INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ተስፋ ድሕሪ ክልተ ዓመታት ፀላም ህይወት

ተስፋ። ድሕሪ ክልተ ዓመታት ፀላም ህይወት ከፊልኩም ዓድና ክንረግፅ ዘኽአልኩምና ጀጋኑ ምስጋና ይብፃሕኹም። ኣብ ገጠር ይኹን ከተማ ዝተዓዘብኩዎ ንፁር ባህግን መፈፀሚ ስርዓትን ዓቲርና እንተሰሪሕና ኣብ ህዝብና ዘሎ ጣዕሳን ተስፋ ትንሳኤን ዝገርም እዩ። ኩሉ ሰብ ግን ኣብ ፖለቲካ ስክፍታ ኣለዎ። ነዃል እናደለየ Zero-sum game ካብ ዝፃወት ፖለቲካ ውጥጥ ወፂና ኣብ Level playing field ሕመቕና ፊት ንፊት ገጢምና ፖለቲካ ትግራይ እንተዐሪናዮ ትንሳኤ ትግራይ ሐዚ እዩ።

ክልተ ዕድል ኣለና። መውፅኢ ኣብ ዘየብሉ ዓዘቕቲ Post-traumatic stress disorder (PTSD) ጥሒልና ወግሐ ፀብሐ ነብስና እናዋረድና ኣንሕና ኣይንረብሕን ብዝብል መንፈስ ናይ ሓዘን ዳስ ዳሲና እናተበፃሕና ህዝቢ መለመኒ ገይርና ኣብ ረግረግ ድኽነት ምንባር ወከይኣ ዘይከኣል መከራ ዝኸኣለ ህዝቢ ሰዓራይ Post-traumatic growth (PTG) ስነ ልቦና ዐዕጢካ ውድቀትና ከም መንጠሪ ተጠቒምና ናብ ባህግና ምምራሕ። ምርጫ ህዝቢ ትግራይ ግልፂ እዩ።

ስለዝኾነ’ውን ትኹረት ጊዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ ናብ “ንቡር” ምምላስ ክኾን ኣለዎ ዝብል እምነት ኣይብለይን። “ንቡር’ማ” ድኽነት እዩ። ናይ ሓፂር፣ ማእኸላይን ነዊሕን ጊዜ ትልሚ ክህልዉና’ኳ ግቡእ እንተኾነ፣ ዕድሚኡ ሓፂር ምስ ምኳኑ፣ ትኹረት ጊዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሰገር ዕለታዊ ስራሕቲ Emergency ኣብ ዘላቒ ረብሓ ትግራይ ዓብዪ ትርጉም ዘለዎም ህዝቢ ብስፍሓት ከሳትፉ ዝኽእሉን ብርሃን ትንሳኤ ትግራይ ዘመላኽቱን No More Small Dreams መልእኽቲ ዘለዎም Flagship Projects እንተዝህልዎ ተመራፂ ይመስለኒ።

ፕሮጀክት “ብብዕራይ ዘይትሓርስን ሰማይ ዘይተማዓዱን ትግራይ” ድማ ቁልፊ መለለዪ ፕሮጀክት ጊዜያዊ ምምሕዳር እንተትኾን ክንደይ ምፀበቐ። ስለዝኾነ’ውን ገዚፍ ተኸታታሊ ሓገዝ ቀረብ ዕለታዊ መግብን መድሓኒትን ትፅቢት እንገብረሉ ገዚፍ ካሕሳን ዳግመ ህንፀት ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓትን ትካላትን ሓዊሱ ክንረኽቦ እንኽእል ብዝሕ ዝበለ ዝተበታተነ ሓገዝ ኣማእኺልና ኣብዞም ዝስዕቡ ብዘላቕነት ትግራይ እግሪ ዘትክሉ ወሰንቲ ስራሕቲ እንተነትኩር ፅቡቕ መሲሉ ይስመዐኒ።

