ኣብ ጋዜጣ ዘ ዋሽንግተን ፖስት ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ነበር ኣባላት ሓይሊ ምክልካል ዝበፅሐ ግፍዒ ሪፖርት ዝተተርጎመ
ብጋዜጠኛ፣ ካትሪን ሃሮልድ
እዋኑ ሰራዊት ትግራይ ናብ ማእኸል ዓዲ ዝግስግሰሉን ዓመታዊ በዓለ ሚካኤል ዝኽበረሉን ሕዳር 12/ 2014 ዓ/ም ኣጋግዘ ነይሩ፡፡ ካብ ከተማ ኣርባምንጭ ንኣንፈት ምዕራብ ውፅእ ኢልካ ዝርከብ ብኣግራብ ዝተሸፈነ ምዕራብ ኣባያ ዝተብሃለ ቦታ ኣስታት 2500 ተጋሩ ነበር ኣባላት ምኽልካል ሃገር ኢትዮጵያ ተሓይሮም ኔሮም፡፡ ኣብዚ ፀጥታ ዝዓሰሎ ጫካ ቡና ኣፍሊሖም ዓመታዊ በዓል ሚካኤል ሕዳር ይዝክሩ፡፡ ገሊኦም ነኒባዕሎም ይቀላለዱን ይፃወቱን ገሊኦም ድማ በይኖም ኮፍ ኢሎም ናብ ዝፈትውዎም ስድራቤቶም ክምለሱ ፀሎት ይገብሩ ነይሮም፡፡
ኣብ መንጎ እዚ ብቅፅበት በዚ መፀ ዘይተብሃለ መጅሙዕ ተኹሲ ብሬን ጀሚሩ፡፡ ኣብቲ እዋን ኣብ ሓለዋ ዝነበሩ ሓንቲ ጓል ዝርከብዎም 18 መብዛሕቲኦም ወታደራት ተወለድቲ ብሄረ ኣማሓራ ዝኾኑ ኣባላት ደጀን ክፍለ ሰራዊት ዝተብሃለ ሓይሊ ምክልካል ኢትዮጵያ እዮም፡፡
እዞም ወታደራት ብሬኖም ወዲሮም ንኹሉ ብጅምላ ክጭፍጭፍዎ ጀመሩ፡፡ ኣብዛ ሰዓት ቡዙሕ ሰብ ከም ቆፅሊ ይረግፍ፣ ካብ ሞት ንምትራፍ እግሩ ናብ ዘምርሖ ክጎይ ጀመረ፡፡ ኣብ መንጎ እዚ “ዋይ ደቀይ ዋይ ደቀይ” ዝብል ናይ ሓንቲ ኣደ ድምፂ ይስማዕ ነበረ፡፡ እንተኾነ ግና እዛ ኣዶ ምሕረት ክገብሩላ ኣይፈቐዱን፡፡ ደቀይ እንዳበለት ንዘለኣለም ኣዕረፈት፡፡ ዕድል ዝረኸበ እግሩ ናብ ዘምሮሖ ሃደመ፡፡ ዝተወሰኑ ካብ እቲ ግቢ ኣምሊጦም ዕቁባ ክሓቱ ናብቲ ከባቢ ናይ ገጠር ማሕበረሰብ ሃደሙ፡፡ ይኩን እምበር ዘይተፀበይዎ ግብረ መልሲ ፀንሖም፡፡ እቲ ከባቢ ማሕበረሰብ ብዝሓዞ ገጀራን ፋስን ጨፍጨፎም፡፡ ሰበ ስልጣን እቲ ከባቢ እዞም እሱራት ደቆም ዝቐተሉ ምሩኻት ኹናት ከም ዝኾኑ ብኣብ መኪና ዝተፀዓነ ማይክሮፎን ዝረኸብክዎ ጁንታ ቅተሉ ዝብል ኣዊጆም ነይሮም፡፡
ሂወት (ሽማ ዝተቀየረ) ከባቢ 50 ዓመት ዝዕድሚኣ ኣዶ ኔራ፡፡ ኣብ ሱዳን ዓቃቢ ሰላም ኮይና ዘገልገለት፣ ኣደ ሓደ ወድን ሓንቲ ጓልን ውላዳት ዝነበረት ሓንቲ ካብቶም ግዳያት ጨፈጫፍ እያ፡፡
ኮሎኔል በርሀ (ሽሙ ዝተቀየረ) እቲ ጨፍጫፍ እንትፍፀም ኣብ ውሽጢ መደቀሲኡ ኮፍ ኢሉ ነይሩ፡፡ ተኹሲ ምስ ሰምዐ ኣብ ጎኑ ዝነበረ ሻንጣ ሒዙ እግሩ ናብ ዝመርሖ ምጉያይ ጀሚሩ፡፡ ደቀይ ደጊመ ክሪኦም ይኸውን ዶ? ኣብ ትምህርቲ ክዕወቱን ንሂወት ከሸንፍዋ ክሪኢ ክበቅዕ ዶ ይኸውን? ዝብል ሓሳብ ኣብ ኣእምርኡ ይመላለስ ነበረ፡፡ ሃዲሙ ናብቲ ከባቢ ዝርከቡ ገባራት ከድሕንዎ ተማሕፀነ፡፡ እቶም ገባራት ግና እንታይ ከምዝግበአኩም ክነርኤኩም ኢና ብምባል ብፋስን ጎዘሞ ጥቅዓት ኣብፂሖምሉ፣ ሞይቱ ኢሎም ስለዝኣመኑ ገዲፈምዎ ከይዶም፡፡
