INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ምስ ኢትዮ ፎረም ፅፁይ ሓተታ ኣዛሚድኩም ክትርድእዎ እትክእሉ ተረድኡ

Watch video (EthioForum)

ፅሑፍ ካብ Woldegiorgis G. Teklay ዝወሰድክዋ እያ።

ጌታቸው ረዳ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ መቐለ ኣብ ዝተኻየደ ዕፅዉ (ዝዓይነቱ) ኣኼባ "እቲ ዂናት ርእዮተ ዓለማዊ ገፅ ዶ የብሉን፣ ህወሓት ምስ ዝኽተሎ ሃገራዊ ኢኮኖሚያውን ፖለቲካውን ኣተሓሳስባ ተታሒዙ ትግራይ ካብ ምዕራባውያን ስትራቴጂያዊ ሓጋዚ ኣሲእንዋ ከይኸውን ምፍታሽ ዶ ኣይሓይሽን... ወዘተ" ዝብሉ ሕቶታት ቀሪብሉ "ዘተሓሕዝ የብሉን፣ ኣሜሪካውያን ስለ ወያናይ ዲሞክራሲ ኣቕሓ ኢሎሞ ሞይቶም፣ ወዘተ" ብምባል ከም ዝመለሰ ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ ሰባት ይገልፁ። ብዙሓት ኣባላት እቲ ውድብ እውን ምስ ርእዮተ ዓለም ዝተትሓዘ ፅዕንቶን ፅልዋን ከምዘየለ ክዛረቡ ንሰምዕ ኢና።እዚ ብኢትዮ-ፎረም ቀሪቡ ዝንሄ ሓተታ ግን ትግራይ ዳርጋ ምስ ኣሜሪካ ገጢማ ከምዘላ ዘርኢ እዩ። (ብዝኾነ እዚ ዂናት ኣብ ውሽጢ ዘመነ ፕሬዚዳንት ባይደን ክውዳእ ምፅዓር ከድሊ እዩ)።

ነዚ ሪፖርት እንተኣሚንኩሞ "ርእዮተ ዓለማዊ ጎነፅ፣ ሓገዝቲ ኣየስኣነናን" ኢልካ ምዝራብ ይክኣሎ ዶ? ነባራዊ ሓቂ ምኽሓድ ዶ ኣይኸውንን ወይስ ኢትዮ-፡ፎረም እዩ "ከይተረድኦ" ብይኸውን ዝትንትን ዘሎ?

ብዝተረፈ ግን ወያናይ ዲሞክራሲ ጠቓሚ ድዩ ኣይጠቓምን፣ እሞ ንኻልኦት ኢልካ ዶ ሓሳብካ ይቕየር? ከምኡ ኢልካ ሓቂ ምእማን ቃልሲ የዘሓሕል እዩ ፣ ወዘተ ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ምክርኻር ካልእ ጉዳይ እዩ። ኣነ ኣብኡ ኣይኣተኹን!!

https://youtu.be/KTA9ENA0wxA