽእል ብውሑዱ 20 ሚኢታዊ ዓመታዊ ትርፊ ዘለዎ ሴክተር ፋይናንስ ብጣዕሚ ኣዋፃኢ ዝኾነ ባንኪ ልምዓት ትግራይ Development Bank of Tigray ብህፁፅ ክነጣይሽ ይግባእ፡፡ ሙሉእ ዓለም ካብ ዝርከብ ትግራዋይ እንተነኣሰ 100,000 ትግራዋይ ሕድ ሕድ 10,000 ዶላር ኢንቨስት ተዝገብር ብውሕዱ 100 ቢልዮን ቅርሺ መልዐሊ ካፒታል ዘለዎ ባንኪ ልምዓት ትግራይ ብቐሊሉ ምጥያሽ ይከኣል፡፡

ብዝተረፈ ከምዙይ ዝበለ ዓብዪ ነጥቢ መቐይሮ ዓቕሚ ፋይናንስ ክንፈጥር እንተኺኢልና ይትረፍ ኢንቨስትመንት ሜካናይዝድ ሕርሻ ዞባ ምዕራብ፣ ዘመናዊ ልምዓት መስኖ ዞባ ደቡብ፣ ልምዓት ዘመናዊ ሃፍቲ እንሰሳ፣ ምጥያሽ ትካላት ደቀቕትን ኣናእሽተንን መናእሰይ፣ ቀረብ ማይ፣ ቀረብ ኢነርጂ ይኹን ምጥያሽ ትካላት ኣግሮ ፕሮሰሲንግን ሰደድን ካብ ረግረግ ድኽነት መዝሒቖም ከውፅኡና ዝኽእሉ ካልኦት ዓበይቲ ትካላት ኢንቨስትመንት ከፍጥር ዝኽእል ዓቕሚ ከምዝህልወና ጥርጥር የብሉን፡፡

17 - ፍሉይ ቢሮ መተሓባበሪ ረድኤት

ትግራይ የማን ፀጋም ተዛርዮም ዐዕንዮማ እዮም ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ ማንካ እስካብ ከበድቲ ማሽነሪኣ፣ እንሰሳኣን እኽላን ሓዊሱ ተዘሪፋ እያ፡፡ ሙሉእ ብሙሉእ ናብርኡ ዝፈረሰ ከባቢ ሓደ ሚልዮን ዝኾን ስድራ ዕለታዊ ናይ መግቢ ሓገዝን፣ ካሕሳ ህንፀት ዝዓነዉ ትካላትን መሰረተ ልምዓትን ከይሓወሰ፣ ህዝቢ ብቐፃልነት እግሩ ክተክል ዘኽእሎ እንተነኣሰ ብስድራ እስካብ 10,000 ዶላር ዝበፅሕ ሓገዝ ተዘይረኺቡ እንምነያ ትግራይ ምርኣይ ስለዘፀግም ብዝገጠመና ፅንተት ልክዕ ዓለም ክትሕግዘና ብዘኽእለና ልክዕ ምድላው ክንገብር ይግባእ። ካሕሳ ዝዓነዉ ትካላትን መሰረተ ልምዓትን ሓዊሱ ብንእሱ ካብ 20 እስካብ 30 ቢልዮን ዶላር ስለዘድሊ ነዙይ ገዚፍ ሓገዝ ምትእኽኻብ ዘተሓባብር ፍሉይ ቢሮ መተሓባበሪ ረድኤት ክጣየሽ ግድን ስለዝኾነ ቕልጡፍ ምትዕርራይ ክንገብር ይግባእ፡፡

18 - ፍሉይ ቢሮ ኢንቨስትመንት

ባህጊ ምዕብልቲ ዓባይ ትግራይ ክሳኻዕ እንተኾይኑ ፅፁይ ዳታ ባንክ ዘለዎ ፍሉይ ቢሮ ኢንቨስትመንት ግድን የድሊ። ስለዝኾነ’ውን ዝተማእኸለ ዝርዝር መረዳእታ ቁፅሪ ህዝቢ፣ ፅፁይ መረዳእታ ትሕዝቶ መሬት፣ ዝድህሰሱን ዘይድህሰሱን ቅርስታት፣ ፅፁይ መረዳእታ ትሕዝቶ መዓድናት፣ ዝርዝር መረዳእታ ሃፍቲ እንስሳን ስራሕቲ ሕርሻን፣ ዝርዝር መረዳእታ ተበፃሕነትን ፅርየትን ትምህርትን ጥዕናን፣ ፅፁይ መረዳእታ ሃፍቲ ማይን ኢነርጅን፣ ዝርዝር ፅንዓታት ዓበይቲ ፕሮጀክት፣ ዝርዝር መረዳእታ ዕዳጋ ዓለም፣ ዝርዝር መረዳእታ ረድኤት ልምዓት፣ ወዘተርፈ ሒዙ ብፍሉይ ኢንቨስትመንት ዝመርሕ ፍሉይ ቢሮ ኢንቨስትመንት ግድን ስለዘድሊ ቕልጡፍ ምትዕርራይ ክንገብር ይግባእ፡፡

ኣጆና፣ እንተተማሂርናሉ ትንሳኤ ትግራይ ሐዚ እዩ።
ብ #Tadesse_yemene
Digital Weyane ዲጂታል ወያነ