ውዕሎ ምስ ውናት(TIP)
ሎሚ ውድብ ናፅነት ትግራይ ዘዳለዎ ናይ ዙም ኣኼባ ነይሩ። ኣብቲ ኣኼባ እውን ተሳታፊ ስለዝነበርኩ ገለ ሓሳባት ከልዕል።
ኣውንታን ክቕፅሉ ዘለዎምን ተግባራት፦
A)ጉዳይ ትግራይ ጉዳይ ኩሉ ትግራዋይ ስለዝኾነ ኣመራርሓ ውድብ ናፅነት ንዝተሓተትዎ ሕቶ ብቕንዕና ንምምላስ ዝነበሮም ድሌትን ዝሃብዎ መልሲን ግሩም ኣብ ምድምማፅ ዝተመስረተ ነይሩ ይቐፅል ኽብል እደሊ ከም ዝቕፅለሉ ድማ ቃል ኣትዮም እዮም።
B)ኾነ ኢልካ ይኹን ወይ ብኣጋጣሚ ካብቲ ስብሰባ Remove ዝተገበሩ ሰባት ስለዝነበሩ ምናልባት ክፈጥሮ ዝኽእል ሓጓፍ ተረዲእኹም ብስልኪ ደዊልኩም ነቲ Remove ዝተገበረ ኣካል ሓሳቡ ክገልፅ ምግባርኩም ዝነኣድ እዩ ቀፅልሉ።ቀፃሊ እውን ከጋጥም ስለዝኽእል እንተተኻኢሉ እኹል ጥኝቃቐ ይገበር እንተዘይኮኑ ግን ኸምቲ ናይ ሎማዓንቲ ይቅርታ ሓቲትካ ቅድሚያ ሂብካ ናይ ምስትእንጋድ ባህልኹም ቀፃሊ ይኹን እብል።
ክእረሙ ኣለዎም ዝብሎም ነገራት ድማ ፦
1)ክርከቡ እዮም ዝተባህሉ ላዕለዎት ኣመራርሓ ብናታቶም ኣገላልፃ ፕረዚዳንትን ሓላፊ ጉዳያት ፖለቲካን እቲ ውድብ ኣይተረኸቡን።እዚ ነቲ ተሰብሳቢ ኾነ ነቲ ኣባል ዝህልዎ ትርጉም ገዚፍ ስለዝኾነ ክእረም ዝግበኦ ጉዳይ እዩ።
2)ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ካብቲ ኣኼባ Remove ዝተገበሩ ተሳተፍቲ ነይሮም።እዚ ገለ መሰረታዊ መግለፂ ኢ-ዲሞክራሲያዊ ባህሪ እቲ ውድብ እዩ ናብ ዝብል መደምደምታ ስለዝወስድ ክአረም ካለዎ።
3)ናይ ዝቐርቡ ሰነዳት ርዝነትን ንፅረት ናብ ተኣከብቲ ዝቕርብ ሓሳብን ኣብ ወድዓዊ ኩነታት ዓለም ዝተሞርኮሰ፣ ዓለማዊ፣ዞባዊን ሃገራዊን ትንተና ዘመላኽት ብኡ ኣቢሉ ድማ ንዓና ዝህልዎ ፅልዋን ዝድህስስን ሳይንስን ተሞኩሮን መሰረት ዝገበረ ክኸውን ይግባእ ዝብል እምነት ኣሎኒ።
ዋና ጭብጢ እቲ ስብሰባ ጉዳይ ትግራይን ብዛዕባ ገጢሙና ዘሎ "ፖለቲካዊን ወታሃደራዊን ደውታን" ካልኦት ብርክት ዝብሉ ጉዳያትን ዝድህስስ እዩ ነይሩ።
