INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ትዕዝብቲ :ኣዲስ ኣበባ ን መቐለን

ኣዲስ ኣበባ 2ሰሙን ተቐሚጥና ናብዛ ዕፅዋና ተመሊስና ዋ... እስኪ ዝተዓዘብናዬን ኣብ ሞንጎ ኣኣ ን መቐለን ዘሎ ኹነታት ክንፅሕግር !!

ብቐዳምነት ብኹነታት ተቐማጦ ኣኣ ተጋሩ ብጣዕሚ ሓዚነ ። ተጋሩ ኣብ ኣኣ ሕማቅ ኣለው ጥራሕ ዘይኮነስ ኹነታቶም ብጣዕሚ ዘናድድ እዪ። ሞሯላዊ ፣ ፋይናንሳዊ ፣ ኣካላውን ማህሰይቲ በፂሕዎም ... "ባሕታውያን" ዓይነት ህይወት ክነብሩ ተገይሮም። ብዙሕ ሰብ ፋሕ'ፋሕ ኢሉ ካብ ስራሕ ፣ ብዙሕ ድማ ኣብ ዕንይንይ ኣትዩ። እቲ ዝኸፍአ ድማ ብኹነታት ትግራይ ዓዶም ተረቢፆምን ተሻቂሎምን። ጉዳይ ጥምየት ፣ ሃለዋት ቤተሰቦምን ህዝቦምን ኣዝዩ የጭንቆም ፣ ካብ ትግራይ ዝረኽብዎ ሓቤረታ ውሑድን ዝንቡዑን እዩ። ኣብ ርእሲኡ ፀላእቲ ክንድዚ TDF ኸቢብና ወዲእናዬም ወዘተ እናበሉ ብሓሶት ፍርሕን ጭንቀትን ይሰድሎም ..... ማዓት ነገር እዪ። ካብዚ ብዝተፈለየ ግን ሓደ ሓደ ተጋሩ ጉዳይ ሰላም ፣ ኢትዬጵያ ናብ ንቡር ትምለስ ዶ እናበሉ ብተስፋ ዝነብሩ ፣ እቲ ኹነታት ጉዳይ ፖሎቲካ ጥራሕ መሲልዎም ኸይውስኑ ሰንፈላል ከም ዝኾኑ ተዓዚበ ኣለኹ። ኣነ ግን ታይ ይምዕዶም ... ጉዳይ ሰላም ፣ ዕርቂ ፤ ኢትዬጵያን ኣብቂዑ እዪ ። ንነብስኹም ኣብ ካሊእ ሃገር እትነብሩ ስደኛታት ምኻንኩም ኣእምንዋ ... ፍትሒ ፣ መብት ፣ ረብሓ ወዘተ ካብ ኢትዬጵያ ምፅባይ ጠጠው ኣብሉ። ሽዑ ንምውሳን ይጥዕመኩም ... እንተስ ሃጥ ኢልኩም ክትጠፍኡ ወይ ኣብኡ ክትድስክሉ....

ኣነ ኣኣ ምስ ኣተኹ ብጣዕሚ ተባሳጭየ ፣ ሓዚነ እውን። ንመዓልትታ ክኣምን ኣይክኣልኩን። ህዝቢ ትግራይ ብሓለንጊ ጥምየት ተዓፅዪ እናተገረፈ ፣ ብዓረር እናረገፈ ... ኣኣ ንእሽተይ ምልክት ኣብ ኹናት ዘላ ሃገር ዘምስል የብላን። ትግራይ ትኸፍሎ ዘላ ዋጋ እናስታወስካ ኣኣ ኸምዚ እናዘነጠት ክትርኢ ዕቡድ ይግብረካ ፣ ዓቅልኻ ትፅንቅቅ። ኣኣ ፣ ኦሮምያ ፣ ደቡብ ሕዚ እውን ኣብ ሃይሃይታ ልምዓት ከም ዘለዋ ፈሊጠ ኣለኹ። ኣኣ ሎሚ እውን ህንፃታት ትሰርሕ ኣላ፣ ኣስፋልታት ትሰርሕ... ዕዳጋ ተጋዪ ፣ ትበልዕ ፣ ተጋይፅ ኣላ። ትግራይ ተኾርምያ ብጥምየት ትግረፍ... ኢትዬጵያ ብኺሳራ ትግራይ ትዕንብብ ... ዘሕርር እዩ። ኣብ ኣኣ ንክትፀንሕ ፍፁም ኣይትብህግን ... ቀልጢፍካ ናብታ ዕፅውቲ ትግራይ ምምላስ ዝሓሸ ራህዋ ትረክብ ኮይኑ ይስመዓካ !! ... ዓቅልናን ሞሯልናን ፀንቂቅና ተመሊስና....

