INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ጸሎታን በረኸታን ናባና ይሕደር ኣሜን

በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ
ኣ....ሜ.....ን

ተኣምረ ማርያም ደብረ ምጥማቅ 21 ግንቦት

ጸሎታን በረኸታን ናባና ይሕደር ኣሜን።
ኣምላኽ ዝወለደት ብነብስን ብስጋን ድንግል ዝኾነት ዝገበረቶ ተኣምር እዚ እዩ።

ኣብ ሃገረ ግብጺ ኣብ ደብረ ምጥማቅ ኣብ ትብሃል ቤተክርስትያን ካብ ምብራቅ ክሳብ ምዕራብ ካብ ሰሜን ክሳብ ደቡብ ካብ ኩሉ ቦታ መጺኦም ይእከቡ። እዚኦም ኩሎም ዳስ ተኺሎም ድንኳን ዘጊሖም ካብ ዕለት 21 ጀሚሮም ክሳብ ዕለት 25 ብፍጹም ደስታን ብፍጹም ክብርን ናይ ድንግል ብዓላ ምኽባር ይጅምሩ።

ቅድስት ድንግል ኣዴና ማርያም ድማ ካብ ግንቦት 21 ጀሚራ ክሳብ ዕለት 25 ብዘይ ምቁራጽ በዘን 5 ዕለታት ምስ መላእኽቲን ሰማእታትን ጻድቃንን ትግለጸሎም ነበረት። ክርስትያንን እስላምን ብጋህዲ ተገሊጻ ይርእይዋ ነበሩ። ብፍጹም ክብርን ብፍጹም ደስታን ብዓላ የኽብሩ ነበሩ። ብዕለት 21፣ 22፣ ከምኡ’ዉን ብዕለት 23 ምስኣቶም ከምኡ ድማ ብዕለት 24 ናብ ሃገረ ግብጺ ዝኣተወትሉ ዓቢ በዓል እዩ። በዚ ተጠቒሱ ዘሎ ዕለታት ኣዲና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ትገብሮ ዝነበረት ተኣምር ብዙሕ እኳ እንተኾነ ኣብ ተኣምረ ማርያም ቁጽሪ 17 ከም ኣብነት ወሲድና ከምዚ ዝስዕብ ተዘርዚሩ ይርከብ።

ዎ ህዝበ ክርስትያን ኣብ ደብረ ምጥማቅ ዝተሰርሔ ኣብ ናይ እግዝትነ ማርያም ቤተ ክርስትያን ዝተገብረ ዓቢ ተኣምር ክነግረኩም ስምዑ። ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ክርስትያን ንጉስ ኣፍረንጊ፡ ንጉስ ሮማን ሶርያን ሜሮን ከም ልማዶም በዓል ከኽብሩ ኣብ ደብረ ምጥማቕ ኣብ ዝተሰርሔት ዉሽጢ ቤተ ክርስትያን ተኣኪቦም ከለዉ እግዝትነ ማርያም ኣብ ደብረ ቁስቋም ክትግለጸሎም ከላ እገሌ ዝበሃል ሰማዕት፡ ወይ ጻድቕ ወይ ነቢ ኩሉ ዝደለይዎ ኣዕርኽቶምን ኣዝማዶምን ከይተረፉ ኣምጽእልና ኢሎም ናብኣ ይልምኑ ነበሩ። ድንግል ድማ ዝለመንዋ ከም ቅጽበት ዓይኒ ቀልጢፋ ተምጽኣሎም ነበረት።

ሓደ ሊቀ ጳጳስ ካብ ያዕቆባዉያን ነቶም ዝተኣከቡ ሎሚ መዓልቲ ኣቦና ኣዳምን ኣዴና ሔዋንን፡ እሶም ስለ ዝኾኑ መሰረት ናይ ኩሉ ፍጥረት ሰብ ምእንቲ ንዕኦም ከተምጽኣሎም ጸሎት ግበሩ በሎም። ሊቀ ጳጳስ ድማ ዓይኑ ንሰማይ ጠሚቱ ኣእዳዉ ዘርጊሑ ብጥቡእ ልቢ ብክልተ ወገን ድንግል ዝኾንኪ ንዝለመናኪ ሰማዒት ይቕረ ባሃሊት፡ ኦ ብርኽቲ እመቤተይ ቅድስቲ ድንግል ማርያም እልምነኪ ኣለኹ።

ንዝለመናኪ ዘይትኸልኢ ብምሕረትኪ ኣሚነ ኣለኹ እሞ ኣብዚ ዝተኣከቡ ህዝቢ ኩሎም ኣቦና ኣዳምን ኣዴና ሔዋንን እንተ ተርእይና ምኣኸለና። ኢሎም ከተርኢዮም ይምነዩ ኣለዉ በለ። እቲ ሊቀ ጳጳስ ንድንግል ከምዚ ኢሉ ምስ ለማና፡ ኣዳምን ሔዋንን ኣምጽኣትሎም፡ ዘምጽኣትሎም ንሶም ጥራይ ኣይነበሩን፡ ናይ ደቂ ሰባት ናይ ፍጥረት መጀመርያ ዝነበሩ ኩሎም ኣብርሃም፡ ይስሓቕ፡ ያዕቆብ ነበሩ። ዓሰርተ ሓሙሽተ ነብያትን ዓሰርተ ክልተ ሓዋርያትን ንጉስ ዳዊት ምስ መስንቅኡ ሙሴ ድማ ናይ መንፈስ ዝናር ተዓጢቑ መጸ።

