INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ትዕዝብቲ ሎሚ ቕነ (ብሕልፊ ኣብ ዝሓለፉ 3 - 4 ኣዋርሕ)!!

ብናይ ኤሪትሪያን ናይ ኢትዮጲያን ትካላት ድሕንነት ዝተሓንፀፀን ዓመት ዘቑፀረን ንመንግስቲ ትግራይን ንህወሓትን ናይ ምጥፋእን ኢሉ 'ውን ትግራይ ክትለምስን ንሓዋሩ 'ውን ናይ ምግንፃል፣ ዓርሰ ምሕደራን ካልኦትን ሕቶታት ከይተልዕልን ከይተሰጉመን ናይ ምግባር ሽርሕታትን ስራሕቲ መሊኦም ኣይሳኹዑን እምበር ዋላ ብዝተወሰነ መልክዑ ግን የፈፅምዎ 'ለዉ እዮም። ናይዚ ሓያልን ሓደገኛን ወፍሪ ግምባር ቐደም ተዋሳእቲ፣ መሳርሒታትን ተሓጋገዝትን ድማ ካልኦትን ንዞም ዝስዕቡ ዘጠቓልሉን እዮም።

1. ቅድሚ ሀዚ ኣብ ናይ ኣብይ ኣሕመድ ኣመራርሓ ኾይኖም ዝዋፈሩ ዝነበሩ ናይ ፌይስ-ቡክ ሰራዊት እናተብሃሉ ዝፅዉዑን ንትግርኛ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዝዛረቡን ብርክት ዝበሉ ተጠቀምቲ ፌይስ-ቡክን ዝተፈላለዩ ማሕበራው መራኸብትን

2. ብናይ ኤሪትሪያ ናይ ስለያ መሓውራት ዝተዋፈሩን ብግሎም ‘ውን ብናይ ትግራይ ፅላኣት ዝዓወሩን ኤሪትሪያውያን ተጠቀምቲን ነጠፍትን ማሕበራዊ ሚድያታት

3. ኣብ ህወሓት ብዘሎዎም ፅልኢትን ቂምን ዝዓወሩ ተጋሩ ተጠቀምቲን ነጠፍትን ማሕበራዊ ሚድያታት ከምኡ 'ውን ካባና ንላዕሊ ሙሁር የለን ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ኣብ ድንቁርናን ድሕረትን ዝነብር ህዝቢ እዩ ኢሎም ዝኣምኑን ኣብ ፎልስ ሪያሊቲ ዝጠሓሉ ሙሁራት ግን ኣዛዉሮ ለይብላቶም ሊቃውንቲ ትግራይ

4. በቲዘሎ ዕፅዋን ዝረአ ብዘሎ ካብ መጠን ንላዕሊ ዝኾነ ስቅያት ህዝቢ ትግራይን ትግራይን ዝተበሳጨዉን ዝጓሃዩን ተጋሩ ተጠቀምቲን ነጠፍትን ማሕበራዊ ሚድያታት

5. ብዘይ ምፍላጥን ብምፍላጥን ዘንጨብጭቡ ተጋሩ ተጠቀምቲን ነጠፍትን ማሕበራዊ ሚድያታት ከምኡ 'ውን ንህወሓት ናይ ምውጋድ ፅቡቕ ኣጋጣሚ ኸዚ ከምዝኾነ ዝገምገሙን ዝኣምኑን ኣመራርሓን ኣባላትን ተቓወምቲ ውድባት ትግራይ (ሓደ መፈትሒ 'ቲ ዘሎ ፀገም 'ውን ንህወሓት ምውጋድ እዩ ኢሎም ብምእማን)።

6. ብሕማም ኮንፍሊክት ኦፍ ኢንተርስት ዝሳቐዩ ተወለድቲ ትግራይ፤ ማለት 'ውን ናታቶም ዝተፈላለየ ናይ ናብራን ቤተ-ሰባውን ዝኾኑ ድሌታት ካብ ድሌታትን ሕቶታትን ህዝቢ ትግራይ በሊፁን ገዚፉን ዝረኣዮም ተበለፅቲ ዝኾኑ ተጋሩ

ዋና ትኹረት ወይከኣ መፈፀሚ ዕላምኦም ዝገበሩለን ነጥብታት ኸኣ እዘን ዝስዕባን ኻልኦትን ዘጠቓለለን እዩ።

1. ንመንግስቲ ትግራይ ምንሻውን ገጢሞም ንዘለዉ ኹሎም ሕልኽላኻት ንመንግስቲ ትግራይን ህወሓትን ከም ብሕታዊ ተሓታቲ ገይርኻ ምቕራብ

