INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ንምንታይ ንበል!

Source : https://www.facebook.com/100003832765602/posts/2133467106791027/

ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ብፍላይ ድማ ካብ መቐለ ውፃኢ ዘሎ ህዝብናን መነባብርኡን ዝምልከት ሓበሬታ ክፅሕፍ ይሓስብ እሞ ኮርዩ ዝፃረፍ ሰብ በዝሑን ስሚዕታውነትን ዘኪረ ይገድፎ!
ኣብ ደገን ኣብ ውሽጥን ዘሎ ትግረዋይ ግን ንምንታይ ሓቂ ወፀ ንምንታይ "ለውጢ ደልየ በለ" ኢሉ ዘይኮነ ክፃረፍን ክደሃሃል ዘለዎስ?
#ንምንታይ እዩ ካብዚ ኣቲናዮ ዘለና ፀገም ዘናግፉ ሓደሽቲ ምህዞታት ሚሂዝና ፀገምና ዘይነቃልል?!
ንምንታይ ከ ክትዓት ሓደሽቲ ሓሳባት ናብ ህዝቢ ዘይጋውሑ ? ንምንታይ ተዓፉና?!
#ንምንታይ ከ ሆስፒታላትና ኣብ ክንዲ ቅዳድ ኣንሶላ ዝጥቐማ ባህላዊ ጎዝ(ሻሽ) ኩታ ኣፍሪና ዘይነቅርበለን ?
#ንምንታይ ከ ሓምኩሽቲ ብጥርሑ ካብ እንጥቀም ቁሩብ ሳይነሳዊ ምትዕርራይ ተገይሩ ፖውደራት ዘይነምርት?! ከመይ ኢሉ ጏንቲ ምፍራይ ኣብዩናስ ጏንቲ ሓፂብና ንጥቀም? #ከመይ ኢሉ ህዝቢ ትግራይ ን1 ኪሎ ጨው ብ250 ቅርሺ ይገዝእ? መሬትና ከ ናበይ ኬይዱ?!
#ህዝቢ ንምንታይ ሰኣን መድሓንት ንምንታይ ይመውት?! በርና ኸ መን ዓፀዎ?!
#ንምንታይ ከ ዳርጋ ፍርቂ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ፀላኢ ኣትዩ እንዳሃለወ ወሎ ሽዋን ሓራ ክነውፅእ መስዋእቲ ከፊልና... ንምንታይ ንምንታይ...... ኢሉ ሕቶ ኣልዒሉ ክሓስበሎምን ክሓተሎምን ዝግባ>

ትግራዋይ ሕጂ እዩ ክሓትትን ካብ ዕስለነት ተናጊፉ ኣፂፊፉን ኣድቂቁን ሓሲቡ ክሓትትን መልሲ ክናድን ዘለዎ !
ትግረዋይ ሕጂ እዩ ንነብሱ ክኹርያን ለውጢ ክብህግን ዘለዎ!

ተጋሩ ሕጂ ኩሉመደያዊ ለውጢ ንብሃግ!
ህዝብና ካብዚ ኣትዩዎ ዘሎ ዓፀቦ ንምንጋፍ ደጋውን ውሽጣውን ቃልሲ ይሓተና ኣሎ!
ትግራይ ግዜ ዝጠልቦን ተዓፃፃፋይን መሪሕነት የድልያ ኣሎ!
ከምዚ ኢልና ድኣ ክሳብ መዓዝ ንበል!

ንሕተት!

Read More