INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብ TigrayNL ልተጽሓፈ ኹሉ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ኩናት ዘርኢ ምፅናት ትግራይ መዓዝ እዩ ተጀሚሩ?

ወርሒ የካቲት 2010ዓ/ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓደ ኣገዳሲ ስብሰባ ተፀዊዑ። ነዚ ስብሰባ በቲ እዋን ሚኒሰተር ደኤታ ሚኒስትሪ ፍትሒ ኢትዮጵያ ዝነበረ ኣይተ ተስፋኣለም እዩ መሪሕዎ። ላዕለዎትን ማእኸለዎትን ኣመራርሓ ህወሓት ዝተረኸብናሉ ስብሰባ እዩ። እዚ ጊዜ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣቦ ወንበር ህወሓት ኮይኑ ዝተመረፀሉ ጊዜ እዩ። ኣብ ወርሒ ሕዳር ህወሓት ን35 መዓልትታት መቐለ ኮፍ ኢሉ ዝተገማገመሉ እዋን እውን ከይትርስዑ። ኣብቲ እዋን ህወሓት ብዕሊ ከም ውድብን ከም ግለሰባትን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ንዝተፈጠሩ ፀገማት ብዕሊ ይቅርታ ዝሓተተሉ ጊዜ እውን እዩ። ኣብቲ ወርሒ የካቲት ዝተኣከብናሉ ምኽንያት እውን ነቲ ብቤትፅሕፈት ህወሓት ዝወፀአ ገምጋማዊ ሰነድ ንምንግጋርን ሓደሽቲ ኣመራርሓ ትግራይ ዘውረድዎ ዓርሰ ነቀፌታን፣ መፃኢ ዕድልን ፈተነታትን ኢትዮጵያ እውን ንምዝርራብ ዝዓለመ እውን እዩ። ንሕና ዝተተኣከብናሉ ቦታ ቢሮ ትራንስፖርት (ኣኣ ስተድየም ጥቓ) ዘሎ እዩ። ደኢህዴን (ደቡብ) ኸዓ ንበይኖም ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ተኣኪቦም ከም ዝነበሩ ይዝክር። ዝርዝር እቲ ናትና ኣኼባ በቲ ጊዜ ኣባል ማእኸላይ ኣመራርሓ ህወሓት ስለዝነበርኩ ኣብዚ ክዝርግሖ ናይ ውድብ ዲሲፕሊን ኣይፈቅደለይን እዩ።

ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ገምጋማዊ ሰነድ ውድብ ቀሪቡ። ቅድሚ ናይ ሻሂን ቡንን ሰዓት ዝተወሰነ ሰብ ኣብቲ ሰነድ ሓሳብ ቀሪቡ። ኣብ ኢትዮጵያ ሰፊሕ ፖሎቲካዊ ቅልውላው ተፈጢሩሉ ዝነበረ ጊዜ እዩ። "ፀገማት ኣሎ ኮይኑ ግና ምእንታን ታመጎጎ ትሕለፍ እታ ኣንጭዋ ኢልና ኢና" ዝብል ሓሳብ ብሰፊሑ ዝተንፀባረቀሉ ስብሰባ ከም ዝነበረ ይዝክር። ኣነ ኣብቲ ቀዳማይ ዙር ንክዛረቡ ዕድል ዝተዋሃቦም ሰባት ዕድል ዝተዋሃቦም ሰባት ሓደ ኣይነበርኩን። ኮይኑ ግና ዝተወሰኑ ሰባት ድሕሪ ሓሳብ ምሃቦም ንሻሂ ዕርፍቲ ንምውፃእ 05 ደቂቃ ተሪፋ ስለ ዝነበረት መራሒና "ነዛ ሓሙሽተ ደቂቃ ከይወሰኸ፣ከይቀነሰ ዝጥቀም እንተሃልዩ በለ"። ነታ ዕድል ኣነ ወሲደያ።

