INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ብፕሬዝዳንት ጌታቸው ረዳ ንዝምራሕ ጊዚያዊ መንግስቲ ትግራይ

ብፕሬዝዳንት ጌታቸው ረዳ ንዝምራሕ ጊዚያዊ መንግስቲ ትግራይ ሰናይን ዕውትን ዘመን ስራሕ እምነ! ከም ሓደ ተወላዲ ትግራይ ድማ ዓቕመይን ኩነታትን ብዝፈቐዶ ኩሉ ምስዙ ግዚያዊ መንግስቲ ትግራይ ንምስራሕ ቃል እኣቱ!

እዙ ጊዚያዊ መንግስቲ ኣብ ታሪኽ ትግራይ ገዚፍ ሓላፍነት ዝውሃቦ መደባት ከፈፅም ትፅቢት ዝግበረሉን፤ ኩሉ ንትግራይ ዝበለ ትግራዋይ ኣብ ጎኒ እዙ መሪሕነት ግድን ክስለፍ ዘለዎን፤ ወሳኒ ምዕራፍ ስግግር እዩ።

ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ትግራይን እዙ ጊዚያዊ መንግስትን ዘሎ ወሳኒግን ድማ ፈታኒ፣ ፅንዓት ሓድነትን ምትዕፅፃፍን ኩላትና ንትግራይ ዝበልና ተጋሩ ዝሓትት፣ ምስ ግዘ ብቕልጡፍ ክትግበር ዘለዎ መደባት ዝሓዘ ምዕራፍ ስግግር እዩ!

▪ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ብመንነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲታት ኢትዮጵያ ንዓመታት ተዳጉኖም ዘለዉ ኩሎም ተጋሩ ፖለቲካዊ እሱራት ክፍትሑ፤ ሙሉእ መሰሎምን ረብሖኦም ክረጋገፀሎም፤

▪ በጀትን ካልኦት ኩሎም ትግራይ ካብ ኢትዮጵያ ዝግብኣ መሰልን ረብሓታትን ብዘይገለ ዓንቀፍቀፍ ክኽበርን ክረጋገፅን፤

▪ ኩሎም ባዕዳውያን ሓይልታት ካብ ሉኣላዊ መሬት ትግራይ ክወፁ፤ ንዙይ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዕሊ ሓይልታት ኤርትራን ኣምሓራን ካብ ትግራይ ከውፅዕ ክእውጅን ክትግብሮን፤

▪ ሉዓላዊ መሬት ትግራይ ክኽበርን ብሚልየናት ዝቑፀር ካብ መረበቱ ዝተመዛበለ ህዝቢ ትግራይ ናብ መረበቱ ክምለስን ኣድላዪ ምጥያሽ ክግበረሉን፤

▪ ማሕበረሰብ ዓለም ዘቕርቦ ዘሎ ሰብኣዊ ረድኤትን መድሓኒትን ካልኦት ንዋትን ፋይናንስን ብዘይዓንቀፍቀፍ ብኣግባቡን ብእዋኑን ንቱ ዝተገፍዐ ህዝብና ተበፃሒ ክኸውን፤

▪ ኮሚሽን መፃረዪ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብናፃ ናብ ትግራይ ክኣቱን፤ ስርሑ ዓሚሙ ጀኖሳይድ ከምዝተፈፀመ ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ክርግጋፅን፤

▪ ንዙ ፅንተት ዝፈፀሙ ገበነኛታት ጀኖሳይድ ኣብ መጋባእያ ቤት ፍርዲ ዓለም ክሕተቱ፤

▪ ህዝቢ ትግራይ ተኻሒሱ፣ ሉዓላዊ ግዝኣቱ ተረጋጊፁ፣ ሙሉእ መሰል ዓርሰ ውሳንኡ ብሪፈረንደም ክረጋግፅ፤

▪ ብኹሉ ኣንፈት ንዓመታት ናብ ትግራይ ተነቢሩ ዘሎ ዕፅዋ መጓዕዝያ ምድሪ ክልዓልን ሓለዋ ክገብረሉን፤

▪ ውጉኣት ኣባላት ሰራዊት ትግራይን ስድራ ስውኣትን ግቡእ ክብሪ ተዋሂቡዎም ኩሉ ዘድልዮም ህዝባውን መንግስታውን ደገፍ ክግበረሎም፤

▪ ንፀጥታን ደሕንነትን ትግራይ ቀዳምነትን ፍሉይ ቆላሕታን ብዝሃበ ኣፈፃፅማ ኣብ ኣወዳድባ ሰራዊት ትግራይ ኣድላይ ምትዕርራይ ክግበርን፤ ብገበርቲ ሰናይ መንግስታትን ትካላትን ዝምደብ ፋይናንስ ተሃድሶ ሰራዊት ብግቡእ ናብ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ክበፅሕ፤

