INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ሓፂናዊ ሓድነት ህዝብና!- ዋሕስ ሃለዋትን ድሕንነትን ትግራይና እዩ!!

ፖለቲካዊ ኣፈላላያት፣ ብዘተን ሰላምን ናይ ምፍታሕ ልምድን ተመኩሮን፣ ንህዝብን መንግስትን ትግራይ ሓድሽ ኣይኮነን። ህዝቢ ትግራይን መራሕቱን ኣብ እዋን ካልኣይ ወያነ ይኹን ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታትን፣ ኲናት ብዘተ ንክፍታሕ እማመ ሰላም እናቕረቡ መፂኦም እዮም። ምኽንያቱ፣ ህዝብን መንግስትን ትግራይ፣ ኣብ ዝኾነ ኩርናዕ ዓለም ካብ ዘሎ ኣስታት ሸሞንተ (8)ቢልዮን ህዝቢ ንላዕሊ ሰላም ከምዘድልዮምን፣ ረብሕኡ ድማ እንታይ ከምዝኾነ ስለዝፈልጡ እዩ። ብኣንፃሩ ኲናት ዘስዕቦ መዘዝ፣ ህልቂትን ዕንወትን ምዃኑ ብተግባር ይርእይዎን ይነብርሉን ስለዘለው ጥራሕ እንተይኮነስ፣ ሽቶ ህዝባዊ መኸተና ‘ውን ሰላም ምንጋስ ምዃኑ ብዕምቆት ተረዲኦም ስለዝቃለሱ እዩ።

ብምዃኑ፣ ልዕሊ ኩሉ ‘’ድፋዕ ህልውናና ኣየድፍርን’’ ኢሉ ንልዕሊ 74 መዓልቲ፣ ቀትርን ለይትን ብዘይ ዕረፍቲ ዝተዋደቐን፣ ኣብዝኾነ ኩርናዕ ዓለም ዘይተረኣየ ጀግንነት ንዘርኣየ ሰራዊት ትግራይን ህዝባዊ ኲናት ይመርሕ ንዘሎ መንግስቲ ትግራይ ብሓፈሻ፣ ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ ካብ ዝኸፍኣ ብርሰት ንምድሓን፣ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካን ኬንያን፣ ንህዝብን መንግስትን ትግራይ ወኪሎም ሰነድ ስምምዕነት ዘተን ንመፈፀሚኡ ሞዳሊትን ሰላም ንክፍረም ናይ ሞትን ሕየትን ቃልስን ዘይተሓለለ ፃዕርን ንዝገበሩ ኩሎም መራሕትና ዘለና ክብሪ ዝለዓለ እዩ።

ኣብዚ ምዝካር ዘድልዮ ጉዳይ ኣሎ። ካብ ናይ ባዕልና ተመኩሮ ጥራሕ እንተይኮነስ፣ ቀዳማይን ካልኣይን ውግኣት ዓለም ‘ውን እንተኾነ፣ ህይወት ሚልዮናት ምስበልዐን፣ ማእለያ ዘይብሉ ሃብትን ንብረትን ኣብ ዘዕነወሉ ፅባሕ፣ እቲ ኲናት ዝዓለበ፣ ኣብ መወዳእታ ብዝተገበረ ዘተ ሰላም እዩ።