ውናት ፖለቲካውን ወታሃደራዊን ደውታ ገጠሙና ኣሎ ይብል።ንውናት ደውታ እንታይ እዩ ዝብል ግን ብዝግባእ ኣይገለፅዎን።እዚ እቲ ሓደ ናይ ገምጋሞም ስሕተት ይመስለኒ።ተኹሲ ጠጠው ስለዝበለ ወታሃደራዊ ደውታ ገጢሙና ኣሎ ናብ ዝብል መደምደምታ ምብፃሕ ትኽክል አይመስለኒን ኣይኮነን እውን።ፖለቲካዊ ደውታ እውን እንተኾነ ኣይገጠመናን።ዕንቅፋታት ኣለውና ሕቶ የብሉን።ናይዞም ዕንቅፋታት መንቀሊ ድማ ማንም ሰብ ዝስሕቶ ኣይመስለኒን።
ውናት ቃልሲና ብምስረታ ነፃ ሃገረ ትግራይ እዩ ዝኽምበት ዝብል መቃለሲ ኹልና ዝኾነ መርገፂ ኣለዎ።ኣብዚ ዳርጋ ኹሉ ትግራዋይ ኣፈላላይ ዘለዎ ኣይመስለኒን።ብኸመይ ንዝብል ሕቶ ውናት እንትምልስ ግን እቲ "Cause እምበር እቲ means" ኣየርእዩኻን።ዓለማዊ ኹነታት ይፈቅድ ዶ? ኣብ ዙርያ ዓለም ብፍላይ ድማ ኣብዚ ዞባ actively involve ምስ ዝገብራ ሃገራት ናይ ምእማን ስራሕቲ ተሰሪሑ ዶ ዝብል ሕቶ እውን ብጥልቀት ክምለስ ክፍተሽ ዝግበኦ ጉዳይ እዩ። ምዕራባውያን ኣብዚ ዞባ ዘለዎም ጂኦፖለቲካዊ ረብሓን ድሌትን መሰረት ዝገበረ ዲፕሎማሲያዊ ስራሕ ብጥልቀት ክስራሕ ግድን እዩ ኢለ ይኣምን።ካልኦት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዓለም ተመሳሳሊ ሕቶ ዘለዎም ግዝኣታት እውን ስለዘለው እዚ ናትና ናይ ነፃነት ሕቶ ዞባዊን ዓለምለኻዊን መልክዕ ክሕዝ ዘለዎ ተኽእሎ እውን ልዑል ስለዝኾነ እቲ ናብዚ ዘእተወና cause ብጥልቀት ኣብ ምእማን ሰፊሕ ናይ ዲፕሎመሲ ስራሕ የድሊ።ኣብዚ ውናት ዝኸዶ ብዙሕ ርሕቐት ከምዘየለ እየ ካብቲ ዝቐረበ ሰነድ ኮነ ካብ መብርሂኦም ተገንዚበ ዘለኹ።ብርግፅ ከይዲ እዩ ኣብ ከይዲ ድማ ኣብዞም ወሰንቲ ጉዳያት ልዑል ትኹረት ሂቦም ክሰርሑ ይኾኑ እዮም ኢለ ይኣምን። እቲምንታይሲ በርደግ ኢልካ ኣነ ሃገር እየ ምባል ሳዕቤኑ ሓደገኛ ስለዝኾነ።
ካልእ ኣብ ህላወ መንግስቲ ትግራይ ዘለዎም ኣተሓሳስባ መግረሚ እዩ።መንግስቲ ትግራይ ንሳቶም እውን ዝርከብሉ ብህዝቢ ዝተመረፀ መንግስቲ ምዃኑ ኣንዳዕዲዖም ዝፈልጡ እኳ እንተኾኑ ኣብ መንግስቲ ናይ ቅቡልነት ፀገም (Legitimacy crisis) ኣሎ ኢሎም ከምዝኣምኑ ግን ኣይሓብኡን።ቃል ብቃል እውን ገሊፆም እዮም።ምኽንያት እንተቐምጡ ድማ እቲ ዝተጣየሸሉ ሕገመንግስቲ ስለዝፈረሰ መንግስቲ እውን ፈሪሱ እዩ ይብሉ።እቲ ናይ ፌደራል ኮነ ናይ ክልል ሕገ መንግስቲ ፈሪሱ እዩ ስለዚ መንግስቲ ትግራይ ዝበሃል entity የለን ይብሉ።