INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

80 ሚኢታዊ ስርዓት ጥዕና ትግራይ ሙሉእ ብሙሉእ ብወረርትን ተስፋሕፋሕትን ሓይልታት ከምዝዓነወ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ኣፍሊጡ፡፡ (tigray-health-destroyed)

ብሰንኪ እቶም ፋሽሽታውያ ተሰፋሕፋሕትን ወረርትን ብዝተፈፀመ ዕንወትን ስርቕን፤ ኣብ ትግራይ ካብ ዝነበራ 14 ሓፈሻዊ ሆስፒታላት እተን 8 ሙሉእ ብመሉእ ስራሕ ጠጠው ኣቢለን ይርከባ፡፡

እተን ዝተረፋ እውን ሰኣን እኹል ቐረብ መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን ዝህበኦ ግልጋሎት ኣብዚ እቶ ዝበሃል ኣይኮነን ይብሉ ኣብ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ተተካኢ ከይዲ ስራሕ ክንክንን ምሕካምን ሕሙማት ኣይተ ጠዓመ ዓረዶም፡፡

እተን ዝበዝሓ ትካላት ጥዕና በዞም ወረርትን ተስፋሕፋሕትን ክዓንዋ ምኽኣለን ድማ ኣብዚ ሐዚ እዋን ህዝቢ ትግራይ ስኣን እኹል ግልጋሎት ጥዕና ግዳይ ተመሓላለፍትን ዘይተመሓላለፍትን ሕማማት ኮይኑ መዓልታዊ ናብ መቓብር ይወርድ ኣሎ ኢሎም፡፡

ግልጋሎት ሕክምና ምርካብ ካብ ግቡኣት ሰብኣዊ መሰላት ሓደ ብምኻኑ ማሕበረሰብ ዓለም ህይወት ሚልዮናት ተጋሩ ንምድሓን ኣብ ልዕሊ እዞም ፋሽሽታውያን ወረርቲ ስጉምቲ ክወስድ ኣይተ ጠዓመ ፀዊዖም፡፡

ብሙስጦፋ ጡሃ ትግራይ ቴሌቪዥን

Read More