INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ትግራይ ዓደይ!

ብረቡዕ ኣብ ኒውዮርክ ንሓፍትና ዙሃር፣ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ንሓውና ሃይለስላሰ፣ ትማሊ ቀዳም ድማ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ንሓውና ሙሉ ተስፋይ ቀቢርና! ተኣኪብና ሓዚንና ነቢዕና! ግና ኩልና ብድውልና ዳርጋ ዘየለና ኮይኑ ተሰሚዑኒ!

ዲያስፖራ ህዝብና ብዘይትግራይስ ናብርኡ ሙሉእ ከምዘይኾነ ዝያዳ ቀሪበ ክዕዘብ ዕድል ረኺበ! ወግሐ ፀብሐ ድሃይ ትግራይ ክናዲ ይህውትት ይሓምም ይጭነቕ ይሓትት ከምዘሎ ቅሳነት ከምዝርሓቖ ቀሪበ ሪአ!

እሞ ኣብ መላእ ዓለም ንእትርከቡ ሓኻይምን ሰብሙያ ጥዕናን፤ ከምኡ እውን ንመራሕቲ ኮሚዩኒቲታት ማሕበረሰብ ትግራይን መራሕቲ ሃይማኖታትን ዲያስፖራ ትግራይ፤ ሕውነታዊ ለበዋ ከቕርብ ደልየ!

ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ኣብዝሓ ዲያስፖራ ተወላዲ ትግራይ ህዝብና ህፁፅ ሙያዊ ሓገዝኩም ይደሊ ስለዘሎ!

ብሓደ ወገን ኣብ ዓዲ ዘለዉ ስድርና ኣዝማድና ህዝብና ብሓፈሻ ትግራይ ዓድና ብዘላትሉ ዘስካሕክሕ ኩነታት ዕፅዋን ፀበባን ሰብና ንስእን ኣለና ጥራሕ እንተይኮነስ፤ ዓቕሚ እናሃለወና ከነርክበሎም ብዘይምኽኣልና፤ ብዝብል ዲያስፖራ ህዝቢ ትግራይ እስትንፋሱ ይሓፅሮ ኣሎ!

ብኻልእ ወገን ድማ እዙ ኩነታት ፅሙዋን ፀበባን ብዝተናውሐ፣ መወዳእትኡ ኾን እንታይ ይኽውን ዝብል ብዘስዕቦ ዘሎ ተወሳኺ ፀበባን መስዋእትን፤ ኣብዝሓ ኣብ ዲያስፖራ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ከቢድ ስነኣእምሮኣዊ ማሕሰይቲ ወሪዱዎ ኣሎ!

ዲያስፖራ ህዝቢ ትግራይ ጥዕንኡ ናብርኡ ስድርኡ ይቃወስ ኣሎ:: ካብ'ዙይ ሓሊፉ ድማ ብተኸታታሊ ኣብዙ ቅነ ከምዝርአ ዘሎ ኣባላት ኮሚዩኒታትና ሃንደበት ኮፍ ኢሎም ወይ ሃሪሶም እንተልው ይሞቱ ኣለዉ!

ኣብዙ ቀረባ እዋን ኣብ ኣሜሪካ ጥራሕ ሽዱሽተ ዲያስፖራ ትግራይ ሃንደበት ተፈልዮምና! ልዕሊ ፍርቂ ሚልየን ኣሜሪካውያን ህይወቶም ኣብ ዝሰኣኑሉ እዋን ለበዳ ቫይረስ ኮቪድ እኳ ክንድዙይ በዝሒ ዘለዎም ተጋሩ ኣብ ኣሜሪካ ኣይሰኣናን!

ስለዙይ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዲያስፖራ ዘለኹም ሓኻይምን ሰብሙያ ጥዕናን፣ መራሕቲ ኮሚዩኒቲታት ማሕበረሰብ ትግራይን መራሕቲ ሃይማኖታትን ዲያስፖራ ትግራይ ህዝብኹም ተዳመፁ::

በብእትነብሩሉ ከባቢ ንዘሎ ማሕበረሰብ ትግራይ እናደወልኩም ኮነ ስልክኹም ኣፍሊጥኩም እናተደወለልኩም ሓገዝ ሙያዊ ምኽሪ ብምሃብ ንህዝብኹም ተዳመፁ!

ጭንቅን ተስፋ ምቑራፅን ካልኣይ ወራርን ሞትን ይኾነና ኣሎ! ዲያስፖራ ትግራይ ህዝብና ኩነታት ትግራይ ክናዲ ቀትርን ለይትን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ኣብ ስልኪ ተሸኺሉ ኣብ ስነኣእምሮኣዊ ሓደጋ እናወደቐ እዩ! ስለዙይ ኩልና ዲያስፖራ ትግራይ ኣብ ዘለና ንሃሉ፣ ማሕበራዊ ምትእስሳርና ኣደንፊዕና፣ ነንሕድሕድና ንደማመፅ ንደጋገፍ! ነንውልቅና ኮነ ከስድራ እውን ንነፍስና ንፈትሽ! ዲያስፖራ እንትብል እንተለኹ ንቱ ኣብ ውሽጢ እዛ በላዒት ሰብ ሃገር ዘሎ እውን ሓዊሱ እዩ! እንኳዕ ንዳግማይ ትንሳኤን ዒድ ኣልፈጥርን ኣብፅሐና!

ትግራይ ትስዕር ኣላ! ካሳ ሃይለማርያም

ቴሌግራም: https://t.me/+HdnQzJcDXXJlMzBh