INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብ TigrayNL ልተጽሓፈ ኹሉ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ዓለም ካባና እንታይ እያ ትደሊ?

ኣክሱም ምስ ኣተውኹ ኣብ መንገዲ እንዳበኸየ ዝረኸብክዎ ኣሜሪካዊ ጆሴፍ ስሚዝ ቫን፣ እንታይ ከምዝደሊ ምስ ሓተትክዎ "ካብ ወታሃደራት ኤርትራ ከለላ ከም ዝደሊ ሓቢሩኒ። ኣራዊት እዮም ኢሉኒ ቃል ብቃል፣ ካብ ሰብ ድዮም ኸ ተፈጢሮም ኢሉኒ" ንሱ ባዕሉ። ብጭካነ እቶም ወታሃደራት ኤርትራ ንብዓቱ ምቁፅፃር ዝኣበዮ፣ ብግምት ኣብ 60ታት ዕድመ ዝርከብ፣ ልዕሊ 80ኪግ ክብደት ዝግመት ፀሊም ኣሜሪካዊ። ምሳና ዝኾነ ሰብ ክንሕዝ እኳ ዘይፍቀድ እንተኾነ ብወነነይ ምሳይ ሒዘዮ ኬደ፣ ናብቲ ዝዓረፍናሉ ሆቴል ኣትራኖስ። ንፀጋይ ፀዊዐ ቡና ሃቦ ክኸፍለሉ እየ ኢለዮ። ዝጠዓም ምግቢ እውን እንተሃልዩ ሃቦ ፀገም የለን ኢለዮ። ወግዕና ቀፂልና። ወታሃደራት ኤርትራ ካብ 08 ሕዳር 2013- 20 ሕዳር 2013ዓ/ም ዝፈፀምዎ መስካሕክሒ በደላትን ገበናት ኩናትን ብዝርዝር ነገረኒ። ካብተን ሒዝናየን ዝነበራ ሳትላይት ስልኪ ተጠቂመ ንኢምባሲ ኣሜሪካ ኣዲስ ኣበባ ንክድውል ተሓበበርክዎ። ደወለ። ሙሉእ ስሙን ኣሜሪካዊ ዜጋ ከምዝኾነን፣ ኣብ ኣፍ ሞት ከምዘሎን፣ ኣባላት ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ እንባሃል ኣብ ከተማ ኣክሱም ከምዝረኸብናዮን ሓቢሩሎም። ሳትላይት ስልክና "Unknown number" እዩ ዝብል። ሓንቲ ደቂቃ ክዛረብ እዩ ፈቂደሉ። ብጣዕሚ ክባር እዩ እቲ ስልኪ። እንተዘይተጋግየ "THURYA" እዩ ብራንዳ። መልሲኩም ደዉሉለይ ኢልዎም። ኣሜሪካውያን ናይ ዋዛ ኣይኮኑን። ሽዑ ንሽዑ መሊሶም ደዊሎም። ሓደ ዜጋ ኣሜሪካ ከመይ ኽቡር ምኻኑ ሽዑ እየ ብትክክል ዝፈለጥኩ። ቡዙሕ ኣዋጊዖሞ፣ ነቲ ስልኪ ሃቦ ኢሎም እውን ምሳይ ተራኺቦም ኢምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ። መጀመርያ ልዑል ምስጋና ኣቕሪቦምለይ። ድሕሪኡ ኣድላይ ዘበለ ኩሉ ንኽገብረሉ ሓቲቶምኒ። እሽኒ ኢለዮም። ንልዕሊ ዓስርተ መዓልቲ ካብ ኣክሱም ንመቐለ ክሳብ ንወፅእ በቢመዓልቱ እንዳደወሉ ተኸኽ ኣቢሎምና ቀነዩ። ሓሳቦም ገዲፍናዮ ከይንወፅእ እዩ። ዳሓርስ እኳ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር እውነሰ ደዊሎም "ገዲፍናዮ ከይንወፅእ ብጥብቂ ኣታሓሳሲቦምና። ሓያል ምዃን ፅቡቅ። ንጆሴፍ ንዓይ ዝነገረኒ ወንጀል ምጥፋእ ዘርኢ ተጋሩ (Genocide) ነቲ ኢምባሲ ከይወሰኸ፣ ከይቀነሰ ክነግሮም ሓደራ በልክዎ። ርእሱ እንዳነቅነቀ ብሓሳባይ ከም ዝተስማዕመዐ ነገረኒ።