ኣብ ትግራይ ዘሎ ህዝብን ሓለፍትናን ኢትዬጵያ ሎሚ ፅባሕ ፈረሰት እናበሉ... ገሊኡ ተሰፋ ዝገብር ፣ ገሊኡ ድማ ከይትፈርሶ ዝጭነቅ እዪ ዝመስል እቲ ወግዕታቱ... ብገቢር ግን እዚ ኣብ መሬት የሎን፣ ብተቐራኒ እዪ ዝኾን ዘሎ። ኢትዬጵያ ተስካር ትግራይ እናበልዐት ትልምልምን ትሓብርን ዘላ እያ ትመስል ... ኮሽ ብዝበለ ቁፅሪ ትግራይ እናተመዘዘት ሮቋሒ ናይ መዕበሲ ኣፈላላያት ኾይና ትርከብ ... ትግራይ ትብሃል ክሳብ ዘላ ኹሎም ዓጀግ-መጀግ ኢትዬጵያውያን ንክሓብሩ ዝወሰኑ ይመስሉ .... ሓደ ሓደ የዋሃት ተጋሩ ናብራ ኸቢሩ ሞ ጦብያ ፈረሰት ፣ ኣብይ ጨነቆ እናበሉ ዝትስፈው ፍፁም ተጋግዬም ኣለዉ። ጦብያውያን ናብራ ተኸበረ ፣ ጭቆና ተፅዓቐ life style ቀይሮም ተለማሚጦም ዝነብሩ እምበር መብት ባ inflation ባ ኢሎም ዓመፅ ኣልዒሎም መንግስቲ ዝግልብጡ ኣህዛብ ኣይኮኑን። ነዙይ መረዳእታ ኣብ ኣኣ ናብራ ብምኽባሩ ብዙሓት ሰባት ናብ ምሸት ልመና ፣ ሳልቫጅ ፣ ወዘተ life style ቀይሮም ኣለው። መንግስቲ ለ ጉዳይ ድኽነት ዜጋታት ዘይዓጦ ... እንተደሊኻ ዳቦ ብሙዝ ብላዕ ፣ እንተደለኻ ኣኣ ገዲፍካ ተመርቀፍ ዝብል እዪ ። እዚ ውሳነ መንግስቲ ዝተፀንዐ ዘረባ እምበር ባጫ ኣይመስለንን... እዛ ጉዳይ ተቐቢሎም ንዓኣ ክትግብሩ ዝጀመሩ ዜጋታት ዘለው ይመስል ኣብ ኣኣ።

ጉዳይ ፋይናንስን ስራሕቲ ፕሮጀክታት ብዝገርም መልክዑ ብውሑዳትን ሰብ ግዜን ተባሒቶም እዬም ዝመስሉ። ሓደ ሓደ ተጋሩ ጦብያ ስራሕ የለን ጠፊኡ ፣ ፋብሪካ ተዓፅዩ ወዘተ ይብሉ ትሰምዕ... ዘወር ኢልካ ድማ ጉድ ትሰምዕ። ተጋሩ ጉዳይ ፋይናንስን ፕሮጀክታት 360 ዲግሪ ካብኦም ተዓፂፉ ጠፊኡ እዪ ... እቲ ፋይናንስ መንገዱ ቀይሩ ስለዝኾነ ብዙሓት ተጋሩ ናይ እማን ስራሕ ዘየለ ይመስሎም ይኾን ...ግን... ናይ ኣቅጣጫ ለውጢ እዪ እምበር ቅርሽስ ኣብ ዕዳጋ ተጋሒፉ ተዘሪኡ እዪ ዝመስል።

ብዙሓት ተጋሩ ንዓይ ሓዊሱ ... ኣብይ ናይ ኣምሓሩ ደጋፊ ወይ ሓሳብ ተሸካሚ መሲሉ ይስመዐኒ ነይሩ ...ነገር ግን ... ፍፁም ኦሮሞ ምኻኑ ተማሂረ ኣለኹ። ሃፍቲ ትግራይ ካብ ባንኪታት ተጋሕጊሑ ኣብ መሬት፣ ህንፃን ልምዓትን ዓዶም (ኦሮሞ) የውዕልዎ ኣለው። ናይ ትግራይ ባንክ ኣካውንት እንተሓቲትካ 'ቅርሽኻ ጁንታ በሊዕዎ' ኢሎም ኣካውንትኻ ይሽጉርዎ ፣ ካብ ባንክታት ኣውፂኦም ግን ኣብ ዘይንቀሳቀስ ሃፍቲ ኢንቨስት ይገብርዎ ኣለው ፤ ኣብ ዓዶም። ብ100፤ 50 ቢልዬናት ሓደሽቲ ኸተማታት ክሃንፁ ይጋየዩ ኣለው .... መሬት ብኣማኢት ሚልዬናት ይገዝእሉ ... ኣዬ ሃፍቲ ትግራይ !! ፅባሕ ትግራይ ከም ገለ ኾይኑ ኣኣ እንተትኸይድ እኳ ትረኽቦ ጥር ትብል ሃፍቲ ወይ ሰልዲ የለን። ... ባንኪታት ተጋሕጊሐን ብግለ ሰባት መሬት ተገዚኡሉ ፣ 00 መኪና ወዘተ ኾይኑ... ! መሬት ጎማ ገጢምካ ንትግራይ ኣይትወስዶ ነገር ..... ትግራይ ኣብ ርእሲ ክሰራኣ ካሊእ ዕዳ ከይትስከም ካብ ጦብያ ክትሃድም ጥራሕ እዪ ዘለዋ 👁