እቲ ጊዜ ኣብ ክልል ኦሮምያ 3ተ ተጋሩ ናይ ባጃጅ ሽፈራት ብእምኒ ተቀጥቂጦም ዝተቀተልሉ ሰሙን ስለዝነበረን፣ ኣነ ከም ሓደ ትግራዋይ ነቲ ስትራቴጂካዊ ሓውና ህዝቢ ኦሮሞ ንኸስሮ ከምዘለና ብኣግባቡ ይርዳኣኒ ስለዝነበረን፣ ኣብታ ዝተወሃበትኒ ጊዜ፣ ከም ተጋሩ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ከምዝአተውና፣ ሰብ ብጥይት ምቅታል ካሊእ ጉዳይ እዩ ይኹንደኣምበር ብእምኒ ከም ተመን ተቀጥቂጡ እንትቅተል፣ ትሕዝቶን ዓይነትን እቲ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ተፈጢሩ ዘሎ ፅልኢ ካልኦት ብሔራት ብግልፂ ዘርእን፣ ነዚ እንዳራኣይና "ምእንታን እታ ሞጎጎ ዝብል" ገምጋም ህወሓት ልክዕ ከምዘይኮነን ከምዘይቅበሎን፣ትግራዋይ ብእምኒ ተቀጥቂጡ ዝቅተለላ ሃገር ናተይ ሃገረይ ከምዘይኮነት፣ ከይወዓለና ከይሓደርና ናይ ባዕልና ሃገር ክንምስረት ከም ዝግባእ፣ ኣብዛ ሃገር ተፈጢሩ ንዘሎ ፖሎቲካዊ ሕልኽላኽ ተሓተትቲ ሃይለማርያም ደሳለኝን ደመቀ መኮነን ከምዝኾኑን፣ ፖሎቲካ ኢትዮጵያ ክመሓየሸሉ ዝኽእል ዕድል ፀቢብ ከምዝኾነ፣ውድብ ብሓቂ እንተሃልያ ንክልቲኦም ሰበ ስልጣናት ብሕጊ ክጥየቁን ካብ ሓላፍነቶም ክወርዱን (ኣምቦን ወለጋን ብዘይ ኣግባብ ዝተቀተሉ መንኣሰይ ስለ ዝነበሩ)፣ ተጠባባቂ ሓይሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክነቅምጥን ሓሳብ ኣቅረብኩ። ተኣከብቲ ንሓሳበይ ብጣቅዒት ድጋፎም ገለፁ። መራሒ መድረኽ ተናዲዱን ተቆጢዑን "መን ኢኻ ንስኻ ኣንቃዕሪርካ ቀዳማይ ሚኒስተር ትግምግም ኢሉ ኾረየለይ። ንተኣከብቲ ኸዓ ንኸምዚ ዓይነት ሰንካል ኣተሓሳስባ ብጣቒዒት ብኸመይ ትድግፉ?" በሎም። ሓንቲ ስማ ዘየስታውሳ ተጋዳሊት (ኮለኔል) "ሰንካል ኣተሓሳስባ ዝተሸከምካስ ንስኻ ድኣ፣ እዚ ወድና እማ ዝበሎ ሓቁ እዩ ኢላ" ኣምሪራ ተናገረት። ንሓሙሽተ ደቂቃ ዝተወሃበትኒ ዕድል ናብ ከባቢ 30 ደቂቃ ኣብፂሐያ። ጊዜ ከምዝሓለፈ ዋላ ሓደ ዝስታወሰ ሰብ ኣይነበረን።

ድሕሪ ሰዓት ብግምት ከባቢ 08:30 ኣቆፃፅራ ግዕዝ ኣብ ስብሰባ እንዳሃለይና ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ብድልየቱ ካብ ስልጣኑ ከምዝወረደ ብሰበር ዜና ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዕላዊ ገበረ። እቲ ሓቂ ግን ደኢህዴን ነቲ ኣቦ ወንበሮም (ሃይለማርያም ደሳለኝ )፣ ነንውድብናን ሃገርናን ብብቅዓት ክትመርሕ ኣይከኣልካን ኢሉ ካብ ኣቦወንበርነቱ ስለዘኣለዮን፣ እዚ ማለት ኸዓ ብኻሊእ ቋንቋ ካብ መሪሒነት ሃገር ስለዘውረዶን እዩ። ንሕና እውን ብስልኪ ኣኼባና ንክቋረፅን፣ በቢ ገዛውትና ክንኸይደን ተሓበረና።