ንኣዳምን ንሔዋንን ተገሊጾም ምስ ረኣዩዎም ኣቶም ኣብኡ ዝተኣከቡ ህዝቢ ኩሎም ንስኻትኩም ኢኹም ናይ ልዑል ሕጊ ጥሒስኩም፡ ናይ እግዚኣብሔር ትእዛዝ ኣፍሪስኩም፡ ዕጸ በለስ ብምብላዕኩም ካብ ገነት ተድላ ዘዉጻእኩምና በልዎም። ዎ ኣዳም ናይ ሞት ፍርዲ ዘምጻእካልና እንታይ ጌርናካ፡ ዎ ኣዳም ማሕደረ ሂወት ገነት ኣቲና ክንርእያ ዘይገደፍካና እንታይ ጌርናካ፡ ዎ ሔዋን ካብ ዘይተኣዘዘልኪ ዕጸ ሰሪቅኪ በሊዕኪ፡ ብኣእዳዉኪ ብዕዳ ዘትሓዝክና እንታይ ጌርናኪ በሉ። ሽዑ ኣዳምን ሔዋንን ርእሶም ኣድነኑ ካብ ኣዒንቶም ንብዓት ኣንጠብጠበ፡ እግዝትነ ድንግል ማርያም ግን ብልምሉማት ኣጻብዕታ ንብዓቶም ደረዘትሎም። ኣብቲ ግዜ እቲ ካብ ላዕሊ ካብ ጉልላት ቤተ ክርስትያን ኣቱም ህዝበ ክርስትያን ኣብ ልዕሊ ኣዳምን ሔዋንን ኣብ ልዕሊ ወለድኹም ከምዚ ክትብሉ ኣይትኽእሉን።

ናይ ፍጥረት ደቂ ሰባት ጉንዲ ሱር ክኾኑ ከለዉ ንስኹም ድማ ናይታ ገረብ ጨንፈር ኢኹም፡ ካልእ ከኣ መጽሓፍ ንወላዲኻ ናይ ነቀፋን ጽልእን ቃል ኣይትዛረብ እዩ ዝብል፡ ቃል ወጸ። ሽዑ ኣብ ቤተ ክርስትያን ደብረ ምጥማቕ ዝተኣከቡ ህዝቢ ዓቢ ስንባደን ፍርሓትን ኮነ ብግምባሮም ፍግም ኢሎም ወደቑ፡ መሊሶም ዎ ኣዳምን ሔዋንን ድፍረት እዩ እምበር ንዓኹም ክነቅፍ ኣይግብኣናን እዩ ኮ፡ ዎ ኣዳምን ሔዋንን ንስኹምሲ ብናይ ጎይታ ደም ብዘይ ምክልኻል ናይ ቀዳማይ ርስትኹም ኣቲኹም ኢኹም።

ብሓደ ወድኹም ንዝኣመና ንዓና ርስትና ምሳኹም ይኽፈለና፡ ብኣማን ኣርኣያኹም ኣምሳልኩምን ኢና በሉ። ካብ ሕጅስ ዝነገሩኺ ኩሉ እትሰምዒ ኦ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ሰላምታ ንዓኺ ይግባእ። ንስኺ ናባኺ ምስ ለመንና ናይ ደቂ ሰባት ናይ መጀመርያ ፍጥረት ኣዳምን ሔዋንን ኣርኢኽና ኢኺ እሞ፡ ስለዚ ነኽብረክን ንዉድሰክን ብሓቂ ኣብ ልዕሊኹሉ ኩሉ ዝከኣለኪ ኢኺ እናበሉ ከመስግንዋ ጀመሩ። ድሕሪ እዚ እግዝትነ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ንዝተኣከቡ ህዝቢ ባሪኻ ምስቶም ቅዱሳን ብዓቢ ክብሪ ናብሰማያት ዓረገት።

ንሳቶም ከኣ ንእግዚኣብሔር ኣምላኽ ዝወለደት ብነብስን ብስጋን ንድንግል ዝኾነት ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም እናመስገኑ ብፍስሃ ነናብ ቤቶም ተመልሱ።

ጸሎታን በረኸታን ንዘልኣላም ምሳና ይኹን፡ ኣሜን። “እግዝትነ ማርያም መጺኣ ኣብ ቅድሚኡ ጠጠዉ ኢላ ኣንታ ሰይጣን እንታይ ግበር ትብሎ ኣለኻ ነዚ ፈላሲ፡ ብነገርካ ከተስሕቶ ዲኻ ደሊኻ። ከም’ዚ እንዳበለት ገጹ ጸፍዓቶ እሞ ልቡ ጠፊእዎ ከም ምዉት ኮነ፡ ነቲ ፈላሲ ከኣ ሓቒፋ ሒዛ ርእሱ ሰዓመቶ።” (ተኣምረ ማርያም 27)

“ኦ ፈጣርየይ ክሳብ መዓስ እያ እዛ ሰበይቲ ማሕደር ኣጋንንቲ ክትከዉን፡ ክሳብ መዓስ’ያ ንሕግኻ እናጥሓሰት ነብሳ ከተጥፍእ፡ ሎምስ ይኣኽላ። እቶም ምስኣ ዘለዉ ኣጋንንቲ ናባይ ይሕለፉ’ሞ ንዓይ የሳቕዩኒ” (ኣባ መቓርስ ንሓንቲ ኣመንዝራ ምስ ርኣይዋ ዝበልዎ ቃል)

ግንቦት 25 ጎይታና መድሃኒናን እየሱስ ክርስቶስ ዝነቀጹ ኣባትር ዘለምለመሉ ዕለት እዩ።

“ኣዒንቲ እግዚኣብሔር ናብ ጻድቃን ኣእዛኑ ከኣ ናብ ኣውያቶም እየን።” መዝ.34፡15

ስብሃት ለእግዚአብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር ኣ.....ሜ.......ን