INFORMATION AND DATA COLLECTION FOR FREE TIGRAY

ሓጺር ታሪክ ቓደማይ ወያነ 1935

ካብ መንነታዊ መረበት ወለድና ፍሕት ኣይንብልይ

ካሳ (ብላታ) ኃይለማርያም ልተጽሓፈ (ካብ ፌስቡክ ልተወሰደ)

ብላታ ኃይለማርያም መራሒ ቓደማይ ወያነ እዮም ነይሮም

ናማን ካብ መንነታዊ መረበት ወለድና ፍሕት ኣይንብልይ

ካብ መንነታዊ መረበት ወለድና ፍሕት ኣይንብልይ

ካብ መንነታዊ መረበት ወለድና ፍሕት ኢልና እንተወፂእና፤ ባህሪያዊ መግለፂ መንነትና ኢና ክንስእን!

(በይዛኻትኩም ምንባብ ንፍተዉ! ዘንብብ ወለዶ እዩ ንሃገረ ትግራይ ብኣግባቡን ብዝግብኣን ብርኪ ክሃንፃ ዝኽእል! ነዊሑ እናበልኩም ተንፀርፅሩ ሰባትስ ክተፅልዑ)

ወለድና ኣዐርዮም ፅኑዓት ብርቱዓት ከምዝነበሩ፤ እቱ ሓደ መግለፂኦም፤ ቅድሚ ደቓይቕ እናቐተሎም ንዝነበረ፤ ኣብ ጎኖም ንዝነበረ ፍትዉ ሓዎምን ብፃዮምን ንዝቐተለሎም ፀላኢ፤ ምስ ማ ኹ ሽዑ ንሽዑ ምሕረት ናይ ምሃቦም ምሽጥር እዩ! እሞ ድማ ብዙ ዝተማረኸ ፀላኢ ዝወደቐ፤ እቱ ኣብ ጎኖም ዘሎ ሓዎምን ብፃዮምን ደሙ እናውሓዘ እንተሎ!

እዙ ክቡር መንነት ኣብ ከባቢና ካልእ ማንም ህዝቢ የብሉን እንተበልኩ፤ ትምክሕቲ ኣይኮነን ወይ ድማ ዕሽነት ከይመስለኩም! ክንደየናይ ኣብ ዱልዱል ሰረት ዝተሃነፀ ልዑል መንነት ከምዘለና ዝምስክር ሓቂ እዩ! ዘይናይ ወለድና ኣይንገብርን! ንግበር እንተኢልና ድማ ኣይመንነትናን!

ሎሚ እኒ ካፒቴን ታደሰ፤ ትማሊ እኒ ጁላ ባጫ ኣስራት ድሪባ ሹማ ወዘተ ማሪኽና ምፍናውና፤ መግለፂ ጥንካረ መንነትና እዩ!

እስኪ እዙ ኣተሓሒዘዮ ዘለኹ ዛንታ ምርኮ ኵሓ ቀዳማይ ወያነ ነንብብ:: ወለድና ኣብ ቀዳማይ ወያነ እንታይ ከምዝገበሩን፤ ኣብ ካልኣይን ናይ ሎሚ ወያነንኸ እዙ መግለፂ መንነትና ከመይ ኣብ ሰረቱ ፀኒዑ ከምዝቐፀለ፤ ነስተውዕል! ብዙ ነቕ ዘይብል መንነት ድማ ክንኮርዕ ይግባእ!