እቶም ክልተ ኮርያውያን ካብቲ ኣሜሪካዊ ንላዕሊ (ንሱ ሳብያን ሆቴል ይመስለኒ ዓሪፉ ዝነበረ) ኣዝዮም ደንጊፆምን ጃጂዎምን ናባይ ተፀጊዖም እንዳበኸዩ (ኣምሪሮም እዮም ይበኽዩ ዝነበሩ) ንክሕግዞም ሓተቱኒ። ኣብ ድሕሪ ኣትራኖስ ሆቴል ዝርከብ ቪላ ገዛ ተኸራዮም ዝነበሩ ነቲ ሻዕብያ ሙሉእ ንሙሉእ ነቂሉ ዝወሰዶ ፋብሪካ ዓለባ ኣልመዳ ዓድዋ ሰራሕተኛታት እዮም። ኣብ ዝነበርሉ ሰፈር ብኣማኢት ዝቁፆሩ መንኣሰይ ሰራዊት ኤርትራ ገዛ ንገዛ ሰይሩ እንዳኣተየ ዝረሸነሉ ከባቢ እዩ። ስልኪ ከደውሎ ከምዝደለዩ ስለዝፈለጥኩ ንመስፍን ደሳለኝ (ትዴፓ) ፀዊዐ ንክተሓባበሮም ሓቲተዮ። እሺ ኢሉ ነቲ ስልኪ ሂብዎም። ኣባላት ትዴፓ ካብ ማንም ንላዕሊ ኣብ ትግራይ ንፌደራል መንግስቲ ከምቲ ደመቀ ዝበሎ ንክለኣኣኹን ሰጥ ለበጥ ኢሎም ዝተኣዘዝዎ ክፍፅሙን፣ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ክቱር ፅልኢ ዘለዎምን እዮም። እቲ ኮርያዊ ንኢምባሲ ኮርያ ደዊሉ ካብ ዘዋገዖም ብጀካ እታ ኤርትራ እትብል ቃል ካሊእ ዋላ ሓንቲ ኣይሰማዕኹዎን። መሃይምነት ብሓቂ ፀልማት እዩ። ኣነ ናይ ኮርያ ቋንቋ መሃይም እየ። እቲ ኮርያዊ እንታይ ከምዝተዛረበ ኣይፈለጥናን። ድሕሪ ሒደት ደቃይቅ ቤት ፅሕፈት ስለላ ኢትዮጵያ ነታ ስልክና ጥርቅም ኣቢሉ ዓፂውዋ። ናብታ ዝተረፈት ሓንቲ ስልክና ደዊሎም ኸዓ ዝኾነ ናይ ወፃኢ ዜጋ ብስልክና ከይነድውል ካብ ላዕለዎት ሓለፍትና ጥብቂ መተሓሳሰቢ ወረደ።