24 መጋቢት 2010 ዓ/ም ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ(PHD) ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኾይኑ ተመሪፁ። ድሕሪ ውሱን ሰሙናት ምስ ኤርትራ ብዘይ ምንም ቅድመ-ኩነት ዕርቂ ክፍፀም ከም ዝደሊ ሓበረ። ህወሓት ዕርቂ ምስ ኤርትራ ንክፍፀም ንቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ይሓቶ ነይሩ እዩ። ይኹን ደኣምበር ንምንታይ ንቡዙሕ ዓመታት ከም ዝተጓተተ ክርዳኣኒ ኣይኽእልን። ብናተይ ርድኢት ግን እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኾነ ኢሉ ከም ዘጓቶቶ እየ ዝኣምን።

ድሕሪ ሓደ ወርሒ (ርግፀኛ ኣይኮንኩን) ፕረዚዳንት ሃገረ ኤርትራ ኣብ ወታሃደራዊ መሰልጠኒ ሳዋ ተረኺቡ ንዕርቂ ቁሩብ ምኻኑን፣ ህወሓት (ብናቱ ኣፀዋውዓ ስርዓተ ወያነ ተሳዒሩ እዩ) ክብል ተሰመዐ። እዚ መደረ ንህዝቢ ዓለምን ንተጋሩን ኣዝዩ ዘደንፁ መደረ እዩ ነይሩ። ብናተይ ርድኢት ኩናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣብዛ ዕለት እዚኣ እያ ተጀሚራ።

መቀፀልታ ናይዚ ብዕሊ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተጀመረ ኩናት ኣብ ወርሒ ሰነ 2010 ዓ/ም(16 ሰነ 2010) ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝፀወዖ ሰልፊ ህዝባዊ ድጋፍ አብ ልዕለይ ህወሓት ፈተነ ቅትለት ፈፂሙ ክብል ተሰመዐ። ንሱ ጥራሕ ዘይኮነስ "ኣዛብእ ቀትሪ" ክብል ኸዓ ብኣልማሚት ንተጋሩ ተፃረፈ። በዚ ምኽንያት ኸዓ ቡዙሓት ኣባላት ፀጥታ ተጋሩ ተኣሲሮምን ተባሪሮምን።

ካብ ወርሒ ሰነ 2010 ኣቆፃፅራ ግዕዝ ክሳብ 24 ጥቅምቲ 2012ዓ/ም ብተኸታታሊ ኣብ ልዕሊ ህወሓትን ተጋሩን ሰፊሕ መጥቃዕትታትን ሓበራዊ ወታሃደራዊ ምድላዋትን (ምስ መንግስቲ ኤርትራ) ክገብር ተራኣየ። ምስ ኩሎም ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ብምሕባር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ሰፋሕቲ ስነ ልቦናዊ ኩናታት ክፍነው ኸዓ ተራኣየ።

15 ሰነ 2011 ዓ/ም ኸዓ ንኹሉ ዘደንፀወ መቀፀልታ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኢትዮጵያን ህዝቢ ትግራይን ዝፈፆሞን ይፍፅሞን ዘሎ ሃገራዊ ክሕደት ንሓለቓ ስታፍ ምክልኻል ሃገር ኢትዮጵያ ጀነራል ሰዓረ መኮነን ብልዕሊ ዓሰርተ ጥይት ብሓላዊኡ ገይሩ ኣቕተሎ። በቲ ጊዜ ነቲ ሃገራዊ ክሕደትን ወንጀልን ንምሽፋን ቀታሊ ሰዓረ መኮነን እውን ከም ዝተቀተለ ብቤሔራዊ መደብር ቴሌቪዥን ኢትዮጵያ ገይሩ ከምቲ ሉሙድ ብሰበር ዜና ንህዝቢ ኢትዮጵያን ዓለምን ዓፈኖ። ፀኒሑ ኸዓ ቀታሊ ጀነራል ሰዓረ መኮነን ብሂወት ከምዘሎን እንተኾነ ኣብ ጎሮርኡ ብጥይት ስለዝተወቀዐን ምዝራብ ስለዘይኽእልን ናብ ቤት ፍርዲ ከይቀረበ ንነዊሕ ጊዜ ፀነሐ። እንተኾነ ቀታሊ ሰዓረ መኮነን ኣብ እግሩ ጥራሕ ብጥይት ከም ዝተወቀዐ እዩ ሓበሬታት ዘመላኽቱ።