1 - ቅድሚ ኹሉ ብመሰረት ዝበፃሕናዮ “ስምምዕነት ሰላም” ፎቓዶ መጠልያን ኣብ ኢድ ሻዕብያን ኣምሓራን ዝሳቐ ዘሎ ህዝብናን መሬትናን ቅድሚ ክረምቲ ሓራ ክወፅእ ብዕቱብ ክስረሐሉ ይግባእ። ዝተገፈዐ ህዝቢ ግቡእ ፍትሕን ካሕሳን ክረክብ እንተዘይክኢሉ ጊዜ ሓልዩ ሕነ ክፈዲ ባህርያዊ ስለዝኾነ ካብ ኣዙሪት ኲናት ምእንታን ክንወፅእ ፍትሒ ከይጉዕፀፅ ኣዝዩ ምጥቃቕ ይድሊ። ብዝተረፈ ፖለቲካ ትግራይ ኣብ Level playing field ፅኑዕ እንተዘይረጊፁ ገሌና ክንስጉም ገሌና ክንጎትት ጉዕዞና ኹሉ Zero-sum game ከይኸውን ሱር በቆስ ምትዕርራይ መፃወቲ ሜዳ ፖለቲካ ትግራይ ክንገብር ይግባእ።

2 - Digital ID - ቁፅሩ ከይተረፈ ብእሪይ ቁፅር ዘይትፈልጦ ህዝቢ ብቁዕ ትልምን ክትትልን ዕብየቱ ክትገብር ኣፀጋሚ እዩ ጥራይ ዘይኮነስ ብቐፃልነት ህዝቢ ብዝረብሕን ዘይረብሕን ግልጋሎት ክረክብ ዘጥፈኦ ጊዜን ዝበፅሖ ምግልታዕን ክቕንስ እንተኾይኑ Digital Service ምትእትታው ግድን ስለዝኾነ Digital ID ማእኸል ዝገበረ ህዝቢ ቖፀራ እንተነካይድ ፅቡቕ መሲሉ ይስመዐኒ።

3 - Mechanized Agriculture - ከባቢ 1,000,000 ሄክታር ዝግመት ተሓራሲ መሬት ትግራይ ብሕልፊ ምዕራብ፣ ሰሜን ምዕራብን ደቡብ ትግራይን ትኹረት ዝገበረ እንተነኣሰ ከባቢ ሓደ ሚልዮን ናይ ስራሕ ዕድል ክፈጥር ዝኽእል 500,000 ሄክታር Mechanized Agriculture Program ክንጅምር ግድን ይመስለኒ። በዚ ኣጋጣሚ መላእ ትግራይ ክተኣታቶ ዝኽእል ስራሕቲ ሃፍቲ እንሰሳ ዓብዩ ጠለብ Animal Feed ስለዝህልዎ ኣብ ከክንዲ ብኣንፃር ረብሓ ትግራይ ኣብዙይ እቶ ዝበሃል ኣበርክቶ ዘይነበሮ ስራሕቲ ሕርሻ ሰሊጥ ምዕራብ ትግራይን ሰሜን ምዕራብ ትግራይን ቀረብ ፀገም መግቢ ሰብን እንሰሳን ኣብ ምፍታሕ ዓብዪ ግደ ዘለዎም ስራሕቲ ሕርሻ ዕፉኑን ምሸላን ዝመሰሉ ዘራእቲ ብፅንዓት ተደጊፉ ትዂረት እንተዝግበረሎም ፅቡቕ ይመስለኒ።

4 - Animal Farming - ሃፍቲ እንሰሳ ሕድ ሕድ ስድራ ትግራይ ክሰርሐሉ ዝኽእል ዓውዲ እዩ። ቀረብ ምሩፅ ዘርኢ፣ መግብን መድሓኒትን ዉሑስ እንተገይርና እንተነኣሰ መላእ ትግራይ ዝርከብ ከባቢ ሓደ ሚልዮን ስድራ ገባር፣ ደርሁ፣ ዓሳ፣ ጠለ በጊዕ፣ ፀባ ላሕሚ፣ ስጋ ብዕራይ፣ መዓር፣ ወዘተርፈ ብቐሊሉ ከፍሪ ከም ዝኽእል ፅንዓት ዘድልዮ ኣይመስለንን።

