INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ወንጌላውያን ትግራይ ምስ ፌደራል ዝነበሮም ጥምረት ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝበተኹ ኣፍሊጦም።

https://www.facebook.com/400314264107614/posts/1161358451336521/

ኣመንቲ ወንጌላውያን ትግራይ ምስ ኣብ ፌደራል ዝነበሮም ጥምረትን ሕብረትን ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝበተኹ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ኣፍሊጦም።

መቐለ: 12 ለካቲት 2014 ዓም (ድ.ወት) ኣመንቲ ወንጌላውያን ትግራይ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ምስ ወረርቲ ሓይልታት ተሻሪኹ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፈፀሙዎን ዝፍፅሙዎ ዘለውን ወፍሪ ጆኖሳይድ መራሕቲን ኣመንትን ሃይማኖት ኢትዮጵያ ኣብቲ ተግባር ጆኖሳይድ ተሳተፍቲ ከምዝኾኑ ኣብ መግለፂኦም ገሊፆም።

መራሕቲ ሃይማኖት ኢትዮጵያ ነቲ ወፍሪ ጆኖሳይድ ክኹኑኑዎምን ክፅየፍዎን ብተኸታታሊ ዋላ እኳ እንተሓበርና ብግልባጡ ግና ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፀም ኩለመዳያዊ ጨፍጫፍን ግፍዕን ከምፅድቂ ቆፂሮም ብፆሎትን ንዋታዊ ሓገዛትን ሓገዝቲ ከምዝኾኑ ኣመንቲ ወንጌላውያን ትግራይ ገሊፆም።

ጨፍጫፍን ግፍዕን ህዝቢ ትግራይ ዕንወት ትካላት ሃይማኖትን መንበረ ንፁሃን ወገናትን ከም ፅድቂ ምስ ዝቖፅሩን ሰላም ነፂጎም ምስ ኲናት ዝድግፍን ፋሽስታውያን ዝውግኑን መራሕቲ ሃይማኖት ኢትዮጵያ ብዝኾነ መለክዒ ምቕፃል ከምዘይከኣል ኣብ መግለፂኦም ሓቢሮም። ብመሰረት እዚ ድማ ኣመንቲ ወንጌላውያን ትግራይ ካብ ድሕሪ ሕዚ ምስ ኣብ ፌዴራል ዝነበሮም ጥምረትን ሕብረትን ሙሉእ ብሙሉእ ከምዘቋረፁ ኣፍሊጦም።

Digital Weyane ዲጂታል ወያነ

Read More