ብምዃኑ ትማሊ፣ ሎሚ ይኹን ፅባሕ፣ ጉዳይ ሰላም ንህዝብን መንግስትን ትግራይ ነቕ ካብ ዘይብል መትከል ይብገስ ጥራሕን ጥራሕን እንተይኮነስ፣ ዘላቕነት ዘለዎ ህልውናን ራህዋን ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋፅ ዘኽእል፣ ኣልፋን ኦሜጋን ብሕታዊ መስርሕ ኣገባብ ቃልሲ ስለዝኾነን እዩ፣ ቀዳማይ ምርጫና ገይርና እንዋደቐሉ ዘለና። ነዚ እውን እዩ ወከልቲ ህዝብን መንግስትን ትግራይ፣ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ፕሪቶርያን ኬንያ ናይሮቢን ሰነዳት ስምምዕነት ሰላምን መፈፀሚ ሞዳሊትን ፈሪሞም ዘለው። እቶም ሰነዳት ዝፈረምዎ እውን ብመሰረቱ ማእኸሉ ረብሓ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ንምርግጋፅ ምችዊ ኩነታት ክፈጥሩ ይኽእሉ እዮም ብዝብል እምነት ከምዝኾነ ዘማትእ የብሉን። ማለት እውን ኣብዚ እዋን ብቐንዱ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ዘሎውሉ ወድዓዊ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው እቶም ሰነዳት ከምእተፈረሙ ምርዳእ ኣየፀግምን። ህዝቢ ትግራይ ሰላማዊ ቃልሲ ዝመርፀሉ ቀንዲ ጉዳይ፣ በቢእዋኑ ዝበፅሖ ዘሎ ስነ-ልቦናዊ ስምብራት፣ ሰብኣዊ ህልቂት፣ ማሕበረ-ኢኮኖምያዊ ቁልውላውን ንምፍታሕ መዳርግቲ ዘይብሉ መስርሕ ምዃኑ ብምርዳእ እዩ። ብሓፂሩ ኣብዚ እዋን ኣብ ኣርባዕቲኡ ኩርናዕ ዓለም ካብ ዘሎ ኣስታት ሸሞንተ/8/ ቢልዮን ህዝቢ፣ ብቐዳምነት ሰላም ዘድልዮ ህዝቢ ምዃኑ ስለዝኣምን እዩ።

ይኹን ዳ’ምበር፣ ዋላ እኳ ህዝብና ሰላም ዘድሊ ምዃኑ ዘየማትእ እንተዀነ፣ ናይቲ ብወከልቲ ትግራይ ዝተፈረመ ሰነድ፣ መበገሲ፣ ትሕዝቶን ትርጉምን፣ ብሓፈሻ ንህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ረብሓ እንታይን ከመይን ከምዝዀነ፣ ዝርዝር መብርሂ ብዝምልከቶም ኣካላት ብእዋኑ ስለዘይተወሃቦ፣ ኣብ ውሽጥን ደገን ዘሎ ህዝብና፣ ምጥርጣርን ሰንፈላልን ተራኣዩ እዩ። ብድማር ዝበዝሕ ደላዪ ሰላም ህዝብና ስኣን ግልፅነትን ብገርሁን ምድንጋር ተራኣዩ እዩ። ብኣንፃሩ ውሑዳት ድማ ብጉርሒ ማለት ‘ውን ተሓቢኡ ዝፀንሐ ዕሙት ድሌቶም ተግባራዊ ንምግባር ክፍተት ረኺብና ኢሎም ከምኣመሎም፣ ብዕራይ ወለደ ወረ ከም ቫይረስ እናላብዑ፣ ህዝብና ከምወትሩ ኣብቲ ይቕየር ዘሎ ዝመስል ኣገባብ ቃልሲ ምሉእ ርድኢት ሃልዩዎ መዓንጥኡ ሸጥ ኣቢሉ ከይቃለስ፣ ሓድነቱ ንምሽርሻር የማነ ፀጋም ፀፋዕፋዕ ይብሉ ኣለው።

ይኹን እምበር ገለ ብገርሂ ፣ ገለ ከዓ ብሽርሒ ነቲ ከይድን ውፅኢትን ዘተ ከፀልሙን ንተደራደርቲ ትግራይ ዘይሽሞም ክህቡን ላሕ እንትብሉ ንርኢ ኣለና። ስለዝዀነ፣ ተፀማማይ፣ ተፃዋራይን ንቑሕን ህዝብና፣ እዞም ኮነ ኢሎም፣ ነቶም ሰነዳት ስምምዕነት ሰላም እናቐናፀቡ፣ ከምልማዶም ቀደምሰዓብ ኣጀንዳታት እናሓማዘቑ፣ መንግስቲ ትግራይ ብሓፈሻ፣ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ተደራደርቲ ዘተ ሰላም መራሕትና ዘካይድዎ ዘለው መፀለምታን በለካ-ለኻዓካን ከይተገደሰ፣ ሎሚ እውን ከምትማሊ ምስ ዝመረፆ መንግስቲ ትግራይ ሓድነቱ ኣስጢሙ፣ ዘሎ ጭቡጥ ሓቂ ተረዲኡ፣ ዕማማት ህዝባዊ ኲናት ብሓፈሻ፣ ብፍላይ ጉዳይ ሰላም፣ ኣብ ሽትኡ ንምብፃሕ መኸትኡ ንዝበለፀ ከሐይል ይግባእ። ባህግን ድልየትን ህዝብን መንግስትን ትግራይ ዝተረኸበ ዕድል ሰላም ፀንቂቕካ ምጥቃም እዩ። ስለዚ ህዝባዊ ቃልስና፣ ብዓወት ንክዛዘም ኩሉ፣ እጃሙ ከወፊ ይግባእ።