ምናልባት ኩሎም ሕገመንግስቲታት እንተድኣ ፈሪሶም ንሳቶም እውን በዞም ሕገመንግስቲታት ዝተመስረቱ ስለዝነበሩ ኣብ Legitimacy crisis ጥራሕ ዘይኮነስ ከም ውድብ እውን ክቕፅሉ ሕጋዊ ከምዘይኮነ ዝተገንዘቡ ኣይመስለኒን።ነቲ መንግስቲ ዝመርሕ ዘሎ ውድብ እንትገልፅዎ "ገዛኢ ውድብ" ብምባል ይፅውዕዎ። እዚ ቃል ንምጥቃም ከም ምኽንያት እንተቐምጡ ድማ ይገዝአና እምበር የማሓድረና ወይም ይመርሐና የለን ይብሉ።እዚ ካብቲ መንግስቲ ዝመርሕ ዘሎ ውድብ ክንደየናይ ዝተረሓሓቁ ምዃኖም ቁልጭ ኣቢሉ ዘርኢ ስያሜ(Terminology) እዩ።
ካልእ ፖለቲካዊ ልምዲና ገታር ነቓፅ ስለዝኾነ ኩሉኹም ካብ ምክሳስ ወፂእኹም መጀመሪያ ነቲ ሕዚ ተኣዊጁልና ዘሎ #GenocidalWar ተላዚብካን ተሓባቢርካን ምስራሕ ንምንታይ ዘይተኻእለ ኣብ ዝብል ሓሳብ መሰረት ገይሩ ዝተወሃበ መልሲ ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ ኢለ እየ ዝኣምን።ንሕና ክነለዝብ ኢና እንፅዕር እምበር ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ኣባላትና ኣብ ግምባር ምህላዎም ዝፍለጥ እዩ ዝብል መብርሂ ኣዝዩ እዩ ኣደንጊፁኒ።ናይዚ ቀጥተኛ መልአኽቲ ንሕና ለዘብተኛታት እንተዘይንኸውን ክንታኾስ ንኽእል ነይርና ኢና ዝብል መልአኽቲ ዘለዎ ኣዝዩ ሓደገኛ መልሲ ኢና ካብቲ መድረኽ ረኺብና።እዚ ብጋንኡ ብጥልቀት ክረአ ዝግበኦ ኩሉ ትግራዋይ እውን ከስተውዕለሉ ዝግበኦ ጉዳይ ይመስለኒ።
መንቀሊ እቲ ኣብ ልዕሌና ዝተኣወጀ #GenocidalWar ኣመልኪቶም እውን ከም ውድብ ሓበራዊ ርድኢት ዝሓዙ ኣይመስለኒን።ኣብታ መድረኽ በቲ ሓደ ወገን ፀላእቲ እዚ ኲናት ላዕሊ ላዕሉ ህወሓት ንምጥፋእ እዩ ዋላ እንተበሉ እቲ ሓቂ ግን ህዝቢ ትግራይ ካብ ምጥፋእ ብተወሳኺ ባህሉ፣ሃይማኖቱ፣ኣብ ልዕሊን ትሕቲን መሬት ዝርከቡ ፀጋታቱ ንምውራስን ንምውናን እዩ ይብሉ።በቲ ኻልእ ወገን ድማ መንቀሊ እዚ ዂናት ፖለቲካዊ እዩ፣ካብ ናይ ህወሓት ድኽመት ዝብገስ እዩ ዝብሉ ነንባዕሎም ዘይሳነዩ ርድኢታት የቕርቡ።
