INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ኣብ ትግራይ እንታይ ኣሎ ?

ንዝበልኩሙኒ/ክናኒ መሓዙተይ፣ ብ Daniel Asmelash

ኣብ ትግራይ ኩሉ ኣሎ !!!!
ኣብ ትግራይ ሞትን ህይወትን ኣሎ።
ኣብ ትግራይ ዝቕንን ዝኸርምን ብዙሕ እዩ !!!

ኣብ ትግራይ ፃዕዳ ፅጋብን ጠቃር ጥሜትን ኣሎ !!!
ኣብ ትግራይ ፀዊዕኻዮ ዘይሰምዕ ስሱዕ በዓል ቅርሽን ፣ ዝልግሶ ዝነገፈ ቦቕቧቕ ሃፍታምን ኣለዉ !!!

ኣብ ትግራይ ብዘይካ ዘትርፈሉ ሸቐጥን ምዕምራር ገንዘብን ካሊእ ዘይስቆሮ ነታ ነብሱ እኳ ማይ ክሕፀብ ግዜ ዝሰኣነ ነጋዳይን፣ ትርፊ ይትረፈኒ፣ ዘለኒ ይኣኽለኒ ኢሉ ብልክዑ ዝሰርሕ ፣ ዝሓስብ ሕያዋይ ነጋዳይን ኣለዉ !!!

ኣብ ትግራይ ኣሕዋትና ተደፊረን ኢሉ ዘእዊ (ግድን እውን ክነእውን ሕነ ክንፈድን ይግባእ) ፣ ግን ኣሕዋትና ዓዲ ዓረብ ፣ኣሜሪካን ኣውሮፓን ፃዕዳ ረሃፅ ርሂፀን ናብ ስድራ ብሓደራ ካብ ዝለኣኸኦ ገንዘብ ፣ ዋጋ ሓደ ኹንታል ጣፍ ቆሪፁ ዘትርፍ (ዝደፍር)ን ፣ ዝተሰደደ ገንዘብ ከምታ ዘላታ ወይ እውን ፍትሓዊ ናይ ግልጋሎቱ ነክዩ ንስድራ ዘርክብ እርንቡን ለባምን እውን መሊኡ።

ኣብ ትግራይ ካብ ዞባ ምዕራብ ዝተፈናቐለ ልዕሊ 1.2 ሚልዮን ህዝብና ዓመት ሙሉእ ብእምነቱ ዘኪሩን ምእመነይ ጠፊኡኒ ኢሉ ክዛረብን ክቃወምን ድምፁ ኣጥፊኡ ዝሓገየ መራሒ ሃይማኖት ፣ ግን ሰራዊት ትግራይ ደብረ ሲና በፂሑ ኣብ ዝነበረሉ ግዘ ብስም "ጉባኤ ትካላት እምነት" ንሃገረ ስብከት ኢትዮጵያ ኣውጊዘ ኣለኹ ኢሉ መግለፂ ክውፅእ ዝደፍር ፤ ኣብ ባዓቲ ሃይማኖት ዝተኸወለ ግዜን ኩነታትን ኣፅኒዑ ዘውግዝ ደፋር መራሒ ሃይማኖት እውን ዒነ እዩ !!!

ኣብ ትግራይ እቲ ብደገ ዘሎ እውን ነዚኦም ኣይተርእዩኒ፤እቲ ኣብ መሪሕነት ዘሎ እውን ድምፆም ኣይተስምዑኒ ዝብል ፣ ነቓፅን ዓንቃፅን ፖለቲካዊ መርገፂ ኣብ ዝኸድካዮ ትረኽቦ በሽ በሽ እዩ !!! (ተቐራሪብካ ምስራሕ ዝብሃል ሕርምና )

ኣብ ትግራይ ምድብ ቦታን ቢሮን ፣ ምቾት መኪናን መንበሪ ገዛን እናማረፀ ዝውዕል ቆዛሚን ሓማይን ፖለትከኛ ኣሎ ፣ ብልክዑ ኣብቲ ዝተመደቦ ቦታን ግንባርን ዘሎ ኩሉ ሕሰምን ፀገምን ተፃዊሩ መስዋእትን መጉዳእትን ዝቕበል ወይ እውን ክቕበል ቅሩብ ዝኾነ ተጋዳላይ እውን ብዙሕ እዩ !!!