2. ንሰበስልጣን መንግስቲ ትግራይን ህወሓትን ብኣልማሚት ብዓቕሚ፣ ብፖለቲካዊን ዲፕሎማሲያዊ ንጥፈታትን ዱሩታትን ቱሑታትን ገይርኻ ምፅላምን ምግዋሕን ከምኡ 'ውን ፅዑቕ ፕሮፓጋንዳታት ብዘይዕረፍቲ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት መክያድን

3. ንመንእሰይ ትግራይ ምናልባታዊ ፍታሓት ፀገም ትግራይ እዞም ዝስዕቡ ጥራይ እዮም ኢሉ ክኣምን ምግባር/ኦፒንየን ኢምፕላንቴሽን ምክያድ: ምዕናው መንግስቲ ትግራይ/ ስግግር መንግስቲ ምጥያሽ፣ ዘይምኽንያታዊ ምቕያር ብመንግስቲ ትግራይን ብህወሓትን ዝተሓንፀፁ ናይ ልምዓትን ዲፕሎማስያዊ ርክባትን ፖሊሲታት ወይ ድማ መሊእኻ ንህወሓት ምድምሳስ/ዕልዋ ምክያድ፣ ስርዓት ኣልቦነት/ሎውለስነስ ክዓስል ምግባር ወዘተረፈ

4. ነቲ ገጢሙ ዘሎ ዙርያ ጥምጥም ፀገም፣ መንግስቲ ብህድኣትን ብምውዳድን መፍትሒ ከየመንጭው ምዝራግን ታህዲድ ምትእትታውን። ብሕልፊ ኣብ ሕርሻ፣ ጥዒና፣ ትምህርቲ፣ ኤሌክትሪሲቲ ፣ ኣብ ናይ ሰራዊት ሞራል ምሕላው ዝግበሩ ኣገደስቲ ስራሕቲ፣ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ርክባትን ኮምዩኒኬሽንን ድሕንነትን ዝኣመሳሰሉ ብህድኣት ከይሰርሕ ምግባር ወዘተረፈ

5. መራሕቲን ኣዘዝትን ሰራዊት ትግራይ ሓሳቦም ክከፋፈልን ሓድነት ኣልቦ ክኾኑን ምግባር ኢሉ 'ውን ኣብ ትልምን ንድፍን ድኹማት ብምግባር ስሚዒታውን ሓደገኛን ዝኾኑ ወታሃደራዊ ወፍርታት ክገብሩ ምድፍፋእ፤ ኣብ ሰራዊት ትግራይ ስርዓት ኣልቦነት ክታኣታተውን ክነግስን ምግባር

6. ንመንግስቲን ህወሓትን ብዘይ ምቁራፅ ምንሻውን ምሹቕራርን ከምኡ ‘ውን ህዝቢ ትግራይ መሊኡ ተስፋ ክቖርፅን ምግባር። ብሕልፊ ናይምንሻውን ምድሃልን ተግባራት ኣብ ዞም ዝስዕቡ ነጥብታት፤ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ዘካይዶም ናይ ሚድያ ስራሕቲ፣ ተግባራት ርክባት ወፃኢ፣ ዝተፈላለዩ ናይ ፕሮፓጋንዳ ስራሕቲን ህዝቢ ናይ ምርግጋእን ተስፋ ክሰንቕ ኣብ ምግባርን ዝውገኑ ስራሕቲ ወዘተረፈ

7. ህዘቢ ትግራይ መሊኡ ተስፋ ክቖርፅን ምንም ዓይነት ሕቶታት ከይሓትትን ከይሓስብን ምግባር። ማለት 'ውን ኣብ ናይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዘለዉ ሕጋዊ ሕቶታት፣ ዝተፈፀሙ ጄኖሳይድን ዘርኢ ምፅናትን ናብ ሕጊ ናይ ምቕራብ ሕቶታት፣ ሕቶታት ናፅነትን ዓርሰ ምሕደራን ወዘተረፈ

8. ማሕበረ-ሰብ ዓለም ትግራይን መራሕቲ ትግራይን ከም ቀንዲ ፈጠርቲ ተፃብኦን ቆስቆስቲ ጎንፅታትን ገይሩ ክሪኦም ከምኡ 'ውን ርከባቶም ደው ከብሉን ምእንታን ዝካኣሎም ምግባር

ትግራይ