5 - Urban Agriculture - ኣብ ጊዜ ኲናት ናይ ብዙሓት ህይወት ዝተውሓሰ ብሉፅ ተሞክሮ Urban Agriculture ዘሚኑ ዝቕፅለሉ መስርሕ ምትእትታው። Urban Agriculture ትግራይ ናብ Green House Vegetable Farming ክሰጋገር ኣለዎ። ብተወሳኺ ገባር ትግራይ ክመሃረሉ ብዘኽእል ብርኪ ኣብ ወሰና ወሰን ከተማ ምህርቲ ዓሳ ሓዊሱ ስታንዳርዶም ዝሓለዉ ዘመናዊ ማእኸላት ፍርያት እንሰሳ ክኽፈቱ ይግባእ።

6 - Mountain Farming - ጎቦታት ትግራይ ፍርያት መዓር ሓዊሱ ብዝተፀንዐ መንገዲ እንተነኣሰ ብዙሕ ክንክን ዘይደልዩ ኣዝዩ ድርቂ ብዝቋቘሙን ብዙሕ ሓመድ ይኹን ጠሊ ከይጠለቡ ልዑል ምህርቲ ብዝህቡ፣ ካሳቫ፣ በለስን ሞሪንጋን ዝኣምሰሉ ክረምታዊ ክለምዑ ኣተኲርና ክሰርሕ ግድን ይመስለኒ። በሊዕኻ ምሕዳር ቁም ነገር ናብ ዘየብሉ ብርኪ ክነውርዶ ይግባእ።

7 - Deep Water Well Drilling - ውሕስና ቀረብ ማይ ፕሮጀክት ሞትን ሕየትን ሕርሻ ትግራይ እዩ። ብጊዜ ይኹን ብዝጠልቦ ካፒታል ቀልጢፉ ከርክበልና ዝኽእል ፕሮጀክት ጎዳጉዲ ማይ መሲሉ ይስመዐኒ። ሃጥ እንተበለ ካብ ሓደ ሽሕ ዘይበዝሓ እንተነኣሰ ግን ሕድ ሕድ ጣብያ ሓንቲ Deep Water Well Drilling ማሽን ክትረክብ እንተትኽእል ዓይኒ ማይ ትግራይ ብቐሊሉ እትነትዕ መሲሉ ይስመዐኒ።

8 - ቀረብ ድኹዒ፣ ምሩፅ ዘርእን ፀረ ባልዕን። ገባር ቀፃሊት ክረምቲ ከይተምልጦ ፍሉይ ምድላው ቀረብ ድኹዒ፣ ምሩፅ ዘርኢ፣ Herbicideን Pesticideን ናይ ሞትን ሕየትን ገዛ ዕዮ ገይርና ክንሰርሐሉ ይግባእ። ብቐፃልነት ትግራይ ማእኸል ፍርያት ድኹዒ፣ ምሩፅ ዘርኢ፣ Herbicideን Pesticideን እትኾነሉ መንገዲ ምንዳይ ግን ግድን እዩ።

9 - Off-grid Solar Power - ናብራ ገባር ትግራይ ብወሳናይ መልክዑ ተዘይተቐይሩ ትግራይ ክትቕየር ኣይትኽእልን። ገባር ትግራይ ክቕየር ዝኽእል ድማ ዘመናዊ ሕርሻ ክመርሕ እንተኺኢሉ እዩ። ዘመናዊ ሕርሻ ብሙሉእነት ክመርሕ እንተኾይኑ ድማ መብራህቲ ገዛ ሓዊሱ ሕርሻ መሳሪኡ ክገንሕ፣ ክፅግን፣ ክብይድ፣ ከማሓይሽ፣ ማይ ክገንሕ፣ ፍሪጅ ክጥቀም፣ ትምህርቲ ክከታተልን ሓበሬታን ርክብን ከሳልጥን ዘኽእሎ ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ እንተረኺቡ እዩ። ኣብ ኢድና ዘሎ ቀሊል ፍታሕ ደማ ኣብ ሕድ ሕድ ህድሞ ገባር ክንስቀል ዝኽእል Solar power መሲሉ ይስመዐኒ።

