INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን፡መርገፂ ኤርትራን ኢትዮጵያን

Source: https://www.facebook.com/261522124370013/posts/1332420227280192/

እቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን እተካይዶ ዘላ ወራር ስዒቡ ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝወሰድኡ መርገፂ ብምቅዋም ኣብ ጎኒ ህዝቢ ዩክሬን ከም ዝውግኑ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ምሁራን ትግራይ ገሊፆም።

ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ምሁራን ትግራይ ሩስያ ሉእላውነት ሃገረ ዩክሬን ብምጥሓስ ኣብ ልዕሊ ህብን መሰረተ ልምዓትን እታ ሃገር እተብፅሖ ዘላ ዕንወት ተቐባልነት ከምዘይብሉ ኣብ መግለፂኦም ሓቢሮም።

ዋሺንግተን ዲሲ: 30 ለካቲት 2014 ዓ/ም (TMH)

ህዝቢ ዩክሬን ልክዕ ከምቲ ብፋሽሽታውያን ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝወረደን ንዝሓለፉ 16 ኣዋርሕ ማእለያ ዘይብሎም ሰብኣውን ንዋታውን ዕንወት እናብፀሐ ዝርከብ ኲናት ዝተኣወጆም ኮይኑ፣ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብዪ ኣሕመድን ንወራር ሩስያ ምድጋፎም ዉልቀመላኽነት ስርዓቶም ስለ ዘመሳስሎም ምዃኑ ገሊፆም።

ኮይኑ እውን ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ምሁራት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ወራር፡ ኣብ ልዕሊ ትካላት ጥዕና፣ መንበሪ ሰላማውያን ሰባት፣ ህዝባዊ ትካላትን ዒላማ ዝገበሩ ምዃኖም ብምጥቃስ፡ ሩስያ ሰራዊታ ካብ ዩክሬን ክተውፅእ ዝፀወዐ ኮይኑ፣ ግዳያት እቲ ኲናት ንዝኾኑ ዜጋታት ዩክሬን ዝተሰምዖ ልባዊ ሓዘን ገሊፁ ኣሎ።

ኤርትራ ሓዊሱ ንወራር ሩስያ ዝደገፋ ኣርባዕተ ሃገራት ብስርዓት ውልቀ መላኽነት ዝፍለጣ ኣብ ልዕሊ ምዃንነን ኢትዮጵያ ‘ውን ዋላ ሞንጎኛ ንምምሳል እንተፈተነት ነቲ ጎይታ ዕጥቃን ስንቃን ዝኾነ ሩስያ ከም እትድግፍ ምቅልዓ ኣይተረፈን።

ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብዪ ኣሕመድን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝወልዕዎ ኲናት፡ ሐዚ እውን ድምፂ ኣልቦ ጥሜት ብዝዓብለሎ ተኻሪሩ ዝቐፀለ ኮይኑ ልዕሊ 90% ህዝቢ ትግራይ ንሓደጋ ጥሜት ዘቃለዐ ፋሽሽታዊ ስራሕቶም እናቐፀሉ ዝርከቡ ኮይኖም፣ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ተመሳሳሊ ተግባር ክፍፀም ምድጋፎም ፍፁም ተቐባልነት ዘይብሉን፣ ኢሰብኣውነቶም ዘቃለዐን እዩ ተባሂሉ።

ዋላኳ ሩስያን ዩክሬንን ንኢትዮጵያን ኤርትራን ሓዊሰን ንመላእ ኣፍሪካ ቀንዲ ፍልፍላት ኣፅዋር እንተኾና፣ ብፍላይ ሩስያ ግና እቶም ፋሽሽታውያን ወረርቲ ኣብዪ ኣሕመድን ባዕዳዊ ወራሪ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብ ትግራይ ንዝፍፅምዎም ኢሰብኣዊ ገበናት ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ስጉምቲ ከይውሰዶም ቀንዲ ተቓዋሚት ካብ ምዃን ብተወሳኺ ብቐጥታ ናብቲ ኲናት ቤንዚን ብምውሳኽ ኣብ ቅልውላው ኢትዮጵያን መላእ ቀርኒ ኣፍሪካን ዝለዓለ ኢድ ከም ዘለዋ ሓቢሮም።

ብምዃኑ እውን ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ወራርን ዕንወትን ትፍፅም ንዘላ ሩስያ ይኹን ኣብ ልዕሊ 7.5 ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ኮነ ኢሎም ጥሜት ከም መሳርሒ ኲናት ብምጥቃም ኣብ ሙሉእ ዕፅዋ ከጽንትዎ ይሰርሑ ንዘለዉ ፋሽሽታውያን ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብይ ኣሕመድን ተሪር ስጉምቲ ክወስድ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ምሁራን ትግራይ ኣብ ዝፅሓፍዎ መግለፂ ኣፍሊጦም ኣለዉ።

Read More