ቡዙሓት መሓዝቱ ካብቲ ናይቶም ገባራት ጨፍጫፍ ንምምላጥ ናብቲ ከባቢ ዝርከብ ቃላይን ዱርን ይሃድሙ ከምዝነበሩ ይገለፅ፡፡
ካልእ ኣብ መፋርቅ 20ታት ዝርከብ መንእሰይ ድማ ብዕስለ ናይቲ ከባቢ ክልተ ኣእዳዉ ተቖሪፁ፣ ኣእጋሩ ድማ ደም ይፈሶ ከምዝነበረን በጃኹም ቅተሉኒ ክብል ይልምን ከምዝነበረ ኣብቲ ከባቢ ነባራይ ዝኾነ ናይ ዓይኒ ምስክር ይገልፅ፡፡
ኣብ መወዳእታ ብድምሩ 83 እሱራት ሞይቶም፣ ብኣማኢት ድማ ኣካላቶም ጎዲሎም፣ ቆሲሎም።
ካብቶም ዝሞቱ ብመዓርግን በዝሒን
ተ.ቁ መዓርግ በዝሒ
1 ኮሎኔል 7
2 ሌ/ኮሎኔል 8
3 ሻለቃ 11
4 ሻምበል 11
5 ሓለቓ ሚኢቲ 14
6 ሻለቃ መጋቢ ባሻ 3
7 ሻምበል ባሻ 6
8 ሓለቓ ሓምሳ 7
9 ሓለቓ 10 9
10 ም/ሓለቓ 10 6
11 መሰረታዊ ወታደር 1
ድምር 83
ድሕሪ ናይ ከባቢ ክልተ ሰዓት ዝወሰደ ተኹሲ ሓደ ካብ ካብ ኣመራርሓ ኣባል እዚ ደቡብ ዝኾነ ኮለኔል ግርማ ኣየለ ናብቲ ጨፍጫፍ ዝፍፀመሉ ግፍዒ በፅሐ፡፡ እቲ ኮለኔል ኣብቲ ቦታ እንትበፅሕ እቲ ቤት ማእሰርቲ ካምፕ ብሬሳ መሊኡ ብደም ተሓፂቡ ነበረ፡፡
ካብቲ ጨፍጫፍ ዝተረፉ ተጋሩ ወታደረት እዚ ጨፍጫፍ ሕነ ናይ ምፍዳይ ስጉምቲ ከም ዝነበረ ይገልፁ፡፡
ንፅባሕቲኡ ድማ ነቶም ዝተጨፍጨፉ ንምቅባር ብኤክስካቫተር ጅምላ መቓብር ተኳዒቱ ኣብ ከባቢ በሪ እቲ ቤት ማእሰርቲ ክቅበሩ ተገይሩ፡፡
ካብ ሞት ዝተረፉ ብበዝሒ ናብ ሆስፒታል ኣርባምንጭ ዝተወሰዱ እንትኸውን ኣብ ክንዲ ተቀላጢፎም ዝሕክምዎም ብብሄሮም ምክንያት ጁንታ እንዳበሉ የባጭዉሎም ነይሮም፡፡
ካብ ምዕራብ ኣባያ ወፃኢ ድማ ኣብ ወታደራዊ ቤቴ ማእሰርቲ ካምፕታት ማለት ውን ወንደጢቃ፣ ብላቴ፣ ጋርቤሳ፣ ቶጋን ድዴሳን ብኣሻሓት ዝቁፀሩ ተኣሲሮም ምንባሮምን ቅትለታት ውን ከምዝተፈፀመሎም ተሓቢሩ እዩ፡፡
እዞም ተጋሩ ወታደራት መብዛሕቶኦም ኣብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ዓቃቢ ሰላም ኮይኖም ዘገልገሉ ፣ኩሎሜ ድማ ንኢትዮጵያ ንዓመታት ዘገልገሉ ሙኩራት ወታደራት ነይሮም፡፡
ኩሎም ጥረ ሓቂታት ካብ ምርመራዊ ሪፖርት ዋሺንግተን ፖስት ዝተወሰዱ ከምኡ እውን ኣብቲ ምርመራ ምእካብ ካብ ዝተሳተፉ ኣባላትና ዝተወሰዱ እዮም፤፤ ዝርዝር ኣስማት ግዳያት ኣብ ኢድና ይርከብ፤፤
|