10 - Industrial Parks - መላእ ትግራይ ክፍጠር ዝኽእል ፍርያት ሃፍቲ እሰሳ፣ ምዕራብን ሰሜን ምዕራብ ትግራይን ክፍጠር ዝኽእል ፍርያት ሜካናይዝድ ሕርሻ፣ ደቡብ ትግራይ ክፍጠር ዝኽእል ፍርያት ሆርቲካልቸርን መላእ ትግራይ ክፍጠር ዝኽእል ስራሕቲ ሓፂን መፂንን ጠለብ ዲጂታል መሳርሕን መድሓኒት ሰብን እሰሳን ኣብ ግምት ዘእተወ እንተነኣሰ ኣብ ሕድ ሕድ ዞባ ህንፀት ሓደ ኢንዱስትሪ ፓርክ ወሳኒ መሲሉ ይስመዐኒ።

11 - School Feeding - ከባቢ 25 ሚኢታዊ ህዝቢ ትግራይ ብዝለዓለ ብርኪ ልፀገም ድኽዳኸ ልተጋለፁ ዕሸላት ተምሃሮ ምዃኖም ይፍለጥ። ስለዝኾነ’ውን ትግራይ ቀልጢፋ ክትሓዊ እንተኾይና መላእ ትግራይ ምስ ዓለም ለኸ ትካላት ገበርቲ ሰናይ ብምትሕብባር School Feeding Program ክጅመር ግድን ይመስለኒ። ቀረብ ባኒ፣ እንቋቑሖ፣ ስጋ፣ ፀባ፣ መዓር፣ ኣሕምልቲ ይኹን ፍራምረ በብኸባቢኡ ዘሎ ገባር ስለዝውንኖ ቁጠባ ገባር ትግራይ ኣብ ምብርባር’ውን ዓብዪ ግደ ይህልዎ።

12 - Digital Education - ሕፅረት ብቑዓት መማህራን፣ መፃሕፍትን ቤተ ፈተነን ብቐሊሉ ክቕረፍ እንተኾይኑ በብብርኩ ዝርከቡ ተምሃሮ ዝመሃርዎም ትምህርትን ተዛመድቲ ሓገዝቲ መፃሕፍተን ቨርቹዋል ቤተ ፈተነን ሓዊሱ ብፅሑፍ፣ ብድምፅን ብምስልን ተዳልዮም ሕድ ሕድ ተምሃራይ ጊዜን ቦታን ከይገደቦ ምእታን ትምህርቱ ክከታተል ብመልክዕ ታብሌት ዝረኽበሉ ዕድል ልምፍጠር One Tablet for One student Program ክነተኣታቱ እንተኺኢልና ብሉፅ ትሕዝቶ ትምህርቲ፣ ብሉፅ መምህር፣ ብሉፅ መፅሓፍትን ብሉፅ ቨርችዋል ቤተ ፈተነን ብሓንቲ ታብሌት ኣቢልካ ኣብ ዝደለኻዮ ሰዓትን ቦታን ምርካብ ማለት እዩ።

13 - ሓውሲ IT Parks - ቓላሚኖ ሓዊሱ ኣብ ሕድ ሕድ ከተማ ዝህነፃ ዘለዋ Special High Schools ተቐላጢፈን ክውድኣ ብምግባር ጎና ጎኒ ሓውሲ IT Park ኮይነን ዘገልግላሉ መስርሕ ተዝተኣታቶ ኣብ ዓዲ ውሽጢ ዘለዉ ተጋሩ ሰብ ሙያ IT ኣድላዪ ሓፀርቲ ስልጠና እናተውሃቦም ኣብ ናይ ዓለምና ዓበይቲ ትካላት Online ዝሰርሕሉ ዕድል ምስ ምስ ዘመቻችዉልና ዓለም ለኸ ትካላት ገበርቲ ሰናይ ክሰርሕ እንተኺኢልና Digital ትግራይ በይኑ ዋሕስ ትግራይ ክኾን ከምዝኽእል ህንዲ ምስክር እያ።

