INFORMATION AND DATA COLLECTION FOR FREE TIGRAY

እዚ ገጽ ኽልተ ኣረስትታት ልሓዘ እዩ

- ሰለስተ ዓይነት ትግርኛ = ኸዚ መዚ፣ ሀዚ መዚ፣ ሕጂ ምጂ

- ክርስዑ ለይግባእ ትግርኛ ቃላት (ምናዳ) ናእንደርታይ ራያይ

- ኣምሓርኛ ብጣዕሚ ብዙሓት ትግርኛ ቃላት ልወሰደ ምኻኑ፣ ብኣንጻሩ ትግርኛ ብጣዕሚ ውሑዳት ቃላት ኣምሓርኛ ልወሰደ ምዃኑ።

- ሰለስተ ዓይነት ትግርኛ = ኸዚ መዚ፣ ሀዚ መዚ፣ ሕጂ ምጂ

ኣብ ትግራይ ብጂኦግራፊያዊ (ኸባቢ) ልተመቐለ ሰለስተ ዓይነት ትግርኛ እኒሀዉና።

ብደቡብ ትግራይ ኸዚ መዚ ይንገር። = እዙ ቋንቋ እዙይ ሙሉእ ህዝቢ ተምቤን፣ ዓጋመ፣ ኽልተ ኣውላዕሎ፣ እንደርታይ ራያይ ልናገሩዎ እዩ። ፍርቂ ህዝቢ ዓድዋ፣ ፍርቂ ህዝቢ ኣኽሱም፣ ፍርቂ ህዝቢ ሽረለ ልናገሩዎ ትግርኛ እዮ።

ኣብ ማእኸል ትግራይ ሀዚ መዚ ይንገር = እዙ ቋንቋ እዙይ ፍርቂ ህዝቢ ሸረ፣ ፍርቂ ህዝቢ ዓድዋ ፍርቂ ህዝቢ ኣኹሱም ይናገሩዎ ትግርኛ እዩ።

ኣብ ሰሜንይ(ኤርትራ) ምዕራብይ ትግራይይ ሕጂ ምጂ ይንገር = እዙይ መብዛሕትኡ ኣብ ኤርትራ ምናዳ ኣብ ሓማሴን ይንገር። ፍርቂ ህዝቢ ምዕራብ ትግራይ (ሽረ) ይናገሩዎ እዮም።

ኣየኑ ይሐሸና? ኸዚ መዚ፣ ሀዚ መዚ ዶ ሕጂ ምጂ ?

Click below to see the map.

See map

ትግርኛ ቃላት እንደርታ: ሓጺር መረዳእታ

ሚድያታት ትግራይ ልዓቀይቶት ወይም ልከተማ ቀመስ ለገልግል (ልርዶ) ቋንቋ እምበ ልቱ ብዙሕ ሃገርሰብ ልረብሕ የኾነይ። ብዙይ ምኽንያት ሃገረሰብ ህዝቢ ትግራይ መዓልታዊ ብዙሕ ሓበሬታትይ ፍልጠትይ ተየግነየ ጊዜ ይሓልፎሎ። ውጽኢቱለ ሃገረሰብ ዓድና ብብዙሕ ነገር ልድሕሪት ይቐርሎ።

ናሕወሓት ትግርኛ ቓደም ካብ ጀብሃይ ሻ ዕብያይ ልወረሱዎ ቃላትይ፣ ኣተሓሳስባይ፣ ባህርያትይ ልሓዘ እዩ። ና ሕወሓት ትግርኛ ብዙሓት ሃገረሰብ ትግራዎት ልናገሩዎ የኾነይ። ብዙይ ምኽንያት ሃገረሰብ ለሎ ህዝብና ይጉዳእሎ። (The tigrigna of TPLF is not inclusive or is not representative to all Tigrawot. It is disadvantageous to most villagers of Tigray.)

ሕወሓት ካብ በርኻ ጀሚሮም ቋንቋ ዓረብይ ሕጂ ምጂይ ካብ ጀብሃይ ሻ ዕብያይ ልተምሃሩዎ እሻዕ ኸዚ (ሎሚ) የሓደጉዎይ። ካብቱ ቓደም ልጥቀሙሉ ነበሩ ትግርኛ ብዙሕ ኣማሓይሾም ናባዕሎም ናወለዶም ትግርኛ ምንጋር ካብልጅምሩ ጸኒሖም እዮም። ነገር ግን እቲ ካብ ሕጂ ምጂ ልወረሱዎ ባህርያተይ ኣተሓሳስባይ እሻ ዕ ሎሚ ካብ ምትግባር ልድሕሪት የበሉይ።