መቐለ ምስ ኣተውና ሓዱሽ ሽመት ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ዋና ስራሕ ፈፃሚ ክልል ትግራይ ብዕለት 05 ታሕሳስ 2013ዓ/ም ተፃሒፉ ተዋሂቡኒ። ሓቂ ፅዋ ኩሎም ኣባላት ጊዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ኣክሱም ብዝረኣይኽዎ ነገር ሓዚኖም ነበሩ። ንምንታይ ከምዝኾነ ኣይፈልጥን ብጀካ ኣባለት ትዴፓን ሓደ ሓደ ደቂ .......... ኢና በሃልቲ ዒዋሉን ኩሎም ይፈትዉኒ ከምዝነበሩ እየ ዝፈልጥ። ኩሎም ኸዓ ከም ቆልዓ እዮም ዝሪኡኒ ዝነበሩ። ይፍፀም ብዝነበረ ግፍዕን ምስ ወታሃደራት ኤርትራን መራሕቲ ሰራዊት ኢትዮጵያን ይገብሮ ዝነበርኩ መስመሩ ዝሓለፈ ዘረባን ከም ህፃንን ቹኩልን፣ ከምኡ እውን ዝገብሮ ዘይፈልጥ ሰብን ገይሮም ይርእዩኒ ዝነበሩ ሰባት ቁፅሮም ዉሑድ ኣይኮነን። ሳባ ገብረማርያምን ሊላይ ሃይለማርያምን ምስቲ ጠቅላይ ሚኒስተር ብቀጥታ ዝራኸቡ፣ሕዱር ፅልኢ ህዝቢ ትግራይ ዘለዎምን ንናተይ ሹመት ብቀጥታ ተቃዊሞሞ። ግን ኣይተሳኸዐሎምን። እንተዘይተጋግየ ድሕሪ ሹመተይ 07 ታሕሳስ 2013ዓ/ም ካብ ዓስርተ ንላዕሊ ዝኾኑ ሚድያታት ማእኸል ዓዲ ኣኪበ ብኣምሓረኛ ህዝቢ ትግራይ ይሃልቅ ኣሎ፣ ጥቅዓት ህዝቢ ትግራይ ጥቅዓት ኢትዮጵያውያን፣ ትግራይ ቅድስቲ ስፍራ እያ ኣይተራኽስዋ ዝብል መልአኽቲ ፀጉረይ ከይተስተኻኸለን ካብ ጉድጓድ ተኻዒቱ ዝወፀአ ሰብ መሲለ መግለፂ ሃብኩ። ይመስለኒ ኣዝየ ኾርየን ሓዚነን እየ ነይረ። መንግስቲ ኢትዮጵያ እታ መግለፂት ከይትመሓላለፍ ዓፊንዋ።

23 ታሕሳስ 2013 ዓ/ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣዝዩ ዝቀርበኒ ዝነበረ ሓደ ኦሮሞ ዓርከይ ጋዚጠኛ ንምንታይ ናተይ መግለፂ ከምዘይተመሓላለፈ ሓቲተዮ። " እዚ ናይ ጁንታ መግለፂ እዩ ተባሂሉ ኢሉኒ፣ ውስኽ ኣቢሉ ንስኻ እውን ኣብዚሕኻዮ ኢኻ በለኒ"። እሞ እንታይ ክገብር "ጡት ነካሽ፣ወንበዴ፣ከሃዲ ዝብሉ ቃላት ኣብ ማእኸል ዘረባይ ንክሕውስል ነገረኒ"። ኣብቲ ጊዜ ኣብ መላእ ትግራይ ካብን ናብን ምንቅስቃስ፣ ኣነ ዝፀሓፍክዎ ፍቃድ መሕለፊ ከይሓዝካ ምንቅስቃስ ኣይፍቀድን ነይሩ። ሰብ ጠምዩ በቢ መንገዱ ወዲቑ ምርኣይ ኣዝዩ ሉሙድ ነበረ።

