INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ዝነበሮ ርክብ ሙሉእ ብሙሉእ ከም ዘቋረፀ ኣፍሊጡ።

ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ምስ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ዝነበሮ ርክብ ሙሉእ ብሙሉእ ከም ዘቋረፀ ኣፍሊጡ።

ዋሺንግተን ዲሲ: 07 ለካቲት 2014 ዓ/ም (TMH)

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣድሂቡ ኣብ ዘሳለጦ መድረኽ ዘተ፣ ወረርትን ፋሽስታውያንን ሓይልታት ህዝቢ ትግራይ ንምፅናት ዝፈፀሙዎ ገበን ጆኖሳይድ፡ መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ክንዲ ምኹናን ብገንዘብን ብሞራልን ብምሕጋዝ ብምትሕብባሮምን ፣ ኣካል ናዪቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኣወጀ ዘርኢ ምጽናት ብምዃኖምን፣ ነቲ ተግባር ክኹንኑ ይኹን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንዝፈፀሙዎ ታሪኽ ይቕረ ዘይብሎ ግፍዕታት ይቕረታ ክሓቱ ስለዘይክኣሉ፣ ካብ ሕዚ ንዳሓር ብናይ ባዕሉ መተሓዳደሪ ሕገ-ደምቢ ንምምሕዳር ከም ዝወሰነ ኣፍሊጡ ።

ዋና ፀሓፊ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ሓጂ መሓመድ ካሕሳይ ኣብቲ መድረኸ ከምዝሓበርዎ፣ በቶም ወረርቲ ሓይልታት ኣብ መሬት ትግራይ ሃይማኖት ብዘይፈሊ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ትግራዋይ ገበን ጆኖሳይድ ከምዝፈፀመ ገሊፆም።

ብርክት ዝበሉ ሓጅታትን መሻይኽን ሓዊሱ ብዙሓት ኣመንቲ ምስልምና ተጋሩ ብምዃኖም ጥራይ ብፀላእቲ እንትርሸኑን እንትሕረዱን፣ እቲ መሰረት እምነት ምስልምና ኢትዮጵያ ዝኾነ መስጂድ ኣልነጃሽ እንትዓኑ ይኹን ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ክፀንት፡ ፀላእቲ ካብ ውሽጢ ዓድን ባዕድን ኣብ ልዕሊኡ እንትዕንድሩ፡ ሃይማኖታዊ ልኡኽቶኦም ብምርሳዕን ኣብ ትግራይ ንዝርከቡ ተኸተልቲ ብምጥላምን፡ ነቶም ግፍዓውያን መቐበልቲ ዕጥቅን ስንቅን ኮይኖም ኣብ ልዕሊ ትግራይ ሞት ፈሪዶም እዮም።

እቶም ኣባላት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ፡ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ሰባትን ኣብያተ እምነትን ትግራይ ዝተፈፀመ ጆኖሳይድ ክኹንን ክቋወምን እናተገበኦ፡ ኣብ ክንድኡ ባሪኹ ሞራል ሂቡን ካብ ሃይማኖታዊ ስርዓት ወፃኢ ብዝኾነ መንገዲ ብምኻዱ፣ ዝነበረና ርክብ ሙሉእ ብሙሉእ ክነቋርፅ ተገዲድና ኣለና ኢሎም።

ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ብግደኦም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ጆኖሳይድ ንዝኣወጁን ንዝፈፀሙን ሓይልታት ምስ ዝድግፉ መራሕቲ ሃይማኖትን ትካላት ሃይማኖትን ክንቅፅል ኣይግባእን ምስ በሉ ኩሉ ህዝቢ ትግራይ ንሓበራዊ ፀላእቱ ብሓባር ንክምክት ፀዊዖም።

Read More