ምርኮ ኵሓ
(ፍልፍል መፅሓፍ ገረብ ዓረና ወያነ ትግራይ ገፅ 252 ካብ ኣንደበት ኣባመብረቕ)

...ብጕሓቱ ሬሳታት ናትና ናታቶም እንተይበልና ክቕበሩ ገይርና፣ ቁሱላት እውን ኣላዒልና፣ ንዝተማረኸ ሰብ፣ መትረየሳትን ጠባናጁን ሪኢና ምስወዳእና፤ ኣብ ሰፈር ጦር ኣርሚ ኢትዮጵያ በዝሒ ጠባናጁ፣ ጠያይቲ፣ ክዳውንትን ስንቅን ኣሎ ምስተብሃለ ናብኡ ሰባት ልኢኽና ከምዝኾን ገይሮም ንኹሉ ከከፋፍሉ ገበርና፡፡ ካብኡ እውን ንዝነበራ መኻዚኖታት ፈታቲሽና፣ ሓንቲ ጠበንጃ ትኹን ጥይት ኣብ ኵሓ ኣይሓደግናን፡፡ ንኣዋርሕ ስንቂ ኢሎም ዝኣከቡዎ ጥረምረን ሕሩጭን እውን ኩሉ ኣግኒናዮ፡፡ ብርክት ዝበላ መኻይን እውን እቶም ዘወርተን ፀዓዱን ደቂ መረብ ምላሽን ስለዝነበሩ ኣክቡዎም ኢልና ምስ’ተን መኻይኖም ሰብ ገበርናሎም፡፡

ኣብ ኵሓ ዝነበሩ በዝሒ ምሩኻት ቆፂርካ ዝውዳእ ኣይነበረን፡፡ ቅድሚ ፍርቒ ማዕልቲ ምዃኑ ኣብ ኵሓ ኩሉ ጎራጕርና ምስኣቃበፅና ሽዑ ኣብ ማእኸል ኵሓ ዕዳጋ ሓሙስ ዝውዕለሉ ቦታ ነይሩ፤ ዳሕራይ ተፈቲሐ ምስመፃእኹ’ኳ ገዛውቲ ተሰሪሑሉ ፀኒሑኒ፤ ኣብ’ቱ ማእኸል ዕዳጋ ምስቁሩባት ላዕለዎት ኣቦ ገረባትን ኣቦ ወየንትን ኮፍ መበሊ ቦታ ተፈልዩልና ሞያ ክቕበል ኮፍ በልኩ፡፡ ምሩኽ ምቕባል “ሞያ” እዩ ዝብሃል ነይሩ፡፡

ኩሎም ኣቦ ገረባትን ኣቦ ወየንትን ምስ ወየንቶም ተሰሪዖም ንዝማረኹዎ ወተሃደር ይኹን መትረየስን ጠባናጁን እናሓዙ ኣብ ቅድሜና ይሓልፉ ነይሮም፡፡ ንቶም ዝተማረኹ ኢድ የንስኡዎም፡፡ ከምበዝሑን ዓይነትን እቱ ዝተማረኸ ሰብን ጠባናጁን ክንዲ ሓምሳ፣ ክንዲ ኣርባዓ፣ ክንዲ ሰላሳ ሞያ ተቆፂሩልካ ኣሎ እብሎ ነይረ፡፡ ዝዓበየ እውን ክንዲ ሚኢቲ፣ ክንዲ ክልተ ሚኢቲ ዝዓበየ እውን ክንዲ ሽሕ ሞያ ተቖፂሩልካ ኣሎ እብሎ ነይረ፡፡

እቱ ዝማረኸ እውን እቱ ዝማረኾ ወተሃደር ብመንግስቲ ተዓጢቑዎ ዝነበረ ጠበንጃ ይኹን ጠያይትን ካልኦት ንኵናት ዝጠቅም ንብረትን ንኣቦ ገረባትን ኣቦ ወየንትን ኣፍሊጡ ንባዕሉ ይገብሮ፡፡ ናይ’ቱ ምሩኽ ናይ ውልቁ ንብረት ምውሳድ ግና ኣይፍቀድን ነይሩ፡፡ እዙይ ኣብ ዋዕላታትና መኺርና ዝተሰማማዕናሉ ሓደ መስርሕ እቱ ወያነ እዩ ነይሩ፡፡ ኣቦ ገረባትን ኣቦ ወየንትን ንዙ ኣጥቢቖም ይቆፃፀሩ ነይሮም፡፡ ኣብ ኵሓ ዝተማረኸ ሰብን ንብረትን ሞያ እንትንቕበል እንተለና፤ ኩሉ እቱ ዝማረኸ ጦር ወያነ በብኣቦ ገረብን ኣቦ ወያነን ተፈልዩ ተፈልዩ እዩ ዝሓልፍ ነይሩ፡፡