24 ታሕሳስ 2013 ዓ/ም ካልኣይ ጋዚጣዊ መግለፂ ንክህብ ንካሕሳይን እቴነሽን ፀዊዐ ፃዊዒት ንከመሓላልፉ ነገርክዎም። ከምኡ ምግባር ናቶም ስራሕ እዩ። ኩሎም ተኣኪቦም መፂኦም። ሚድያታት ማእኸል ዓዲ ክሕስዉ ከለዉ ሕንኽ ኣይብሉን። ኣብ ደስታ ሆቴል እያ እታ መግለፂ ዝሃብክዋ። ኣብ ትግራይ ዝነበረ "ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ከም ዝተዛዘመ፣ ብጀካ ውሱናት ወንጀለኛታት ንምትሓዝ ዝግበር ወፍሪ ኩሉ ነገር ከምዝተወደአ፣ ካብን ናብን ሰባት ክንቀሳቀሱ ከምዝተወሰነ፣ ሓይልታት ፀጥታ ነዚ ውሳነ ከኽብሩን፣ ከተማታት ካብ ዘረፋ ክከላኸሉን(ዘረፍቲ ባዕሎምን ሻዕብያንእዮም)፣ ትግራይ ሙሉእ ንሙሉእ ከምዝዓነየት፣ ብፍላይ ዘፈር ጥዕና ኣዝዩ ከምዝተሃሰየ፣ ኣብ ኢድና 30 ኣምቡላንስ ጥራሕ ከመዘለዋ፣ 230 ኣምቡላንሳት ፍርቀን ተሰሪቀን ፍርቀን ከምዝተቃፀላ፣ ሆስፒታላትን ጥዕና ኬላታትን ከምዝዓነዩ፣ 2.2ሚልዮን ተፋናቀልቲ፣ 4.5ሚልዮን ህዝቢ ህፁፅ ሓገዝ ዘድልዮ ህዝቢ ኣብ ክልልና ከምዘለዉ ንህዝቢ ኢትዮጵያ መግለፂ ሃብኩ። ኩሎም ሚድያታት ኣየሕለፍዎን።

FBC Tigrigna እንታይ ከምዝተራኣዮም ነዛ ዜና ኣመሓላሊፎማ። ትካል ዓለም ለኻዊ ሚድያ ሮይተረስ ካብ መንግስታዊ መደብር ቴለቪዥን ኢትዮጰያ ረኺበዮ ብምባል 02 January 2021 ኣብ ትግራይ ሰፊሕ ሰብኣዊ ቅልውላው ከምዝተፈጠረ ንህዝቢ ዓለም ኣጋወሐ። ንኮሚሽነር ሓደጋን ቅድመ ድልውነትን ኢትዮጵያ ደዊሉ ኸዓ "እዚ ኹሉ ሰብኣዊ ቅልውላው እንዳተፈጠረ መንግስትኹም እንታይ ይሰርሕ ኣሎ በሎ?" ኮሚሽነር ምትኩ ቃል ብቃል እቲ ክልላዊ ሓላፊ ዝሃቦ ሓበሬታ (ንዓይ ማለቱ እዩ) ኣብ መሬት ዘየለ ፃዕዳ ሕሶት ክብል መለሰ"። እንተኾነ 950,000 ተፈናቀልቲ ከምዘለዉ ተኣመነ።

