INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ፀሊም ጎይታ!!

ናይ ገድሊ ስሙ 'ባርያው' ላተብሃለ ይፍለጥ ።መልክዑ ሃሪ ማዕተብ ልመስል፤ ፀሊም ስለልኾነ መስለኒ ብልተፈላለዩ ስማት ላተፀውዐ ይሰምዕ እየ።ደቂ ራያ ኣዕርክቱ 'ማጋል' ላበሉ ይፅውዕዎ።ማጋል ማለት ብከባቢ ወጀራትይ ራያይ ልፀሊም ብዕራይ ልወሃቦ ስም ምዃኑ 'ኳ ብፃይ ሞላ ሓድስ ነጊሩኒ ነይሩ(NB 'ብዕራይ' ልብል ቃል ኣብ ናይ ንጉሰ ኣባዲን ኢያሱ በርሀን ደርፊታት፤ኣብ ናይ ድዮስቶቪስኪን ፓውሎ ኮሎን መፃሕፍቲ ን'ጅግና' ሲምቦላይዝ ይገብር)።

ኣበይ ሃምልዓበየ ኣይፈለጥኹይ ትግርኛ ኮለተፍተፍ ላበለ እዩ ልናገር።ሓደ ሓደ ኣዕርክቱ ለለ 'ፀሊም ጎይታ' ይብልዎ።ከተማ ኲሓ መሪቓ ላብ ገድሊ ካብ ልለኣኸቶም ደቂ ትግራይ ሓደ እንትኾን ካብቶም ፍሉጣት ኣቦ ድሽቃታት ሓዲኡ እዩ።

ኣብ ገረብ ኣጎ፤ሰንዓለ፤ጉሮሮ፤ማእኸል ሰግሊ፤ዓዲዕሽር፤ዓዲዓውሶ፤ወርቂ ዲኖ፤ፊናርዋ፤ቸሊ፤ማይማዕዶ፤ነቕሰገ፤ባላ፤ኣውራ፤ኣላሊሱቡላ፤ጭፍራ...ልበሉ ውግኣት ኣቦ ድሽቃ ኮይኑ ተዋጊኡ።ኩለን ዓረራት ባርያው ካብ ኣፈሙዘን ተወፂአን ኣብ ሃናት ፀላኢ ይዓልባ።

ባርያው ዕረፍቲ ኣይፈቱይ፤ውግእ እዩ ልፈቱ።ሓለፍቱይ ብፆቱይ መኽበሪ፤ልደቂ ኣንስትዮ ተጋደልቲ ፍሉይ ኽብሪ ለለዎ...ፍቕሪ ልኾነ መንእሰይ። ጋጊምና 'ትግራይ ትስዕር' ንብል ትግራይና ሃም ባርያው ልበሉ ደጋጊማ ትወልድ ስለንርኢ እዩ!!

ትግራይ ትስዕር!!፧
(ፎቶ፦ብፃዩ ጥይት ክሳብ ዘምፅአሉ እናተፀበየ፤ኣብ ሃይሃይታ ውግእ ያሎ፤ዓፋር)

Read More