14 - Mobile Medical Facilities - ዝዓነዉን ዝተዘርፉን ትካላት ጥዕና ብእንደልዮ ስታንዳርድ እስካብ ዝማልኡ ህዝቢ ኣርሒቑ ናብ ግልጋሎት ጥዕና ዘይኮነስ ግልጋሎት ጥዕና ናብ ህዝቢ ክኸድ ይግበኦ። ብመሰረት ቀውሲ እትገጥም ዓለምና እትኽተሎ ተሞክሮ፣ ኣብ ሕድ ሕድ ወረዳ ኣብ መዓልትታት እትገጣጠም ሓንቲ Mobile Hospitalን ሓንቲ Mobile Medical Truckን ሓዊሱ ልዕሊ ዝኾነ ጊዜ ህዝብና ጥዕና ግልጋሎት ደለያ ኣርሒቑ ምኻዱ ስለዘይተርፎ ብብርኪ ጣብያ ሓንቲ Ambulance ክትህሉ ዘግብር ፕሮግራም እንተንቐርፅ’ውን ፅቡቕ ይመስለኒ።

15 - ህንፀት መንበሪ ኣባይቲ ከተማታት ትግራይ። ቅድሚ ኹሉ ከተማታትና ድኽነትና ዘይኮነስ ናይ ቀረባን ነዊሕን ሕልምና ዘተኣናግድ ፅፉፍ ማስተር ፕላን ክህልወን ይግባእ፡፡ እግረ መንገድና ክንመሃረሎም ዝግበአና ዓለም ሙሉእ ዘጣቐዐሎም ደቂ ሲንጋፖር ልጎኒ እንትሪኡ መሬት ምስ ፀቦቦም መወዳእታ ናብ ዘየብሉ ሰማይ ከምዝጠመቱ ክነስተውዕል ይግባእ። ስለዝኾነ'ውን ዜጋታት ካብ ውራ መሬት ወፂኦም ብዝተወደበ መልክዕ ብዝተሓተ ዋጋ ውቁባት Smart Cities ምእንታን ክሃንፁ ፍሉይ ኣንፈትን መተባብዕን ክዳሎ ይግባእ፡፡

16 - ፍሉይ ስልጠና ስነ ልቦናን ቴክኒክን መናእሰይ። ካብ ስራሕቲ ሕርሻ ብተወሳኺ ይንኣስ ይዕበ ትግራይ ናብ ኮንትራክሽን ሳይት ከም እትቕየር ግሁድ እዩ። ስለዝኾነ’ውን መናእሰይ ዘይከኣል ዝኸኣለ ስልጠና ሰዓራይ ስነ ልቦና ሓዊሱ ብሕልፊ ኣብ ስራሕቲ ሃፍቲ እንሰሳ፣ ብየዳ፣ ሃናፂ፣ ነዳቒ፣ ለሳኒ፣ ፌራዮ፣ ቀለም፣ ኤልክትሪክ፣ ስራሕቲ ማይ ቡምባ፣ ምህርቲ ብሎኬትን ጡብን፣ ፅርበት እምኒን ስራሕቲ ፊኒሺንግን ዘተኮረ ኣብ ሕድ ሕድ ወረዳ ኣብ ዝተመረፃ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ካብ 6 ወርሒ ዘይበለፀ ሓፀርቲ ስልጠናታት እንተነዳሉ ኣዝዩ ፅቡቕ ይመስለኒ።