ሊሂቃን ኦሮሞ ብጣዕሚ ዝተፀንዐ smart move ዝገብሩ ዘለው ኾይኑ እዪ ተሰሚዑኒ ...ስነ ልቦና ተጋሩን ኣምሓሩን ተረዲኦም ብዙሕ ዘጫወቱናን ዝተጫወቱናን ዝመስላ ነገራት ሪአ ኣለኹ ( ንግዚኡ እቲ detail ምፅሓፍ ይትረፈኒ):: ብዙሕ ናይ ሰበ ስልጣን ተጋሩ መሬት ክንገዝኣኩም እናበሉ ንተጋሩ የተባብዑ ፣ ኣይትፍርሑ ዝዓይነቱ ፣ እቲ ናይ ባዕልና መሬት ብሕሳር ሹጡልና እሞ ካብ ዓድና ተቦርቂኩም ጡፉኡ ዝዓይነቱ እውን ይገብሩ ኣለዉ። በቲ ካሊእ ግን ጉዳይ ሰበ ስልጣናትን ወታሃደራት መራሕቲ ትግራይ እውን ዘሕንኽ እዪ ... ፎቆዶ ዱከም ፣ ኣኣ ... ብ 10ሺሕ ካሬ መሬት ጎቢጦምን ወሪሮምን ዝሓዝዎስ እንታይ እዬም ኽገብርዎ ዝሓስቡ ነይሮም ? ብስሩ ኹነታት እታ ዓዲ ናበይ ትኸድ ከም ዝነበረት ምንም ሓቤሬታ ኣይነበሮምን ድዩ ? ብመስተን ዕጥራንን ተደፊኖም ከም ጋሪ ንጉሆ ተሲኦም ንቅድሚቶም እዬም ይኸዱ ነይሮም በቃ። እዚ ብሽም ትግራይን ፣ መስዋእቲ ተጋሩን ዝተገብረ መነወሪ ተግባር ፣ ክሕደትን እዪ ። ሕዚ ድማ ትግራይ እቲ ዝልዓለ ዋጋ ጆኖሳይድ ትኸፍለሉ ኣላ። ገለ ገሊኦም መራሕትና ነዘን ዝወረርዎን መሬት ኦሮሞ ዘምልሱ እናመሰሎም ንሰራዊት ትግራይ ኣታሊሎም ንኣኣ ንኺድ ዝዓይነቱ ፅልዋን ድፍኢትን ኸይገብሩ ... ክንከታተሎም ኣለና። ይኾኖ !!

ትግራይን ተጋሩን ኣብ ልቢ ጦባውያን በፍፁም የላን። ኣነ ኳ በዚ ኣይግረምን ... ግን ሓደ ሓደ ተጋሩ ንምንታይ ዘይሓዘኑልና solidarity ዘይርኣዪ እናበሉ ኽባሳጨው ተዓዚበ ኣለኹ ። ጆኖሳይድ ካብ ዝፈፀመልካ ማሕበረሰብ ከምዚ ዓይነት ሓዜኔታ ምፅባይ ኳ ቅብጣን እዪ ዝመስለኒ ብስሩ ....

ኣብ ትግራይ ባንኪ የለን ፣ ደመወዝ የለን ፣ ስልኪ የለን ፣ መድሓኒት የለን ፣ ነዳጅ የለን ክትብሎም እንተለኻ " እውነትህ ነው ? ህዝቡ እንዴት ይኖራል ታድያ ? " ኢሎም ይሓቱኻ። ስለዘይፈልጡ ግን ኣይመስለንን ... በቃ ጉዳዬም ከም ዘይኾነ እዬም ዝነግሩኻ ዘለው። ዋሏ ገፆም እውን ብርህርህ ኢሉ ክትርኦ ትኽእል ኢኻ ... ስቋይካ እዪ ምንጪ ሓጎሶም ... ኣይትናደድ ... !!

ኣብ መቐለ ዘሎ ሰብ እውን ጦብያውያን ጉዳይ ትግራይ ተገዲሶም ዘዕልልዎን ፣ ከምዚ ኸማና ቱኹረት ገይሮም ዝዛተዪሉን እዪ ዝመስሎም .... ነገር ግን ... ንሕና ኢና ስለ ጦብያ ነዕልልን ንሟጎትን እምበር ንሶምስ ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ እውን ትዝ ንብሎም ኣይመስሉን። በቃ ኣይጉዳዬምን ፣ ኣይጣጥኦምን።

ትግራይ'ስ ቀልጢፋ ጎጆኣ ክትቅልስ ኣለዋ እምበር ፤ ከምዙይ ኢልካስ ኣይናብራን !!

... ክቅፅል እየ ....