ናይ እገለ ኣቦ ገረብ ኣቦ ወያነ ይብሃል እሞ፣ እቱ ኣቦ ገረብ ኣቦ ወያነ እናፈከረ ብቕድሚት ኮይኑ እቶም ጦሩ እውን ምሩኻቶም ሒዞም ድድሕሪኡ ይስዕቡ፡፡ ኩሉ እዩ ዝፍክር፡፡ ኣሻዒቱ ማዕልቲ ዝተፈለየ ዝነበረ ላዕለዎት ኣቦ ወየንቲ ሓንታ ጎይትኦም ሓጎስ፣ ኣባዲ ለማ፣ ተስፋይ ለማ፣ ቀኛዝማት ነጋሽን ግራዝማች ኣለማየሁን ብቱ ዳሓር ጦር ሰፈር ተገይሩዎ ዘሎ ከባቢ ኵሓ፤ ኣብ ሓደ ዝተኣከበ 12 ቤዛንቲንን ግጅራን ዝተብሃሉ መትረየሳት ምርካቦም እቱ ፈኸራ ፍሉይን ዕምቡርን ገይሩዎ፡፡ ክንድኡ ዝኣክል በዝሒ መትረየሳት ምስብዙሓተ ሳናዱቕ ጠያይቲ ብሓደ እንትነግኒ ናይ መጀመርታ ግዘና እውን ነይሩ፡፡ ኣዐሪዩ እውን ስለዘሐጎሰና ‘ክንዲ ሽሕ ሙያ ተቆፂሩልኩም’ በልኩዎም፡፡

ድድሕሪኦም ድማ እኒ ሓንታ ገብረመድህን፣ ወዲ ወልዳይ፣ ባሻይ ጉግሳ፣ ወምበርን ካልኦትን ላዕለዎት ኣቦ ወየንቲ ጋባት ምላሽን ተምቤንን ዝሓዙዎ ሰራዊት ወያነ ዝማረኾ እዩ ቀሪቡ፡፡ ብዝሕ ዝበሉ ኣርሚ ኢትዮጵያን ኣዛዚኦም ማንጁር ኢሳያስን ዝነበሮ ምስልዕሊ ክልተ ሚኢቲ ጠባናጁን ሰለስተ ቤዛንቲን መትረየሳትን ሒዞም እንትቐርቡ ዝነበረ ፈኸራ ዝበለፀ ኮነ፡፡ ሽዑ ኣብ’ቱ ሐዚ ቤተ ክርስትያን ማርያም ሓለዋ ተሃኒፁዎ ዘሎ ቦታ ጥልያን ዝሓደጎ ንእሽተይ ናይ ካቶሊክ ቤተክርስቲያን ነይሩ፡፡ ኣብኡ እዮም ኣዛዚ ጦር ኢትዮጵያ ማንጁር ኢሳያስን ብዙሓት ኣርሚ ኢትዮጵያን ዝተማረኹ፡፡

ማንጁር ኢሳያስ ኣብ ዝባን ህድሞ ኮይኑ በዝሒ መትረየሳት ተኺሉ ንቱ ብቕድሚቱ ሜይዳ ማይኣሻጎ ሒዙ ዝውርወር ዝነበረ ጦር ወያነ ድድባ ብዙሕ ጎዲኡልና እዩ፡፡ ላዕለዋይ ኣቦ ወያነ ጋምራ ጎምበል ኣስበሮም ዝመርሖም ወየንቲ ጋምራ እናተፉሓኹ ቐሪቦም ኣብ ኳና ተፀጊዖም ጎምበል ዝሰደዳ ምሳር እናፋፀየት ኣብ ልዕሊ እታ ማንጁር ኢሳያስ ዝትኩሳ ዝነበረት መትረየስ ወዓለት፡:

