INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ተጋሩ ስደተኛታት ንምሕጋዝ ዝዓለመ ምርኢት ስእሊ ኣብ ፈረንሳይ ተኸፊቱ

ጥበብ፡ ባህላዊ ክዳን ዝተኸደነት ሰበይቲ

22 ሓምለ 2022

በሰላታት ኲናት ትግራይ ብስራሕቲ ኪነ-ጥበብ ንምግላጽን ኣብ ሱዳን ንዝርከቡ ስደተኛታት ንምሕጋዝን ዝተዳለወ ምርኢት ስእሊ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ርእሰ ከተማ ፈረንሳይ ፓሪስ ተኸፊቱ።

እቲ ብትግራይ ኣርት ኮሌክቲቭ ዝተባህለ ኣብ መላእ ዓለም ብዝነብሩ ተጋሩ ሰብ ሞያ ኪነ-ጥበብ ዝተመስረተ ትካል ዘዳለዎ ምርኢት ስእሊ፡ ንሰለስተ መዓልቲ ከምዝፀንሕ ኣዳለውቲ ንቢቢሲ ገሊጸን።

ኣብዚ እዋን ኣብ ኳታር ዶሃ ከምእትቕመጥ ትገልጽ በዓልቲ ሞያ ስእሊ፣ ንድፊ፣ ፊልምን ኣኒሜሽንን ጋብሪኤላ ፍረወይኒ ተስፋይ፡ ካብ መስረትቲ ትግራይ ኣርት ኮሌክቲቭ እያ።

ንሳ ዕላማ እቲ ትካል ኲናት ትግራይ ዝፈጥሮ በሰላ ብስራሕቲ ኪነ-ጥበብ ንምንፅብራቕ ይሰርሑ ከምዘለዉ ትገልጽ።

“ብትግራይ ኣርት ኮሌክቲቭስ ክንሰርሖ እንደሊ ዘለና እቲ ሓደ፡ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ትግራይ ክፈልጡ ምግባር እዩ። ብርግጽ ኩላትና ማሕበረሰብና ዘጋጠሞ ንፈልጦ ኢና። ግን ድማ ካብቲ ልሙድ ወፂእና ብስራሕቲ ስነ-ጥበብ ኣቢልና ንመላእ ዓለም ክንዛረብ ኢና ንደሊ።

"ምኽንያቱ ኩሉሻብ መራኸቢ ማዕከናት ክገልፅዎ ክንጽበ ኣይንኽእል፤ እንተገለፅዎ እውን ከምቲ ንሕና እንሓስቦ ከይኸውን ይኽእል። ስለዚ ከም ተጋሩ ዘጋጥመና ዘሎ ብስነ-ጥበብ ኣቢልና ክንገልጾ የድሊ፤ ስነ ጥበብ ድማ ዛንታ እንነግረሉን እንረዳድአሉን ጽቡቕ መንገዲ እዩ" ትብል።

ኣብ ሃገረ ኣመሪካ እትነብር ዳታ ሳይንቲስትን ሰኣሊትን ማህደር ኣለም ተላ እውን፡ ካብ መስረትቲ እቲ ትካል ሓንቲ እያ። ንሳ ኣብቲ ምርኢት ስእሊ ካብ መላእ ዓለም ናይ ዝተኣኻኸቡ ልዕሊ 16 ሰኣልቲ ተጋሩ ስራሕቲ ከምዝቐረብሉ ተዛሪባ።

“እቲ ምርኢት ስእሊ ካብ መላእ ዓለም ዝተኣኻኸቡ ልዕሊ 16 ተጋሩ ሰኣልቲ ስራሕቶም ዘቕርብሉ እዩ። ካብ መቐለ፣ እስራኤል፣ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣውሮጳ፥ ኣመሪካን ካናዳን ዝመጹ እዮም። ብዙሓት ኣብ ትግራይን ካብ ትግራይ ወጻኢ ዘለዉ ተጋሩ ሰብ ሞያ ኣካል እዚ ማሕበር ናይ ምግባር ሓሳብ'ውን ኣለና”ኢላ።

ብተወሳኺ ትግራይ ኣርት ኮሌክቲቭስ ዝተፈላለየ ዓውዲታት ስነ-ጥበብ ዝሓቖፈ ማሕበር ከምዝኾነ እውን ማህደር ትዛረብ። “ዝተፈላለየ ድሕረ ባይታ እዩ ዘለና። ሰኣልቲ ጥራሕ ዘይኮኑስ፣ ገጠምቲ ፋሽንን ካልኦት ሙያታትን እውን ዝሓወሰ እዩ። ሕዚ ዘጋጥም ዘሎ፣ ቅድሚ ሕዚ ዘጋጥሙን ዝመጽእን ብኪነ-ጥበብ ኣቢሉ ክግለጽ እዩ” ትብል።

ኣብ ቀረባ መዓልትታት ኣብ ኣመሪካ ተመሳሳሊ ምርኢት ስእሊ ኣካይዶም ከምዝነበሩ እትገልጽ ገብርኤላ ተስፋይ፡ ካብ መሸጣ ስእሊ ዝተረኸበ ኣታዊ ንሓደ ኣብ ሱዳን ንዝርከቡ ስደተኛታት ዝሕግዝ ትካል ከምዘወፈይዎ ገሊጻ።

ማህደር ብወገና እቲ ኣብ ፓሪስ ንሰለስተ መዓልትታት ዝካየድ ምርኢትን መሸጣን ስእሊ፡ ኣታዊኡ ንካልእ ካልእ ገባሪ ሰናይ ከምዝህብዎ ንቢቢሲ ገሊጻ።

“ነቲ ካብ ናይ ፓሪስ ምርኢት እንረኽቦ ኣታዊ፡ ንሓበን ትግራይ ኢና ክነወፍዮ። ሓበን ትግራይ ኣብ ኣመሪካ ዝተመስረተ ትካል ኮይኑ፡ ነቶም ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ስደተኛታት ዝሕግዝ ምግባረ ሰናይ እዩ። ንሕና ድማ ነቶም ክንበጽሖም እንኽእል ተጋሩ ብስራሕትና ኣቢልና ምሕጋዝ ኣድላዪ ኮይኑ ረኺብናዮ” ኢላ።

ትግራይ ኣርት ኮሌክቲቭ ተመሳሰልቲ ምርኢታት ስእሊ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ብቀጻሊ ናይ ምድላው ድልየት ከምዘለዎ እውን እተን ኣዳለዊ ንቢቢሲ ተዛሪበን።