ና ሕጅምጂ ቃላት ወሪሶም ልህዝብና ና ባዕሉ ቋንቋ ሃምልንዕቕ ምግባሮም ጥራሕ ተለይኾነስ ባህርያትይ ኣታሓሳስባይ ሕጂ ምጂ ዓብላሊ ኾይኑ ኣብሕብረተሰብና ምእታዉ እዩ እቲ ብጣዕሚ ክንሓስበሉ ልግባእ። ላዛይ ኽብሪይ ለይብሉ ቋንቋ ሕጂ ሚጂ ኣየድልየናይ። ጨኽኒይ ኽፍኣይ ሕጂ ምጂ ኣብዚ ዂናት እዚ አብልገበሩዎ ወራር ሪኢናዮ ኢና። ስለዚ ሕጂ ምጂ ልናገሩይ ልሓስቡይ ተጋሩ ክእረሙ ይግባእ። ይኾኖ (ኾነኩም) ንበሎም።

ልምሳለ፡ መብዛሕትኦም ብዂናት ሓደጋ ልበጽሖም (ልተጠቕ ዑ) ህዝብና ኣብ ሃገረሰብ ልነብሩ እዮም። ኤዞም ሰባት እዚዖም ኣብ ሚድያ ቓሪቦም ለሕልፉዎ ለለዉ መልእኽቲ ብዙሓት ዓቀይቶት ብግቡእ ልርድኡዎ ኣይመስለንይ። ኣብ ልዕሊ እዙይ ዋላ ተለይተረደኦም፣ እቲ ልሰምዑዎ ካብ ልቦም ልግደሹሉ ኣይመስልይ። ኤቲ ልገርም፣ ዓቀይቶት ትግራይ ናዞም ሃገረሰባት ትግርኛ ምንዓቖም እዩ። ሕጂ ምጂ (ሓምሴንኛ) ብምንጋሮም ልበለጹ ወይም ልሰልጠኑ መሲሉ ልይስዖም ምዃኑ ብጣዕሚ ለሕዝን እዩ። (ዓቀይቶት = ቢሮ ሰራሕተኛታት፣ ፖለቲከኛታት፣ ከተማ ቀመስ ማለተይ እዩ)

ሕወሓት ወይም ሕወሓት ለዕበዮም (ልጸለዎም) ጥራሕ ተይኾኑስ ካብ ትግራይ ወጻኢ ልዓበዩ ተጋሩ ልናገሩዎ (ቓልጢፎም ልመሃሩዎ) ትግርኛለ ሕጂ ምጂ (ሓማሴንኛ) እዩ። ምናዳ ኣብ ወጻኢ ዓዲ ለለዉ ተጋሩ ካብ ምስ ተጋሩ ምስ ደቂ ሓማሴን ስለዝጋነይ ቓልጢፎም ሓማሴንኛ ይመሃሩ። እዚ ኣቶም ብዙሕ ኣይፍረዶምይ። እል ሕጂ ምጂ አብ ወጻኢ ሃገራት ቑጽሮም ብዙሕ እዩ። ስለዚ እዞም ኣሕዋትና ካብኣቶም ሕጂ ምጂ ተተምሃሩ ክገርመና ይብሉይ። ግን ናባዕሎም ጽሩይ ትግርኛ ክነምህሮም ይግባእ።

ትግርኛና ካብ ሕጂ ምጂ ይላቕቕ!!! ጸቕጢ ባህርያትይ ኣታሓሳስባይ ሕጂምጂ ካብ ቋንቋና ይውጻእ!!!። ዓብላሊነት ሕጂ ምጂ ደው ይበል!!!

ኣብዚ ጽቐጡ

ብዙሓት ቃላት ትግርኛ ብኣምሓርኛ ተወሪሶም።

ብዙሓት ቃላት ትግርኛ፣ ምናዳ ካብ ትግርኛ ኸዚ መዚ፣ ብኣምሓርኛ ተትግርኛ ወሪዎም። ብኣንጻሩ ትግርኛ ብጣዕሚ ውሑዳት ቃላት ካብ ኣምሓርኛ ወሪሱ። እቶም ካብ ኣምሓርኛ ልወረስናዮም ቃላት ብጣዕሚ ውሑዳት ብምዃኖም ዳርጋ የወሰድናይ ምባል ይከኣል።

ልዙ ሓቂ እዙይ ለይፈልጡ ምናዳ ትናገርቲ ሕጂ ምጂይ (ተጋሩ/ኤርትራውያን) ምስ ኣምሓርኛ ልተመሳሰለ ቃልት እንተሰሚዖም ብለይምስትውዓል ቓልጢፎም ካብ ኣምሓርኛ ልተወረስ (ልተወሰደ) ይብሉ። ትግርኛ ኸዚ መዚ ናይ ኣምሓርኛ ጽልዋ ለለዎ እዩ ኢሎምለ ይኣምኑ። ሕሉፍ ሓሊፎም ልትግርኛ ኸዚ መዚ ክምዕብል ኣይደልዩዎይ። ኣብ ሚድያታት ክንገር ኣብ ቤት ትምህርትታት ክትግበር ኣይደልዩዎይ። እዙይ ግን ስሕተት እዩ።

መሰረቶም ትግርኛ ልኾኑ ግን ምስ ኣምሓርኛ ልመሳሰሉ ቃላት ዝርዝር አብ ድሕረገጽ (Tigray.nl) ከነውጽእ ኢና። ተጸበዩና።

ተወሳኺ/ቐጻሊ ኣንብቡ