17 - Micro Finance - ጠለብ እምበር ቀረብ የለን ማለት ኢድና ዝተንከፎ ስራሕ ኩሉ ዝብርክት ምኳኑ ግልፂ እዩ። ይኹን እምበር ሚልዮናት ስራሕ ዕድል ክፈጥር ዝኽእል ብብርኪ Grassroots ቀረብ ገንዘብ ዓብዪ ፈተና ክኸውን እዩ። ትግራይ ከባቢ 100 ቢልዮን ቅርሺ ኣብ ትካላት Micro Finance እንተትዓቁር ከባቢ ሓደ ሚልዮን ስድራ ብማእኸላይ 100 ሽሕ ቅርሺ መልዐሊ ካፒታል ልቓሕ ክረክብ ስለዘኽእሎ ክፍጠር ዝኽእል ማዕበል ምልዕዓል ቁጠባ ብቐሊሉ ምግማት ይከኣል። ዕቋር ተጋሩ ትግራይ ክትርበሐሉ እንተኾይና ኣብ ትካላት Micro Finance ክንዓቁር ይግባእ ጥራይ ዘይኮነስ እንተነኣሰ ሕድ ሕድ ወረዳ ናይ ባዕላ ትካል Micro Finance ክህልዋ ጥጡሕ ባይታ ክንፈጥረላ ይግባእ። ኣቲናዮ ምስዘለና ዝተሓላለኸ መድረኽ፣ ትካላት Micro Finance ነጥቢ መቐይሮ ትንሳኤ ቁጠባ ትግራይ ምኳነን ክነስተውዕል ይግባእ።

18 - መዘናግዒ መናእሰይ። ትግራይ ካብ ሱስ ዝረሓቐ ጥዕንኡ ዝተሓለወ በሊሕ መፍረያይ መንእሰይ የድልያ፡፡ ስለዝኾነ'ውን ካብ ሕድ ሕድ ቤት ትምህርቲ ብተወሳኺ ሕድ ሕድ ወረዳ ብቐፃልነት እስካብ ብርኪ ፕሮፌሽናል ዝጥምቱ ስራሕቲ ልምዓት ስፖርት ተሓሳቢ ዝገበረ መናእሰይ ዝዘናግዕሉ እንተነኣሰ ከባቢ 200 x 300 ሜትሮ ሰፍሓት ዘለዎ መሬት ፀሪገን ብቐሊሉ ምችው መስርሒ ስፖርት መናእሰይ ብቕልጡፍ ከዳልዋ ይግባእ ጥራይ ዘይኮነስ ህንፀት ናይ ህዝቢ ቤተ መፃሕፍቲ ሓዊሱ መናእሰይ ብስፍሓት ዘሳትፋ ክበባት ስፖርት፣ ሰርከስ፣ ስነ ፅሑፍ፣ ሙዚቃ፣ ተዋስኦ፣ ንባብ፣ ታሪክ፣ ዓድኻ ፍለጥ፣ ወለንታውያን፣ ወዘተርፈ ምጥያሽ’ውን ኣዝዩ ኣገዳሲ መሲሉ ይስመዐኒ።

19 - መሐብሐቢ ማእኸል ጉዱኣት ኲናት። ጀጋኑኣ ዘይተኽብር ትግራይ ሓንቲ ስዳሮ ልቕድሚት ፊሒጥ ክትብል ኣይትኽእልን። መሐብሐቢ ማእኸል ጉዱኣት ኲናት ሓደን ክልተን ዘየብሉ ቁፅሪ ሓደ ሓላፍነት መንግስትን ዜጋታትን እዩ።

20 - Boarding Schools and Adoption - ብምኽንያት ዂናት ፈቓድኡ ተበቲኖም ዘለዉ ዘኽታማት ህፃውንቲ ቀልጢፍና ናብ ሓዳሪ ቤት ትምህርቲ ተዘይወሲድናዮምን ዓቕሚ ዘለና ተጋሩ ድማ ገገዛና ወሲድና ማዕረ ደቅና ክነባፅሖም ተዘይክኢልናን መፃኢት ትግራይ ኣብ ሓደጋ እያ። ብሕልፊ ከሳቴ ብርሃን ሓዳሪ ቤት ትምህርቲ ዝኣምሰሉ ትካላት ገበርቲ ሰናይ እንተነኣሰ ኣብ ዓሰርተ ክልቲአን ከተማታት ትግራይ ከም ብሓዱሽ ክጣየሹ ኣድላዪ ሓገዝ ክግበረሎም ይግባእ።

