INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ፋሺስታዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንትግራይ ን2015 ዓ.ም በጀት መዲበ ምባሉ

ፋሺስታዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነታ ብክባን ዕፅዋን ህዝባ ግዳይ ሞትን ሕማማትን ክትከውን ዝፈረዳ ትግራይ ን2015 ዓ.ም በጀት ዝውዕል 12 ቢልዮን ቅርሺ መዲበ ምባሉ ምንጭታት ሓቢሮም።

እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ማእለያ ዘይብሎም ግፍዕታት ኣብ ምፍፃም ዝርከብ ገበነኛ ስርዓት፡ ኩሎም መራኸቢ ሜላታት ብምዕፃው ንትግራይ ካብ ዓለም ነፂሉ ህዝቢ የፅንት ኣብ ዘለሉ እዋን፡ ማሕበረሰብ ዓለም ንምድንጋርን ቁመና ዘለዎ መንግስቲ ንምምሳልን ዝጥቀመሉ መታለሊ ፕሮፖጋንዳ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ዋሺንግተን ዲሲ: 01 ሰነ 2014 ዓ/ም (TMH)

ፋሺስታዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምደባ በጀት ዓመተ-2015 ዓ.ም ኣብ ዘፅድቐሉ እዋን ንትግራይ 12 ቢልዮን መዲበ ምባሉ ነቲ ማሕበረሰብ ዓለም ንምድንጋር ዝጥቀመሉ መታለላይ ፕሮፖጋንዳ ንምጥንኻር እንተዘይኮይኑ ትርጉም ከም ዘይብሉ ተዓዘብቲ ይገልፁ።

ንዝሓለፉ 20 ኣዋርሕ ብዂናት ዝዓነወት ትግራይ፡ ንልዕሊ ሓደ ዓመት መላእ ሰራሕተኛ መንግስቲ ይኹን ሲቪል ሰራሕተኛ ብዘይ መሃያ ድከቱ ኣብ ዝበልክዐሉ፡ ኩሎም ማሕበረ ቁጠባዊ ምንቅስቓሳት ትግራይ ሙሉእ ብሙሉእ ብዝበሃል ደረጃ ኣብ ዝዓነዉሉ እዋን እቲ ፋሺስታዊ መንግስቲ ኣብ ትግራይ ምንም ከምዘይተፈጠረ፡ ዓመታዊ በጀት ኣፅዲቐ ምባሉ መዘራረቢ ዛዕባ ኮይኑ ይርከብ።

በጀት ዓመት 2013 ዓ.ም ብምኽልካል ዝጀመረ ወፍሪ ዕንወት ትግራይ ኣብ 2013 ዓ.ም መላእ ሰራዊት እታ ሃገር ምስ ሓይልታት ልፍንቲ ናብ ትግራይ ብምውፋርን ህልቂትን ዕንወትን ብምፍፃምን፡ ማዕረ ማዕረ ‘’በሻሻ’’ ገይርናያ ብምባል ዕንወታ ብኣንደበቱ ዝመስከረ ፋሺስታዊ መራሒ ንትግራይ ዝብጅቶ በጀት ካበየናይ መሰረት ከም ዝተበገሰ ግልፂ ኣይኮነን ተባሂሉ።

ናብ ትግራይ ዝኣትው ምግብን ነዳድን ሓዊሱ፡ መሰረታዊ ግልጋሎታትን እታወታት ሕርሻን ሓኒቑ ብምሓዝ ኣብ ትግራይ ኣሽምባን ቁጠባዊ ምንቅስቓስ ክህሉ፡ እኽሊ በሊዑ ዝነብር ሰብ ከይህሉ ነቲ ዕፅዋን ክባን ኣጠናኺሩ ዝቕፅል ዘሎ ኮይኑ፡ እቲ ድልድል በጀት ኮነ ተባሂሉ ማሕበረሰብ ዓለም ንምድንጋር ድኣምበር ንህዝቢ ትግራይ ዝጠቅም ሓቅነት ከም ዘይብሉ ተሓቢሩ።

እታ ሃገር ብምኽንያት ኣብ ትግራይ ዝወልዐቶ ኲናት ካብ ለገስቲ ሃገራት እትረኽቦ ዝነበረት ገንዘብ ሙሉእ ብሙሉእ ምስኣና ጥራይ ዘይኮነስ፡ ልዕሊ 500 ፋብሪካታት ብስእነት ሸርፊ ወጻእን ነዳድን ካብ ስርሖም ምቁራፆምን ኣብ ዓዘቕቲ ድኽነት ምጥሓላ ዝተሓበረ ኮይኑ፡ ካብቲ ንበጀት ዓመት 2015 ዓ.ም ተመዲቡ ዝተብሃለ 786 ቢልዮን ቅርሺ 234.4 ቢሊዮን ጉድለት ዘለዎን ጋና ንኣውድ ዝተኣተወ መፅብዓ ምዃኑን ተሓቢሩ ኣሎ።

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝወለዐቶ ኲናት፡ ለበዳ ኮሮና፡ ወራርዕስለ ኣምበጣ፡ ድርቅን ኲናት ዩክሬን ተወሲኽዎ፡ እቲ ህዝቢ ትግራይ ንምፅናት ዝተዓደመ ስርዓት ኤርትራ እውን፡ ኣብታ ሃገር ፀሊም ዕዳጋን ሸርፊ ወፃእን ብምቁፅፃር ቁጠባኣ ደዃዕዃዕ ዝበለት ሃገር፡ ዋላ እውን እቲ ዝተመደበ በጀት ካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ወሰኽ ከም ዘለዎ እንተተገለፀ፡ ምስቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ናህሪ ዋጋን ሕሱም ናብራ ህዝብን ኣብዚ እቶ ዘይብሃል ምዃኑ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ከንፀርፅሩ ተሰሚዖም ኣለዉ።

ኣብ ምደባ በጀት ዝለዓለ ገንዘብ ካብ ዝተሰልዐሎም ዓውድታት 125 ቢልዮን ንዕዳ መኽፈሊ፡ 84 ቢልየን ንወታደራዊ ትካል እታ ሀገር ዝመደበ ኮይኑ፡ ኣብ ዕድል ስራሕ ፈጠራ ዋላሓንቲ ትኹረት ብዘይምግባር ቀንዲ ትኹረቱ ህንፀት ሰራዊ ምግባሩ፡ ነታ ሃገር ብዘልካቕነት ኣብ ኲናት ከንብራ ይሰርሕ ምህላው ተዓዘብቲ ይዛረቡ።