ምስ ምምስራት መሰጋገሪ መንግስቲ ተተሓሒዙ ብኸመይ ካብዚ ዕፅዋን ከበባን ከውፀአና ከምዝኽእል ንዝተላዕለ ሕቶ "Means"ክሕብሩ ኣይከኣሉን።ናይ ትግራይ ዓቕምታት ተኣኪቦም ብዘይ ምንም ብቑዕ "means" ዕፅዋ ክፈትሑ ከምዘይኽእሉ ርዱእ ኾይኑ እናሃለወ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስረት ዝተድለየሉ ዋና ዕላማ እቲ ናይ ቅቡልነት ፀገም ንምፍታሕ፣መስርሕ ዲፕሎማሲና ክዕሪ፣ከምኡ እውን ካብ ክልላዊ መንግስቲ ስልጣን ወፃኢ ዝኾኑ ከም ሰራዊትን ናይ ወፃኢ ርክብን ዝበሉ ጉዳያት ንምስላጥ ስለዝጠቅም እዩ ይብሉ።እቲ መሰረታዊ ሕቶ ግን ዕፅዋ ምስባር እዩ።እዚ መሰጋገሪ መንግስቲ ብኸመይ ነዚ ዕፅዋ ክሰብሮ ከምዝኽእል ግን ዝበልዎ ነገር የለን።
ምስ ምዕራብ ትግራይ ተተሓሒዙ ዝተለዓለ ሓሳብ እውን ነይሩ።እቲ ዝገርም ምዕራብ ትግራይ ንህዝቢ ትግራይ ክንደየናይ ከምዝጠቅም ማንም ዝርደኦ ኣካል እዩ።ፀላእቲ እውን ነዚኣ ስለዝፈልጡ ካብቲ ዘለዎም እቲ ዝዓበየ ሓይሊን ኣፅዋርን ኣብዚ ኸባቢ ከምዝመደቡ ንምግማቱ ዘፀግም ኣይኮነን።እዚኣ ተዃሻሒት ርእሲ ስለዝኾነት በዚ መልክዕ ክትልዓል ዝተደለየትሉ ቀንዲ ምኽንያት ዝህልዋ ፖለቲካዊ ትርፊ ተሰሊሑ ምዃኑ ምንም ጥርጥር የብሉን።ሰራዊት ኤርትራ፣ኢትዮጵያ፣ፍሉይ ሓይሊን ፋኖን ሚልሻን ኣምሓራ ብልዑል ቁፅሪን ዕጥቂን ዝርከብሉ ግምባር ምዃኑ ዝስሕትዎ ኣይመስልኒን።ነዚ ከምዚ ዝበለ ልዑል ሓይሊ ድማ ብሃበ ተረኽበ እንተይኮነስ እኹል ወታሃደራዊ መፅናዕቲን ምድላውን ክግበረሉ ግድን ስለዝኾነ ግዜ ምውሳዱ ወድዓዊ ምዃኑ ኣይርድእዎን ኢልካ ንምሕሳብ ኣይከኣልን።
ብሓፈሻ ግን ኣብ ትግራይ ዘሎ ፖለቲካዊ ኣካይዳ ናይ ጥዕና ፀገም ዘለዎ ይመስለኒ።እተን ውድባት ነቲ መንግስቲ ኣብ ክንዲ ክሕግዛ ዝጎደለ ዝምልኣ ጠልፈን ከድርብየኦ ዝኸድኦ ዘለዋ ርሕቐት ኣዝዩ መሰከፊ ምዃኑ እየ ተረዲአ።ሕዚ ዘለናሉ ኹነታት ልዕሊ ፖለቲካ እዩ።ትግራይ ልዕሊ ዝኾነ ፖለቲካዊ ውድብ እያ።ኣብዛ እዋን እዚኣ ንሓደ ኣካል ጠሊፍካ ናብ ስልጣን ንምሕዃር ዝግበር ፀግደምደም ውፂኢቱ ሓደገኛ ስለዝኸውን ኩሎም ተነሓናሕቲ ውድባት ኢና ባሃልቲ ምስቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ውድብ ተላዚቦም ክሰርሑ ይግባእ መልአኽተይ እዩ።
ኣብ ካልኦት ዝተላዕሉ ሓሳባት ኣመልኪተ ድማ ኣብ ቀፃሊ ክምለስ እየ።
Shalom
Go the the source
|