ብድሕሪ እዚ ኩሎም ፃዕዱ መቐለ መፂኦም ንዓይ ከይረኸቡ ኣይኸይዱን። በዚ ጉዳይ ኸዓ ኣዝየ ሕጉስ ነበርኩ። ከይፀናሐኹ ካብቲ ገጠር ዝተወለድኹሉ ቦታ ካብ ኣደይ ህፁፅ መልአኽቲ መፂኡኒ። "ኣዴኻ ድለ ንስኻ ኣይወደይን ዝብል ነበረ።" ኣደይ ሕጊ ምኽባር ዝብልን ነቶም ደቅና ወንጀለኛታት ኢልካዮም ኢላ ሕርር ኢላ እየ ኣዝዩ ነዊሕ መንገዲ ኣዝማደይ መልአኽቲ ከብፅሑ ናባይ ዝለኣኸቶም። ብዙሕ ኣውጊዕና። እሞ ምሳሕ ብልዑ ኢለዮም። "ናይ ፒፒ ድዩ ናትካ ኢሉኒ ዘመደይ ዓይኒ ዓይነይ እንዳራኣየ"። ናተይ እዩ ኢለዮ። ቡዙሕ እዮም ተቀይሞምኒ፣ ኣብ ገፆም ንክትገልፆ ዘፀገም ጓሂ እውን ኣሎ። ገንዘብ ስለዘይነበረኒ ካብ ኣዕሩኹተይ ተለቂሐ ፍርቁ ንዕኦም፣ ፍርቁ ንኣደይ ንክህብዋ ተማሕፀንኩዎም። ኣዝማደይ "ኣደይ ኣነ ዝልኣክዎ ገንዘብ ከምዘይትቅብል ብሙሉእ ዓርሰ እምነት ነገሩኒ"። ከነይተረደአኒ ካብ ኣዕይንተይ ንብዓት ፅረር ኢሉ። ደሓን ንሓፍተይ ሃብዋሞ ንሳ ናይ ባዕላ ኣምሲላ ትሃባ በልኩዎም። ኣይተወሓጠሎምን። እቲ ሓደ ዘመደይ ኣዐርዩ ስለዝፈትወኒ ንከይቅይም ኢሉ ቅልጥፍ ኢሉ "እሺ" ኢሉ ተቀበለኒ። ኣደይ ጥራሕ ኣይኮነትን ሙሉእ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዕሊኡ ይፍፀም ዘሎ ግፍዒ፣ ዕላምኡን ትሕዝትኡን ኣይተረደኦን።

ኣብ ወርሒ የካቲት 1.2 ሚልዮን ህዝቢ ኣበይ ከምዘሎ ከምዘይንፈልጥን፣ ሓይልታት ኣምሓራን ኤርትራን ንትግራይ ከምዝወረሩን፣ ኩሎም ዓይነታት ወንጀላት ኣብ ትግራይ ይፍፀሙ ምህላዎምን ንጋዚጠኛ ቢቢሲ ትግርኛ ላየን ፅጋብ በስልኪ ሓበሬታ ሃብክዋ። ከይቀነሰት፣ ከይወሰኸት ከምዘላታ ኣጋዊሓታ። ናይ ኣደይ ምኽሪ እውን ሰሚዐ ኣብዚ ክልል ከቢድ ኩናት እዩ ተኻይዱ በልኩ። 04 መጋቢት 2021 ከምዘላታ ተመሓላሊፋ። ኣብ ድህረ-ገፅ ኤርትርያ ሀብ(Eritrea Hub) ብእንግሊዘኛ ተተርጊሙ ተቀሚጡ ይርከብ። ድሕሪ ሰሙን ምስ ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣብ ዝገበርክዎ ቃለ መሕትት ኣብ ትግራይ ናይ ሩዋንዳ ዘርኢ ምጥፋእ ዘንዕቅ ወንጀል ይስራሕ ከም ዘሎ ንህዝቢ ዓለም ከብፀሐለይ ተናገርኩ እንተኾነ ነዛ ሓረግ እዚኣ ድምፂ ራድዮ ኣሜሪካ ቆሪፁ ኣትረፋ። ንዲና ሙፍቲ ኸዓ ግብረ መልሲ ነቲ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ የለን ዝብል ፣ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣሎ እዩ፣ ወንጀላት እውን ሰሪሑ እዩ፣ ንዝሰረሖም ወንጀላት ብዕሊ ይቅርታ ሓቲቱ ብቁልጡፍ ካብዚ ክልል ንከወፅእ ይተሓሳስብ፣ ከምኡ እውን ኣብ ትግራይ ሰራዊት ኤርትራ የለን ዝብል እንተሃልዩ፣ ግመል ሰሪቅካ ጎምባሕ ጎምባሕ እዩ ክኾኖ በልኩ።

