INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ፅባሕ ሰኑይ ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ቅድሚ ዓለምለኸ ተዓዘብቲ

ፅባሕ ሰኑይ ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ቅድሚ ዓለምለኸ ተዓዘብቲ ክሳለጥ ትፅቢት ዝግበረሉ ገምጋም ስምምዕ ፕሪቶሪያን ናይሮቢን ብዝምልከት፤ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኮነ ኣብ ዲያስፖራ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ሕቱኡ ሓደን ሓደን እዩ:: ኣብዙ ዘተ እትሳተፉ ልዑኻት ሰላም ትግራይ ድማ፤ ብሳላ ቃልሲ ዲያስፖራ ትግራይ ዓለምለኸ ኣጀንዳ ኮይኑ ምስ ኢትዮጵያ ማዕረ ዓለምለኸ ባይታ ረኺቡ ዝነበረ ጉዳይ ትግራይ፤ ብሰርትፊኬት ሽልማት ንጀኖሳይደር ኣረኪዝኩም ንከባቢ ሓደ ዓመት ዝተፈፀመ ጌጋ ትምህርቲ ኮይኑኩም፤ ሐዚ ዳግም ኣብ ቅድሚ ዓለምለኸ ተዓዘብቲ ንሕቶ ህዝቢ ትግራይ ክተተግብሩ ሎሚ እውን ተስፋ ኣይቀበፅናን::

ድሌት ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ሃለዋትን እዩ፤ ሕትኡ ድማ ኣብ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝሰፈራ ዓንቀፃት ብኣግባቡ ኣይተተግበራን ወይ ድማ ፈፂሙ ኣይተሓሰበን ዝብል እዩ!

* ድምፂ ቶክሲ ኣፅዋራት ጠጠው ኢሉ እንተተብሃለ እውን፤ ብሰላሕታ ፅንተት ተተኪኡ ኣሎ፤
* ተበፃሕነት ሰብኣዊ ሓገዝ መሳርሒ ፅንተት ምዃኑ ቀፂሉ ኣሎ፤
* ድርቅን ጥምየትን እውን መሳርሒ ፅንተት ኮይኑ ቀፂሉ ኣሎ፤
* ዙሪያ ምላሽ ብባዕዳውያን ዝተጎበጡ መሬታት ትግራይ፤ ሐዚ እውን ኣብ ትሕቲ ግፍኣዊ መግዛእቲ ባዕዳውያን ፀላእቲ እዮም ዘለዉ፤
* ብሰንኩ ድማ ካብ መረበቱ ዝተመዛበለን ዝተሰደደን ተረፍ ፅንተት ዝኾነ ህዝቢ፤ ናብ ገዝኡ ኣይተመለስን ኣብ ዝወፆ ተንከራቲቱ ይተርፍ ኣሎ:: እቱ ኣብ ዓዱ ዝተረፈ እውን ይቕተል ይሳቐ ይሳደድ ቀፂሉ ኣሎ፤
* ሎሚ እውን ኣሽሓት ተወለድቲ ትግራይ መንነቶም ገበን ኮይኑ ኣብ ቤት ማእሰርትታት ፀላኢ ይሳቐዩ ኣለዉ፤ * መንነቶም ገበን ኮይኑ ዓዶም ክኣትዉ ዘይኸኣሉ ኣሽሓት ዓቀብቲ ሰላም ተጋሩ፤ ካብ ዓዶምን ስድርኦምን ተፈልዮም ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ይንከራተቱ ኣለዉ፤ ስድርኦም እውን ተበታቲኖም፤
* ኣብ ዓለምና ኣብዙ መበል 21 ክፍለዘበን እቱ ዝኸፍአ ፅንተት ዘርኢ genocide ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ተፈፂሙ፤ ካሕሳ ይትረፍ ሐዚ እውን ተሓታትነትን ፍትሕን ኣይተረጋገፀን፤
* ኣብ ኢትዮጵያ ውክልና ዘይብላ ትግራይ፤ ንምሕዋይ ንዳግመ ህንፀትን ልምዓትን ዝኸውን በጀት ኮነ ሓገዝ ከይትረክብ ተገይሩ፤ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝኸፍአ ድኽነት ይፀንት ኣሎ፤
ስለዙይ ሙሉእነት ምትግባር ስምምዕ ፕሪቶሪያን ናይሮቢን ብዝምልከት፤ ማሕበረሰብ ዓለም ኮን ምምሕድዳር ትግራይ ካብቱ ናይ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት "ምስ ጀኖሳይደር ተቐራሪብካ ምስራሕ" ዝብል ጌጋ ትምህርቲ ወሲዱ፤ ህፁፅ ፀቕጢ ንኽገብር፤ ተወከልቲ ልኡኽ ሰላም ትግራይ ዕዙዝ ሓላፍነትን ግድነትን ኣለኩም::

ልዕሊ ኹሉ መሬት ትግራይ ብባዕዳውያን ሓይልታት ምጉባጡን፤ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ቀፂሉ ዘሎ ፅንተት ከስዕቦ ዝኽእል ሰብኣውን ፀጥታውን ሳዕቤን ኣፍልጦ ብምሃብን፤ ዳግም ክመፅእ ዝኽእል ተፃብኦታት ንምክልኻል ዘኽእል ውሳነ ህፁፅ ኣተገባብራ እቱ ስምምዕ ከሕልፍ ኣለዎ:: እዙይ ድማ ቅድሚ ተቐራሪቡ ዘሎ እዋን ኣዝመራ ተመዛበልትን ስዱዳትን ናብ መረበቶምን ሕርሽኦምን ምምላሶም ንፅባሕ ዝብሃል ኣይኮነን::

ኣብዙ ቀረባ እዋን መንግስቲ ብልፅግና ዝነዝሖ ዘሎ፤ ተፃብኦታት ከባልሑ ዝኽእሉ ናይ ሓሶት መደናገርታት ብዕቱብ ኣብ ምቅላዕን ፅፁይ ሓበሬታ ንማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ምቕራብን ኣብዙ መድረኽ ንኽትተዓፃፀፉ ተስፋ ንገብር! Article text here