ብድማር ህዝቢ ትግራይ፣ ኣብዚ እዋን በፂሕዎ ካብ ዘሎ ከቢድ ሓደጋ ንምድሓን፣ መተካእታ ዘይብሉ ተራ ዝተፃወትን ይፃወት ዘሎን መንግስቲ ትግራይን ተደራደርቲ ዘተ ሰላም ወከልቲ መንግስቲ ትግራይን፣ ኩሉ ዝገበርዎ ምንቅስቓስን፣ ዝፍርምዎም ሰነዳትን፣ ረብሓ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ብዘረጋግፅ ኣገባብ ንምትግባርን፣ ኣብቲ ቀንዲ ሰነድ ዘለዎ፣ ብዘተን ስምምዕነትን ክስተኻኸሉ ዝግብኦም ጉዳያት ረብሓ ህዝብና ብዘረጋግፅ ኩነታት መልክዕ መልክሕዙ፣ ሓፂናዊ ሓድነትና ክንተርር ይግባእ።

ስለዝዀነ ኣብዛ መተዓዛዘቢት ቀጣን እዋንን ወሳናይ መድረኽን፣ ሰላም፣ ህዝቢ ትግራይ ክረጋገፅ ዘየድልዩ፣ መተዓናቐፍቲ ብሓፈሻ፣ ብፍላይ ኣሰላልፍኦም ምስ ፀላእቲ ሓይልታት ዝኾኑ ኣካላት ብትረት እናተቓለስና፣ ዋሕስ ሃለዋትን ድሕንነትን ትግራይ ዝኾነ ሓፂናዊ ሓድነት ህዝብና ብዝበለፀ ኣጠናኺርናን ብንቕሓት እናተኸታተልናን፣ ከምወትሩ ብውሕድና፣ ሚልዮናት ዝሰርሕዎ ስራሕ ብተግባር ብምርኣይ፣ እዚ ከይዲ ሰላም ናብ ረብሓና ንምቕያር ቀትርን ለይትን ክንረባረብ ኣለና ይብል። ማለት እውን መንግስቲ ትግራይ ክስተኻኸሉን ክውሰኹን ኣለዎም ኢሉ ዝሓዞም ጉዳያት ከምዘለዉ ብውነ ተረዲእና፣ ከምኡ ’ውን ጀኖሳይድን ካልኦት ዓለም-ለኸ ገበናት ንኽፃሪ ትካል ሕቡራት መንግስታት ዘጣየሾ፣ መፃረዪ ኮምሽንን ኣብ ዓለምና ተሰማዕነት ዘለዎም ሚድያታትን ናብ ትግራይ ኣትዮም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀሙ ገበናት ብኣካል ተረኺቦም ንክምርምሩን ንክዝግቡን ግቡእ ቃልሲ ክነካይድ ኣለና። ብድማር ሰነዳት ስምምዕነት ዘተ ሰላም ንክንፍርም ዘይተሓለለ ቃልሲ ዝገበረ ሓላል ህዝቢ ትግራይ፣ ጉዳይ ሰላም ኣብ ባይታ ወሪዱ ናብ ነገራዊ ሓይሊ ንከይልወጥ ህርድግ ዝብሉ ዘለዉ ናይ ውሽጥን ደገን ሓይልታት ብሓፈሻ፣ ብፍላይ ኣረመነ ጭፍራ ውልቀ መላኺ ኢሳያስን መሻርኽቱን ዝፍፅምዎ ዘለው ኣረሜናዊ ጀኖሳይድ፣ ብጥሙር ሓድነት ተቓላሳይ ህዝብና ከምዝምከት ኣነ ብወገነይ ኣይጠራጠርን።

ኣብ ቀፃሊ ብኻልእ ፅሑፍ ክሳብ እንራኸብ ሰሰናዩ ንህዝብና እምነይ።

ስመኝሽ ተስፋዬ የኋላሸት ሕዳር 2015 ዓ.ም

(እዚ ፅሑፍ ናይ ውልቀ ርእይቶ እዩ፤ ስለዝኾነ ናይ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ እምነትን ቅዋምን ከምዘይኮነ ክነፍልጥ ንደሊ)