ድሕሪ እዚ ቡዙሓት ኣምባሳደራት ካብኦም እንታይ ከም ንደሊ ብተኸታታሊ እንዳ መፅኡ ሓተቱኒ። ኣብ ትግራይ ዘርኢ ናይ ምፅናት (Genocide) ይፍፀም ከምዘሎን ንሰራዊት ኤርትራን ኣምሓራን ካብ ትግራይ ብሓይሊ ንከውፅእዎምን ዝፈፀምዎ ወንጀልን ብዝርዝር ኣረዳእኹዎም። ኩሎም ኣምባሳደራት "ድሕሪ ሕዚ ኣብ ትግራይ እንታይ እዩ ክፍጠር ኢሎም እውን ሓቲቶምኒ ነበሩ"። ዓባይ ሃገረ ትግራይ ብዘይጥርጥር ከምእትፍጠርን ዓለም እዚ ንክንገብር ክትተሓባበረናን ሓተትክዎም። ኣብዛ ጉዳይ እዚኣ ኩሎም ኣምባሳደራትን ልኡኻት ዓለምን ኣይስማዕማዑን። ድሕሪ እዚ ኹሉ በደል ትግራይ ሃገር ክትኸውን ድልየትን ባህግን የብሎምን። ዓይኖም እንዳራኣዩ ንዘርኢ ምጥፋእ ተጋሩ ስኽ ኢሎም ይርእይዎ ኣለዉ። ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ምስ UN agencies፣ ሓሙሽተ ፌደራል ተቋማትን፣ ዓሰርተ ቢሮታት ትግራይን ሓቢርና ዘፅናዕናዮ፣
#5.2 ሚልዮን ህዝቢ ህፁፅ ሓገዝ ዘድልዮም
#400,000 ኣብ ብርኪ ጥምየት ዘኣተዉ ህፃናትን ደቂ ኣንስትዮን ዝርከበኦም ደቂ ሰባት እንዳሃለዉ
#2.2 ሚልዮን ተፈናቀልትን

#ብኣሻሓት ዝቁፀራ ዝተደፈራ ደቂ ኣንስትዮን ከም ዘለዋ ኩልና ዝተስማዕማዕናሉ መንግስታዊ ዶክመንት ሒዞም፣ ህዝብና ካብ 21 ሰነ ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ ን6+ ኣዋራሕ ሓገዝ ከይበፅሖ ሸፋቱ መንግስትታት ሻዕብያን ኢትዮጵያን እንትኽልኸሉ፣ ዓለም እውን ህዝቢ ትግራይ ይጥፋእ ኢላ፣ ምስቶም ሸፋቱ ሸፊታ፣ ብሓሳብን ተግባርን ተሰማዕሚዓ ስኽ ኢላ ንዘርኢ ምጥፋእ ተጋሩ ትምልከት ኣላ። ቡዙሓት ሃገራት ብሓይሊ ሰብን ወታሃደራዊ መሳርሕታትን እንዳተጠቀማ ምስ ሻዕብያን መንግስቲ ኢትዮጵያን ወጊነን ጥንታውን ሃይማነታውን ሓድግታትና፣ መንግስታውን ውልቃውን ትካላትና እንዳዕነወኦ ስኽ ኢሎም ይርእዩ ኣለዉ። ጊዜ ግን ዳኛ እዩ ኩሎም ወንጀለኛታት ኣብ ግዚኦም ናይ ኢዶም ክረኽቡ እዮም። ንሕና ግን ዓለም ካባና እንታይ ከም እትደሊ ኣይተረደአናን እሞ እንታይ ንግበር?? ኣነ ተዛሪበን ፅሒፈን ኣይሰሙዑንን። ተጋሩ ብእትኽእልዎ ናይ ወፃኢ ቋንቋ ተርጊምኩም ንህዝቢ ዓለም ኣብፁሑለይ!!!

ገብረመስቀል ካሳ ታፈረ

ነበር ጊዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ
25 ሕዳር 2014 ዓ/ም
ካብ ስደት Read More