INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ሕ.ወ.ሓ.ት ዝኽተሎ መሪሕነት

ሕ.ወ.ሓ.ት ዝኽተሎ መሪሕነት #Collective #Leadership እዩ። ሓደ ሰብ ክትነቅፍ፣ ክትድግፍ፣ ክተድይብ፣ ክተውርድ ብናይ ውልቀሰብ ድሌት አይኮነን። ብሓባር ውሳነ እዮም ዝውስኑ እዚ ማለት ግን ውልቀ ሰባት ግደ የብሎምን ማለት አይኮነን። እቲ ውልቀ ሰብ ናይ መሪሕነት ተርኡ #influencer እንተኾይኑ ንቲ ናይ ሓባር ወይ Collective Leadership ናይ ምቅያር ክእለት ክህልዎ ይኽእል እዩ።

እንተዘይ ኮይኑ ተሓደ መፀ ተሓደ ወረደ ኣብቲ sysyem ናይቲ ስርዓት #fundamental #change ብዙሕ አይክህሉን። ተጋዳላይ ዶ/ር ደብረፅዮንን ተጋዳላይ ጌታቸው ረዳን ኩሎም ናትና እዮም ካብ ካሊእ አይኮነን ካብ ሕወሓት እዮም ወፂኦም። ክልቲኦም ኣብ ፈታኒ እዋን መሪሕነት ዝተቀበሉን ብመከራን ፀባባን ዝሓለፉን ጀጋኑ እዮም። ንኩሎም ሰላምን ጥዕናን!

ንተጋዳላይ ጌታቸው ረዳ ሰናይ ስራሕ ግዘ ክኾነሉ ትምኒትና ኮይኑ ምስ መሳርሕቱ እዘን ዝስዕባ ንጥብታት ትፅቢት ንገብር

1. ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዘሎ ናይ ፀፅታ ፀገም ክፍታሕ

2. ዝተፈናቀለ ህዝቢ ናብ መረበቱ ክምለስ

3. መሬት ትግራይ ናብ መረበቱ ክምለስ ወረርቲ ክወፁ

4. ጅኖሳይድ ትግራይ ብስሙ ክፅዋዕ ምቅላስ

5. ሪፈረንደም ንምክያድ ካብ ሐዚ ጀሚርካ ምስራሕ

6. ኣብ ጦብያ ዘለው ዝተአሰሩ ትግረዎት ክፍትሑ

7. ዝመፀ ረድኤት ብአግባቡ ንህዝቢ ክበፅሕ ምግባር

8. ዕፅዋን ክባን መሊኡ ክኽፈት ምግባር።