INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ህዝቢ ትግራይ ይስምዓዮ፤

ኣነ ብዛዕባ እዚ ክዛረብ ኣይደለኹን ነይረ፤ ናይ ብሓቂ እውን ውሽጠይ ክቕበሎ፣ ክኣምኖ ኣይደልን ነይሩ፤ ንነዊሕ እዋን እውን እቲ ሓበሬታ እናሃለወኒ ምስ ነብሰይ እናተሟገትኩ ስቕ ኢለ እየ ሒዘዮ ነይረ።

ብዝኾነ ግን እዞም ውሽጥኻ ዘድምዩ ገለ ሓቅታትን ውዲታትን ህዝቢ ትግራይ ይስምዓዮም ይብል፤

1. ህወሓት ብሄራዊት እኳ እንተዘይኮነት ብናይ ህዝቢ ማዕበል ቀሊል ዘይብሃል ኣመራርሓኣን ኣባላን (ብፍላይ እቲ መንእሰይ) ሓያል ስምዒት ብሄራውነት ኣማዕቢሉ ነይሩ እዩ፤

2. መሪሕነት ህወሓት ብዘካየዶ ዳህሳስ መሰረት ልዕሊ 95% ህዝቢ ትግራይ ሃገር ክውንን ከምዝደሊ እዩ ድሌቱ ገሊፁ፤ እዚ ሓበሬታ ንምዕራባውያን እውን ተዋሂቡዎም እዩ፤ እዚ ንኹሎም (ንምዕራባውያን፣ ንኢትዮጵያ፣ ንህወሓት፣ ዋላ እውን ንኤርትራ) ድንጋፀ ፈጢሩ እዩ፤

3. ህወሓት ብኒ ኣሜሪካ "ንህላወ ኢትዮጵያ ክብሃል ናይ ህዝቢ ትግራይ ናይ ሃገርነት ሕቶ ቕተልዮ" ዝብል ትእዛዝ ተቐቢላ እያ እናሰርሐት ዘላ፤

4. ናይዚ ሞራልን ወነን ህዝቢ ትግራይ ናይ ምቕታል ሓደ መሳርሒ ጥሜት እዩ ነይሩ። እቲ ርዳእታዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ከይኣቱ ናይ ምዕፃው ውዲት ህወሓትን መንግስቲ ትግራይን እውን ዝሳተፈሉ ዘሎ ምዃኑ ዘረጋግፁ ብዙሓት ሓበሬታታት ኣለው። ህዝቢ ትግራይ ብዝተወሰነ መጠን ብጥሜት ክቕፃዕ፣ ክረግፍ ፤ ኩሉ ሕቶታቱ ገዲፉ ሕቱኡ ናይ ጎሮሮ ምዕንጋል ጉዳይ ጥራሕ ከውርድ ናይ ህወሓትን መንግስቲ ትግራይን እውን ድሌት ከምዝነበረ እዩ ዝግለፅ ዘሎ፤

5. ኣይተ ስብሓት ነጋ ካብ እሱር እንትፍትሑ እውን ሓደ ዕዮ ዝተውሃቦም እዚ ናይ ህዝቢ ትግራይ ናይ ሃገርነት ሕቶ ኣብ ምቕታል ንኽዋስኡ ተሰማሚዖም ከምዝኾነ እዩ ዝግለፅ ዘሎ። ኣብዚ እዋን እዚ ድማ ሓልሓሊፉ ብናይ ጥዕናዊ ፀገሞም ዝፅገሙ ይኹን እምበር ክንዲ ዝኸኣልዎ መዓልታዊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ትግራዋይ (ብፍላይ ብናቶም መስመር ሃፍቲ ዝፈጠረ ቁጠባዊ ልሂቅ) እናተፀወዐ ብኣይተ ስብሓት መደብ ይወሃቦ ከምዘሎ እዩ ዝግለፅ ዘሎ። እዚ ተራ ስም ምጥፋእ ዝመስሎም ኣሓትን ኣሕዋትን ከምዝህልዉ እርዳእ፤ ኣነ እውን ከምኡ እንተዝኸውን ሓጎሰይ ወሰን ኣይምሃለዎን፤ እመኑኒ ኣይኮነን።

6. ሓደ ምልክት ክኾነኩም- ህወሓት እታ ፈለማ ናይ ህዝቢ ትግራይ ድምፂ ስዒቡ፣ "ንህዝቢ ትግራይ ክመስል" ኢሉ የምበልብላ ዝነበረ ጉዳይ ሪፈረንደም ኮነ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ሐዚ ቀስ ብቐስ እናሕቐቐን እዩ፤ ገና ከጥፍአን እዩ።

7. ኣብ ወሎ ስዱድ ትግራዋይ ዘዕቑበሎም ኮንሰንትሬሽን ካምፕታት ይህነፁ እዮም ዘለው። ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ክሳብ 250,000 ዝኣክል ሰብ ናብ ኣምሓራ ክስደድ ትፅቢት ይግበር፤

በዚ ኹሉ ስደትን ጥሜትን ኣቢልካ ሑቐ፣ ሞራል ትግራዋይ ናይ ምጉዛይ ድሌት ናይ ምዕራባውያን፣ ኢትዮጵያን ኤርትራን ድሌት ጥራሕ ዘይኮነስ ኮላይ ናይ ህወሓት ከምዝኾነ እዩ ዝግለፅ ዘሎ።

እዚ እንትፅሕፍ ሂወተይ ኣትሒዘ ምዃኑ እርዳእ እዩ፤ እቲ ሓደጋ ድማ ካብ ሓደ ዘይኮነስ ካብ ኣርባዕተ ምዃኑ ኣይጠፍአንን፤ እቲ ፅቡቕ ነገር ግን ናይ ሂወት ሓደጋ እንተጋጢሙኒ እውን ናይ ሕልና ሸኽመይ ኣራጊፈ እየ።

ህዝቢ ትግራይ፣ ሰራዊት ትግራይ- ኣስተውዕል። ድሌት ህዝቢ ትግራይ ምስ ኢትዮጵያ ምቕፃል እንተኾይኑ ኣነ እውን የኽብሮ እየ። ኮይኑ ግን ናይ ባዕልኻ ህዝቢ ብጥሜትን ሕማምን ቐፂዕኻ፣ ህዝብኻ ኣብሪስካ ኣገዲድካ ናይ ዘበናት ሕልሙ ንምቕታል ዝግበር ክሕደት ግን ሓቢርካ ዘናብር እውን ኣይኮነን።

ዓወት ንትግራይ!