21 - መሐብሐቢ ማእኸል ኣረጋውያን። ብሰንኪ ኲናት ብዙሓት ወለዲ ብምኽንያት ዕድመን ሕማምን ብዘይሓጋዚ ተሪፎም እዮም። መሐብሐቢ ኣረጋውያን ዝሰርሑ ፍሬምናጦስ ዝመሰሉ ገበርቲ ሰናይ ትካላት እንተነኣሰ ኣብ ሕድ ሕድ ዞባ ክጣየሹ ኣድላዪ ሓገዝ ክግበረሎም ይግባእ።

22 - Holocaust Memorial - ክንሰግሮ እምበር 800,000 ህዝቢ ዝበልዐ ፅንተት ትግራይ ፈፂምና ክንርሰዖ ስለዘይግባእ መመሊሱ ከይደግሰና Holocaust Memorial ክንሃንፀሉ ይግባእ ጥራይ ዘይኮነስ ብኲናት፣ ሕማምን ጥምየትን ዝሓለቐ ስም ዝርዝር ሕድ ሕድ ሰማእት ክውቀር ይግባእ።

23 - ፍሉይ ቢሮ መተሓባበሪ ረድኤት። ክሕግዙና ብዙሕ ትፅቢት እንገብረሎም ሃገራትን ዓበይቲ ዓለም ለኸ ትካላት ገበርቲ ሰናይ ሓዊሱ ብዝገጠመና ዕንወት ልክዕ ትግራይ መነሃርያ ዝተፈላለየ ልኡኽ ዘለዎም ትካላት ገበርቲ ሰናይ ከም እትኾን ግልፂ እዩ ጥራይ ዘይኮነስ ዝተፈላለዩ ቅድመ ግምታት ከም ዘመላኽትዎ ካሕሳ ዝዓነዉ ትካላትን መሰረተ ልምዓትን ሓዊሱ ሕውየት ትግራይ ብንእሱ ካብ 25 እስካብ 30 ቢልዮን ዶላር ስለዘድሊ ነዙይ ገዚፍ ሓገዝ ምትእኽኻብ ዘተሓባብር ፍሉይ ቢሮ መተሓባበሪ ረድኤት ክጣየሽ ግድን መሲሉ ይስመዐኒ።

24 - ግደ ተጋሩ። ትዕግስትን ብልሕን ኣብ ዝጠልበሉ ወሳኒ ምዕራፍ ኣለና። ኣበይ ኮይና ኣይንበል፤ ኣብ ዝኸኣልናዮ ነብርህ። ሃገር ድምር ውፅኢት ናብራ ህዝባ ስለዝኾነት ብፍላይ ዓቕሚ ዘለና ተጋሩ ትግራይ ብናይማን ክንሕግዛ እንተኾይና እንተኽኢልና ንንበረላ፤ እንተዘየለ ኢንቨስት ንግበረላ፤ እንተነኣሰ ግን ዕቋርና ኣብ እትውንኖ ቦኽራ ነቐምጠላ። ብተወሳኺ ድማ ዓቕሚ ዘለዎ ሕድ ሕድ ትግራዋይ ካብ ወርሓዊ ቀለብ ምስፋር ብዝዘለለ እንተነኣሰ ስድርኡ ብዘላቕነት ከጣይሽ እንተኺኢሉ ቁጠባ ትግራይ ሱር ሒዙ ክውላዕ እዩ። ሓደ ፅጉም ስድራ ወይ ሓደ ህፃን እንተተመላሊእና ድማ ናይ ናይ ሓገዛት ኩሉ ሓገዝ እዩ።

25 - ኑክሌር ትግራይ፣ ሕብረት ተጋሩ እዩ። My country, right or wrong; if right, to be kept right; and if wrong, to be set right ተኣማንነትና ልትግራይ እስካብ ዝኾነ ኣፈላላያትና ትሕቲ ትግራይ እዮም። ትግራይ ብዘይስኽፍታ መፃኢኣ ትዘቲ፤ ትቀራረብ። ብድኹም ጎና እናኣተና ጥንኩር ጎና ካብ እነፍርሶ፣ ጥንኩር ጎና ተጠቒምና ድኹም ጎና ነዐሪዮ። "Our greatest glory is not in never failing, but in rising every time we fail." Confucius

ርሑስ በዓል ትንሳኤ ትግራይ ይግበረልና💡