INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ፅዮናዊት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤ/ክርስትያን ትግራይ

ፅዮናዊት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤ/ክርስትያን ትግራይ ምስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤ/ክርስትያን ኢትዮጵያ ዝነበራ ርክብ ሙሉእ ብሙሉእ ኣቋሪፃ፡ ናይ ባዕላ ላዕለዋይ ቤ/ፅሕፈት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤ/ክርስትያን ትግራይ ምምስራታ ከም ዘሐጎሶም ዓለም ለኻዊ ማሕበር ካህናት ትግራይ ዘኦርቶዶክስ ተዋህዶ ገሊፆም።

ናብዚ ውሳነ ንምብፃሕ ዝተኽኣለ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ማሕበር ካህናት ትግራይ ምስ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ሊቃነ ጳጳሳትን ማሕበር ካህናትን ብዝፈጠሩዎ ናይ ሓሳብን ተግባርን ሓድነት ምዃኑ ተሓቢሩ።

ዋሺንግተን ዲሲ: 08 ለካቲት 2014 ዓ/ም (TMH)

ቤ/ፅ ዓለም ለኸ ማሕበር ካህናት ትግራይ ዘኦርቶዶክስ ተዋህዶ፣ ፅዮናዊት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤ/ክርስትያን ትግራይ ምስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤ/ክርስትያን ኢትዮጵያ ዝነበራ ርክብ ሙሉእ ብሙሉእ ምቁራፃ ስዒቡ ኣብ ዘውፆ መግለፂ እቲ ውሳነ ትኽክለኛን ታሪኻውን ውሳነ ምዃኑ ምስሓበረ፣ ድሕሪ ሐዚ ናይታ ቅድሚ ኩሉ ዝነበረትን ዘላን መሰረተ ኩሉ ዝኾነት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ሃይማኖትን ቀኖናን ታሪኽን ዓቂብና ሓዱሽ ታሪኻዊ ምዕራፍ እንጅምረሉ ዘበን ምብፃሕና ዘበስር እዩ ክብል ገሊጹዎ ኣሎ።

መሰረት ሕግን ስርዓትን፣ መበቆል ፊደልን ስነ-ፅሑፍን፣ መሰረት ዜማን እምነትን፣ ሙኋዘ ጥበባትን ፍልስፍናን፣ መንበረ ቅዱሳን ዝኾነት ፅዮናዊት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤ/ክርስትያን ትግራይ፡ ናብዚ ታሪኻዊ ውሳነ ክትኣቱ ካብ ዘገደድዋ እቶም ቀንዲ ምኽንያታት፡ መራሕቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤ/ክርስትያን ኢትዮጵያ ካብ ፈጣሪ ዝተውሃቦም ሓላፍነት ብምዝንጋዕ፡ ኣብ ፈርሳዊ ደልሃመት ስለ ዝተሸኸሉን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ጄኖሳይድ ምስ ዝኣወጁ ሸሪኾም ሓገዝቲ ናይቲ ዕንወት ከም ዝኾኑን ዝገለፀ ኮይኑ፡ ብዘይካዚ ህዝቢ ትግራይ ምስ ሰይጣን ብምንፅፃር፡ ሰይጣን ይሐሸና ዝብሉን ካልኦትን ኣፀየፍቲ ስራሕቲ ዝሰርሑ መራሕቲ ብስም ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤ/ክርስትያን መራሕትን ኣቦታትን ክኾኑ ስለ ዘይግባእ፡ ነዚኣቶም ኣሊና ናብ መረበትናን ታሪኻዊ መንበሪናን ክንምለስ ግድን ስለ ዝኾነ እዩ ክብሉ ገሊፆም።

ድሕሪ ደጊም ዕርፊ ኋይማኖትና፡ ታሪኽና፣ ስርዓትናን መንነትናን ጨቢጥና ንቕድሚት እንስጉመሉ፡ ፅዮናዊት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤ/ክርስትያን ትግራይ ናብ ዝለዓለ ብራኸ ንኽትበፅሕ ለይቲ ምስ ቀትሪ እንሰርሐሉ፡ ናብቶም መራሕቲ ጥፍኣትን ዓመፅን ዝኾኑ መራሕቲ ሃይማኖት ኢና በሃልቲ ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ተመሊስና እነመዓድወሉ እዋን ኣብዚ ኣብቂዑ፡ ናይታ መሰረተ ኩሉ ዝኾነት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ሃይማኖትን ታሪኽን ዓቂብና ሓዱሽ ታሪኻዊ ምዕራፍ እንጅምረሉ ዘበን እዩ ምስበሉ ሰለስተ ነጥብታት ኣቐሚሮም ኣለዉ፣

1፡ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኣቦታት ሊቃነጳጳሳትን ሊቃውንተ-ትግራይን ብሓባር ኮይኖም ናይ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤ/ክርስትያን ትግራይ ጠቕላልን ላዕለዋይን ቤ/ፅ ንምምስራት ዝወሰንዎ ውሳነ ከም ዝድግፉን ንተግባራውነቱ ኣበርቲዖም ከም ዝሰርሑን
2፡ ኣብ ትግራይን ኣብ ወፃኣን ንዝርከባ ኣብያተ ክርስትያናት ብላዕሊ ኮይኑ ዝመርሕን ዘተሓባብርን ቤ/ፅ/ሲኖዶስ ስለ ዘድሊ ኣብ ቀረባ ኣዋን ተግባራዊ ክኸውን ብዘይ ውዓል ሕደር ክስርሐሉ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።
3፡ ኣብ ህዝብናን ሃገርናን ዝበፅሕ ዘሎ ደረት ኣልቦ ስቓይ ንኸብቅዕ፡ ኣምላኽ ንሰብኣ ነነዌ ምሕረት ከም ዘውረደ ብምሕረቱ መከራ ህዝብና ከርሕቐልና ካብ 7-13 ለካቲት 2014 ዓ.ም ፆመ-ትግራይ ዝተኣወጀ ምዃኑን ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ።

Read More