INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ኣሜሪካ እንታይ ገይራትልና፤ ከመይ ንኣምና?

https://www.facebook.com/100001509543685/posts/4913961361997467/

ኣሜሪካ እንታይ ገይራትልና፤ ከመይ ንኣምና? ሕሉፍ ሓሊፉስ፤ ንፕሬዝደንት ባይደን ከመይ ገይርኻ የቐንየልና ትብሎም? ዝብሉ ሪኢቶታት ደቂ ዓድና ይርአዩ ኣለዉ!

ኣሜሪካ ከም ሓንቲ ልዕል ሓያል ሃገር ክንዲ'ቱ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሐ ጀኖሳይድ ድምፃ ኣስሚዓ ዓቕማ ተጠቒማ ዶ? ርግፅ መሊኣ ኣይገበረቶን! ግና ዕዙዝ ብዝኾነ ኣፈፃፅማ፤ ዓሚ ብዙ ወርሒ እዙይ ናብ ስልጣን ዝመፀ፤ ብፕረዝደንት ባይደን ዝምራሕ መንግስቲ ኣሜሪካ፤ ካብ ማንም ሃገርን መንግስትን ንላዕሊ፤ ንጉዳይ ትግራይ ኣመልኪቱ ዓመት ኣብ ዘይመልአ ብዙሓት ገዘፍቲ ስጉምትታት ወሲዱ እዩ!

መንግስቲ ፕረዝደንት ባይደን ቃለ ምሓላ ምስፈፀመ ቅድም ቀዳድም ዝፈፀሞ፤ ንጉጅለ ኣብይ ኣሕመድ ካብ ባንኪ ዓለምን ዓለምለኸ ገንዘባዊ ፈንድን ልቓሕ ኮነ ሓገዝ ከይረክብ ምግባር እዩ ነይሩ:: ብዙይ እውን እቱ ኢኮኖሚ ተቐይዱ እዩ::

ስልጣን ምስሓዘ ኣብ 50 ማዕልቱ ነይሩ፤ 11 March 2021 ሴክሬታሪ ጉዳያት ወፃኢ ብሊንከን፤ ኣብ ቅድሚ ዓለም ፈላማይ ላዕለዋይ ብዓልስልጣን ኮይኑ ወፂኡ፤ "ኣብ ምዕራብ ትግራይ ምፅናት ዘርኢ እናተኻየ እዩ!" ዝበለ!

ሽዑ ዝጀመረ እውን፤ ንመበል ዓሰርተን ገለን ግዘ፤ ጉዳይ ትግራይ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣጀንዳ ክትሓዘሉን ክመያየጡሉን፤ ኣብ ቅድሚት ኮይና ብዘይምቁራፅ ካብ ዝተቓለሱን ዝቃለሱ ዘለዉን ሓንቲ ኣሜሪካ እያ! ቻይና ህንድን ሩሲያን ብዘይ ምቁራፅ ብዘይንሕስያ እናተቓወማ!

ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝፈፀሙዎ ምፅናት ዘርእን ብርሰትን፤ ኣብ ልዕሊ ትካላት መንግስትን ሰበስልጣናትን ኤርትራ ማዕቐብ ዘንበረት ኣሜሪካ እያ

ንኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ናብ ፀድፊ ኣውሪዱዎ፤ ንኣብይ ኣሕመድ ኩሉ እሺ እሺ ዘብሎ ዘሎ፤ ስጉምቲ ምስራዝ ኢትዮጵያ ካብ ስምምዕ ንግዲ ኣጎዋ ዝገበረት ኣሜሪካ እያ!

እቱ ወራር ካብ ዝጅመር ክሳብ ሐዚ፤ ብዝተፈላለየ መንገዲ ናብ ትግራይ ካብ ዝኣተወ ሰብኣዊ ረድኤት፤ እቱ ኣብዝሓ ካብ ኣሜሪካ ዝተረኸበ ረድኤት እዩ!

ብተመሳሳሊ ንዙ ገበነኛ ጉጅለ ካብ'ዙ ተግባሩ ክዕቀብ ዘገድዱ ካልኦት ዓበይቲ ዲፕሎማሲያውን ኢኮኖሚያውን ስጉምትታት ብኣሜሪካ ተተግቢሮም እዮም::

ሎማዕልቲ ዝተፈፀመ እውን ናይ'ዙይ መቐፀልታ እዩ! ኣብዝሓ ሕቶታት ህዝቢ ትግራይ እየን ብፕረዝዳንት ባይደን ተጋዊሐን:: ፕረዝደንት ባይደን ባዕሎም ክነግሩዎ ከምዝደወሉሉን ዘረብኦም እውን ጥንክር ዝበለ ትእዛዝ መሰል firm ከምዝነበረ እዩ ንቱ ጉዳይ ቅርበት ካብ ዘለዎም ፍልፍላት ንምርግጋፅ ዝተኽኣለ!

ኣብ ዓለም ካብ ዘለና ብጣዕሚ ኣዐርዩ ዝነኣሰ ባይታ ዝዘበጠ ቁጠባዊ ኮነ ጂኦፖለቲካዊ ዓቕሚ ዓይኒ፤ ገዚፍ ዝብሃል ስዳሮ ኢና ንኸይድ ዘለና! ስለዙይ ኣሜሪካን መንግስቲ ባይደንን ኮነ፤ ካልኦት ካብ ዝነኣሱ ክሳብ ዝዓበዩ ሃገራትን መንግስታትን እንታይ ገይሮምልና እንተይኮነስ፤ ንቱ ክሳብ ሐዚ ዝተገበረን ዝተረኸበን ከም መበገሲ ዓቂብና፤ ንዝበለፀ ዲፕሎማሲያዊ ርክባትን ዝምድናታትን ክንተዓፃፀፍን ክንነጥፍን እዩ ዘለና!

ኣብ'ዙ ዲፕሎማሲያዊ ቃልሲ እዙይ ድማ፤ ንቱ ብዓል ዋና እዙ ቃልሲ ዝኾነ ዲያስፖራ ትግራይ፤ ክብሪ ይግብኦ!

ትግራይ ትስዕር ኣላ! ካሳ ሃይለማርያም!

Read More