ሽዑ ማንጁር ኢሳያስ ዝሓዛ ናይ ማይ መትረየስ ዝናር ጥይት ወዲኡ ካልእ ክቕይር እንተሎ ነይሩ ምሳር ጎምበል ንመትረየሱ ሓተኽ ዘበለቶ፡፡ ኢሳያስ ደንጊፁ ርዒዱ ንቱ ህድሞን ኣብ ጥቕኡ ንዝነበረ ዕርዲን ሓዲጉ ብኸብዱ ኣብ መሬት ተላሕሲሱ ንድሕሪት እንትሃድም እንተሎ እዩ ብጎኑ ኣብ ጓጉኡ ዝኣተዉዎ ወየንቲ ጋባት ምላሽ ዝማረኹዎ፡፡ ሱሙ ረሲዐዮ እምበር ምስላዕለዋይ ኣቦ ወያነ ወምበር ገብረወልድ ዝነበረ ሓደ ኪኢላ ኣንጠረኛ ወዲ ጋባት ምላሽ እዩ ንኣዛዚ ጦር ኢትዮጵያ ማንጁር ኢሳያስ ብኽሳዱ ሓኒቑ ዝማረኾን ንኣቦ ወያንኡ ዘረከቦን፡፡ ሽዑ የመና ታሕጓስ ልካይ ወርቂ ትመስል ሓዳሽ ኮልት ሽጉጥ ነይራትኒ ሸሊመዮ፡፡ ጦር ወያነ ጋባት ምላሽ ክንዲ ሽሕ ሙያ ተቆፂሩሎም፣ ጋምረታይ ጎምበል ኣስበሮም እውን ክንዲ ሽሕ ሙያ ተቖፂሩሉ ምስበልኩ ዓብዪ ታሕጓስን ፈኸራን ኮነ፡፡

ቀፂሉ እኒ ጎምበል ኣስመሮምን ደገዝማት በዛብህ ወዲ መብረቕን ዝነበሩዎም በዝሒ ኣቦ ገረባትን ኣቦ ወየንትን ድድባ እዮም ምስ ምሩኻቶም ሓሊፎም፡፡ ዘቕረቡዎ ምርኮ እውን ንእኒ ፊታውራሪ ድምፁ ሓዊሱ ብዙሓት ተወለድቲ ሰብ ቀምሽን ኣርሚ ኢትዮጵያን፣ ከምኡ እውን ልዕሊ ሰለስተ ሚኢቲ ጠባናጁ፣ ሽደሽተ መትረየሳትን በዝሒ ጠያይትን ነይሩ፡፡ ሽዑ ደገዝማት በዛብህ ወዲ መብረቕ ምስክንደይ ሽንጣፋት ክዳውንቶም ኩሉ ብደም ተፀይቑ ንቶም ምኩሕን ተኣማኒ ሓሽከርን ሃፀይ ሃይለስላሰ ንዝነበሩ ንፊታውራሪ ድምፁ ገብረድንግል ቅቅድሚኦም ገይሮም ዘስምዑዎ ዝነበረ ቱታ ፈኸራ ንኹሉ እዩ ኣላዒሉዎ፤ ኩሉ በብወገኑ ድማ ጉማዬን ሁራን ይብል ነይሩ፡፡

ንዞም ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ምሩኻት ተጋሩ ተወለድቲ፣ ኣርሚ ኢትዮጵያን ዝኸተቱ ዕጡቓት ደቂ ወሎን ሽዋን፤ ነፃ ኢኹም ናብ ድሌትኩም ክትኸዱ ትኽእሉ ኢልና ሓዲግና ኢና ናብ ገርገምበዝ ኩሉ ጦርና ኣውፂእና ንምሸቱ ንእነካይዶ ውግእ እንዳየሱስን መቐለን ምኽሪ ክንገብር ዝተኣኻኸብና፡፡

