INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ዘይተስተውዓለሉ ፅንተት

ፅንተት ብብዙሕ ደረጃ ዝግለፅ እዩ። ፅንተት ስድራ ኣሎ፣ ፅንተት ዓሌት ኣሎ፣ ፅንተት ኣብ ሓደ ከባቢ/ዓዲ/ጎደቦ ዝነብር ህዝቢ ኣሎ፣ ፅንተት ሊሂቅ ሓደ ሕብረተሰብ ኣሎ፣ ከም ዘለዎ ሕብረተሰብ ምፅናት ድማ ኣሎ። ወዘተ።

ኣብ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ፅንተት ብብዙሕ ብርኪ ዝግለፅ ኮይኑ ብድምር ድማ ሕብረተሰባዊ ጆኖሳይድ እዩ። ኣብ ምዕራብ ትግራይ ኣሜሪካውያን እውን ethnic cleansing ኢሎም ዝገለፅዎ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ትግራዋይ ብምሉኡ ናይ ምፅናት ተግባር ተፈፂሙ። ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ኩናማን ኢሮብን ተፈፂሙ። ኣብ ኩሉ ማኣዝን ትግራይ ጅምላዊ መርሸንትን ቕትለትን ይፍፀም ኣሎ። ኣብ ክሊ እዚ ግን ዘይተስተውዓለሉ ብርኪ ፅንተት ኣሎ።

ኣሰፋፍራ ገጠር ትግራይ ንዝፈልጥ ኣዝዩ መደንገፂ እዩ። ዓሌተ ዘመድ ከምዘለዎ እዩ ዝጠፍእ ዘሎ። ኣብ ገጠር ብኣብዝሓ ጎረባብቲ ኾይኖም ዝነብሩ ኣዝማድ እዮም። እንዳባሓጎ እንተሃልዩ፣ ብየማን እንዳ ሓው፣ ኣኮ፣ ሓትኖ፣ ወዘተ፣ ብፀጋም እንዳ እንዳ ደቂ፣ ደቂ ደቂ፣ ልዕልቲ፣ ወዘተ ይህልዉ። ብነባር ኣሰፋፍራ መጠሻ ኣብ ዝነበረ ናይ ወለዲ መሬት ስለዝኾነ ዘመድ ኣዝማድ ኣብ ሓደ ከባቢ እዮም እክብ ኢሎም ዝነብሩ። ፀላኢ ናብታ ቁሸት ንሳ እንተመፅዩን መርሸንቲ እንተፈፂሙን፣ ዓሌተ ዘመድ ከምዘለዎ እዩ ዝፀንት።

ንኣብነት እቲ ብከምዚ ዓይነት ኣሰፋፍራ ዝፍለጥ ህዝቢ ኣድያቦ፣ ዘጋጠሞ እዙይ እዩ። ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝበፅሕዎም ቦታታት በልማሚት ቀቲሎም ሙሉእ ዓሌታት እዮም ኣብሪሶም። ነጋሪ ወረ ዘይብሉ ኣቕርየሞ። ስድራ ከም ስድራ ምፅናት ጥራሕ ኣይኮነን፣ ኣብቲ ኸባቢ ዘለዉ ገዛውቲ ብሙሉኦም ኣቃፂሎም፣ ህዝቢ ቀቲሎም ማለት፣ ዓሌት ሙሉእ ኣጥፊኦም ማለት እዩ። ምኽንያቱ እቲ ኣሰፋፍራ ከም ናይ ከተማ እቲ ሓደ ቀበሌ 01, እቲ ኻልእ ዘመድ ቀበሌ 14 ዝብሃል ዓይነት ኣይኮነን። ብስጋዊ ዝምድና ርግግ ኢሉ ዝነብር እዩ ዝበዝሕ ኣብ ገጠር። ይቕረ'ሞ ኣብ ገጠር ኣብ ከተማ እውን እኳስ ኣብ ሓደ ግቢ ዝነብር ዓሌተ-ዘመድ ብዙሕ እዩ።

ሕዚ ሓደ ሰብ ኣብ ካልእ ቦታ ፀኒሑ ኣብ ትግራይ ዘለዉ ናይ ቀረባ ይኹኑ፣ ርሑቕ ኣዝማዱ ብሽም ፀዊዑ ብኣካል ክረኽቦም ዘይኽእል ብዙሕ እዩ ዘሎ። ከም ዓሌት ስለዝበረሱ። እዙይ ሓደ ብርክን መግለፅን ፅንተት እዩ።