INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ልዕሊ 100ቢልዮን ቅርሺ ዝግመት ንብረት ትግራይ

ልዕሊ 100ቢልዮን ቅርሺ ዝግመት ንብረት ትግራይ ተጓሒሉን ዓንዩን እዩ ኢሉ መንግስቲ ትግራይ።

ኣብ ትግራይ ዝበፅሑ ምፅናት ህዝብን ዕንወትን ብርሰትን ዝምልከት መበገሲ ዳህሳስ ነዚ ይመስል።

1. ኣብያተ ትምህርቲ:-
* ኣብ 2054 ኣብያተ ትምህርቲ ከቢድ ዕንወትን ጉሕለትን በፂሑ
* እዚ ድማ 91.3 ሚኢታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ዕንወት ከምዝበፅሐን ዘማላኸት

2. ኮንስትራክሽንን መጓዓዝያን
* 4,755 ተሽከርከርቲ መንግስታውን ዘይ መንግስታውን ዕንወትን ጉሕለትን በፂሑ
* እዚ ብገንዘብ እንትግመት 17 .4 ቢልዮን ቅርሺ ይግመት
* ኣብ መሰረተ ልምዓት መንገዲ ድማ ከም ኣስፋልት መንገዲ ፀፀርን ዝምልከት 36 .77 ቢልዮን ቅርሺ ዕንወት ኣጋጢሙ እዩ።

ብሓፈሻ ኣብ ኮንስትራክሽን መጓዓዝያን 61 ቢልዮን ቅርሺ ዝግመት ዕንወት በፂሑ ኣሎ።

3 ኣብ ከተማን ገፀርን መስተ ማይን መስኖን ዝበፅሐ ዕንወት፦
* ብሓፈሻ ልዕሊ 21 ቢልየን ቅርሺ ወፃኢ ዝሓትት ዕንወት ኣጋጢሙ ኣሎ።
* እዚ ናይ ምዕራብ ትግራይ ከባቢታት ኣይሓውስን
* ብሓፈሻ ልዕሊ 3 ነጥቢ 5 ሚልዮን ህዝቢ ተረባሒ ዝኾኖሎም ዝነበረ ፕሮጀክታት ዓንዮም አለው። ብሰንኪ እዚ ሕብረተሰብ ኣገልግሎት ኣይረኽቡን ዘለዉ።
* 232 ሓድግታት ዕንወትን ጉሕለትን በፂሐጀዎም።

ኣብ መወዳእታ: – ብሓፈሻ ኣብዚ ሰዓት ፀላእቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝገበርዎን ይገብርዎን ብዘሎ ህዝቢ ምፅናት ልዕሊ 6. 3 ሚልየን ህዝቢ ኣብ ከቢድ ዓፀቦን ጥምየትን እዩ ዝርከብ።
* ነዚ ዘፅንዕ ድማ ኮምሽን መፅናዕቲ ምፅናት ህዝቢ ትግራይ ተጣይሹ ናብ ስራሕ ኣትዩ ኣሎ።
#Abel MK

Read More