ንኹሎም ምሩኻት ነፃ ክንገብሮም እንተለና ግና ምስ’ቶም ፀዓዱን ደቂ መረብ ምላሽን ዘወርቲ ማኪና ብተወሳኺ ክእለት ምዝዋር መኻይን ዘለዎምን እቱ በብዝሒ ዘረኸብናዮ ሰለስተ ዓይነት መትረየሳት ከርእዪናን ክፈትሑን ክገጥሙን ዝኽእሉ ሰብ ሙያ ጠይቕና ልዕሊ ኣርባዓ ዝኾኑ ኣባላት ኣርሚ ኢትዮጵያ ብድሌቶም ተሓባቢሮምና እዮም፡፡

ኣርሚ ኢትዮጵያ ብፍላይ ምስ’ቱ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እናፈፀሙዎ ዝፀንሑ ግፍዕታት፤ “ነፃ ኢኹም ናብ ድሌትኩም ክትኸዱ ትኽእሉ ኢኹም፤ ንሕና ተበዲልና ግፍዒ በዚሑና ወይና እምበር ምስማንም ደምነት ኣይደልን” ምስበልኩዎም፤ ብጣዕሚ ተገሪሞም ተሓጕሶም ነይሮም፡፡ መጀመርታ ክኣምኑ ኣይከኣሉን፡፡ ፀዓዱ ዘወርቲ መኻይን ሸውዓተ ዝኾኑ እዮም ነይሮም፡፡ ፀገም እተን ማኻይን ምእላይ ኮነ ምዝዋር ምምሃር ሓለፍቲ እሳቶም ነይሮም፤ ብፅቡቕ እውን እዮም ተሓባቢሮምና፡:

ንዞም ኩሎም ምሩኻት ኣይኮነንዶ ክንቐትልን ሕነ ክንፈዲን፣ ንኣዛዚኦም ማንጁር ኢሳያስ ሓዊሱ ሓደ ምሩኽ’ኳ እንተይኣሰርና ዝሓዙዎ ጠባናጁ፣ ጠያይትን ዝጠቕሙና ወተሃደራዊ ንብረትን ኣሕዲግና ከምድሌቶም ክዕንገሉን ክዓርፉን ኢና ገይርና፡፡ ብድሕሪኡ እውን ብዘይካ እቶም ዘወርቲ መኻይንን ኪኢላታት መትረየሳትን፤ ንማንጁር ኢሳያስ እንተይተረፈ ንኩሎም ምሩኻት ኣብ ውሽጢ እንደርታን ኸባቢኡን ናብ ዝደለዩዎ ክኸዱ፤ ንገፅ ኣላጀ ግና ከይሓልፉ ነጊርና ኢና ኣሰናቢትናዮም፡፡

እሞማ ትግራይ ዓደይ፤ ምስሉ ኣብ ዓለም ዝወዛዕናዮ ምሩኽ ቀቲልናኸ፤ እንታይ ክንርባሕ! ሕድእ ድኣ ንበል! ካብ ቀንዲ ውራይናን ኣጀንዳናን ኣይንውፃእ! ኣብ ሜዳ ትግራይ ይበል ኣዝመራ ሃይሃይታ ኣሎ! ንሕና ድማ ደቀቕቲ ኣጀንዳታት ምጭሕጫሕ ሓዲግና፤ ኣብ ውራይና ወፍሪ ዲፕሎማሲን ምውህላል ዓቕሚ ወያነና ንምድልዳልን ካባና ዝድለ ኩሉ ንግበር!! ትግራይ ትስዕር!#ካሳ_ሃይለማርያም

ኣብዚ ጽቐጡ

ብዙሓት ቃላት ትግርኛ ብኣምሓርኛ ተወሪሶም።

ተወሳኺ/ቐጻሊ ኣንብቡ