▪ ንሰለስተ ዓመታት ዕድመ ቁልዕነቶም ዝሰኣኑ ህፃውንቲ ትግራይ ናብ ቤት ትምህርቲ ክምለሱ፤

▪ ኣብ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ኩሉ ዝኸኣለ ትግራዋይ ሰሚሩ ሓድነቱ ኣደልዲሉ ብሙሉእ ዓቕሙ ክነጥፍ፤

▪ ብሓፈሻ ህዝቢ ትግራይ ከምህዝቢ ሙሉእ መሰሉ ረብሑን ክብሩን ተሓልዩሉ ብሰላም ብቅሳነት ብነፃነትን ራህዋን ክነብር ዝጅምረሉ ባይታ ምንፃፍ ይኸውን!

እዙ ኩሉ ህፁፅ ልኡኽቶ ብስሉጥን ዕውትን ኣፈፃፅማ ንምዕማም ድማ፤ እዙ ጊዚያዊ መንግስቲ ከመይ ንትግራይ ይመርሓ ዝብል ሕቶ፤ እቱ ቁልፊ ቀንዲ ሕቶ ይኸውን:: እዙ ብፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ጊዜያዊ መንግስቲ ትግራይ፤

▪ ንኹሉ ዓቕምን ሃናፃይ ፖለቲካዊ ቁጠባውን ማሕበራውን ሓሳባትን ትግራይ ዝሓቖፈን ዘሳትፍን፤

▪ ካብ ሕዱር ሕማም ስእነት ሰናይ ምምሕድዳርን ግዕዝይናን ዝፀረየ፣

▪ ማእኸሉ ኔትወርክ ስስዐን ፀቢብነትን እንተይኮነስ ህዝቢ ትግራይን ትግራይን ዝገበረ፣

▪ ህዝቢ ትግራይ ሙሉእ ዲሞክራሲያውን ሰብኣውን መሰሉ ተረጋጊፁሉ መፃኢ ዕድሉ ኣርሒቑ ብዝእምት ስትራተጂካዊ ኣፈፃፅማ ከኽብር ዘኽእል ምቹው ፖለቲካዊ ባይታ ምፍጣር፤

▪ ፓርቲን መንግስትን እንተይሓሟዘቐ ግልፅነትን ተሓታትነትን ዘረጋግፅ ትካላዊ መስርሕ ዘለዎ፤

▪ ንግዳማዊ ሓይልታት ፅግዕተኛን ግዙእን እንተይኮነስ ኣብ ውሽጣዊ ዓቕሚ ትግራይ ተደሪኹ ንግዳማዊ ረብሓታት ትግራይ ዘረጋግፅ፤

▪ ዝኸፋፍለና እንተይኮነስ ከም ኣፃብዕቲ ዘተሓባብረና፤ ንልምዓትን ዕብየትን ዝነጥፍን ተጠቃምነት ህዝቢ ትግራይ ዘረጋግፅን፤

▪ ለማስ ብኹነታት ዝቕደምን ንህዝብን ዓድን ናብ ሓደጋ ዘእቱ እንተይኮነስ፤ ንኹነታት ኣቐዲሙ ኣሚቱ ዝተዓፃፀፍ ንፁር ስልታውን ስትራተጂካውን ኣንፈት ዝጨበጠ ኣመራርሓ ጊዚያዊ መንግስቲ ትግራይ ግድንን ግድን ይኸውን!

ከምህዝቢ ትግራይ ዝወረደና ከቢድን መሪርን መስዋእቲ ፍረ ንኸፍሪ፣ ስውኣትና ክቐስኑን ካብ ፅንተት ዝተረፈ ህዝብና ምእንታን ከም ህዝቢ ተረቢሑን ተኸቢሩን ንኽነብርን፤ ኩሉ ንትግራይ ዝበለ ተወላድን ፈታውን ትግራይ፤ ምስዙ ጊዚያዊ መንግስቲ ትግራይ ተቐራሪቡ ኣብ ኣፈላላያቱ ተኸባቢሩ ንትግራይ ኣብ ዝበለ ሓባራዊ ኣጀንድኡ ሰሚሩ፤ ንክውንነት እዘን ዕማማት ሓፂርን ነዊሕን እዋን ትግራይ ኣትሪሩ ኣስጢሙ ክቃለስ መማረፂ ዘይብሉ ግድነት እዩ!

ክብርን ሞገስን ንሰማእታትን ኣካሎም ንዝኸፈሉን ጀጋኑ ትግራይ!
ካሳ ሃይለማርያም
ቴሌግራም : https://t.me/+HdnQzJcDXXJlMzBh