ኣብ ትግራይ ብነዳዲ ዝነደደን፣ ሰኣን ነዳዲ "ዝነደየ"ን እሞ ንሓራሳት ናብ ሆስፒታል ዘብፀሓ ኣምቡላንስ ነዳዲ ስኢነን ኣዴታት ብቓሬዛ ክንከላበታ ምርኣይን ልሙድ እዩ።

ኣብ ትግራይ ካብዚ ክባን ዕፅዋን ከመይ ኢና ንወፅእ? መድሓኒት፣ምግቢ ከመይ ንረክብ ?ሰራዊትና ኣበይ በፀሐ ? ኢሉ፣ ነቲ ኩነታት ብዝኸኣሎ ከሕፅር ዝቃለስ ፣ መዓልታዊ ዝጭነቕን ዘጨናጭንን ኣእላፍ እዩ ፣ ቁፅሩ ዘይንዓቕ ድማ ዋጋ ስሚንቶ፣ ዋጋ በርበረ፣ ዋጋ ፈሓም፣ዋጋ ዘይቲን ዕፀይትን ወዘተ ክንደይ በፂሑ ? እናበለ ዝውዕል፣ ምእንታን ንሱ ከታርፍ እቲ ዕፅዋን ክባን ክናዋሕ ፀሎት ኣጋንንቲ ኣብይ ዝመርሓ ኢትዮጵያ፣ ኢሳያስ ዝመርሓ ኣራዊት ኤርትራን እቶም ባርባራዊያን ኣምሓሩ ዘሰጉምዎ ጥፍኣትን ሞትን ዝልምን ገዛ ይቑፀሮ።

ኣብ ትግራይ ንፒፒን ንውድብ ህወሓትን ብማዕረ ዘገልግል፣ ዝመፀ መንግስተይ ፣ ዝበረቐ ፀሓየይ ዝብል፣ ኣብ ቀበሌ ተወሊዱ፣ኣብ ክፍለ ከተማ ዓብዩ፣ኣብ መንግስታዊን ፖለትካዊን መሓውር ስኑ ዝሸረፈ፣ ህዝቢ ብስርቅን ብሕሶትን ሰንሰን ዘበለ፣ ክሻብ ዕውልውል ዝብለካ ኣብ ዝኸድካዮ ትረኽቦ ፤ ፍትሓዊ መገልገላይን ብኣንፃሩ ድማ ቁሩብ ሂቡ ብዙሕ ዝቕበል ተገልጋላይን እውን ኣብዛ ትግራይና ከም ቆሎ እዩ !!!

ኣብዛ ትግራይና ንደቁ ባኒ ዓዲጉ ገዛ ክኣቱ ዘይከኣለ እሞ ገፅ ደቁን በዓልቲ እንድኡን ምርኣይ ዘሰከፎ ፣ ዓርሰ ቅትለት ዝፈፀመ ሰራሕተኛ መንግስቲ ወይ መምህር ወይ ካሊእ ብዙሕ እዩ፣ ንጥርዓን ናብ ኣብያተ ፅሕፈት ከይደን ግን ብጥሜት"መደያይቦን እስካላን " እቲ ቤት ፅሕፈት ምድያብ ኣብይወን ኣብ መንገዲ ዝወድቃ ኣዴዳት ትግራይ ገዛ ይቑፀረን። ብኣንፃሩ ብፅጋብ ዓቕሎም ዝፀበቦምን ዝሰተይዎን ዝበልዕዎን ኣብ ምምላስ (ንዓቐብ ምባል) ዝሓድሩ ፅጋበኛታት ከዓ ብዙሓት እዮም።

እቲ ኣብ ፀልማት እዋንን ግዜ ፀበባን ንሸሞንተ ኣዋርሕ መደቀሲኡ ገዲፉ ቀለብ ደቁን ዓርሱን ሓዲጉ ዝሓብሐበ ህዝቢ ትግራይ ኣብዛ ቀጣን እዋን ካሊእስ ይትረፍ ዋጋ ክርቢት እኳ ከቢራቶ ተፀጊሙ ኣብ ዝጭነቐሉ ፥ እቶም ትማሊ ምስኡ ከርተት ዝበሉ መራሕትን ተመራሕትን ሎሚ ከመይ ኣለኻ ኢሎም ክሓትዎን ክድሃይዎን "ሞራል"የብሎምን፤ ከተማ ምስ ኣተዉ ረሲዖምዎና ይብል ኣሎ። ሓቁ !

ገሊኦምስ ፀዊዕኻዮም ኾነ ቀንጪውካዮም ዘይሰምዑ ከም ጨርቂ መዳፈ ዝላደዩ ፀማማት እዮም፤ "ሞራል ዝበሃል ዘይፈጠረሎም ነውራማት"።

ኮታስ እንታይ ግድኹም ኣብዛ ትግራይናስ ዝበሃልን ዘይብሃልን ብዙሕ እዩ !!! ስለዚ ኣብ ትግራይ እንታይ ኣሎ ዘይኮነስ---እንታይ ከ ዘየለ ዋ ? ትግራይ ብደቃ ትኽበር!!!

ዘለኣለማዊ ክብርን ሞጎስን ንናይ ትማሊን ሎሚን ሰማእታትና !!!

ዕንወትን ሕስረትን ንናይ ትማልን ሎሚን ጠላማት !!!

ትግራይ ሃገር እያ !!!!
ትግራይ ትስዕር !!!!

Read More