INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ወለድና ትግራይ ዓደይ ዝብሉዎ፤ ንቱ ትግራዋይ ንታ ትግራወይቲ ህዝቢ እዩ!

ወለድና ትግራይ ዓደይ ዝብሉዎ፤ ንቱ ትግራዋይ ንታ ትግራወይቲ ሰብ፤ ንቱ ህዝቢ እዩ! ፍቕሪ ትግራይ ዓደይ ማለት ፍቕሪ ህዝቢ ትግራይ እዩ! ንዙይ እውን እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ወሪዱ ዘሎ ግፍዕን መከራን ክንምክት፤ ኣብ ዝሃለና ንሃሉ ብሓደ መንፈስ ከም ሓደ ፅኑዕ መሓውር ክንነቓነቕ ዝኸኣልና!

ፍቕሪ ትግራይ ዓደይ እዩ፤ ንሕድሕድ ተወላዲ ትግራይ ድቃስ ኣስኢኑና፤ እዚዶ እንተተገበረ ይሐሽ እዚዶ እናበልና፤ ዘዝመስለና ሓሳብን ርኢቶን ነቕርብ ዘለና! ብዓል ዋና ወያነ ትግራይ እውን ህዝቢ ትግራይ ስለዝኾነ!

ካብ ደቂ ሕድርትና ብኣውርኡ ዝፈልየና እውን እዙ ፍቕሪ ህዝቢ፤ ክብሪ ሰብ መግለፂ መንነትና እዩ! ህዝቢ ትግራይ ኣይኮነን ዶ ብህይወት ንዘሎ ፍጡር ወዲሰብ፤ ንሬሳ እውን ዘኽብር ህዝቢ እዩ! ደቂ ሕድርትና ግና ንቱ መሬት እዮም "ኣገሬ" ዝብሉዎ! ንቱ ህዝቢ ኣይኮነን፤ ህዝቢ ኣይግዶምን!

ንፍጡር ወዲሰብ ክብሪ ከምዘይብሎም መግለፂኦም ድማ፤ ንሚልየናት ህዝብታት ኣብ ዕፅዋ ፅምዋ ከፀንት ለይትን ቀትርን ተዓጢቖም ዝነጥፉ፤ ንፍጡር ወዲሰብ ብካራ ዝሓርዱ፤ ንህፃውንቲ ቆልዑት ዝግህሱ፤ ንሬሳ እንተይተረፈ ዘሳቕዩ ዝጎቱን ዝሰቕሉን ብምዃኖም እዩ! ብዙይ ድማ ካብ'ቱ ብዓል ውነ ብዓል ፅኑዕ ሃይማኖት እርኑብ ህዝቢ ትግራይ ኣዐርዮም ይፍለዩ ጥራሕ እንተይኮነስ፤ መወዳድርቲ ህዝቢ ትግራይ እውን ኣይኮኑን!

ምእንተ መሬት ክብሉ እውን፤ ዙሪያምላሽ ምስኩሉ ህዝብታት ይናቖቱ፤ ቆልዓ ሰበይቲ ኣረጋውያን እንተይፈለዩ ንኹሉ ፍጡር ወዲሰብ ብኣልማሚት ይጭፍጭፉ፤ ዓድታት የብርሱ እንሰሳት እንተይተረፈ ዋላ ዘይበልዑዎ ሓሪዶም ይድርብዩ፤ ኣብ መወዳእታ ድማ ባዕሎም ብዝውልዑዎ ሓዊ ንባዕሎም ይጠፍኡ!

ትግራይ ዓደይ ንሕና እቶም ፅኑዓት ሰብ ሃይማኖትን ሞራልን ወለድና ካብ ዝሃነፁዎ ማሕበረሰብ ኢና! ስለዙይ እዞም ድሑራት ደቂሕድርትና እዚኣቶም ብዝፍሕሱዎን ዝነዝሑዎን ብዕራይ ወለደ ኣጀንዳታት ነንሕድሕድና እናተፋሕፋሕና፤ ኣብ ውሽጥና ንፋስ ከይነእቱ ንሰጣጠም!

ብፍላይ ገለ ኣባላት ዲያስፖራ ትግራይ፤ ማእለያ ዘይብሉ ዋኒን ህዝብና ወዚፍና፤ እዙ ወርቃዊ ግዘናን ዓቕምናን ኣብ ተኽንን ኣጀንዳ ፀላእትና ኣብ ምንዛሕን ነባኽኖ ኣለና!

ሃየ ድኣ፤ ሙሉእ ዓወት ትግራይ ቀሪባ ኣላ፤ ኣብ ዝወፈርናሉ ኩሉ ድምፅን ዓቕምን ህዝብናን ሰራዊትናን ንኹን! ድሕሪ መሪር ፀልማት መሬት ትግራይ ምእንታን ክወግሕ ናይ ኩልና ሕራነ ፅንዓትን ዝተዓፃፀፈ ንጥፈትን ይሓትት!

ኩሎም ፀላእትና ንዙይ ስለዝፈልጡን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እውን ብተግባር ሆ ኢልና ካብ ሜዳ ክሳብ ዲያስፖራ ተላዒልና ከምዝቀርሰምናዮም ብተግባር ስለዝርኣዩን እዩ፤ ኣብ ውሽጥና ንፋስ ከእትዉ ላሕ ዝብሉ ዘለዉ!

ትግራይ ትስዕር ኣላ! ካሳ ሃይለማርያም
ትዊተር: https://twitter.com/kassahmariam
ቴሌግራም: https://t.me/+HdnQzJcDXXJlMzBh

Read More