INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ኩለን ሃማኖታት ትግራይ ምስ ኢትዮጵያ ዘለወን ርክብ በቲኸን

ኩለን ሃማኖታት ትግራይ ምስ ኢትዮጵያ መዘንአን ዘለወን ርክብ በቲኸን ኣለዋ! ሃይማኖታት ኣብ ማሕበራዊ ኮነ ሃገራዊ ምትእስሳር ከም ሓደ ሰረት ዝቑፀር ገዚፍ ግደ ኣለወን::

ኣሜሪካዊ ፖለቲካል ሳይንቲስት ሮበርት ፑትናም፤ American Grace: How Religion Divides and Unites Us ኣብ ዝብል ንኣሜሪካ ጠሚቱ ኣብ ዘሐተሞ መፅናዕታዊ መፅሓፉ፤ ብዛዕባ ሃይማኖትን ህንፀት ማሕበረሰብን እንትገልፅ፤ «...ሃይማኖት ብሓደ የተኣሳስር፤ ብዙይ እውን ጥንኩር ማሕበረሰብ ይሃንፅ:: ሃይማኖት ንዙይ እንተዘየምፅእ ነይሩ፤ ሃይማኖት ክኸውን ኣይኽእልን ነይሩ...» ይብል::

እወ፤ ሃይማኖታት ትግራይን ኢትዮጵያን ከም'ቱ ሮበርት ፑትናም ዝገለፆ፤ ኣፈላላየን ንፁርን ገዚፍን እዩ:: ኣፈላላየን ንማሕበረሰብ ምህናፅን ምፍራስን ስለዝኾነ ድማ፤ ብሓባር ዘኺደን ወይ እውን ሓደ ዝገብረን መስርዕ የለን!

ንማሕበረሰብ ኢሉ እውን ንሃገር ዘፍርስ፣ ህዝቢ ዘጨፍጭፍ፣ ዓዲ ዘብርስ፣ ንደናግል ሓዊሱ ንደቂ ኣንስትዮ ዘዕምፅ፣ ንኣብያተ እምነታት ዘዕንው፣ ንመገልገልቲ ኣብያተ እምነታት ክጭፍጨፉ ዝተሓባበር፣ ንዋየ ቅዱሳት ክዝረፉን ኣብ ዕዳጋ ዓለም ክሽየጡን ዘግብር፣ ወዘተ... ቤተ እምነትታት ኢትዮጵያ፤ ሃይማኖት ክብሃል ኣይኽእልን!

ኩለን ኣርባዕቲአን ሃይማኖታት ትግራይ ሰረት ዝኾነ ውሳነ ኣሕሊፈን ናብ መረበተን ምምላሰን፤ ንቱ ዝተረፈ ፖለቲካውን ኢኮኖሚያውን ኢሉ እውን ዲፕሎማሲያዊ ውሳነ ሃገረ ትግራይ፤ ብዓብይኡ ዘሳልጥ እምነኩርናዕ እዩ!

ቅድሚ ሪፈረንደም ክሳለጥ ዝግብኦ ገዚፍ ማሕበራዊ ሰረት ሓድነት ህዝቢ ትግራይ፤ ብኹለን ሃይማኖታት ትግራይ ብሓባር ተነፂፉ ኣሎ! ድሕሪ ደጊም ኣብ ልዕሊ እዙ ሰረት ንሃንፅ እምበር፤ ፍፁም ንድሕሪት ኣይንምለስን!

ትግራይ ትስዕር ኣላ! ካሳ ሃይለማርያም

Read More