መንግስቲ ኢትዮጵያን መሻርኹቱን ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ወታሃደራዊ ወፍሪ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ቅድሚ ምፍፃሞም፣ ነቲ ስትራቴጂካዊ ሓውና ህዝቢ ኦሮሞ፣ ከም ከቢድ ፀላኢን ሓደገኛን ገይሮም ስለዝሪእዎን፣ መሊኦም ካብ ህዝቢ ትግራይ ክንፅልዎ ስለዝግባእን፣ ኣብ ወርሒ ሰነ 2012ዓ/ም በቲ ደቂ ሰባት ብግፍዒ ምቕታል ዝለመደ ኣእምሮኦምን ብደም ዝጨልቀየ ኢዶምን፣ ነቲ ህቡብ ሰነ ጥበባዊ ተወላዲ ብሔረ ኦሮሞ ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ብግፍዒ ብዘይተፈለጡ ዕጡቓት ኣቕተሎ። ከምቲ ሉሙድ ኸዓ ብዓቃቢ ሕጊ ሃገረ ኢትዮጵያ ገይሩ "ነንርእሶም ብትግርኛ ዝዛረቡ ዕጡቓት ቀቲሎሞ" ክብሉ ተሰምዑ።

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2013ዓ/ም ምናልባት እውን ዓሰርተ መዓልቲ ቅድሚ ኩናት ትግራይ ኣነ እውን ኣብ ዝተረኸብኩሉ ስብሰባ ንኩሉ ላዕለዋይን ማእኸላይን ኣመራርሓ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ፀዊዑ ብቪድዮ ኮንፈረንስ ኣብ ዘመሓላለፎ መደረን ናይ ስራሕ ትዕዛዝ መምርሕን "ጉዳይ ትግራይ መዕለቢ ዝተረኸበሉ ጉዳይ ከምዝኾነ፣ ትግራይ ብኹሉ ኣንፈት ከም ዝተኸበበትን፣ መራሕቲ መንግስቲ ትግራይ መምለጢ ከምዘይብሎም፣ ከምዘጥፈኦምን ከምዘደስኩሎምን፣ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ወታሃደራዊ ስጉምቲ ከምዝወስድ፣ እዚ ወታሃደራዊ ወፍሪ ኣብ ሰለስተ መዓልቲ እንተበዘሐ ሓሙሽተ መዓልቲ ከምዝውደኦ፣ ኩሉ ክልላዊ ኣመራርሓ ትዕዛዙ ከኽብርን ንህወሓት ዝፅበ ከምዘሎን ተሰፋ ክንቆርፅን ከምዝግባእን ሰጋእ ከይበለ ሓበረና።

ስለዚ ኩናት ዘርኢ ምፅናት ትግራይ 24 ጥቅምቲ 2013ዓ/ም ዘይኮነ ዝተጀመረስ፣ እቲ ፀላኢ ህዝቢ ትግራይ፣ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ከምኡ እውን ጠንቂ ዘላቂ ሰላም ቀርኒ ኣፍሪካን ዝኾነ ወንጀለኛ ፕረዚዳንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ፣ ኣብ ወርሒ ጉንበት ወይ እውን ሰነ 2010 ኣቆፃፅራ ግዕዝ ኣብ ወታሃደራዊ መሰልጠኒ ሳዋ ተረኺቡ "Game Over Weyane" ዝበለላ መዓልትን ሰዓትን ከምዝኾነ ንማሕበረሰብ ዓለም ክርዳእን ክፈልጥን ምግባር እጃም ኩልና ተጋሩ እዩ።

ገብረመስቀል ካሳ ታፈረ
27 ሕዳር 2014 Read More